ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/8 ገጽ 13
  • “ሓመድ ምዃንና ይዝክር”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ሓመድ ምዃንና ይዝክር”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ “ብምሕረት ሃብታም” ዝዀነ ኣምላኽ ኢና እነገልግል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ‘ኣቦኹም መሓሪ እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • የሆዋ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • የሆዋ: ‘ንይቕረታ ድሉው’ ዝዀነ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/8 ገጽ 13

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ሓመድ ምዃንና ይዝክር”

ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ዝፈጸመቶ ጌጋታት ክትገልጽ ከላ፡ “የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ዚብለለይ ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዓኒ፡ ነዚ ጾር እዚ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ተሰኪመዮ ዝነብር እዩ ዚመስለኒ ነይሩ” ኢላ ጸሓፈት። ጸጸት ዚስምዖ ሕልና ሒዝካ ምንባር ኣዝዩ ኸቢድ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ዚንስሑ ሓጢኣተኛታት ካብ ስቓይ ዜዕርፎም መጸናንዒ ይህቦም እዩ። ነቲ ኣብ መዝሙር 103:8-14 ዚርከብ ቃላት ዳዊት እስከ ንርአ።

ዳዊት፡ ‘የሆዋ ርሕሩሕን ኵሉ ግዜ ዘይገንሕን’ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ቍጽሪ 8-10) የሆዋ ንምሕረት ዚኸውን መሰረት እንተ ረኺቡ፡ ምሉእ ብምሉእ እዩ ይቕረ ዚብል። እቲ ኽኢላ ገጣሚ ዝነበረ ዳዊት፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዓና ዜርእዮ ምሕረት ንምግላጽ፡ ሰለስተ መነጻጸሪ ተጠቕመ።

“ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፡ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን።” (ቍጽሪ 11) ለይቲ ናብ ሰማይ ኣብ እንርእየሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ርሕቀት ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ዳዊት ነዚ መነጻጸሪ እዚ ብምጥቃም፡ እቲ ሓደ መዳይ ፍቕሪ ዝዀነ ምሕረት የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ኣጕልሐ። የሆዋ ‘ነቶም ዚፈርህዎ’ ወይ ከምቲ ሓደ ምሁር ዝገለጾ፡ ነቶም ‘ትሑታትን ንስልጣን ኣምላኽ ብልቦም ዜኽብሩን’ ሰባት፡ ምሕረት ይገብረሎም እዩ።

“ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ።” (ቍጽሪ 12) ምብራቕ ካብ ምዕራብ ዘለዎ ርሕቀት ክንደይ እዩ፧ ክንሓስቦ ብእንኽእል መጠን፡ ኣዝዩ እተረሓሓቐ እዩ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ብናይ ሓሳባት ክንፊ ጌርካ እንተ ትነፍር፡ ኣብ ጠፈር ከኣ ናብ ምብራቕ ገጽካ እንተ ትጐዓዝ፡ በቲ ናብ ምብራቕ ገጽካ እትበርረሉ መጠን ኢኻ ኻብ ምዕራብ እትርሕቕ” በለ። ዳዊት፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ክንሓስቦ ብእንኽእል መጠን፡ ኣዝዩ ኸም ዜርሕቖ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

“ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።” (ቍጽሪ 13) እቲ ንባዕሉ ኣቦ ዝነበረ ዳዊት፡ ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣቦ ብልቡ ዚስምዖ ስምዒት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቦ ኸኣ ንደቁ፡ ብፍላይ ኪሳቐዩ ኸለዉ ይድንግጸሎም እዩ። ዳዊት፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ደቁ፡ ብፍላይ እቲ እተነስሐ ልቦም ብሰሪ ሓጢኣቶም ‘ኣብ ዚስበረሉን ኣብ ዚቕጥቀጠሉን’ እዋን፡ ምሕረት ከም ዚገብረሎም ኣረጋጊጹልና ኣሎ።​—መዝሙር 51:17።

ዳዊት ነቲ ሰለስተ መነጻጸሪ ድሕሪ ምጥቃስ፡ የሆዋ ንዘይፍጹማት ሰባት ምሕረት ዚገብረሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” በለ። (ቍጽሪ 14) የሆዋ፡ ብሓመድ እተሰራሕና ድኹማት ፍጡራት ከም ዝዀንና ይፈልጥ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ሓጥእ ዝንባለና ኣብ ግምት ስለ ዜእትዎ፡ ካብ ልብና ኽሳዕ እተነሳሕና፡ “ንይቕሬታ ድልዊ” እዩ።​—መዝሙር 86:5።

ልብኻ በቲ ዳዊት ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ እተዛረቦ ቓላት ተተንኪፉዶ፧ እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ሰበይቲ፡ ኣምላኽ ንይቕረታ ድልዊ ምዃኑ ብዛዕባ ዚገልጽ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዐት፣ “ብሓቂ ናብ የሆዋ ክቐርብ ዝኽእልን ከቢድ ጾር ዘራገፍኩን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ድማ በለት።a ንስኻኸ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽን ብኸመይ ክትረኽቦ ኸም እትኽእልን ንምንታይ ብዝያዳ ዘይትመሃር፧ ምናልባት ከምኡ ምስ ገበርካ፡ ከቢድ ጾር ዘራገፍካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን።

ንነሓሰ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

◼ መዝሙር 87-118

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ነታ፡ “‘ንይቕሬታ ድልው’ ዝዀነ ኣምላኽ” እትብል ምዕራፍ 26 ርአ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብሓቂ ናብ የሆዋ ክቐርብ ዝኽእልን ከቢድ ጾር ዘራገፍኩን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ