“ኪሰልጠካ እዩ” ብኸመይ፧
“ኣሳልጦ” እትብል ቃል፡ ንብዙሓት ትምስጦም እያ። ገሊኦም ኣብ ስራሖም ዕቤት ረኺቦምን ሃብቲሞምን ስሞም ኣጸዊዖምን እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ ኣሳልጦ ኺረኽቡ እኳ እንተ ተመነዩ፡ ኣይሰለጦምን።
ኣሳልጦ ብዓብዪኡ ኣብቲ ኣብ ህይወትካ እተተኵረሉ ነገር እዩ ዚምርኰስ። ኣጠቓቕማ ግዜኻን ጕልበትካን ኰነ እተርእዮ ተበግሶ እውን፡ ጽልዋ ዜሕድር ካልእ ኣገዳሲ ረቛሒታት እዩ።
ሓያሎ ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ብምስታፎም፡ ብዙሕ ዕግበት ረኺቦም እዮም። ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ሞያ ህይወቶም ገይሮም ስለ ዝሓዝዎ፡ ሰሊጥዎም እዩ። ኰይኑ ግን፡ ገሊኦም ክርስትያናት ንኣገልግሎት ከም ዜሰልኪ ገይሮም ስለ ዝረኣይዎ፡ ንዕኡ ኣብ ህይወቶም ካልኣይ ቦታ ሂቦም፡ ደድሕሪ ኻልእ ሸቶታት ይስዕቡ እዮም። ናብ ከምኡ ኺመርሖም ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ብሓቂ ኣኽቢርካ ዚርአ ነገር ንኸተተኵር እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ “ኪሰልጠካ” ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧—እያ. 1:8።
ተወሳኺ ንጥፈታት ቤት ትምህርትን መሕለፍ ግዜን
ክርስትያን መንእሰያት ኣብ መንጎ እቲ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎትን ኣብ መንጎ ኻልእ ንጥፈታቶምን ሚዛኖም ኪሕልዉ ኣለዎም። ከምኡ ዚገብሩ መንእሰያት፡ ኣሳልጦ ይረኽቡ እዮም፡ ናእዳ እውን ይግብኦም እዩ።
ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ተወሳኺ ንጥፈታት ቤት ትምህርትን መሕለፍ ግዜን ይጥሕሉ እዮም። እዚ ንጥፈታት እዚ፡ ጌጋ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ክርስትያን መንእሰያት ንርእሶም ከምዚ ኢሎም ኪሓትትዋ ኣለዎም፦ ‘እዚ ንጥፈታት እዚ፡ ክንደይ ግዜ እዩ ዚወስደለይ፧ ምስ መን ከም ዚውዕል እዩ ዚገብረኒ፧ ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ኽካፈል ከለኹ፡ ንኸመይ ዝኣመሰለ መንፈስ እየ ዝቃላዕ፧ ህይወተይ ኣበይ ዘተኰረት እያ እትኸውን፧’ ሓደ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት እንተ ጥሒሉ፡ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ኬደልድል ዜኽእሎ ግዜን ጕልበትን ከም ዚስእን ኣይትስሕቶን ትኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ቐዳምነት ኪወሃቦ ዚግባእ ነገራት ምስራዕ ኣገዳሲ ዝዀነ።—ኤፌ. 5:15-17።
ንኣብነት፡ ንቪክቶር ዘጋጠሞ እስከ ንርአ።a ባዕሉ ተመክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ወዲ 12 ዓመት ከለኹ፡ ኣባል ክለብ ኵዕሶ መርበብ ኰንኩ። ብዙሕ ሽልማት ከኣ ተሸለምኩ። ኰዀብ ክኸውን ኣጋጣሚ ረኺበ ነበርኩ” በለ። ድሕሪ ግዜ፡ እዚ ስፖርት እዚ ኣብ መንፈሳውነቱ ብዛዕባ ዜሕድሮ ዝነበረ ጽልዋ ኼተሓሳስቦ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣንበበ ኸሎ፡ ድቃስ ወሰዶ። ካብ ኣገልግሎት ዚረኽቦ ዝነበረ ሓጐስ እውን እናጠፍአ ኸደ። “ስፖርት ንሓይለይ ጸንቀቖ፣ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ፡ ንመንፈሳዊ ቕንኣተይ እውን የጥፍኦ ኸም ዘሎ ተገንዘብኩ። ዚከኣለኒ ዘበለ እገብር ኣይነበርኩን” በለ።
ዝለዓለ ትምህርቲ
ክርስትያናት ንስድራ ቤቶም ናይ ምእላይ፡ ብስጋ ዜድልዮም እውን ናይ ምምላእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ኣለዎም። (1 ጢሞ. 5:8) ግናኸ፡ ከምኡ ንምግባር፡ ኣብ ኮለጅ ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዮም ኪመሃሩ የድልዮም ድዩ፧
ዝለዓለ ትምህርቲ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ፡ ክንምርምር ኣሎና። ነዚ ብቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ጌርና እስከ ንመርምሮ።
ባሩኽ ንነብዪ ኤርምያስ ከም ጸሓፊኡ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ሓደ እዋን፡ ኣብቲ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰሉ ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ ካልእ ነገራት ኪምነ ጀመረ። የሆዋ ነዚ ስለ ዘስተብሃለሉ፡ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ “ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ፧ ኣይትድለዮ” ኢሉ ኣጠንቀቖ።—ኤር. 45:5።
እቲ ባሩኽ ዚደልዮ ዝነበረ “ዓብዪ ነገር” እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ስርዓት ኣይሁድ፡ ስሙ ኼጸውዕ ደልዩ ይኸውን። ወይ ከኣ ስጋዊ ብልጽግና ኺረክብ ደልዩ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብቲ ዚሓይሽ ነገራት፡ ማለት ኣብ መንፈሳዊ ቝም ነገር ኣየተኰረን። (ፊል. 1:10) ኰይኑ ግን፡ ባሩኽ ነቲ የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነፍሱ ዘመተ ዀነትሉ።—ኤር. 43:6።
ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ እቲ ንባሩኽ እተዋህቦ ምኽሪ፡ ገለ ነገር ጐዲልዎ ኸም ዝነበረ ዚሕብር ነበረ። ንርእሱ ዓብዪ ነገር ደለየ። ርእስኻ ኽትድግፍ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ድሌትካ ምእንቲ ኸተማልእ ወይ ንወለድኻ ወይ ከኣ ንኣዝማድካ ምእንቲ ኸተሐጕስ ኢልካ፡ ግዜኻን ገንዘብካን ጕልበትካን ኣብ ዝለዓለ ትምህርቲ ተውዕሎ ዲኻ፧
ግዤጎሽ ዚበሃል ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ዜዳሉ ሰብ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። መሳርሕቱ ስለ ዘእመንዎ፡ ተወሳኺ ጽዑቕ ስልጠና ኺስልጥን ጀመረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ዚኸውን ግዜ ሰኣነ። ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኵሉ ግዜ እጭነቕ ነበርኩ። ኣብቲ ኽበጽሖ ኢለ ዝሓሰብክዎ መንፈሳዊ ሸቶታት ስለ ዘይበጻሕኩ ኸኣ፡ ሕልናይ ይርብሸኒ ነበረ” በለ።
ኣብ ስራሕ ምጥሓል
ቃል ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ብትግሃት ኪዓይዩን ሓላፍነት ዚስምዖም ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ኪዀኑን የተባብዖም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ “እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ቈሎ. 3:22, 23) ትግሃት ዚነኣድ እኳ እንተ ዀነ፡ ልዕሊኡ ዜገድስ ግን፡ ምስ ፈጣሪና ዘሎና ጽቡቕ ርክብ እዩ። (መክ. 12:13) ሓደ ክርስትያን ኣብ ዓለማዊ ስራሑ ዚጥሕል እንተ ዀይኑ፡ መንፈሳዊ ጕዳያት ብቐሊሉ እዩ ኻልኣይ ቦታ ዚሕዝ።
ሓደ ክርስትያን ብዓለማዊ ስራሑ እንተ ተዋሒጡ፡ እቲ መንፈሳዊ ሚዛኑ ንኺሕሉን ንስድራ ቤቱ ንኺሕግዝን ዜድልዮ ሓይሊ ይጽንቅቕ እዩ። ንጉስ ሰሎሞን፡ መብዛሕትኡ ግዜ “ምሉእ ሕፍኒ . . . ጻዕሪ” ምስ “ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ” ከም ዚተኣሳሰር ገሊጹ ኣሎ። ሓደ ክርስትያን ኣብ ዓለማዊ ስራሑ እንተ ተሸሚሙ፡ ንንውሕ ዝበለ እዋን ዚቕጽል ከቢድ ውጥረት ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። ባርያ ስራሑ ኪኸውንን ካብ ብዝሒ ውጥረት እተላዕለ ኣእምሮኣዊ ሕማም ኬሕድርን ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢምዎ፡ ብሓቂዶ ‘ብዅሉ ጻዕሩ ባህ ኪብሎን ጽቡቕ ኪርእን’ ይኽእል እዩ፧ (መክ. 3:12, 13፣ 4:6) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንስድራ ቤቱ ብዚምልከት ግቡኡ ንኺፍጽምን ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ንኺሳተፍን ዜድልዮ ኣካላውን ስምዒታውን ብርታዐ ይህልዎዶ፧
ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዚነብር ያኑሽ፡ በቲ ኸም ኣታኽልተኛ ዀይኑ ዚሰርሖ ዝነበረ ስራሕ ተዋሒጡ ነይሩ እዩ። ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ ከምዚ በለ፦ “መሃዝን ስራሐይ ብግቡእ ዝፍጽምን ብምንባረይ፡ ዓለማውያን የድንቑኒ ነበሩ። መንፈሳውነተይ ስለ እተጐድአ ግን፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስታፍ ሓደግክዎ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ናብ ኣኼባታት ምኻድ እውን ሓደግክዎ። ክዕበ ስለ ዝጀመርኩ፡ ነቲ ሽማግለታት ዝሃቡኒ ምኽሪ ሸለል በልክዎ፡ ካብ ጉባኤ እውን ረሓቕኩ።”
ምእንቲ ኺሰልጠካ፡ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
ኣብ ላዕሊ፡ ንመንፈሳውነት ክርስትያናት ኪጐድእ ዚኽእል ሰለስተ መዳያት ርኢና ኢና። ሓዲኡ እውን እንተ ዀነ ይትንክፈካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ዚስዕብ ሕቶታትን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ሓሳባትን፡ ብሓቂ ኺሰልጠካ እንተ ዀይኑ ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።
ተወሳኺ ንጥፈታት ቤት ትምህርትን መሕለፍ ግዜን፦ ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ ተሸሚምካ፧ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተውዕሎ ዝነበርካ ግዜ ድዩ ዚወስደልካ ዘሎ፧ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ምሕባር የሐጕሰካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንምንታይ ኣብነት እቲ ንየሆዋ፡ “እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ” ኢሉ ዝለመኖ ንጉስ ዳዊት ዘይትቐድሕ፧—መዝ. 143:8።
ሓደ ገያሺ ሓላዊ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቪክቶር ሓገዞ። እቲ ሓላዊ፡ “ብዛዕባ ዅዕሶ መርበብ ብስምዒት ኢኻ እትዛረብ” በሎ። ቪክቶር ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዝገበሮ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “ከምኡ ምስ በለኒ፡ ተበራበርኩ። መስመረይ ስሒተ ኸም ዝነበርኩ ተገንዘብኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ምስቶም ኣብቲ ክለብ ዝነበሩ ዓለማውያን ኣዕሩኸይ ዝነበረኒ ርክብ ኣቋሪጸ፡ ኣብ ጉባኤ ኣዕሩኽ ከናዲ ጀመርኩ” በለ። ሎሚ፡ ቪክቶር ንየሆዋ ብቕንኣት የገልግሎ ኣሎ። “ንጥፈታት ቤት ትምህርቲ ናብ የሆዋ ኸም እትቐርቡ ወይ ካብኡ ኸም እትርሕቁ ይገብረኩም እንተ ኣልዩ ንምፍላጥ፡ ንፈተውትኹምን ንወለድኹምን ንሽማግለታት ጉባኤን ሕተትዎም” ዚብል ምኽሪ ኸኣ ሂቡ ኣሎ።
ነቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት፡ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝያዳ ሓላፍነት ክትስከም ከም እትደሊ ንምንታይ ዘይትሕብሮም፧ ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ኣረጋውያን ክትድግፎም፡ ምናልባት እውን ዜድልዮም ነገራት ክትዕድገሎም ወይ ዕዮ ቤት ክትዓይየሎም ትኽእልዶ፧ ዕድሜኻ ብዘየገድስ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትካፈል፡ ሓጐስካ ድማ ንኻልኦት ከተካፍሎም ትኽእል ኢኻ።
ዝለዓለ ትምህርቲ፦ የሱስ፡ ‘ክብረት ርእስኻ ብዛዕባ ምድላይ’ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 7:18) ክንደይ ዚኣክል ዓለማዊ ትምህርቲ ኸም እትመሃር ክትውስን ከለኻ፡ ‘እቲ ዚሓይሽ መርሚርካ’ ዲኻ፧—ፊል. 1:9, 10።
እቲ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ዜዳሉ ግዤጎሽ፡ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ገበረ። “ነቲ ሽማግለታት ዝሃቡኒ ምኽሪ ኣርዚነ ብምርኣይ፡ ናብራይ ቀሊል ገበርክዎ። ዝያዳ ዓለማዊ ትምህርቲ ኽመሃር ከም ዘየድልየኒ ተገንዘብኩ። ግዜይን ጕልበተይን እዩ ዜጥፍኣለይ” በለ። ብዝያዳ ኣብ ንጥፈታት ጉባኤ ኺካፈል ጀመረ። ድሕሪ ግዜ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ (ሕጂ ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚበሃል ዘሎ) ተመረቐ። እወ፡ መለኮታዊ ትምህርቲ ብዝያዳ ምእንቲ ኺመሃር፡ ‘ግዜ ዓዲጉ’ እዩ።—ኤፌ. 5:16።
ዓለማዊ ስራሕ፦ ብስራሕ ስለ እተወሓጥካ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ትብሎዶ ኣለኻ፧ እኹል ግዜ ወሲድካ፡ ምስ ስድራ ቤትካ እሂን ምሂን ትበሃሃል ዲኻ፧ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚወሃበካ ኽፍሊ ተመሓይሾዶ ኣለኻ፧ ምስ ካልኦት ኣሕዋት፡ ዚሃንጽ ዕላል ተዕልል ዲኻ፧ የሆዋ ኣብዚሑ ኺባርኸካን ‘ብጻዕርኻ ባህ ኪብለካን’ እንተ ደሊኻ፡ “ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።”—መክ. 2:24፣ 12:13።
እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ያኑሽ፡ በቲ ኸም ኣታኽልተኛ ዀይኑ ዚሰርሖ ዝነበረ ስራሕ ኣሳልጦ ኣይረኸበን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ከሰረ። ኣታዊኡ ምስ ኣቋረጸን ኣብ ዕዳ ምስ ኣተወን፡ ናብ የሆዋ ተመልሰ። ናብራኡ ኣተዓራረየ፡ ሕጂ ኸኣ ስሩዕ ፈላምን ሽማግለ ጉባኤን ኰይኑ የገልግል ኣሎ። “ብመሰረታዊ ነገራት ምስ ዝዓግብን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ምስ ዘተኵርን፡ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ርጉእ ልብን ይህልወኒ” በለ።—ፊል. 4:6, 7።
ንውሽጣዊ ድራኸታትካን ቀዳምነት ንእትህቦ ነገራትን ብቕንዕና ገምግሞ። ንየሆዋ ምግልጋል፡ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ኣሳልጦ የምጽኣልካ እዩ። ስለዚ፡ ኣብኡ ኣተኵር።
“እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ” እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምር፡ እተወሰነ ምትዕርራያት ክትገብር፡ ካብኡ ሓሊፍካ እውን ዘየድሊ ነገራት ከተወግድ የድልየካ ይኸውን። (ሮሜ 12:2) ኰይኑ ግን፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍስኻ እንተ ኣገልጊልካዮ፡ “ኪሰልጠካ እዩ።”
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ንኺሰልጠካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ኣቓልቦኻ ዚስሕብ ብዙሕ ነገራት እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣብቲ ብሓቂ ኣኽቢርካ ዚርአ ነገር ከተተኵር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተጠቒምካ፡ ውሽጣዊ ድራኸታትካን ቀዳምነት እትህቦ ነገራትን ገምግም።
ተወሳኺ ንጥፈታት ቤት ትምህርትን መሕለፍ ግዜን
▪ ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ኽትካፈል ከለኻ፡ ንኸመይ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኢኻ እትቃላዕ፧
▪ ክንደይ ግዜ እዩ ዚወስደልካ፧
▪ ነቲ ንጥፈታት ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ክትህቦ ዲኻ፧
▪ እዚ ንጥፈታት እዚ፡ ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ተውዕሎ ዝነበርካ ግዜ ድዩ ዚወስደልካ፧
▪ ምስ መን ከም እትውዕል እዩ ዚገብረካ፧
▪ እዞም መዋዕልትኻ እዚኣቶም ካብ ክርስትያን ብጾትካ ንላዕሊ ድዮም ዚምስጡኻ፧
ዝለዓለ ትምህርቲ
▪ ርእስኻ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ግዜኻን ገንዘብካን ጕልበትካን ኣብ ተወሳኺ ትምህርቲ ኸተውዕሎ የድልየካ ድዩ፧
▪ ርእስኻ ምእንቲ ኽትክእል፡ ኣብ ኮለጅ ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣቲኻ ኽትመሃር የድልየካ ድዩ፧
▪ ኣብ ኣኼባታት ንኸይትእከብ ዕንቅፋት ይዀነካ ድዩ፧
▪ ‘እቲ ዚሓይሽ መርሚርካ’ ዲኻ፧
▪ ነቲ የሆዋ ዜድልየካ ነገራት ከም ዚህበካ ዘሎካ ምትእምማን ከተደልድሎ የድልየካ ድዩ፧
ስራሕ
▪ ስራሕካ፡ ‘ብዅሉ ጻዕርኻ ባህ ከም ዚብለካን ጽቡቕ ከም እትርእን’ ድዩ ዚገብረካ፧
▪ ስራሕካ ነቲ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነትካ ንኽትፍጽምን ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ንኽትሳተፍን ዜድልየካ ኣካላውን ስምዒታውን ብርታዐ ይጽንቅቖ ድዩ፧
▪ እኹል ግዜ ወሲድካ፡ ምስ ስድራ ቤትካ እሂን ምሂን ትበሃሃል ዲኻ፧
▪ ብስራሕካ ስለ እተወሓጥካ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ትብሎዶ ኣለኻ፧
▪ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚወሃበካ ኽፍሊ ይጸልዎዶ ኣሎ፧
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ንባሩኽ፡ ዓብዪ ነገር ከይደሊ ኣጠንቀቖ