ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/10 ገጽ 4
  • 1 ኣምላኽ ሚስጥር እዩ እዝስ ሓቂ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 1 ኣምላኽ ሚስጥር እዩ እዝስ ሓቂ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓቂዶ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ስላሴ ብኸመይ ኢዩ ዝግለጽ፧
    ስላሴ
  • ሰረተ-እምነት ስላሴ ብኸመይ ማዕበለ፧
    ስላሴ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/10 ገጽ 4

1 ኣምላኽ ሚስጥር እዩ እዝስ ሓቂ ድዩ፧

ንስኻ ዝሰማዕካዮ፦ “ኣምላኽ ብምስጢራዊ መገዲ እዩ ዚዓዪ።”

‘ንኣቦን ንወድን ንመንፈስ ቅዱስን ክትርድኦም ኣጸጋሚ እዩ።’—ብዛዕባ እቲ ብዙሓት ሃይማኖታት ህዝበ ክርስትያን ዚኣምናሉ ትምህርቲ ስላሴ ዚገልጽ ኣዋጅ ኣታናስዩስ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ፦ የሱስ፡ እቶም ብዛዕባ ‘እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፈልጡ’ ዚጽዕሩ ሰባት ከም ዚባረኹ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 17:3) ኣምላኽ ምስጢር እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ብዛዕባኡ ኽንፈልጥ እንኽእል፧ ኣምላኽ ርእሱ ኣይሓብእን እዩ፣ የግዳስ፡ ኵሉ ሰብ ኪፈልጦ እዩ ዚደሊ።​—ኤርምያስ 31:34።

ሓሳባትን መገድታትን ኣምላኽ ካብ ናትና ልዕል ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባኡ ዅሉ ነገር ክንፈልጥ ከም ዘይንኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን።​—መክብብ 3:11፣ ኢሳይያስ 55:8, 9።

ነቲ ሓቂ ምፍላጥካ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ፦ ኣምላኽ ንኽትርድኦ ዜጸግም እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባኡ ንኽንፈልጥ እንደኽመሉ ምኽንያት የብልናን። ንሱ ግና፡ ንኽንፈልጦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንኽንምስርት እውን ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። ኣምላኽ ነቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኣብርሃም፡ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸውዖ፣ ዳዊት ንጉስ እስራኤል እውን፡ “ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።​—ኢሳይያስ 41:8፣ መዝሙር 25:14።

ተኻፋሊ ምስጢር ኣምላኽ ምዃን ወይ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ምምስራት፡ ዘይመስል ድዩ፧ ምናልባት ከምኡ ኺመስል ይኽእል ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ግብሪ ሃዋርያት 17:27፡ “[ኣምላኽ] ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ ትገልጽ እያ። ብኸመይ፧ ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ ንዕኡ ንኽንፈልጦ ዜድልየና ሓበሬታ ይህበና እዩ።a

ኣምላኽ፡ ስሙ የሆዋ ምዃኑ ነጊሩና ኣሎ። (ኢሳይያስ 42:8፡ NW) ብዘይካዚ፡ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ምስ ደቂ ሰብ ዝነበሮ ርክብ ዚገልጽ ጸብጻብ ኣስፊሩልና ኣሎ። ብዛዕባ ስምዒቱ እውን ይሕብረና እዩ። “መሓርን ጸጋውን . . . ንዅራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” እዩ። (ዘጸኣት 34:6) ስጕምትታትና ንስምዒቱ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጥንታውያን እስራኤላውያን ካብኡ ብምዕላው ‘ኣጕሃይዎ፣’ ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ንዕኡ ዚእዘዝዎ ሰባት፡ የሐጕስዎ እዮም።​—መዝሙር 78:40፣ ምሳሌ 27:11።

[እግረ-ጽሑፍ]

a መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 1 ርአ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ ክፍሊ ምስጢረ ስላሴ እንተ ዀይኑ፡ ብኸመይ ኢና ደኣ እሞ ኽንፈልጦ እንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 4 ምንጪ ስእሊ]

The Trinity c.1500, Flemish School, (16th century) / H. Shickman Gallery, New York, USA / The Bridgeman Art Library International

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ