ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/9 ገጽ 16-17
  • ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትቐርብ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምቕራብ
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/9 ገጽ 16-17

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧

የሆዋ ንዅሎም ኣህዛብ፡ ብጸሎት ኣቢሎም ናብኡ ንኪቐርቡ ዓዲምዎም ኣሎ። (መዝሙር 65:2) ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ ጸሎት ኣይኰነን ዚሰምዖ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ነቲ ሕማቕ ተግባሮም ስለ ዘየቋረጽዎ፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ኣይሰምዖን። (ኢሳይያስ 1:15) ብዘይካዚ፡ ንሰበይቱ ዚገፍዕ ሰብኣይ፡ ጸሎቱ ይዕገት እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነቶም ካብ ዝፈጸምዎ ኸቢድ ሓጢኣት ዚንስሑ ሰባት ይሰምዖም እዩ።​—2 ዜና መዋእል 33:9-13 ኣንብብ።

2. ብኸመይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧

ጸሎት፡ ፍሉይ መሰልን ክፍሊ ኣምልኾናን ስለ ዝዀነ፡ ናብ የሆዋ ጥራይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና። (ማቴዎስ 4:10፣ 6:9) ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ብስም የሱስ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፣ ከመይሲ፡ ንሱ ናብ ኣምላኽ ዜብጽሓና “መገዲ” እዩ። (ዮሃንስ 14:6) የሆዋ፡ እተሸምደደ ወይ እተጻሕፈ ጸሎት ክንደጋግም ዘይኰነስ፡ ካብ ልብና ኽንጽሊ እዩ ዚደልየና።​—ማቴዎስ 6:7፣ ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።

ፈጣሪና ነቲ ብልብና እነቕርቦ ጸሎት እውን ኪሰምዖ ይኽእል እዩ። (1 ሳሙኤል 1:12, 13) ንግሆን ምሸትን፡ ኣብ እዋን ምግቢ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኰታስ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ኽንጽሊ ዓዲሙና ኣሎ።​—መዝሙር 55:22፣ ማቴዎስ 15:36 ኣንብብ።

3. ክርስትያናት ብሓባር ዚእከቡ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብ ኣምላኽ እምነት ምስ ዘይብሎምን ነቲ ኣብ ምድሪ ሰላም ንምምጻእ ዝሃቦ ተስፋ ምስ ዜላግጹሉን ሰባት ንነብር ስለ ዘለና፡ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ቀሊል ኣይኰነን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 4፣ 2 ጴጥሮስ 3:3, 13) ስለዚ፡ ምስቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ ዜተባብዕ ቅርርብ ኪህልወና ኣለዎ።​—እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።

ምስቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት እንተ ተዓራሪኽካ፡ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ትኽእል ኢኻ። ናብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣኼባታት እንተ ኼድካ፡ ካብ እምነት ካልኦት ሰባት ክትጥቀም ኢኻ።​—ሮሜ 1:11, 12።

4. ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ብዛዕባ እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተመሃርካዮ ትምህርቲ ብምስትንታን፡ ናብ የሆዋ ኽትቀርብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ግብርታቱን መምርሒታቱን መብጽዓታቱን እውን ሕሰብ። ብጸሎት እተሰነየ ኣስተንትኖ፡ ንፍቕርን ንጥበብን ኣምላኽ ካብ ልቢ ኸም እተማስወሉ እዩ ዚገብረካ።​—እያሱ 1:8፣ መዝሙር 1:1-3 ኣንብብ።

ኣብ ኣምላኽ ትውከልን ብእኡ ትኣምንን እንተ ዄንካ ጥራይ ኢኻ ናብኡ ኽትቀርብ እትኽእል። ኰይኑ ግና፡ እምነት፡ ከምቲ ምክንኻን ዜድልዮ ህያው ነገር እያ። ስለዚ፡ ብዛዕባ መሰረት እምነትካ ብምስትንታን፡ ንእምነትካ ኣዘውቲርካ መግባ።​—1 ተሰሎንቄ 5:21፣ እብራውያን 11:1, 6 ኣንብብ።

5. ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ዚጠቕመካ ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ይሓልየሎም እዩ። ንእምነቶምን ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋኦምን ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገራት የዕቍቦም እዩ። (መዝሙር 91:1, 2, 7-10) ንጥዕናናን ንሓጐስናን ኬስግእ ካብ ዚኽእል ናብራ ኽንርሕቕ እውን የጠንቅቐና እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ዝበለጸ መገዲ ህይወት እዩ ዚምህረና።​—መዝሙር 73:27, 28፣ ያእቆብ 4:4, 8 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 17 እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ