ቈልዑ እንታይ ኪመሃሩ ኣለዎም፧
“መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16።
ቈልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኺመሃሩ ኣለዎም። ነዚ ሓቂ እዚ ኻበይ እዮም ኪመሃርዎ ዚኽእሉ፧ ካብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዚኽበር ሃይማኖታዊ መጽሓፍ፡ ማለት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ኪመሃርዎ ዚኽእሉ።
መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከም ሓደ ኻብ ኣምላኽ እተላእከ ደብዳበ እዩ። ኣብዚ ደብዳበ እዚ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ባህርያቱ ገሊጹ ኣሎ፣ ንዓበይቲ ይኹን ንንኣሽቱ ደቁ ዚኸውን ስነ ምግባራዊ መምርሒ እውን ሂቡ ኣሎ። ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርትን ቈልዑ ኻብኡ እንታይ ኪመሃሩ ኸም ዚኽእሉን እስከ ንርአ።
ኣምላኽ ብዛዕባኡ እንታይ ክንፈልጥ እዩ ዚደልየና፧
◼ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ንስኻ፡ ጐይታ [“የሆዋ፡” NW] ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ።”—መዝሙር 83:18።
እንመሃሮ ትምህርቲ፦ ኣምላኽ ኣካል ዘይብሉ ሓይሊ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪን ፍሉይ ስም ዘለዎን ኣካል እዩ።
◼ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣልባብ ይመራምሮ፡ ንዅሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ እሞ፡ እንተ ደሌኻዮስ፡ ኪርከበልካ እዩ።”—1 ዜና መዋእል 28:9።
እንመሃሮ ትምህርቲ፦ የሆዋ ኣምላኽ ንዅልና፡ እንተላይ ንንኣሽቱ ቘልዑ ይሓሊ እዩ። (መዝሙር 10:14፣ 146:9) ብዛዕባኡ ኽንመሃር እውን ይደልየና እዩ።
◼ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ንዘኽታማት ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም። እንተ ገፋዕካዮም፡ እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ፡ ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ።”—ዘጸኣት 22:22-24።
እንመሃሮ ትምህርቲ፦ የሆዋ ንጸሎት ንኣሽቱ ቘልዑ እውን እንተ ዀነ ይሰምዖ እዩ። ስለዚ፡ ኣዘውቲርና ናብ ኣምላኽ ክንጽልን ውሽጣዊ ሓሳባትና ዀነ ስምዒትና ኽንገልጽን ንኽእል ኢና።
◼ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ።”—መዝሙር 78:41።
እንመሃሮ ትምህርቲ፦ ዘረባናን ተግባርናን ንስምዒት የሆዋ ኺትንክፎ ስለ ዚኽእል፡ ቅድሚ ምዝራብናን ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባርናን ክንሓስብ ኣሎና።
ነቶም ካባና እተፈልዩ ሰባት ብኸመይ ክንሕዞም ይግባእ፧
◼ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35።
እንመሃሮ ትምህርቲ፦ ኣምላኽ እተፈላለየ መበቈል ንዘለዎም ሰባት ዚቕበሎም ካብ ኰነ፡ ንሕና እውን ነቶም ካባና ብሕብሪ ቘርበቶም ወይ ብመልክዖም ዚፍለዩ ሰባት ኣድልዎ ኽንገብር የብልናን።
◼ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።”—1 ጴጥሮስ 3:15።
እንመሃሮ ትምህርቲ፦ ብዛዕባ ሃይማኖት ክንዘራረብ ከለና፡ ኣረኣእያና ብጽንዓት ክንገልጽ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ብሓርቖት ክንግንፍል ግና የብልናን። ነቶም ካባና እተፈልየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ከኣ ብኣኽብሮት ክንሕዞም ኣሎና።
ንኣባላት ስድራ ቤትና ብኸመይ ክንሕዞም ይግባእ፧
◼ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተአዘዝዎም።”—ቈሎሴ 3:20።
እንመሃሮ ትምህርቲ፦ እዙዛት ቈልዑ፡ ንወለዶም ከም ዜፍቅርዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ኸም ዚደልዩ እውን እዮም ዜርእዩ።
◼ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።”—ቈሎሴ 3:13።
እንመሃሮ ትምህርቲ፦ ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ሰባት፡ እንተላይ ኣባላት ስድራ ቤትና ኼጕህዩና ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና ንደሊ እንተ ዄንና፡ ንሕና እውን ይቕረ በሃልቲ ኽንከውን ኣሎና።—ማቴዎስ 6:14, 15።
ሓቀኛታትን ለዋሃትን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
◼ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ንሓሶት ንየው በልዎ፡ . . . ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።”—ኤፌሶን 4:25።
እንመሃሮ ትምህርቲ፦ ሓቂ ኽንዛረብ ከለና፡ ንኣምላኽ ንመስሎን ነሐጕሶን ኢና። ሓሰውቲ እንተ ዄንና ግና፡ ከምቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ድያብሎስ ንኸውን፣ ንሱ ‘ንሓሶት ኣቦኣ’ እዩ።—ዮሃንስ 8:44፣ ቲቶስ 1:2።
◼ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”—ማቴዎስ 7:12።
እንመሃሮ ትምህርቲ፦ ንስምዒትን ርእይቶን ኣባላት ስድራ ቤትና ኣብ ግምት ከነእቱ፡ ብዛዕባ እቲ ንስድራ ቤትና ዀነ ንማሕበረሰብና ዜድልዮም ነገራት ከኣ ክንሓስብ ኣሎና። ንኻልኦት ‘ንድንግጸሎም’ እንተ ዄንና፡ ንሳቶም እውን ብሕያውነት ኪሕዙና እዮም።—1 ጴጥሮስ 3:8፣ ሉቃስ 6:38።
እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቐሰ ኣብነታት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ንቘልዑ፡ መማሰውትን ንሰብ ዜኽብሩን ሓለይትን ከም ዚዀኑ እዩ ዚገብሮም። ኰይኑ ግና፡ ንቘልዑ መን እዩ ኺምህሮም ዘለዎ፧