ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/11 ገጽ 16-17
  • ሕግታት ኣምላኽ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕግታት ኣምላኽ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንህይወት ኣኽብሮት ኣርኢ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/11 ገጽ 16-17

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ሕግታት ኣምላኽ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኼተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. ንኣምላኽ ክንእዘዞ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

ንኣምላኽ ክንእዘዞ ግቡእ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንሱ እዩ ፈጢሩና። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ንኣምላኽ ወትሩ ይእዘዞ ነበረ። (ዮሃንስ 6:38፣ ራእይ 4:11) ሕጊ ኣምላኽ፡ ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ኸነርኢ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ።​—1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።

ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዚህበና ሕጊ ንረብሓና እዩ። ሕጂ ዝበለጸ ህይወት ንኺህልወና፡ ንመጻኢ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእል ይምህረና።​—መዝሙር 19:7, 11፣ ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ።

2. ሕጊ ኣምላኽ ንጥዕናና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

እቲ ስኽራን ዚኽልክል ሕጊ ኣምላኽ፡ ካብ ቀታሊ ሕማምን ካብ ሓደጋታትን የዕቍበና እዩ። ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ፡ ወልፊ ኼትሕዘካ ስለ ዚኽእል፡ ዕሽነት ናብ ዝመልኦ ተግባር እዩ ዚመርሓካ። (ምሳሌ 23:20, 29, 30) የሆዋ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኽንሰቲ ይፈቕደልና እኳ እንተ ዀነ፡ ብዓቐን ኢና ኽንሰቲ ዚግብኣና።​—መዝሙር 104:15፣ 1 ቈረንቶስ 6:10 ኣንብብ።

ብዘይካዚ፡ የሆዋ ኻብ ቅንእን ካብ ክቱር ቍጥዓን ካብ ካልእ ጐዳኢ ጠባያትን ክንርሕቕ የጠንቅቐና እዩ። ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ ኸኣ፡ ጽቡቕ ጥዕና ይህልወና።​—ምሳሌ 14:30፣ 22:24, 25 ኣንብብ።

3. ሕጊ ኣምላኽ ዜዕቍበና ብኸመይ እዩ፧

ሕጊ ኣምላኽ፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ይኽልክል እዩ። (እብራውያን 13:4) ነዚ ሕጊ እዚ ዚእዘዙ ሰብ ሓዳር፡ ቅሳነት ይስምዖም፣ ደቆም ድማ ኣብ ጽቡቕ ሃዋህው ይዓብዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሕማምን ፍትሕን ዓመጽን ስምዒታዊ ቝስልን እዩ ዜስዕብ፣ ሓደ ወላዲ ጥራይ ዘለወን ስድራ ቤታት ከም ዚፍጠራ ኸኣ እዩ ዚገብር።​—ምሳሌ 5:1-9 ኣንብብ።

ነቲ ኻብ ሓዳር ወጻኢ ጾታዊ ርክብ ክንፍጽም ዜጋጥመና ፈተና እንተ ነጺግናዮ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ንዕቅቦ። ንኻልኦት እውን ኣይንጐድእን።​—1 ተሰሎንቄ 4:3-6 ኣንብብ።

4. ንህይወት ዘሎና ኣኽብሮት ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ህይወት ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ሰባት፡ ካብ ከም ምትካኽ ሽጋራን ካልእ ንህይወት ሓደገኛ ዝዀነ ወልፍታትን ስለ ዚርሕቑ፡ ጽቡቕ ጥዕና የስተማቕሩ እዮም። (2 ቈረንቶስ 7:1) ኣምላኽ ነቲ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዘሎ ሕጻን እውን ከይተረፈ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (ዘጸኣት 21:22, 23) ስለዚ፡ ደይ መደይ ኢልና ኣብ ውሽጢ ማህጸን ንዘሎ ሕጻን ክንቀትል የብልናን። ብዘይካዚ፡ እቶም ነቲ ኣምላኽ ንህይወት ዘለዎ ኣመለኻኽታ ዚርድእዎ ሰባት፡ ኣብ ስራሖምን ኣብ ቤቶምን ኣብ ማኪናኦምን፡ ንርእሶም ኰነ ንኻልኦት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገራት ኣይገብሩን እዮም። (ዘዳግም 22:8) ብተወሳኺ፡ ህይወት ውህበት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንስፖርት ኢሎም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣየእትዉን እዮም።​—መዝሙር 36:9 ኣንብብ።

5. ቅድስና ደም ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

ኣምላኽ፡ ደም ንህይወት ወይ ንነፍሲ ናይ ሓደ ሰብ ከም ዜመልክት ስለ ዝገለጸ፡ ደም ቅዱስ እዩ። (ዘፍጥረት 9:3, 4) እቲ ንዋጋ ደም ምስ ህይወት ከም ማዕረ ገይሩ ዚርእዮ ሕጊ ኣምላኽ ይጠቕመና እዩ። ብኸመይ፧ ኣምላኽ ኣብቲ ሕጊ ተመርኲሱ፡ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚህሉ ስለ ዝገበረ እዩ።​—ዘሌዋውያን 17:11-13፣ እብራውያን 9:22 ኣንብብ።

ብፍላይ ደም የሱስ ኣዝዩ ኽቡር እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ንሱ ፍጹም እዩ ነይሩ። የሱስ ነቲ ንህይወቱ ዚውክል ደሙ ናብ ኣምላኽ ኣቕረቦ። (እብራውያን 9:12) እቲ ዝፈሰሰ ደሙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ።​—ማቴዎስ 26:28፣ ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 12ን 13ን እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ