ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/11 ገጽ 16-20
  • ኣብዛ እክይቲ ዓለም፡ “ስደተኛታት” ኢና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብዛ እክይቲ ዓለም፡ “ስደተኛታት” ኢና
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከም “ስደተኛታት” ኰይኖም ይነብሩ ነበሩ
  • ንእስራኤላውያን እተዋህቦም መጠንቀቕታ
  • “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን”
  • ነዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ኣይንጠቐመላ
  • ሓልዮት ሓዳር ንልብና ኸይከብድ ንጠንቀቕ
  • “ዓለም ትሐልፍ እያ”
  • “ስደተኛታት” ኴንና ንቐጽል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ገለልተኛታት ክርስትያናት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • “ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/11 ገጽ 16-20

ኣብዛ እክይቲ ዓለም፡ “ስደተኛታት” ኢና

“እዚኦም ኵላቶም . . . ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ።”​—እብ. 11:13።

1. የሱስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትያናትን ኣብ መንጎ እዛ ዓለም እዚኣን ዘሎ ርክብ እንታይ በለ፧

የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ኺዛረብ ከሎ፡ “ኣብ ዓለም አለዉ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ግና፡ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ኢሉ ገለጸ። (ዮሃ. 17:11, 14) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነዛ ሰይጣን ዝኣምላኻ “ዓለም” ብኸመይ ኪርእይዋ ኸም ዘለዎም ብንጹር ገለጸ። (2 ቈረ. 4:4) ሰዓብቱ ኣብ ውሽጢ እዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ይነብሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብኣ ግና ኣይኰኑን። እወ፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ፡ “ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን” እዮም።​—1 ጴጥ. 2:11።

ከም “ስደተኛታት” ኰይኖም ይነብሩ ነበሩ

2, 3. ሄኖክን ኖህን ኣብርሃምን ሳራን፡ ከም “ኣጋይሽን ስደተኛታትን” እዮም ዚነብሩ ነይሮም ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

2 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብቶም ኣብ ከባቢኦም ዚነብሩ ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት እተፈልዩ እዮም። ቅድሚ ማይ ኣይሂ፡ ሄኖክን ኖህን ‘ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ።’ (ዘፍ. 5:22-24፣ 6:9) ክልቲኦም ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብዛ ብሰይጣን እትግዛእ እክይቲ ዓለም ዜውርዶ ፍርዲ ብትብዓት ይሰብኩ ነበሩ። (2 ጴጥሮስ 2:5፣ ይሁዳ 14, 15 ኣንብብ።) ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ምስ ኣምላኽ ስለ እተመላለሱ፡ ሄኖክ “ንኣምላኽ ከም ዘስመረ፡” ኖህ ከኣ ‘ኣብቶም ወለዶታቱ እንታ ዜብሉ ሰብኣይ ከም ዝነበረ’ ተገሊጹ ኣሎ።​—እብ. 11:5፣ ዘፍ. 6:9።

3 ኣብርሃምን ሳራን ካብ ኣምላኽ ጻውዒት ምስ ቀረበሎም፡ ነቲ ኣብ ከተማ ኡር ዝነበሮም ምሹእ ናብራ ሓዲጎም፡ ኣብ ምድሪ ጓና ኸም ሰበኽ ሳግም ኰይኖም ኪነብሩ ፍቓደኛታት ኰኑ። (ዘፍ. 11:27, 28፣ 12:1) ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተአመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔ፡ ብእምነት ተአዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። . . . ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።” (እብ. 11:8-10) ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እዞም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እዚኣቶም ኪገልጽ ከሎ፡ “እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ” በለ።​—እብ. 11:13።

ንእስራኤላውያን እተዋህቦም መጠንቀቕታ

4. እስራኤላውያን ናብታ ኣምላኽ ዘተስፈዎም መሬት ቅድሚ ምእታዎም፡ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ እተዋህቦም፧

4 እቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ቍጽሮም እናወሰኸ ኸደ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ሕግን መሬትን ዘለዎም ብዚግባእ እተወደቡ ህዝቢ ዀኑ። (ዘፍ. 48:4፣ ዘዳ. 6:1) እስራኤላውያን፡ ናይ ሓቂ ዋና መሬቶም የሆዋ ኸም ዝዀነ ኺዝክሩ ነበሮም። (ዘሌ. 25:23) ልክዕ ከምቶም ንድሌት ዋና ገዛኦም ዜኽብሩ ተኻረይቲ እዮም ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ‘ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር’ ኪዝክሩን ብስጋዊ ሃብቲ ተዓሽዮም ንየሆዋ ኸይርስዕዎ ኺጥንቀቑን ነበሮም። (ዘዳ. 8:1-3) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ናብታ ኣምላኽ ዘተስፈዎም መሬት ቅድሚ ምእታዎም፡ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል መጠንቀቕታ እተዋህቦም፦ “ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ንኣኻ ኺህበካ፡ ዝመሐለሎም ምድሪ፡ ምስ ኣእተወካ፡ ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ጽቡቓተን ከተማታት፡ ዘይመላእካየን ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትን፡ ዘይኰዐትካዮ ዅዑት ዔላታትን፡ ዘይተኸልካዮ ወይንን ኣውልዕን ከኣ ምስ ሀበካ፡ እሞ በሊዕካ ምስ ጸገብካ፡ ሽዑ ነቲ . . . ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ከይትርስዖ ተጠንቀቕ።”​—ዘዳ. 6:10-12።

5. የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝነጸጎም ስለምንታይ እዩ፧ ናብ ኣየናይ ሓድሽ ህዝቢኸ እዩ ስምረቱ ዘመሓላለፈ፧

5 እዚ መጠንቀቕታ እዚ፡ መሰረት ዘይብሉ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ብግዜ ነህምያ ዝነበሩ ጕጅለ ሌዋውያን፡ እስራኤላውያን ኣብታ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ ብዛዕባ ዝገበርዎ ዜሕፍር ነገራት ገሊጾም ነይሮም እዮም። እስራኤላውያን፡ ምሹእ ኣባይቲ ኸምኡውን ማእለያ ዘይብሉ ምግብን ወይንን ምስ ረኸቡ፡ “በልዑን ጸገቡን ሰብሑን።” ድሕሪኡ ግና፡ ካብ ኣምላኽ ዓለዉ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ነቶም ኬጠንቅቕዎም እተላእኩ ነብያት ቀተልዎም። ብሰሪ እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ናብ ጸላእቶም ኣሕሊፉ ሃቦም። (ነህምያ 9:25-27 ኣንብብ፣ ሆሴ. 13:6-9) እቶም ዘይእሙናት ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ነቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ክሳዕ ምቕታል በጽሑ። ሽዑ የሆዋ ንእስራኤላውያን ነጸጎም፣ ድሕሪኡ ድማ ስምረቱ ናብ ሓድሽ ህዝቢ፡ ማለት ናብ መንፈሳውያን እስራኤላውያን ኣመሓላለፈ።​—ማቴ. 21:43፣ ግብ. 7:51, 52፣ ገላ. 6:16።

“ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን”

6, 7. (ሀ) ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሰዓብቱ ምስ ዓለም ዘለዎም ርክብ ኣመልኪቱ ዝበሎ ነገር ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ለ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ስርዓት ሰይጣን ዘይኰኑ ስለምንታይ እዮም፧

6 ከምቲ ኣቐዲምካ እተገልጸ፡ እቲ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ሰዓብቱ ኻብዚ ብሰይጣን ዚግዛእ እኩይ ስርዓት ከም ዘይኰኑ ብንጹር ሓቢሩ እዩ። ቀቅድሚ ሞቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” በሎም።​—ዮሃ. 15:19።

7 እሞኸ ክርስትና እናኣስፋሕፍሐ ምስ ከደ፡ ክርስትያናት ካብዛ ዓለም ኪዀኑ፡ ማለት ምስ ተግባራታ ኺሰማምዑ ነይርዎም ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፡ ንርእሶም ካብ ስርዓት ሰይጣን ኪፈልይዋ ነበሮም። ክርስቶስ ካብ ዚመውት ኣስታት 30 ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፤ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ። . . . ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ኢሉ ጸሓፈሎም።​—1 ጴጥ. 1:1፣ 2:11, 12።

8. ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ነቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ምስ ዓለም ዝነበሮም ርክብ ብኸመይ ገለጾ፧

8 ከነት ስኮት ላቱረት ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ኣብ ኵላ ሮሜ ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት “ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን” ኰይኖም ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ንምርግጋጽ፡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “[ክርስትና] ኣዝዩ ስለ ዘስፋሕፍሐ፡ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ዘመናት፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትና ቐጻልን መሪርን መስጐጕቲ ይወርድ ነበረ። . . . እተፈላለየ ኽሲ እዩ ዚቐርበሎም ነይሩ። ክርስትያናት ኣብ ኣረማዊ ጽምብላት ምስታፍ ብምእባዮም፡ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ተባህሉ። ኣብቲ ብኣረማዊ እምነታትን ተግባራትን ኰነ ብርኽሰት ዝመልአ ኸም ኣረማዊ በዓላትን ህዝባዊ መዘናግዒታትን ዜጠቓልል ማሕበራዊ ህይወት ዘይሳተፉ ብምንባሮም፡ ጸላእቲ ዓሌት ደቂ ሰብ ከም ዝዀኑ ዚገልጽ ባጫ ይወርዶም ነበረ።”

ነዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ኣይንጠቐመላ

9. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ “ጸላእቲ ዓሌት ደቂ ሰብ” ከም ዘይኰንና እነርኢ ብኸመይ ኢና፧

9 ብዛዕባ እዚ ግዜናኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ምስዛ “ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም” ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝነበሮም ዓይነት መትከል እዩ ዘሎና። (ገላ. 1:4) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ኣይርድኡናን፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ይጸልኡና እዮም። ኰይኑ ግና፡ ፈጺምና “ጸላእቲ ዓሌት ደቂ ሰብ” ኣይኰንናን። ንደቂ ሰብ ስለ እነፍቅሮም፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ንኸይድ፡ ንነፍሲ ወከፍ ብዓል ቤት ከኣ “ወንጌል መንግስቲ” ወይ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮ ንጽዕር ኢና። (ማቴ. 22:39፣ 24:14) ከምኡ እንገብረሉ ምኽንያት፡ እታ ብክርስቶስ እትግዛእ ናይ የሆዋ መንግስቲ ንዅሉ ግዝኣት ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ከም እተጥፍኦን ጽድቂ ብዝሰፈኖ ሓድሽ ስርዓት ከም እትትክኦን ስለ እንፈልጥ ኢና።​—ዳን. 2:44፣ 2 ጴጥ. 3:13።

10, 11. (ሀ) ነዛ ዓለም እዚኣ ብእተወሰነ መገዲ እንጥቀመላ ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ንቑሓት ክርስትያናት ነዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይጥቀሙላ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

10 መወዳእታ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ኣዝዩ ይቐርብ እዩ ዘሎ። ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ኣብዛ ናብ ጥፍኣት እተምርሕ ዘላ ዓለም ናብራና ንኸነጣጥሕ ክንጽዕር ከም ዘይብልና ንፈልጥ ኢና። ነተን ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበለን ቃላት ከነቕልበለን ኣሎና፣ ንሱ፡ “ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር አሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ . . . እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥርዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ” በለ። (1 ቈረ. 7:29-31) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙላ ብኸመይ እዮም፧ ንፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ዓለምን ብኣማእታት ቋንቋታትን ንምዝርጋሕ፡ ዘመናዊ ተክኖሎጅን መራኸቢታትን ብምጥቃም እዩ። ብዘይካዚ፡ ድራር ዕለቶም ንምርካብ ነዛ ዓለም እዚኣ ብእተወሰነ ይጥቀሙላ እዮም። ካብቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚሽየጥ ኣቕሑ ይዕድጉን በቲ ዚቐርብ ኣገልግሎት ይጥቀሙን እዮም። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ዓለም ዚርከብ ሃብትን ስራሕን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ስለ ዘለዎም፡ ነዛ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ኣይጥቀሙላን እዮም።​—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።

11 ንቑሓት ክርስትያናት ምስ ዝለዓለ ትምህርቲ ብእተተሓሓዘ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ኣይጥቀሙላን እዮም። ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንዝለዓለ ትምህርቲ ኸም ናብ ምሾትን ተድላን ዚመርሕ መሰጋገሪ እምኒ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እዞም ኣብዛ ዓለም እዚኣ እንነብር ክርስትያናት ግና፡ ከም ስደተኛታት ኴንና ንነብርን ደድሕሪ ኻልእ ሸቶ ንስዕብን ኢና። ‘ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር እውን ሓሳብና ኣይነውድቕን ኢና።’ (ሮሜ 12:16፣ ኤር. 45:5) ሰዓብቲ የሱስ ከም ምዃንና መጠን፡ ነቲ፡ “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ” ዚብል የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ነቕልበሉ ኢና። (ሉቃ. 12:15) ስለዚ፡ ክርስትያን መንእሰያት ደድሕሪ መንፈሳዊ ሸቶታት ኪስዕቡ ተተባቢዖም ኣለዉ፣ መሰረታዊ ዝዀነ ነገራት ንምምላእ ዜድሊ ዓይነት ትምህርቲ ኺመሃሩ፡ ብቐንዱ ግና ንየሆዋ ‘ብምሉእ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ብዅሉ ሓይሎምን ብዅሉ ሓሳቦምን’ ንምግልጋል ኪዳለዉ ኣለዎም። (ሉቃ. 10:27) ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት’ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።​—ሉቃ. 12:21፣ ማቴዎስ 6:19-21 ኣንብብ።

ሓልዮት ሓዳር ንልብና ኸይከብድ ንጠንቀቕ

12, 13. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:31-33 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ ነቕልበሉ ምዃንና፡ ካብቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሰባት ዚፈልየና ብኸመይ እዩ፧

12 ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ዘለዎም ኣረኣእያ፡ ካብ ናይ ዓለማውያን እተፈልየ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ በሎም፦ “እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።” (ማቴ. 6:31-33) ብዙሓት ኣመንቲ ብጾትና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም ብውልቆም ተመኪሮምዎ እዮም።

13 “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ።” (1 ጢሞ. 6:6) ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሰባት ግና፡ ካብዚ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ንኣብነት፡ መንእሰያት ኪምርዓዉ ኸለዉ፡ ብኡንብኡ ዅሉ ነገራት፡ ማለት ቤት ወይ ጽቡቕ ኣፓርታማ፡ ጽብቕቲ ማኪና፡ ከምኡውን ዘመናዊ ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑ ዚረኽቡ ይመስሎም። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ስደተኛታት ኰይኖም ዚነብሩ ክርስትያናት፡ ካብቲ ኺረኽብዎ ዚኽእሉን ካብ ዓቕሞምን ንላዕሊ ኣይሓስቡን እዮም። ብዙሓት ክርስትያናት፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ግዜን ጕልበትን ተጠቒሞም ቀናኣት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን እተወሰነ ስጋዊ ምሾት መስዋእቲ ብምግባሮም፡ ኪንኣዱ ይግብኦም እዩ። ገሊኣቶም ድማ ፈለምትን ቤትኤላውያንን ገየሽቲ ሓለውትን ሚስዮናውያንን ኰይኖም እዮም ዜገልግሉ። ኵልና ነቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ዝዀኑ ብጾትና ብምሉእ ልቢ ዚገብርዎ ዘለዉ ኣገልግሎት ነማስወሉ ኢና።

14. ካብቲ የሱስ ብዛዕባ ዘራኢ ዝሃቦ ምስላ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

14 የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ዘራኢ ዝሃቦ ምስላ፡ “ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን” ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ቓል ኣምላኽ ኪሓንቆን ከም ዘይንፈሪ ኺገብረናን ከም ዚኽእል ገሊጹ ነበረ። (ማቴ. 13:22) ኣብዚ ስርዓት እዚ ኸም ስደተኛታት ኴንናን በቲ ዘሎና ዓጊብናን ንነብር እንተ ዄንና፡ ኣብቲ መፈንጠራ ኣይንወድቕን ኢና። የግዳስ፡ “ጥዕይቲ” ወይ ትኵርቲ ዓይኒ ስለ እትህልወና፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ነተኵር፡ ኣብ ህይወትና ኸኣ ንረብሓታት እታ መንግስቲ ነቐድም ኢና።​—ማቴ. 6:22።

“ዓለም ትሐልፍ እያ”

15. ኣየናይ ሃዋርያ ዮሃንስ እተዛረቦ ቓላት እዩ ነቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎም ኣረኣእያን ንኣኻይዳኦምን ዚጸልዎ፧

15 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብዛ ዓለም እዚኣ “ኸም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን” ዝዀንናሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ እዛ ዓለም እዚኣ እትጠፍኣሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ስለ እንኣምን እዩ። (1 ጴጥ. 2:11፣ 2 ጴጥ. 3:7) እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ምርጫታትን ንባህግታትናን ንትምኒታትናን ይጸልዎ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ዀነ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ከይፈትዉ መኸሮም፣ ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” በለ።​—1 ዮሃ. 2:15-17።

16. እተፈለና ህዝቢ ምዃንና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ እንተ ተኣዚዞምዎ ‘ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘቡ ኸም ዚዀኑ’ ነጊርዎም ነበረ። (ዘጸ. 19:5) እወ፡ እስራኤላውያን እሙናት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ብኣምልኾን ብናብራን ካብ ካልኦት ኣህዛብ እተፈልዩ ነበሩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ኻብዛ ብሰይጣን እትግዛእ ዓለም ንዕኡ ዚዀኑ ሰባት ፈልዩ ኣሎ። ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።” (ቲቶ. 2:11-14) እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ “ህዝቢ፡” ብቕቡኣት ክርስትያናትን በቶም ነዞም ቅቡኣት ዚሕግዝዎም ናይ የሱስ ‘ካልኦት ኣባጊዕን’ ዝቘመ እዩ።​—ዮሃ. 10:16።

17. ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ኣብዛ እክይቲ ዓለም ስደተኛታት ብምዃኖም ዘይጠዓሱ ስለምንታይ እዮም፧

17 ናይቶም ቅቡኣት “ብሩኽ ተስፋ፡” ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ምግዛእ እዩ። (ራእ. 5:10) እቶም ኣባላት ካልኦት ኣባጊዕ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋኦም ምስ ተፈጸመ፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ስደተኛታት ኰይኖም ኣይኪነብሩን እዮም። ጽቡቕ ኣባይትን እኹል ምግብን መስተን ድማ ኪህልዎም እዩ። (መዝ. 37:10, 11፣ ኢሳ. 25:6፣ 65:21, 22) ከም እስራኤላውያን ስለ ዘይኰኑ፡ እዚ ዅሉ ጽቡቕ ነገራት ካብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምድሪ” ዝዀነ የሆዋ ኸም ዝመጸ ኣይኪርስዑን እዮም። (ኢሳ. 54:5) እቶም ቅቡኣት ኰኑ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ስደተኛታት ብምዃኖም ኣይኪጠዓሱን እዮም።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ከም ስደተኛታት ኰይኖም ዚነብሩ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

• ቀዳሞት ክርስትያናት ምስ ዓለም ከመይ ዝኣመሰለ ርክብ እዩ ነይርዎም፧

• ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንዓለም ምሉእ ብምሉእ ዘይጥቀሙላ ብኸመይ እዮም፧

• ኣብዛ እክይቲ ዓለም ስደተኛታት ኴንና ብምንባርና ዘይንጠዓስ ስለምንታይ ኢና፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ዓመጽን ርኽሰትን ካብ ዝመልኦ መዘናግዒ ረሓቑ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ