ነቲ ንጹር መጠንቀቕታታት የሆዋ ተቕልበሉ ዲኻ፧
“እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ።”—ኢሳ. 30:21።
1, 2. ሰይጣን እንታይ ንኺገብር እዩ ቘሪጹ ተላዒሉ ዘሎ፧ ቃል ኣምላኽከ ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧
ናብ ግጉይ መገዲ ዚሕብረና ምልክት፡ ዜጋጊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደገኛ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዓርክኻ፡ ሓደ እኩይ ሰብ ንገርህታት ተጐዓዝቲ ምእንቲ ኺጐድእ ኢሉ ነቲ ኣንፈት ዚሕብር ምልክት ከም ዝቐየሮ እንተ ዚሕብረካ፡ እንታይ ምገበርካ፧ ንመጠንቀቕታኡ ኣይመቕለብካሉንዶ፧
2 ሰይጣን፡ ብግጉይ መገዲ ኸም እንኸይድ ኪገብረና ዚጽዕር እኩይ ጸላኢ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። (ራእ. 12:9) ንሱ፡ ምንጪ እቲ ኣቐዲማ ኣብ ዝነበረት ዓንቀጽ እተመያየጥናሉ ኣሉታዊ ጽልዋታት ኪኸውን ከሎ፡ ካብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኼርሕቐና እውን ቈሪጹ ተላዒሉ እዩ። (ማቴ. 7:13, 14) እቲ ሕያዋይ ኣምላኽና ግን፡ ደድሕሪ እቲ ሰይጣን ዘቘሞ ዜጋጊ ‘ሓባሪ ምልክት’ ከይንስዕብ የጠንቅቐና እዩ። ሕጂ፡ ንሰለስተ ኣሉታዊ ጽልዋታት ሰይጣን እስከ ንመርምር። ቃል ኣምላኽ ንኸይንታለል ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንምርምር ከለና፡ የሆዋ ብድሕሬና ዀይኑ፡ “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ” ኢሉ በቲ ቕኑዕ መገዲ ኸም ዚመርሓና ጌርና ኣብ ኣእምሮና ኽንስእል ኣሎና። (ኢሳ. 30:21) ነቲ የሆዋ ዚህበና ንጹር መጠንቀቕታታት ምስ እነስተንትነሉ፡ ነቲ መጠንቀቕታታት እቲ ንኸነቕልበሉ ዝያዳ ቘራጽነት ክንገብር ኢና።
‘ደድሕሪ መምህራን ሓሶት ኣይትስዓብ’
3, 4. (ሀ) መምህራን ሓሶት ከም ደረቕ ዔላታት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) መምህራን ሓሶት መብዛሕትኡ ግዜ ኻበይ እዮም ዚመጹ፧ እንታይ ኪገብሩ እዮምከ ዚደልዩ፧
3 ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ትጐዓዝ ከም ዘሎኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣማዕዲኻ ዔላ ትርኢ እሞ፡ ጽምእኻ ዜርዊ ማይ እንተ ረኸብካላ ኢልካ ናብኣ ተላግስ። ኰይኑ ግን፡ እታ ዔላ ደሪቓ ትጸንሓካ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜጕሂ ዀን እዩ! መምህራን ሓሶት ልክዕ ከም ዝደረቐ ዔላ እዮም። ማይ ሓቂ ደልዩ ናብኦም ዚመጽእ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣዝዩ እዩ ተስፋ ዚቘርጽ። የሆዋ ብሃዋርያ ጳውሎስን ብሃዋርያ ጴጥሮስን ኣቢሉ፡ ብዛዕባ መምህራን ሓሶት ኣጠንቂቑና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፣ 2 ጴጥሮስ 2:1-3 ኣንብብ።) እሞኸ እዞም መምህራን ሓሶት መን እዮም፧ እቶም ክልተ ሃዋርያት ዝጸሓፍዎ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት፡ መምህራን ሓሶት ካበይ ከም ዝመጹን ብኸመይ ከም ዚዓዩን ንኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ።
4 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታት፡ “ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም” በሎም። ንክርስትያናት ብጾቱ እውን፡ “ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም” ኢሉ ጸሓፈሎም። መምህራን ሓሶት ካበይ እዮም ዚመጹ፧ ካብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ኺትንስኡ ይኽእሉ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መምህራን ሓሶት፡ ከሓድቲ እዮም።a እንታይ እዮምከ ዚደልዩ፧ ነቲ ኣቐዲሞም ዚፈትውዎ ዝነበሩ ውድብ ብምግዳፎም ጥራይ ኣይዓግቡን እዮም። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም . . . ኪስሕቡ” እዮም ዚጽዕሩ። ጳውሎስ “ንደቀ መዛሙርቲ” ኺብል ከሎ፡ ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ማለቱ እዩ። ከሓድቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ክንዲ ዜፍርዩ፡ ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪስሕቡ እዮም ዚጽዕሩ። መምህራን ሓሶት ንኣባላት ጉባኤ እምነቶም ከም ዜጥፍኡን ካብ ሓቂ ኸም ዚርሕቑን ብምግባር፡ ከም “ዚምንጥሉ ተዃሉ” ኺውሕጥዎም እዮም ዚደልዩ።—ማቴ. 7:15፣ 2 ጢሞ. 2:18።
5. መምህራን ሓሶት እንታይ ሜላታት እዮም ዚጥቀሙ፧
5 መምህራን ሓሶት እንታይ ሜላታት እዮም ዚጥቀሙ፧ እቲ ዚጥቀሙሉ ሜላታት፡ መታለሊ እዩ። ዜበላሹ ሓሳባት “ኣስሊኾም ኬእትዉ” ይጽዕሩ እዮም። ናይ ክሕደት ኣረኣእያታት ኬተኣታትዉ ኸለዉ፡ ከም ኮንትሮባንዲስታ ብምስጢራዊ መገዲ እዮም ዚንቀሳቐሱ። ብዘይካዚ፡ ከሓድቲ ኸምቲ ንናይ ሓሶት ሰነዳት ከም ሓቂ ኣምሲሉ ኬቕርብ ዚፍትን ገበነኛ፡ “ዘረባ ጥበራ” ወይ ናይ ሓሶት መርትዖታት ተጠቒሞም ነቲ ግጉይ ሓሳባቶም ከም ሓቂ ኣምሲሎም ኬቕርቡ ይፍትኑ እዮም። ዕላማኦም ንምውቃዕ፡ ‘ጠባሪ’ ትምህርትታት የስፋሕፍሑ፡ ነቲ ‘ጽሑፋት ድማ ይጠዋውይዎ’ እዮም። (2 ጴጥ. 2:1, 3, 13፣ 3:16) ስለዚ፡ ከሓድቲ ጽቡቕና ኸም ዘይደልዩ ንጹር እዩ። ደድሕሪኦም ምስዓብ፡ ካብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ ዜርሕቐና።
6. መጽሓፍ ቅዱስ ንመምህራን ሓሶት ዚምልከት እንታይ ንጹር ምኽሪ እዩ ዚህበና፧
6 ንርእስና ኻብ መምህራን ሓሶት ከነዕቍባ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ምሳታቶም ኪህልወና ዘለዎ ርክብ፡ ንጹር ምኽሪ ይህበና እዩ። (ሮሜ 16:17፣ 2 ዮሃንስ 9-11 ኣንብብ።) “ካባታቶም ኣግልሱ” ይብለና። እዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ እዚ፡ ንጹር እዩ። ተላባዕን ቀታልን ሕማም ካብ ዝሓዞ ሰብ ከተግልስ ከም ዘሎካ፡ ሓኪም ነጊሩካ ንበል። እቲ ሓኪም ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበለካ ስለ ዚርድኣካ፡ ንመጠንቀቕታኡ ብጥብቂ ኢኻ እተቕልበሉ። ከሓድቲ እውን ‘ሕሙማት’ እዮም፣ በቲ ናይ ክሕደት ትምህርትታቶም ኣቢሎም ከኣ ንኻልኦት ኪብክሉ እዮም ዚጽዕሩ። (1 ጢሞ. 6:3, 4) እቲ ዝለዓለ ሓኪም ዝዀነ የሆዋ፡ ካባታቶም ከነግልስ መኺሩና እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበለና ንፈልጥ ኢና፣ እሞኸ ኣብ ኵሉ መዳያት ንመጠንቀቕታኡ ኸነቕልበሉ ቘራጽነት ጌርና ዲና፧
7, 8. (ሀ) ደድሕሪ መምህራን ሓሶት ምእንቲ ኸይንስዕብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) መምህራን ሓሶት ከይብክሉኻ ቘራጽነት ዝገበርካ ስለምንታይ ኢኻ፧
7 ደድሕሪ መምህራን ሓሶት ምእንቲ ኸይንስዕብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ናብ ቤትና ኣይንቕበሎምን፡ ወይ ሰላም ኣይንብሎምን ኢና። ብዘይካዚ፡ ጽሑፋቶም ከነንብብ፡ ንዕኦም ዜቕርብ መደብ ተለቪዥን ክንርኢ፡ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዚርከብ ናታቶም ወብ ሳይት ከነንብብ ወይ ክንጽሕፍ ኣይግብኣናን። ከምዚ ዝኣመሰለ ቈራጽነት ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት፡ ን“ኣምላኽ ሓቂ” ስለ እነፍቅሮ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ምስቲ ሓቂ ዝዀነ ቓሉ ንዚጻረር ጥውይዋይ ትምህርትታት ኣይነድህበሉን ኢና። (መዝ. 31:5፣ ዮሃ. 17:17) ንውድብ የሆዋ እውን ነፍቅሮ ኢና፣ እዚ ውድብ እዚ፡ ስም የሆዋን ትርጕሙን፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ፡ ኵነታት ምዉታት፡ ተስፋ ትንሳኤ ንዜጠቓልል ባህ ዜብል ሓቅታት ምሂሩና እዩ። ኣብ ፈለማ ነዝን ንኻልእ ክቡር ሓቅታትን ክትመሃር ከለኻ፡ ከመይ ከም እተሰምዓካ ትዝክሮዶ፧ እቶም ነዚ ሓቅታት እዚ ንዝመሃረካ ውድብ ዜጸልሙ መምህራን ሓሶት ኪብክሉኻ ደኣ እሞ ስለምንታይ እተፍቅደሎም፧—ዮሃ. 6:66-69።
8 መምህራን ሓሶት ዝበሉ እንተ በሉ፡ ኣይንስዕቦምን ኢና። ናብዞም ከም ዝነቐጸ ዔላ ዝኣመሰሉ መታለልቲ ምኻድ፡ ዜታልልን ተስፋ ዜቝርጽን እዩ። እምበኣር፡ ንየሆዋ ዀነ ነቲ ኻብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ንጹህን ዜርውን ማይ ሓቂ ዜቕርበልና ውድብ፡ እሙናት ንኹን!—ኢሳ. 55:1-3፣ ማቴ. 24:45-47።
‘ደድሕሪ ጽውጽዋያት ኣይትስዓብ’
9, 10. ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ብዛዕባ “ጽውጽዋያት” እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂብዎ፧ ኣብ ኣእምሮኡ ዝሓስቦ ዝነበረኸ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (እግረ-ጽሑፍ እውን ርአ።)
9 ናብ ሓደ ቦታ ኽንጐዓዝ ከለና ኣብ መገድና እንረኽቦ ናብ ግጉይ ኣንፈት ዜመልክት ሓባሪ ምልክት፡ ኬታልለና ይኽእል እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምልክት፡ ወትሩ ኣይኰነን ብቐሊሉ ዚልለ። ኣሉታዊ ጽልዋታት ሰይጣን እውን ከምኡ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኻልእ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ሰላሕታዊ ሜላ ኣጠንቂቑ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ፡ “ጽውጽዋያት” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:3, 4 ኣንብብ።) ካብቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚምርሕ መገዲ ምእንቲ ኸይነስግል፡ እዚ ጽውጽዋያት እዚ እንታይ ምዃኑን ካብ ምስዓቡ ብኸመይ ክንርሕቕ ከም እንኽእልን ክንፈልጥ ኣሎና።
10 እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ጽውጽዋያት ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣብቲ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ እዩ ዚርከብ። ጢሞቴዎስ ከኣ፡ ንጽህና እታ ጉባኤ ንኺሕሉን ኣመንቲ ብጾቱ እሙናት ኪዀኑ ንኺሕግዞምን ሓላፍነት እተዋህቦ ክርስትያን ሓላዊ እዩ ነይሩ። (1 ጢሞ. 1:18, 19) ጳውሎስ ነቲ መጠንቀቕታ ኺህብ ከሎ፡ ነታ ልቢ ወለድ፡ ኣፈ-ታሪኽ፡ ወይ ሓሶት እተመልክት ናይ ግሪኽኛ ቓል እዩ ተጠቒሙ። ብመሰረት ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ፡ እታ ቓል፡ “ምንም ሓቅነት ዘይብሉ (ሃይማኖታዊ) ጽውጽዋይ” እያ እተመልክት። ጳውሎስ ብዛዕባ ጽውጽዋያት ኬጠንቅቕ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ሃይማኖታዊ ሓሶት ዜስፋሕፍሕ ናይ ፈጠራ ዛንታታት ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።b ከምዚ ዝኣመሰለ ጽውጽዋያት፡ “ዚበዝሕ ክትዕ” ዜምጽእ፡ ማለት ዕላማ ናብ ዘይብሉ ምርምር ዚመርሕ ዘይረብሕ ሕቶታት ዜለዓዕል እዩ። ጽውጽዋያት፡ እቲ ብሃይማኖታዊ ሓሶትን ብኣረማዊ ኣፈ-ታሪኽን ኣቢሉ ንገርህታት ኬስድዖም ዚጽዕር ቀንዲ መታለሊ ዝዀነ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ስልቲ እዩ። እምበኣር፡ እቲ ጳውሎስ ንጽውጽዋያት ከይነቕልበሉ ዝሃበና ምኽሪ ንጹር እዩ።
11. ሰይጣን ንሰባት ምእንቲ ኼታልሎም ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ብጕርሒ ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧ ነየናይ መጠንቀቕታ ምስ እነቕልበሉ እዩኸ ንኸይንታለል ዚሕግዘና፧
11 ካብ ሓቂ ኼርሕቐና ዚኽእል ገለ ጽውጽዋያት እንታይ እዩ፧ እቲ “ጽውጽዋያት” ዚብል ኣገላልጻ፡ ‘ካብ ሓቂ ኺመልሰና’ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ሓሶት ወይ ኣፈ-ታሪኽ ኬመልክት ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 4:3, 4) እቲ ንርእሱ “ንመልኣኽ ብርሃን” ዜምስል ሰይጣን፡ ንሰባት ምእንቲ ኼታልሎም ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ብጕርሒ ይጥቀመሉ እዩ። (2 ቈረ. 11:14) ህዝበ-ክርስትያን ብስም ክርስትና፡ ከም ስላሴን ገሃነም እሳትን ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ዚገልጽ ትምህርትን ዝኣመሰለ ኣፈ-ታሪኻትን ሓሶትን ትምህር እያ። ብዘይካዚ፡ ከም ልደትን ትንሳኤን ዝኣመሰለ ንጹህ ዚመስል፡ ግናኸ ያታውን ኣረማውን መበቈል ዘለዎ በዓላት ተኽብር እያ። ነቲ “ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን” ዚብል ኣምላኽ ዝሃበና መጠንቀቕታ ምስ እነቕልበሉ፡ ብጽውጽዋያት ኣይክንታለልን ኢና።—2 ቈረ. 6:14-17።
12, 13. (ሀ) ገለ ኻብቲ ሰይጣን ዜስፋሕፍሖ ሓሶት እንታይ እዩ፧ ሓሶት ዜብሎኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብጽውጽዋያት ሰይጣን ካብ ምትላል ክንሕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12 ሰይጣን፡ እንተ ዘይተጠንቂቕና ኼታልለና ዚኽእል ካልእ እተፈላለየ ሓሶት እውን የስፋሕፍሕ እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ቅኑዕን ጌጋን በቲ ንዓኻ ዚስምዓካ ስለ ዚውሰን፡ ዝደለኻዮ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን መዘናግዕን ይተባባዕ እዩ። ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ እተዛብዐ ኣረኣእያ ምሓዝ፡ ንዅሉ ስነ-ምግባራዊ ቐይዲ ዕሽሽ ንኽትብሎ ጸቕጢ ዚገብር እዩ። ከም ሓቂ ግን፡ ኵላትና እቲ ኣምላኽ ጥራይ ኪህበና ዚኽእል ስነ-ምግባራዊ መሪሕነት የድልየና እዩ። (ኤር. 10:23) ካልኣይ፡ ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ምድሪ ኢዱ ኣየእቱን እዩ። በዚ ንሎሚ ጥራይ ክትነብር ዜተባብዕ ኣረኣእያ ምስ እንጽሎ፡ “ሃካያትን ዘየፍርዩን” ክንከውን ንኽእል ኢና። (2 ጴጥ. 1:8) ኰይኑ ግን፡ መዓልቲ የሆዋ ኣዝያ ትቐርብ ስለ ዘላ፡ ድሉዋት ኴንና ኽንጽበያ ኣሎና። (ማቴ. 24:44) ሳልሳይ፡ ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ኣይሓልየልካን እዩ። ነዚ ኻብ ሰይጣን ዚምንጭ ሓሶት ምእማኑ፡ ኣምላኽ ፈጺሙ ኸም ዘየፍቅረና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ስለ ዚገብር፡ ተስፋ ኬቝርጸና ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ ግን፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ የፍቅሮምን ኣኽቢሩ ይርእዮምን እዩ።—ማቴ. 10:29-31።
13 እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እተንጸባርቖ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን፡ ቅኑዕ መሲሉ ኺረኣየና ስለ ዚኽእል፡ ክንጥንቀቐሉ ኣሎና። ሰይጣን ዝወጸሉ መታለሊ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ነቲ ቓል ኣምላኽ ዚህቦ ምኽርታትን መዘኻኸሪታትን ምስ እነቕልበሉ ጥራይ ኢና፡ በቲ ሰይጣን ‘እተጣበቦ ጽውጽዋያት’ ካብ ምትላል ክንሕሎ እንኽእል።—2 ጴጥ. 1:16።
‘ደድሕሪ ሰይጣን ኣይትስዓብ’
14. ጳውሎስ ንገለ ሓያማት እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂብወን፧ ኵላትና ነቲ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧
14 ኣብ መገድኻ፡ “ደድሕሪ ሰይጣን ዚመርሕ መገዲ” ዚብል ሓባሪ ምልክት ከም ዝረኣኻ ጌርካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። መን ካባና እዩ እሞ በዚ ናብ ሰይጣን ዚመርሕ መገዲ ኪኸይድ ዚደሊ፧ ጳውሎስ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ገሊኦም ብእኡ ‘ዘምቢሎም ደድሕሪ ሰይጣን ዝሰዓቡሉ’ እተፈላለየ መገድታት ኣጠንቂቑና ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:11-15 ኣንብብ።) ቃላት ጳውሎስ፡ ነተን “ሓያማት” ዚምልከት እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ መሰረታዊ ሓሳቡ ግን ብርግጽ ንዅላትና ዚምልከት እዩ። እተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ክርስትያናት፡ ደድሕሪ ሰይጣን ይስዕባ ኸም ዘለዋ ኣይሓሰባን ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን፣ ኰይኑ ግን፡ ብተግባራተን ይስዕባኦ እየን ነይረን። ንሕናኸ ብዘይፍላጥ ደድሕሪ ሰይጣን ንኸይንስዕብ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ሕሜት ዝሃቦ መጠንቀቕታ ንመርምር።
15. ዕላማ ሰይጣን እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ንሜላታት ሰይጣን ዝገለጾኸ ብኸመይ እዩ፧
15 ሰይጣን ብዛዕባ እምነትና ኽንዛረብ፡ ማለት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ኣይደልየናን እዩ። (ራእ. 12:17) ስለዚ ኸኣ እዩ ግዜና ኣብ ዜጥፍእ ወይ ንሓድሕድና ኣብ ዚፈላሊ ንጥፈታት ከም እንካፈል ኪገብረና ዚጽዕር። ጳውሎስ ነቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ሜላታት ጠቒሱ ኣሎ። ብዛዕባ እተን ብግዜኡ ዝነበራ ሓያማት፡ “እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዚምሀራ” በለ። ኣብዚ ዘመነ-ተክኖሎጂ እዚ፡ ግዜናን ግዜ ኻልኦት ሰባትን ኣብ ዘይረብሕ ነገራት ምብኻን ቀሊል እዩ። ንኣብነት፡ ዘየድሊ ወይ ቅኑዕ ዘይኰነ ሓበሬታ ብኢ-መይል ኣብ ምዝርጋሕ ግዜና ኸነጥፍእ ንኽእል ኢና። ቀጺሉ ጳውሎስ፡ እተን ሓያማት፡ “ሓመይቲ” [ትርጕም 1990] ከም ዝዀና ገሊጹ ኣሎ። ሕሜት ናብ ጸለመ ወይ ምክፋእ ኪመርሕ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ባእሲ እዩ ዜልዕል። (ምሳ. 26:20) ሕሱማት መካፋእቲ፡ እንተ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ፡ ንሰይጣን ድያብሎስ እዮም ዚመስልዎ።c ጳውሎስ እተን ሓያማት፡ “ወልፋሳት” ከም ዝዀና እውን ገሊጹ ኣሎ። ንኻልኦት ብሕታዊ ጕዳያቶም ብኸመይ ከም ዚሕዝዎ ኽንነግሮም መሰል የብልናን። እዚ ኸምዚ ዝበለ ዘይረብሕን ህውከት ዚፈጥርን ጠባይ፡ ካብቲ እተዋህበና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ዕዮ ኼብኵረና ይኽእል እዩ። ንዕዮ የሆዋ ብንጥፈት ካብ ምድጋፍ እንተ ኣቋሪጽና ኸኣ፡ ደድሕሪ ሰይጣን ኢና እንስዕብ። ስለዚ፡ ካብ ክልቲኡ ንሓዲኡ ኽንመርጽ ኣሎና።—ማቴ. 12:30።
16. ‘ደድሕሪ ሰይጣን ምእንቲ ኸይንስዕብ፡’ ነየናይ ምኽሪ ኢና ኸነቕልበሉ ዘሎና፧
16 ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ፡ ‘ደድሕሪ ሰይጣን ካብ ምስዓብ’ ክንርሕቕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ገለ ኻብቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ጥበባዊ ምኽሪ እስከ ንርአ። ንሱ፡ “ብዕዮ ጐይታ . . . ዕዙዛት ኩኑ” በለ። (1 ቈረ. 15:58) ብዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዕዙዛት ምስ እንኸውን፡ ካብቲ ግዜና ኼጥፍኣልናን ኪጐድኣናን ዚኽእል ዘይረብሕ ነገራት ክንርሕቕ ኢና። (ማቴ. 6:33) ጳውሎስ፡ “ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ” ኢሉ እውን መኺሩና ኣሎ። (ኤፌ. 4:29) ሕሜት ከይንሰምዕን ከይንዝርግሕን ቈራጽነት ንግበር።d ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኽንኣምኖምን ከነኽብሮምን ይግባእ። ከምኡ ምስ እንገብር ድማ፡ ዚሃንጽ እምበር ዜፍርስ ዘረባ ኣይክንዛረብን ኢና። ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ፡ ‘ዕዮ ርእስና ኽንገብር’ ምዒዱና ኣሎ። (1 ተሰ. 4:11, 12) ንኻልኦት ብብሕቲ ኽንግደሰሎም ዚግባእ እኳ እንተ ዀነ፡ ንብሕቱውነቶም ግን ከነኽብረሎም ኣሎና፣ ከምኡ ምግባር፡ ክብረቶም ዚሕሉ እዩ። ኣብቲ ብሕታዊ ውሳነ ምግባር ዜድልዮ ጕዳያቶም እውን፡ ኣረኣእያና ኸነስርጸሎም ከም ዘይግባእ ክንርስዕ የብልናን።—ገላ. 6:5።
17. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኽንስዕቦ ዘይብልና ነገራት ዜጠንቅቐና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ቈራጽነት ኢኻ ኽንገብር ዘሎካ፧
17 ቃል ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እቲ ኽንስዕቦ ዘይብልና ነገራት ኣነጺሩ ስለ ዚሕብረና፡ ክሳዕ ክንደይ መማሰውቲ ዀን ኢና! የሆዋ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽን ዝረኣናዮ መጠንቀቕታታት ዝሃበና፡ ስለ ዜፍቅረና ኸም ዝዀነ ኽንርስዕ የብልናን። በቲ ናይ ሰይጣን ‘ሓባሪ ምልክት’ ተታሊልና ኣብ ስቓይን መከራን ክንወድቕ ኣይደልየናን እዩ። እታ የሆዋ ኽንከደላ ዚደልየና መገዲ ቐጣን እኳ እንተ ዀነት፡ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ እትመርሕ። (ማቴ. 7:14) ሃየ እምበኣር፡ ነቲ፡ “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ” ዚብል የሆዋ ዝሃበና ማዕዳ ወትሩ ንምስዓብ ቈራጽነት ንግበር።—ኢሳ. 30:21።
[እግረ-ጽሑፋት]
a “ክሕደት” ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምርሓቕ፡ ምውጻእ፡ ምኽዳዕ፡ ምዕላው፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምርሕራሕ ማለት እዩ።
b ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ኻብ ኣቡኸሪፋዊ መጻሕፍቲ ዝዀነ መጽሓፍ ጦቢት፡ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ. እተጻሕፈ ኪኸውን ከሎ፡ ብግዜ ጳውሎስ እውን ነይሩ እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ብማሪታዊ ጽውጽዋያት ዝመልአ፡ ብዛዕባ ኣስማትን ጥንቈላን ዚገልጽ ትርጕም ዘይብሉ ዛንታታት ከኣ ከም ሓቂ ገይሩ ዜቕርብ መጽሓፍ እዩ።—ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 1ይ ጥራዝ ገጽ 122 ርአ።
c እታ ዲያቦሎስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “መካፍኢ” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ካልእ መጸውዒ እቲ ቐንዲ መካፍኢ ዝዀነ ሰይጣን እያ።።—ዮሃ. 8:44፣ ራእ. 12:9, 10።
d “ክንቲት ኣብ ንፋስ ምብታን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ኣብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ንዘሎ መጠንቀቕታታት ብብሕትኻ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]
ክንቲት ኣብ ንፋስ ምብታን
ሕሜት ብዛዕባ ዜስዕቦ ጕድኣት ኣጸቢቑ ዜብርህ ጥንታዊ ዛንታ ኣይሁድ ኣሎ። እቲ ዛንታ ብእተፈላለየ መገዲ ዚንገር እኳ እንተ ዀነ፡ ጽማቝ ሓሳቡ ግን እዚ ዚስዕብ እዩ።
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ንዚነብር ጥበበኛ ሰብኣይ ዜካፍእ ወረ ነዝሐ። ጸኒሑ፡ እቲ ሓማዪ ብግብሩ ስለ እተጣዕሰ፡ ነቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ይቕረ ኺብለሉ ለመኖ፣ ጌጋኡ ንምዕራይ እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል ድማ ሓተቶ። ድሕሪኡ፡ እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ነቲ ሓማዪ፡ ብኽንቲት እተመልአ መተርኣስ ኬምጽእ እሞ፡ ነቲ መተርኣስ ቀዲዱ ኣብ ንፋስ ኪብትኖ ነገሮ። እቲ ሓማዪ በቲ እተነግሮ ነገር ተገረመ፣ ኰይኑ ግን፡ ከምቲ እተባህሎ ገይሩ ናብቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ተመልሰ እሞ፡
“ሕጂኸ ይቕረ ኢልካለይዶ፧” ኢሉ ሓተቶ።
እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ድማ፡ “ፈለማ፡ ነቲ ዝበትንካዮ ኽንቲት ኣክቦ” በሎ።
ንሱ ኸኣ፡ “ንፋስ ስለ ዝበተኖ፡ ከመይ ገይረ ኽእክቦ እኽእል፧” ኢሉ መለሰ።
እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ድማ፡ “ከምቲ ነቲ ኽንቲት ክትእክቦ ዘይከኣልካ፡ ብሰሪ ቓላትካ ንዝሰዓበ ጕድኣት እውን ከተዐርዮ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።
ካብዚ ዛንታ እዚ እንረኽቦ ትምህርቲ ንጹር እዩ። ሓንሳእ እተዘርበ ቓል ኪምለስ ኣይክእልን እዩ፣ ብሰንኩ ንዝሰዓበ ጕድኣት ምውጋድ እውን ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ምሕማይ፡ ክንቲት ኣብ ንፋስ ከም ምብታን ከም ዝዀነ ኽንርስዕ የብልናን።
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ገሊኦም ንኸሓድቲ ኣብ ቤቶም ዚዕድምዎም ብኸመይ እዮም፧