ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/7 ገጽ 30-31
  • ንፈተናታት ብኸመይ ከም እትቃወሞ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንፈተናታት ብኸመይ ከም እትቃወሞ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓሶት ተኸስሰ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/7 ገጽ 30-31

ንመንእሰያት

ንፈተናታት ብኸመይ ከም እትቃወሞ

ዮሴፍ​—1ይ ክፋል

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ-ባህርያት፦ ዮሴፍ፡ ሰበይቲ ጶጢፋር

ጽማቝ፦ ዮሴፍ ነቲ ምስ ሰበይቲ ጶጢፋር ጾታዊ ርክብ ኪፍጽም ዘጋጠሞ ፈተና ተቓወሞ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።​—ዘፍጥረት 39:1-12 ኣንብብ።

እቲ ሰፊሕን መሳጥን እንዳ ጶጢፋር እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ግለጽ።

_______

ዮሴፍ መልክዑ ኸመይ ዝነበረ ይመስለካ፧ (ኣፋፍኖት፦ ቍጽሪ 6 እንደገና ኣንብብ።)

_______

ከምቲ ኣብ ቝጽሪ 8ን 9ን ተገሊጹ ዘሎ፡ ዮሴፍ ንሰበይቲ ጶጢፋር ኪዛረባ ኸሎ፡ ኣብ ድምጹ እንታይ ስምዒት ዚንጸባረቕ ዝነበረ ይመስለካ፧

_______

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

ዮሴፍ ስነ-ምግባራዊ ንጽህናኡ ንኺሕሉ ኪኸብዶ ዚኽእል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣፋፍኖት፦ ፊልጲ 2:12 ኣንቢብካ ብዛዕባ ዅነታት ዮሴፍ ሕሰብ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ዀኑ ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾቱ ኣበይ እዮም ነይሮም፧)

_______

ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝሙት ዚኽልክል ሕጊ ኣምላኽ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ዮሴፍ ንዝሙት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ምሕጣእ ገይሩ ዝረኣዮ ስለምንታይ ይመስለካ፧ (ኣፋፍኖት፦ ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦን ኣስተንትነሉን፦ ዘፍጥረት 2:24፣ 12:17, 18፣ ሮሜ 2:14, 15፣ እብራውያን 5:14)

_______

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባእዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ኣብ መንጎ ርእስኻ ምግታእን ክብረትካ ምሕላውን ዘሎ ምትሕሓዝ።

_______

እቶም ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዚስዕቡ ሰባት ዚረኽብዎ ጥቕሚ።

_______

‘ንልቦናኻ’ ኸተላምዶ ዘለዎ ኣገዳስነት። (እብራውያን 5:14)

_______

ተወሳኺ ኣወዓዕላ።

ኣበየናይ መዳይ ህይወት ኢኻ ንዜጋጥመካ ጾታዊ ፈተና ንኽትቃወሞ ኽትቈርጽ እትኽእል፧ (ኣፋፍኖት፦ እዮብ 31:1፣ መዝሙር 119:37፣ ኤፌሶን 5:3, 4 ኣንቢብካ ኣስተንትነሉ።)

_______

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

_______

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓቶም፡ ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ