“ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ”
“ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን።” —1 ጴጥ. 5:2።
1. ጴጥሮስ ንቐዳመይቲ መልእኽቱ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ክርስትያናት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ነይሮም፧
ካብቲ ኔሮ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት መስጐጕቲ ዘውረደሉ እተወሰነ እዋን ኣቐዲሙ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያን ብጾቱ ምእንቲ ኼበራትዖም ኢሉ፡ ንቐዳመይቲ መልእኽቱ ጸሓፋ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ድያብሎስ ንክርስትያናት ኪውሕጦም ደልዩ “ይዘውር” ነበረ። ክርስትያናት ጸኒዖም ምእንቲ ኺቃወምዎ፡ ‘ኪጥንቀቑን’ ‘ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት ኪብሉን’ ነበሮም። (1 ጴጥ. 5:6, 8) ሓድነቶም ኪሕልዉ እውን ነበሮም። ‘ንሓድሕዶም እንተ ተናኺሶምን ተባሊዖምን፡ ንሓድሕዶም ስለ ዚጣፍኡ፡’ ከምኡ ኺገብሩ ኣይነበሮምን።—ገላ. 5:15።
2, 3. ምስ መን ኢና ኽንቃለስ ዘሎና፧ ኣብዘን ክልተ ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
2 ሎሚ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ኢና ዘለና። ድያብሎስ ንኺውሕጠና ኣጋጣሚታት የናዲ እዩ ዘሎ። (ራእ. 12:12) ‘ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ መከራ’ እውን ኣንጸላልዩ ኣሎ። (ማቴ. 24:21) ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ከይበኣሱ ኺጥንቀቑ ዝነበሮም፡ ንሕና እውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓገዝ ብቑዓት ሽማግለታት የድልየና እዩ።
3 ሽማግለታት ‘ነቲ ምሳታቶም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ’ ኪጓስዩ ብዛዕባ እተዋህቦም ሓላፍነት ዘለዎም ግንዛበ፡ ብኸመይ ኬስፍሑ ኸም ዚኽእሉ እስከ ንርአ። (1 ጴጥ. 5:2) ድሕሪኡ፡ ግቡእ ዕዮ ጕስነት ከመይ ምዃኑ ኽንምርምር ኢና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣባላት ጉባኤ ‘ነቶም ኣብ ማእከሎም ዚጽዕሩን ዚመርሕዎምን ብኸመይ ኬኽብርዎም ከም ዚኽእሉ’ ኽንምርምር ኢና። (1 ተሰ. 5:12፡ ትርጕም 1990) ነዚ ምምርማርና፡ ቅልስና ምስቲ ቐንዲ መጻርርትና ኸም ዝዀነ ኣስተውዒልና፡ ጸኒዕና ንኽንቃወሞ ይሕግዘና።—ኤፌ. 6:12።
ንመጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ
4, 5. ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ብኸመይ ኪርእይዎ ይግባእ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።
4 ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሽማግለታት፡ ነቲ ምሳታቶም ዝነበረ መጓሰ ብዚምልከት፡ ከም ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣተባብዖም። (1 ጴጥሮስ 5:1, 2 ኣንብብ።) ከም ዓንዲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጌርካ ይርአ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ሽማግለታት ኪጽሕፈሎም ከሎ ግን፡ ኣትሒቱ ኣይኰነን ዚርእዮም ነይሩ። የግዳስ፡ ከም ብጾቱ ሽማግለታት ገይሩ እዩ ምዒድዎም። (ገላ. 2:9) ሎሚ ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል እውን ንሽማግለታት ጉባኤ፡ ልክዕ ከም ጴጥሮስ፡ ነቲ ንመጓሰ ኣምላኽ ኪጓስዩ እተዋህቦም ከቢድ ሓላፍነት ኪፍጽሙ ይላበዎም እዩ።
5 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሽማግለታት፡ “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ” ኢሉ ጸሓፈሎም። እቲ መጓሰ፡ ናይ የሆዋን ናይ የሱስ ክርስቶስን ምዃኑ ኺግንዘቡ ነበሮም። ንኣባጊዕ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝሓለዉወን እውን፡ ጸብጻብ ኪህቡ ነበሮም። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓደ ፈታዊኻ፡ ንሱ ምስ ከደ ንደቁ ኽትኣልየሉ ሓተተካ ንበል። ነቶም ቈልዑ ጽቡቕ ጌርካ ኽትሕዞምን ክትምግቦምን ደይኰንካን እትጽዕር፧ ሓደ ኻባታቶም እንተ ሓሚሙ፡ ከተሐክሞ ደይኰንካን እትጽዕር፧ ሽማግለታት ጉባኤ እውን ብተመሳሳሊ፡ ‘ነታ ኣምላኽ ብደም ወዱ ዘጥረያ ማሕበር ኪጓስዩ’ ኣለዎም። (ግብ. 20:28፡ NW) ነፍሲ ወከፍ በጊዕ ብኽቡር ደም የሱስ ክርስቶስ እተዓደገት ምዃና ኺዝክሩ ኣለዎም። ብሓላፍነት ተሓተትቲ ስለ ዝዀኑ፡ ነቲ መጓሰ ኺምግብዎን ኬዕቍብዎን ኪከናኸንዎን ኣለዎም።
6. ጥንቲ ዝነበሩ ጓሶት እንታይ ሓላፍነት እዩ ነይርዎም፧
6 ብዛዕባ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ጓሶት ዝነበሮም ሓላፍነት እሞ ሕስብ ኣብል። ብመዓልቲ ሃሩር፡ ብለይቲ እውን ኣስሓይታ ተጻዊሮም ንመጓሰኦም ይጓስዩ ነበሩ። (ዘፍ. 31:40) ምእንቲ ኣባጊዖም፡ ንህይወቶም እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ የእትዉ ነበሩ። ዳዊት ጓሳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንመጓሰኡ ኻብ ኣራዊት፡ እንተላይ ካብ ኣንበሳን ድብን ይከላኸለለን ነበረ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠሞ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ብጭሕሙ ሒዘ ወቕዔ እቐትሎ ነበርኩ” በለ። (1 ሳሙ. 17:34, 35) ኣየ ትብዓት! ኣብ ምንጋጋ እቲ ኣራዊት እኮ እዩ ቐሪቡ! ይኹን እምበር፡ ንበጊዑ ኻብ ምድሓን ድሕር ኣይበለን።
7. ሽማግለታት ብምሳልያዊ መገዲ ንኣባጊዕ ካብ ምንጋጋ ሰይጣን ዚምንጥሉ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧
7 ሎሚ፡ ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ፡ ካብቲ ምስ ናይ ኣንበሳ ዚመሳሰል መጥቃዕቲ ድያብሎስ ኪከላኸሉሉ ኣለዎም። እዚ ኸኣ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ንኣባጊዕ ካብ ምንጋጋ ድያብሎስ ምምንጣል ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ንኣባጊዖም ምእንቲ ኼድሕኑ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንጭሕሚ ኣራዊት ኪሕዙ ይኽእሉ እዮም። ብመጻወድያ ሰይጣን ንዚሰሓቡ ገርህታት ኣሕዋት ይምዕድዎም ይዀኑ። (ይሁዳ 22, 23 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ነዚ ብዘይ ሓገዝ የሆዋ ኣይኰኑን ዚፍጽምዎ። ንእተሰብረት በጊዕ ተጠንቂቖም ይዝንኑን በቲ ምስ ዚልከ ፈውሲ ዚመሳሰል ቃል ኣምላኽ ገይሮም ይፍውሱን እዮም።
8. ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ናበይ እዮም ዚመርሕዎ፧ ብኸመይከ፧
8 ጓሳ ንመጓሰኡ፡ ልሙዕ ሸኻን ማይን ናብ ዚርከቦ ቦታ ይመርሐን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ፡ ‘በብግዜኡ ምእንቲ ኺምገብ’ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ኺእከብ ብምትብባዕ፡ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይመርሕዎ እዮም። (ማቴ. 24:45) ብመንፈስ ዝሓመሙ ዘበሉ ኻብ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኺምገቡ፡ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዝያዳ ግዜ ወሲዶም ኪሕግዝዎም የድሊ ይኸውን። ጠፊኣ ዝነበረት በጊዕ ናብ መጓሰኣ ኽትምለስ ትፍትን ትህሉ ትኸውን። ሽማግለታት ንሓዎም ኣብ ክንዲ ዜፍርህዎ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ብለውሃት ይገልጹሉን ነዚ ኣብ ህይወቱ ብኸመይ ግብራዊ ኺገብሮ ኸም ዚኽእል የርእይዎን እዮም።
9, 10. ሽማግለታት ብመንፈስ ንዝሓመሙ ሰባት ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይግባእ፧
9 ክትሓምም ከለኻ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ሓኪም ኪሕክመካ ኢኻ እትመርጽ፧ ጽን ኢሉ ዘይሰምዓካ፡ እንታይ ዓይነት ፈውሲ ኽትወስድ ከም ዘሎካ ብሃወኽ ነጊሩ ኸኣ ናብ ዚቕጽል ሕሙም ዚኸይድ ሓኪም ዲኻ እትመርጽ፡ ወይስ ጽን ኢሉ ዚሰምዓካን እንታይ ከም ዝዀንካ ዚነግረካን ኣማራጺታት ዚሕብረካን፧
10 ብተመሳሳሊ፡ ሽማግለታት ብመንፈስ ንዝሓመመ ሰብ፡ ኪሰምዕዎን ንኺሓዊ ኺሕግዝዎን ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ተግባር እዚ ኸኣ፡ ‘ብስም የሆዋ፡ ዘይቲ ለኽዮምዎ’ ኺበሃል ይከኣል እዩ። (ያእቆብ 5:14, 15 ኣንብብ።) ቃል ኣምላኽ፡ ከም ዚልከ ፈውሲ ጊልዓድ ብምዃን፡ ንዝሓመመ ዜረስርስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኤር. 8:22፣ ህዝ. 34:16) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰንከልከል ንዚብል ሰብ፡ መንፈሳዊ ሚዛኑ ንኺሕሉ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ብመንፈስ ንዝሓመመ ክርስትያን፡ ዜተሓሳስቦ ነገር ብምስማዕን ምስኡ ብምጽላይን፡ ብዙሕ ኣበርክቶ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።
ብፍታው እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን
11. ሽማግለታት ብምንታይ ተደሪኾም እዮም ንመጓሰ ኣምላኽ ብፍታው ዚጓስይዎ፧
11 ጴጥሮስ ቀጺሉ ንሽማግለታት፡ ኣብ ዕዮ ጕስነት ኪግበር ብዛዕባ ዘለዎን ዘይብሉን ነገራት ኣዘኻኸሮም። ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ “ብፍታው . . . እምበር፡ ብግዲ” ኺጓስይዎ የብሎምን። ብምንታይ ተደሪኾም እዮም ንኣሕዋቶም ብፍታው ዜገልግልዎም፧ ጴጥሮስ ብምንታይ ተደሪኹ ድዩ ንኣባጊዕ የሱስ ዚጓስየንን ዚምግበንን ዝነበረ፧ በታ ንጐይታኡ ዝነበረቶ ፍቕሪ። (ዮሃ. 21:15-17) ሽማግለታት ብፍቕሪ ስለ ዚድረኹ፡ ‘ነቲ ምእንትኦም ዝሞተ እምበር፡ ንርእሶም ኣይነብሩን’ እዮም። (2 ቈረ. 5:14, 15) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ምስታ ንኣምላኽን ንኣሕዋቶምን ዘላቶም ፍቕሪ ተደሚራ፡ ጕልበቶምን ሃብቶምን ግዜኦምን ሰዊኦም ነቲ መጓሰ ኼገልግሉ ትድርኾም እያ። (ማቴ. 22:37-39) ብፍታው ደኣ እምበር፡ ብግዲ ኣይኰኑን ገዛእ ርእሶም ዚውፍዩ።
12. ሃዋርያ ጳውሎስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ገዛእ ርእሱ ወፍዩ፧
12 ሽማግለታት ክሳዕ ክንደይ እዮም ገዛእ ርእሶም ኪውፍዩ ዚግባእ፧ ንመጓሰ ኣምላኽ ኪከናኸኑ ኸለዉ፡ ነቲ ንየሱስ ዝመሰሎ ሃዋርያ ጳውሎስ ኪቐድሕዎ እዮም ዚጽዕሩ። (1 ቈረ. 11:1) ጳውሎስን ብጾቱን ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት የፍቅርዎም ስለ ዝነበሩ፡ ‘ገዛእ ነፍሶም ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰኑን’ ኬካፍልዎም ዚምነዩ ነይሮም። ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ ኸኣ፡ “ከምታ ውሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት” ርሕሩሓት ነበሩ። (1 ተሰ. 2:7, 8) ጳውሎስ፡ ንደቃ እትከናኸን ኣደ ኸመይ ከም ዚስምዓ ይርዳእ ነይሩ እዩ። ምእንታኦም ኢላ ዘይትገብሮ ነገር የልቦን፡ ፍርቂ ለይቲ እውን እንተ ዀነ ተንሲኣ ትምግቦም እያ።
13. ሽማግለታት እንታይ ሚዛን እዮም ኪሕልዉ ዘለዎም፧
13 ሽማግለታት ኣብ መንጎ እቲ ንኺጓስዩ እተዋህቦም ሓላፍነትን ኣብ መንጎ ንስድራ ቤቶም ዘለዎም ግዴታን ሚዛኖም ኪሕልዉ ኣለዎም። (1 ጢሞ. 5:8) ምስ ስድራ ቤቶም ኬሕልፍዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ኽቡር ግዜ ሰዊኦም እዮም፡ ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ግዜ ዜሕልፉ። ሓሓሊፎም ንኻልኦት ኣሕዋት ናብ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም ብምዕዳም፡ ንኽልቲኡ ሓላፍነታት ኣብ ምፍጻም ሚዛኖም ኪሕልዉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ጃፓን ዚነብር ማሳናኦ ዝስሙ ሽማግለ፡ ንንጽልን ብመንፈሳዊ መዳይ ዘኽታማት ንዝዀኑን ኣስፋሕቲ፡ ናብቲ ምስ ስድራ ቤቱ ዚገብሮ መጽናዕቲ ይዕድሞም ነበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ገለ ኻባታቶም፡ ሽማግለታት ኰኑ፡ ነቲ ማሳናኦ ዝሓደጎ ኣብነት ከኣ ቀድሕዎ።
ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓ ኣይኹን
14, 15. ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ ኪጓስይዎ ኸለዉ፡ “ምእንቲ ኸንቱ ረብሓ” ኢሎም ከይገብርዎ ኺጥንቀቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ንጳውሎስ ኪመስልዎ ዚኽእሉኸ ብኸመይ እዮም፧
14 ጴጥሮስ ንሽማግለታት፡ ንመጓሰ ኣምላኽ ኪጓስይዎ ኸለዉ፡ “ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓ” ኢሎም ከይገብርዎ ተላበዎም። ሽማግለታት ዚዓዪዎ ዕዮ ብዙሕ ግዜ ዚወስድ እኳ እንተ ዀነ፡ ዋጋ ድኻሞም ብገንዘብ ኪኽፈሎም ግን ኣይጽበዩን እዮም። ጴጥሮስ ንብጾቱ ሽማግለታት፡ “ምእንቲ ኸንቱ ረብሓ” ምጕሳይ ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ ኼጠንቅቖም ኣድላዪ ምዃኑ ተረዲኡ ነይሩ እዩ። እዚ ሓደጋ እዚ፡ ኣብ መራሕቲ ሃይማኖት “ዓባይ ባቢሎን” ኪርአ ይከኣል እዩ፣ ብዙሓት ሰባት ብድኽነት እናነበሩ ኽነሶም፡ ንሳቶም ግን ምሾት ዝበዝሖ ናብራ ይነብሩ ኣለዉ። (ራእ. 18:2, 3) ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን፡ ከምዚ ዓይነት ዝንባለ ኸይህልዎም ኪጥንቀቑ ኣለዎም።
15 ጳውሎስ ንክርስትያን ሽማግለታት ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዚዀኖም። ሃዋርያ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ኬኽብደሎም’ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ‘ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበልዐን።’ የግዳስ፡ ‘ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን ይዓዪ’ ነበረ። (2 ተሰ. 3:8) ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሽማግለታት፡ እንተላይ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ኣብነት እዮም ዚዀኑ። ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም የአንግድዎም እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሳቶም ግን ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ‘ኣየኽብዱን’ እዮም።—1 ተሰ. 2:9።
16. ሽማግለታት ነቲ መጓሰ “ብታሕጓስ” ይጓስይዎ ኺበሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧
16 ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ “ብታሕጓስ” እዮም ዚጓስይዎ። እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ነቲ መጓሰ ዚሕግዙሉ መገዲ ብንጹር ይርአ እዩ። እዚ ማለት ግን፡ ነቲ መጓሰ፡ ንየሆዋ ንኼገልግል የገድድዎ ማለት ኣይኰነን፣ መንፈስ ውድድር ኪህሉ እውን ኣየተባብዑን እዮም። (ገላ. 5:26) ነፍሲ ወከፍ በጊዕ ናታ ባህርይ ከም ዘለዋ ይርድኡ እዮም። ኣሕዋቶም ንየሆዋ ተሓጒሶም ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ብታሕጓስ ይሕግዝዎም እዮም።
ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ከም ጐይተት ኣይትኹኑ
17, 18. (ሀ) ሃዋርያት ሓድሓደ ግዜ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ትሕትና ዝመሃሮ ትምህርቲ ምርዳኡ ዜጸግሞም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንዓናኸ እንታይ ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧
17 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ሽማግለታት፡ እቲ ዚጓስይዎ መጓሰ ናታቶም ዘይኰነስ፡ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ኺዝክሩ ኣለዎም። ‘ኣብ ማሕበራት ኣምላኽ ከይጕይተቱ’ ይጥንቀቑ እዮም። (1 ጴጥሮስ 5:3 ኣንብብ።) ሃዋርያት የሱስ ካብ ግጉይ ድራኸ ተበጊሶም፡ ሓላፍነት ዝደለዩሉ እዋን ነይሩ እዩ። ከምቶም ንኣህዛብ ዚገዝእዎም ዝነበሩ ገዛእቲ፡ ምርኡይ ቦታ ኺህልዎም እዮም ደልዮም ነይሮም።—ማርቆስ 10:42-45 ኣንብብ።
18 ሎሚ፡ ‘መዓርግ ኤጲስቆጶስ ዚደልዩ’ ኣሕዋት፡ ስለምንታይ ነቲ ሓላፍነት እቲ ይደልይዎ ኸም ዘለዉ፡ ርእሶም ኪምርምሩ ኣለዎም። (1 ጢሞ. 3:1) እቶም ሽማግለታት ኰይኖም ዜገልግሉ ዘለዉ፡ ከምቲ ሃዋርያት ዝገበርዎ፡ ስልጣን ወይ ምርኡይ ቦታ ኺረኽቡ ይደልዩ እንተ ዀይኖም፡ ርእሶም ኪሓትቱ ኣለዎም። ሃዋርያት እኳ ኣብዚ መዳይ እዚ ሽግር ካብ ነበሮም፡ ሽማግለታት እውን በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ህርፋን ስልጣን ከይጽለዉ ኺጥንቀቑ ኣለዎም።
19. ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ ንምዕቋብ ስጕምቲ ኺወስዱ ኸለዉ፡ እንታይ ኪዝክሩ ኣለዎም፧
19 ሓድሓደ ግዜ፡ ሽማግለታት ጽኑዓት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኪዀኑ ዜድልየሉ እዋን፡ ንመጓሰ ኣምላኽ ካብ “እኩያት ተዃሉ” ኼዕቍቡ ኸለዉ እዩ። (ግብ. 20:28-30) ጳውሎስ ንቲቶስ፡ “ብዅሉ ስልጣን . . . ምዐድን ግናሕን” ኢልዎ ነበረ። (ቲቶ. 2:15) ኰይኑ ግን፡ ሽማግለታት ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ኺወስዱ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ ክብረት ሰብ ኪሕልዉ ይጽዕሩ እዮም። ንሰብ ልቡ ንምትንካፍን ቅኑዕ መገዲ ኺስዕብ ንምልዕዓልን ዜኽእል ውጽኢታዊ መገዲ፡ ተሪር ነቐፌታ ኸም ዘይኰነ ስለ ዚግንዘቡ፡ ብህድኣት ኬረድኡ እዮም ዚጽዕሩ።
20. ሽማግለታት ንየሱስ ብምምሳል፡ ሰናይ ኣብነት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
20 ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ ምእንቲ ኼፍቅርዎ፡ በቲ ክርስቶስ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ይድረኹ እዮም። (ዮሃ. 13:12-15) ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብኸመይ ከም ዝመሃሮም ከነንብብ ከለና፡ ልብና ብሓጐስ ይምላእ እዩ። ትሕትናኡ ልቢ ደቀ መዛሙርቱ ተንኪፉ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ‘ብትሕትና ንኻልኦት ካብ ርእሶም ኣብሊጾም ንኺርእዩ’ ደረኾም። (ፊል. 2:3) ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ኪስዕቡ ይድረኹ እዮም፣ ከምኡ ብምግባር ከኣ፡ ‘ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ይዀንዎ።’
21. ሽማግለታት እንታይ ዓስቢ እዮም ኪጽበዩ ዚኽእሉ፧
21 ጴጥሮስ ነቲ ንሽማግለታት ዝሃቦ ማዕዳ፡ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚረኽብዎ መብጽዓ ብምጥቃስ እዩ ዛዚምዎ። (1 ጴጥሮስ 5:4 ኣንብብ።) ቅቡኣት ሓለውቲ ምስ ክርስቶስ፡ ኣብ ሰማይ፡ “ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ” ኪቕበሉ እዮም። እቶም ንኡሳን ጓሶት ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ኣብ ትሕቲ መሪሕነት “እቲ ሓለቓ ጓሶት” ኰይኖም፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ናይ ምጕሳይ ሓላፍነት ኣለዎም። (ዮሃ. 10:16) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣባላት ጉባኤ ነዞም ኪመርሑ እተሸሙ ኣሕዋት ኪድግፉሉ ዚኽእሉ መገድታት ክንርኢ ኢና።
ድግማ
• ጴጥሮስ ንብጾቱ ሽማግለታት፡ ነቲ ምሳታቶም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ኪጓስዩ ምምዓዱ ግቡእ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
• ሽማግለታት ብመንፈስ ንዝሓመሙ ዘበሉ ብኸመይ ኪጓስይዎም ኣለዎም፧
• ሽማግለታት ብምንታይ ተደሪኾም እዮም ነቲ ምሳታቶም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ዚጓስይዎ፧
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት፡ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ጓሶት፡ ምሳታቶም ንዘለዋ “ኣባጊዕ” ኬዕቍብወን ኣለዎም