ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/9 ገጽ 15
  • “ጐይታየ፡ ንስኻ . . . ፈለጥካኒ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ጐይታየ፡ ንስኻ . . . ፈለጥካኒ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ይርድኣልካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ “መናገፊ” ነይሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንዜጋጥመካ ለውጥታት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • “ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/9 ገጽ 15

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ጐይታየ፡ ንስኻ . . . ፈለጥካኒ”

“ዚሓልየልካ ወይ ዚርድኣልካ ሰብ ከም ዘየለ ምፍላጥ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበደ ጾር እዩ።”a ከምዚ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ይትረፍዶ ንስምዒትካ ኺርድኣልካስ፡ ዚሓልየልካ ወይ ነቲ እተሕልፎ ዘለኻ ኺርድኣልካ ዚኽእል ሰብ ዘየለ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኣዝዩ ስለ ዚሓልየሎም፡ መዓልታዊ ንዜጋጥሞም ነገራት ከም ዜስተብህለሉ ምፍላጥካ ኼጸናንዓካ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ መዝሙር 139 ዚርከብ ቃላት ዳዊት፡ ነዚ ሓቂ እዚ የረጋግጸልና እዩ።

ዳዊት፡ ኣምላኽ ብዛዕባኡ ኸም ዚግደስ ርግጸኛ ስለ ዝነበረ፡ “ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን” በለ። (ቍጽሪ 1) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ባህ ዜብል ስእላዊ ዘረባ እዩ ዚጥቀም ነይሩ። እታ “መርመርካኒ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ፡ ዘይተጻረየ ማዕድን ንምርካብ ምዅዓት (እዮብ 28:3)፡ ዓዲ ምድህሳስ (መሳፍንቲ 18:2)፡ ወይ ንሕጋዊ ጕዳይ ምጽራይ (ዘዳግም 13:14) ከተመልክት ትኽእል እያ። የሆዋ ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጠና፡ ንዅለንትናና ኸም ዚምርምሮ ጌርካ እዩ ዚርአ። ብዘይካዚ፡ እቲ ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ፡ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዚግደሰሎም ይምህረና እዩ። እወ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ይምርምሮምን ንውልቃዊ መንነቶም ይፈልጦን እዩ።

ዳዊት፡ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣዕሚቑ ኸም ዚምርምረና ኼጕልሕ ከሎ፡ “ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፡ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ” በለ። (ቍጽሪ 2) የሆዋ ኣብ ሰማይ ስለ ዚነብር፡ ኣብ “ርሑቕ” እዩ ዘሎ። ኰይኑ ግና፡ ክንሰርሕ ውዒልና ኾፍ ክንብል ከለናን ንግሆ ተንሲእና መዓልታዊ ንጥፈታትና ኽንገብር ከለናን ይፈልጥ እዩ። ንሓሳብናን ንባህግናን ንሸቶናን እውን ይፈልጦ እዩ። እሞኸ ዳዊት በዚ ሰጊኡዶ፧ ኣይፋሉን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣምላኽ ኪምርምሮ እዩ ዚደሊ ነይሩ። (ቍጽሪ 23, 24) ስለምንታይ፧

ዳዊት፡ ኣምላኽ ንኣምለኽቱ ኻብ ኣወንታዊ ድራኸ ተበጊሱ ኸም ዚምርምሮም ይፈልጥ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቍጽሪ 3) የሆዋ በብመዓልቱ ‘ንብዘሎ መገድና፡’ ማለት ንጌጋናን ንጽቡቕ ተግባርናን ይርእዮ እዩ። እሞኸ ኣብ ጽቡቕ ተግባርና ድዩ ዜተኵር ወይስ ኣብ ሕማቕ፧ እታ ኣብዛ ጥቕሲ “ትምርምር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ትመሚ” ወይ “ትዘርሩ” እውን ክትበሃል ትኽእል እያ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ሓደ ሓረስታይ ንእኽሊ ኻብ ሓሰር ንምፍላይ ዚገብሮ ምዝራው ዚመሳሰል እዩ። እታ “ትፈልጦ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ኣኽቢርካ ትርእዮ” እውን ክትበሃል ትኽእል እያ። የሆዋ ነቲ ኣምለኽቱ በብመዓልቱ ዚዛረብዎን ዚገብርዎን ነገራት ድሕሪ ምምርማር፡ ኣብቲ ጽቡቕ እዩ ዜተኵር። ስለምንታይ፧ ነቲ ንዕኡ ንምሕጓስ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ስለ ዚርእዮ እዩ።

መዝሙር 139፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኣዝዩ ኸም ዚሓልየሎም ትምህረና እያ። መዓልታዊ ንጥፈታቶም ኣብ ዚገብሩሉ እዋን፡ ይምርምሮምን ይዕዘቦምን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዜጋጥሞም ጸገም ይፈልጦ እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ነቲ ብሰሪ እዚ ጸገማት እዚ ዚስምዖም ኣእምሮኣውን ልባውን ጓሂ ይርድኦ እዩ። እሞኸ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓላዪ ኣምላኽ ከተምልኾ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ‘ንግብርኻን ንፍቕርኻን ፈጺሙ ኸም ዘይርስዖ’ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።​—እብራውያን 6:10።

ንመስከረም ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

◼ መዝሙር 119-150

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣርተር ኤች. ስቴንባክ ዚበሃል ደራሲ ዝበሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ