ንኻልኦት፡ ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ንኺሓድሮም ሓግዝዎም
“ተምሂሩ ዝወድኤ ዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን።”—ሉቃ. 6:40።
1. የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ መሰረት ናይ ሓደ ጉባኤ ዝሰረተ ብኸመይ እዩ፧
ሃዋርያ ዮሃንስ ነታ ንሱ ዝጸሓፋ ወንጌል ኪዛዝማ ኸሎ፡ “የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምአኸለቶን ይመስለኒ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃ. 21:25) የሱስ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ሓጺር ግናኸ ትግሃት ዝመልኦ ኣገልግሎቱ፡ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ምስ ወድአ ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ዚህልዎም ሰብኡት ይመርጽን የሰልጥንን ይውድብን ነበረ። ብ33 ድ.ክ. ናብ ሰማይ ኣብ እተመልሰሉ እዋን፡ መሰረት ናይቲ ጸኒሑ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣባላት ዚህልውዎ ጉባኤ ተሰሪቱ ነበረ።—ግብ. 2:41, 42፣ 4:4፣ 6:7።
2, 3. (ሀ) ሓላፍነት ዚስከሙ እተጠምቁ ሰብኡት ዜድልዩ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ክንምርምር ኢና፧
2 ሎሚ ኣብ ልዕሊ 100,000 ጉባኤታት ብንጥፈት ዜገልግሉ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዘለዉ፡ ኣብ መንፈሳዊ ጉዳያት መሪሕ ግደ ዚህልዎም ሰብኡት ብቐጻሊ ይድለዩ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ክርስትያን ሽማግለታት ብብዝሒ ይድለዩ ኣለዉ። እቶም ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምስካም ድሌት ዘለዎም ናእዳ ይግብኦም እዩ፣ ከመይሲ፡ ‘ሰናይ ግብሪ እዮም ዚምነዩ ዘለዉ።’—1 ጢሞ. 3:1።
3 ይኹን እምበር፡ ሰብኡት ኣብ ጉባኤ ንሓላፍነት ዚበቕዑ ብሃንደበት ኣይኰነን። ዓለማዊ ትምህርቲ ወይ ተመክሮ ንበይኑ፡ ንሓደ ሰብኣይ ነዚ ዕዮ እዚ ኣየዳልዎን እዩ። ሓደ ሰብኣይ ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምስካም፡ ብመንፈስ ብቑዕ ኪኸውን ይግባእ። ካብ ክእለት ወይ ኣሳልጦ ንላዕሊ፡ መንፈሳዊ ብቕዓት ኪህልዎ ኣለዎ። እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰብኡት ብቑዓት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ የሱስ፡ “ተምሂሩ ዝወድኤ ዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን” በለ። (ሉቃ. 6:40) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚአ፡ እቲ ኽኢላ መምህር ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንዝዓበየ ሓላፍነት ምእንቲ ኺበቕዑ ዝሓገዘሉ እተወሰነ መገድታትን ካብቲ ዝገበሮ እንታይ ትምህርቲ ኸም እንረክብን ክንርኢ ኢና።
‘ኣዕሩኸይ በልኩኹም’
4. የሱስ ናይ ሓቂ ዓርኪ ኸም ዝዀነ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኣርኣዮም፧
4 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ከም ኣዕሩኹ ደኣ እምበር ከም ባሮት ገይሩ ኣይረኣዮምን። ምስኣቶም ግዜ የሕልፍ፡ ምስጢሩ ይነግሮም፡ ‘ነቲ ኻብ ኣቦኡ ዝሰምዖ ዘበለ ኸኣ የፍልጦም’ ነበረ። (ዮሃንስ 15:15 ኣንብብ።) “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ ንሱ ኸኣ ንሕቶኦም ምስ መለሰሎም፡ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ከም ዝነበሩ ኽትግምቶ ትኽእልዶ፧ (ማቴ. 24:3, 4) የሱስ ብሕታዊ ሓሳባቱን ስምዒቱን እውን ከይተረፈ የካፍሎም ነበረ። ንኣብነት፡ ኣብታ እተኻሕደላ ምሸት፡ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ናብታ ብጕሁይ ልቡ ዝጸለየላ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ወሰዶም። እዞም ሰለስተ ሃዋርያት እዚኣቶም፡ ነቲ የሱስ ዚጽልዮ ዝነበረ ጸሎት ኣይሰምዕዎን ይዀኑ፣ እንተዀነ ግና፡ ንኽብደት እቲ ዅነታት ተገንዚቦምዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ማር. 14:33-38) እቲ የሱስ ኣቐዲሙ ብተኣምራዊ መገዲ እተቐየረሉ ኣጋጣሚ፡ ነዞም ሰለስተ ሃዋርያት ዘሕደረሎም ጽልዋ እሞ ሕሰቦ። (ማር. 9:2-8፣ 2 ጴጥ. 1:16-18) እቲ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮ ስጡም ዕርክነት፡ ጸኒሖም ከቢድ ሓላፍነት ኣብ እተሰከሙሉ እዋን፡ ከም መልህቕ ኰይኑ ሓጊዝዎም እዩ።
5. ክርስትያን ሽማግለታት ንኻልኦት ኪሕግዙሉ ዚኽእሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧
5 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ከም የሱስ፡ ዚቕረቡን ንኻልኦት ዚሕግዙን እዮም። ግዜ ወሲዶም ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ምዉቕን ስጡምን ርክብ የማዕብሉ። ኣገዳስነት ምዕቃብ ምስጢር ይግንዘቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ፍልጠቶም ወይ ክእለቶም ግን ኣይሓብኡን እዮም። ንኣሕዋቶም ይኣምንዎም፡ ነቲ እተማህርዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት እውን የካፍልዎም እዮም። ንሓደ ብዕድመ ዝነኣሰ ኣገልጋሊ ጉባኤ እውን እንተዀነ፡ ኣትሒቶም ኣይርእይዎን እዮም። እኳ ደኣስ፡ ኣብ ጉባኤ ጠቓሚ ኣገልግሎት ዜበርክት፡ ክእለት ዘለዎ መንፈሳዊ ሰብ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።
“መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ”
6, 7. ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓደገሎም ኣብነትን ነቲ እዚ ኣባታቶም ዘሕደሮ ጽልዋን ግለጾ።
6 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንመንፈሳዊ ነገራት የማስዉሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ኣተሓሳስባኦም፡ ብኣተዓባብያኦምን ብባህሎምን ይጽሎ ነበረ። (ማቴ. 19:9, 10፣ ሉቃ. 9:46-48፣ ዮሃ. 4:27) የሱስ ግና፡ ኣይገንሖምን ወይ ኣየፈራርሆምን። ርትዓዊ ዘይኰነ ሕቶ ብምሕታት ጸቕጢ ኣይገበረሎምን ወይ እውን ንሱ ዘይገብሮ ነገር ኪገብሩ ኣይመኸሮምን። የግዳስ፡ ብኣብነት ገይሩ መሃሮም።—ዮሃንስ 13:15 ኣንብብ።
7 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ዓይነት ኣብነት እዩ ሓዲጉሎም፧ (1 ጴጥ. 2:21) ናብራኡ ቐሊል ብምንባሩ ንኻልኦት ብኸምኡ የገልግሎም ነበረ። (ሉቃ. 9:58) ትሑት ነበረ፣ ትምህርትታቱ ድማ ወትሩ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ነበረ። (ዮሃ. 5:19፣ 17:14, 17) ተቐራብን ሕያዋይን ነበረ። ንዅሉ ነገር፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ይገብሮ ነበረ። (ማቴ. 19:13-15፣ ዮሃ. 15:12) ኣብነቱ ድማ ኣብቶም ሃዋርያቱ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕደረ። ንኣብነት፡ ያእቆብ ምስ ሞት ኣብ እተጋጠመሉ እዋን ኣይፈርሀን፡ እኳ ደኣስ ክሳዕ ዚቕተል ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣገልገለ። (ግብ. 12:1, 2) ዮሃንስ እውን ንልዕሊ 60 ዓመት ብተኣማንነት ኣስኣሰር የሱስ ሰዓበ።—ራእ. 1:1, 2, 9።
8. ሽማግለታት ንመንእሰያትን ንኻልኦትን ኣብነት ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧
8 ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ትሑታትን ፈቃራትን ሽማግለታት ንመንእሰያት ሰናይ ኣብነት ይዀንዎም እዮም። (1 ጴጥ. 5:2, 3) ብዘይካዚ፡ እቶም ብእምነቶም፡ ብኣመሃህራኦም፡ ብክርስትያናዊ ኣነባብራኦም፡ ከምኡውን ብኣገልግሎቶም ኣብነት ዚዀኑ ሽማግለታት፡ ካልኦት ንእምነቶም ኪቐድሕዎ ኸም ዚኽእሉ ምፍላጦም የሐጕሶም እዩ።—እብ. 13:7።
“የሱስ . . . ለአኾም፡ ከምዚ ኢሉውን አዘዞም”
9. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዕዮ ወንጌላውነት ንኺፍጽሙ ኸም ዘሰልጠኖም ብኸመይ ንፈልጥ፧
9 የሱስ ንኽልተ ዓመት ዚኸውን ብቕንኣት ምስ ኣገልገለ፡ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ንኺሰብኩ ብምልኣኽ ንዕዮ ስብከት ብዝያዳ ኣስፍሖ። ፈለማ ግና፡ ነቶም ሃዋርያት መምርሒ ሃቦም። (ማቴ. 10:5-14) ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ሰባት ብተኣምራዊ መገዲ ቐቅድሚ ምምጋቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ነቶም ሰባት ከም ዚውድብዎምን ብኸመይ ምግቢ ኸም ዚዕድሉን ነገሮም። (ሉቃ. 9:12-17) ብንጹር እምበኣር፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንጹር መምርሒ ብምሃብ ኣሰልጢንዎም እዩ። ከምዚ ዓይነት ስልጠና ምስ ሓያል ጽልዋ መንፈስ ቅዱስ ተደሚሩ፡ እቶም ሃዋርያት ነቲ ብ33 ድ.ክ. ኰነ ብድሕሪኡ እተገብረ ሰፊሕ ዕዮ ስብከት ንኺውድቡ ኣኽኢልዎም እዩ።
10, 11. ንሓደስቲ ቐጻሊ ስልጠና ኺወሃቦም ዚከኣል በየናይ መገድታት እዩ፧
10 ሎሚ፡ ሓደ ሰብኣይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ፍቓደኛ ምስ ኰነ እዩ መንፈሳዊ መምርሒ ኺወሃቦ ዚጅምር። ብኸመይ ብንጹር ኬንብብ ከም ዚኽእል ክንምህሮ የድሊ ይኸውን። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እንመርሓሉ እዋን፡ ሓገዝና ቐጻሊ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ኺእከብ ምስ ጀመረ፡ እቲ ኣብኡ ዚረኽቦ መንፈሳዊ ስልጠና፡ ዕቤት ገይሩ ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ንኪኸውን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ንኺሳተፍ፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ንጥፈታት ንኺካፈል ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ እዩ። ድሕሪ ጥምቀቱ፡ ኣብ ከም ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ዕዮ፡ ስልጠና ኺወሃቦ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንኪኸውን ዜድልዮ ሓገዝ ኪወሃቦ ይኽእል እዩ።
11 ንሓደ እተጠምቀ ሓው ዕዮ ምስ ዚወሃቦ፡ ሓደ ሽማግለ ንውድባዊ ኣሰራርሓ ዚምልከትን ካልእ ዜድሊ መምርሕን ተሓጒሱ ይገልጸሉ እዩ። እቲ ስልጠና ዚወሃቦ ዘሎ ሓው፡ ካብኡ እንታይ ከም ዚድለ ኺፈልጥ ይግባእ። ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ኺፍጽሞ ምስ ዘይክእል፡ ሓደ ፈቃር ሽማግለ ተሃዊኹ፡ ነቲ ሓው ከም ዘይበቅዕ ገይሩ ኣይርእዮን እዩ። የግዳስ፡ ብዛዕባ እቲ ኼመሓይሾ ዘለዎ ነጥብታትን ብኸመይ ኬመሓይሽ ከም ዚኽእልን ብሕያውነት ኪገልጸሉ ይግባእ። ሓደ ሓው ነቲ እተገብረሉ ጻዕርታት ኣወንታዊ ምላሽ ብምሃብ ንኻልኦት ተሓጒሱ ኼገልግል ከሎ፡ ሽማግለታት ባህ ይብሎም እዩ።—ግብ. 20:35።
“ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ”
12. ንምኽሪ የሱስ ውጽኢታዊ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧
12 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዜድልዮም ብሕታዊ ምኽሪ ብምሃብ ኣሰልጢንዎም እዩ። ንኣብነት፡ ንያእቆብን ንዮሃንስን፡ እተወሰኑ ሳምራውያን ንየሱስ ስለ ዘይተቐበልዎ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ብምድላዮም ገንሖም። (ሉቃ. 9:52-56) ኣደ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ የሱስ ቀሪባ፡ ደቃ ኣብታ መንግስቱ ፍሉይ ቦታ ኺወሃቦም ምስ ሓተተት፡ የሱስ ነቶም ኣሕዋት ብቐጥታ፡ “ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” በሎም። (ማቴ. 20:20-23) የሱስ ወትሩ ንጹርን ግብራውን ኣብ ስርዓታት ኣምላኽ እተመስረተን ምኽሪ ይህብ ነበረ። ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ስርዓታት እዚ ንኺሓስቡ መሃሮም። (ማቴ. 17:24-27) ዓቕሚ ሰዓብቱ ድሩት ምዃኑ ይግንዘብ ስለ ዝነበረ፡ ካባታቶም ፍጽምና ኣይጽበን እዩ ነይሩ። እቲ ዚህቦ ዝነበረ ምኽሪ ብናይ ሓቂ ፍቕሪ እተደረኸ እዩ ነይሩ።—ዮሃ. 13:1።
13, 14. (ሀ) ምኽሪ ዜድልዮ መን እዩ፧ (ለ) ሓደ ሽማግለ ንሓደ ብመንፈስ ዘይዓቢ ዘሎ ሓው፡ እንታይ ምኽሪ ኺህቦ ኸም ዚኽእል ኣብነት ሃብ።
13 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ኪስከም ዚደሊ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፡ ሓድሓደ ግዜ ምኽሪ ወይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ የድልዮ እዩ። ምሳሌ 12:15፡ “ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ” ትብል። ሓደ መንእሰይ ሓው፡ “እቲ ኣዝዩ ዝኸበደኒ ነገር፡ ምስ ዘይፍጽምናይ ምቅላስ እዩ ነይሩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ሓደ ሽማግለ ዝሃበኒ ምኽሪ ግና፡ ቅኑዕ ኣረኣእያ ንኺህልወኒ ሓጊዙኒ እዩ” በለ።
14 ሽማግለታት፡ ሓደ ሰብኣይ ብሰንኪ ዜተሓታትት ኣኻይዳ መንፈሳዊ ዕቤት ይገብር ከም ዘየለ እንተ ኣስተብሂሎም፡ ብህዱእ መንፈስ ንኼዐርይዎ ተበግሶ ይወስዱ እዮም። (ገላ. 6:1) ሓድሓደ ግዜ፡ ሽማግለታት ንሓደ ጽቡቕ ዘይኰነ ባህርይ ዘለዎ ሰብ ኪመኽርዎ የድሊ ይኸውን። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ልግመኛ ወይ ሃካይ እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ሽማግለ ነዚ ሓው እዚ፡ የሱስ ቀናእ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ንሰዓብቱ ኸኣ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ኸም ዝኣዘዞም ኪሕብሮ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ሉቃ. 8:1) ሓደ ሓው ህርፋን ስልጣን እንተ ኣልይዎ፡ ሓደ ሽማግለ ነዚ ሓው እዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ተፈላጥነት ምድላይ ከም ዘጠንቀቖም ኬርእዮ ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 22:24-27) ሓደ ሓው ይቕረ ዘይብል እንተ ዀይኑኸ፧ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ዕዳ እኳ እንተ ተሓድገሉ፡ ሒደት ገንዘብ ንዚእውዶ ብጻዩ ግና ዘይሓደገሉ ባርያ ዚገልጽ ምሳሌ ኺንገሮ ይከኣል እዩ። (ማቴ. 18:21-35) ምኽሪ ኣብ ዜድልየሉ እዋን፡ ሽማግለታት ብቕልጡፍ ከምኡ እንተ ገበሩ ዝሓሸ እዩ።—ምሳሌ 27:9 ኣንብብ።
‘ንርእስኻ ኣልምዳ’
15. ኣባላት ስድራ ቤት፡ እቲ ኣቦ ንኻልኦት ንኼገልግል ኪሕግዝዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
15 ሽማግለታት፡ ሰብኡት ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ንኺሓድሮም ኣብ ምስልጣን መሪሕ ግደ እኳ እንተ ኣለዎም፡ ካልኦት እውን ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣባላት ስድራ ቤት፡ ሓደ ሰብኣይ ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ንኺሓድሮ ኺሕግዝዎ ይኽእሉ እዮም፣ ከምኡ እውን እዮም ኪገብሩ ዘለዎም። እቲ ሓው ድሮ ሽማግለ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ እታ ፈቃር ሰበይቱን እቶም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ደቁን ዚገብሩሉ ሓገዝ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ። እዞም ኣባላት ስድራ ቤቱ፡ ንገለ ግዜኡን ጕልበቱን ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል ኬውዕሎ ኸም ዘለዎ ይርድኡ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ዜርእይዎ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ፡ ነቲ ሓው የሐጕሶ እዩ፣ ንሕና እውን ነቲ ዚገብርዎ መስዋእቲ ነማስወሉ ኢና።—ምሳ. 15:20፣ 31:10, 23።
16. (ሀ) ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ኬሕድር ዘለዎ መን እዩ፧ (ለ) ሓደ ሰብኣይ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ኬሕድር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
16 ካልኦት ንሓደ ሰብኣይ ኪሕግዝዎን ኪድግፍዎን ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ኬሕድር ዘለዎ ግና እቲ ሰብኣይ ባዕሉ እዩ። (ገላትያ 6:5 ኣንብብ።) ሓቂ እዩ፡ ሓደ ሓው ንኻልኦት ንምሕጋዝን ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ንምክፋልን፡ ናይ ግድን ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ኪኸውን ኣየድልዮን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኪስከም ዚደሊ ሓው፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተገልጸ ብቕዓታት ኬማልኦ ኣለዎ። (1 ጢሞ. 3:1-13፣ ቲቶ. 1:5-9፣ 1 ጴጥ. 5:1-3) ስለዚ፡ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ዀይኑ ኼገልግል እንተ ደልዩ፡ ኣብቲ መንፈሳዊ ወሰኽ ኪገብረሉ ዜድሊ መዳያት ኬተኵር ኣለዎ። እዚ ኸኣ፡ ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትግሃት ዝመልኦ ብሕታዊ መጽናዕቲ፡ ዓሚቝ ምስትንታን፡ ልባዊ ጸሎት፡ ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብቕንኣት ምስታፍ የጠቓልል። ሓደ ሓው ከምዚ እንተ ገይሩ፡ ነቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ፡ “ንርእስኻ . . . ኣምልኾ ኣልምዳ” ዚብል ምኽሪ ኺትግብሮ ይኽእል እዩ።—1 ጢሞ. 4:7።
17, 18. ሓደ እተጠምቀ ሓው፡ ስለ ዚጭነቕ፡ ዘይብቑዕ ኰይኑ ስለ ዚስምዖ፡ ወይ ከኣ ናይ ምግልጋል ድሌት ስለ ዘይብሉ፡ ሓላፍነት ካብ ምስካም ዜድሓርሕር እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧
17 ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብኣይ፡ ስለ ዚጭነቕ ወይ ዘይብቑዕ ኰይኑ ስለ ዚስምዖ፡ ሓላፍነት ካብ ምስካም ዜድሓርሕር እንተ ዀይኑኸ፧ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዚገብሩልና ነገራት ምስትንታን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። የሆዋ “ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር አሎ።” (መዝ. 68:19) ስለዚ፡ ሰማያዊ ኣቦና ንሓደ ሓው፡ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ንኺስከም ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ዘይኰነ ሓው፡ ኣብ ውድብ ኣምላኽ ሓላፍነት ዚስከሙ ብሱላት ሰብኡት ከም ዜድልዩ ምሕሳቡ፡ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ነጥብታት እዚ ዜስተንትን እንተ ዀይኑ፡ ኣሉታዊ ስምዒታት ንምስጋር ጻዕሪ ንኺገብር ኪድርኾ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ እቲ ሰላምን ርእሰ ግትኣትን ዜፍሪ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺወሃቦ ኺጽሊ ይኽእል እዩ፣ ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ንጭንቀትን ነቲ ኣይበቅዕን እየ ዚብል ሓሳብን ንኼወግድ ዜኽእሎ ባህርያት ኬጥሪ እዩ። (ሉቃ. 11:13፣ ገላ. 5:22, 23) የሆዋ ንዅሎም እቶም ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊሶም ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ዜሕድሩ ኣሕዋት ከም ዚባርኾም፡ ርግጸኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
18 ሓደ እተጠምቀ ሓው ንኼገልግል ድሌት ዘይብሉ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊል. 2:13) ስለዚ፡ ናይ ምግልጋል ድሌት፡ ካብ ኣምላኽ እዩ ዚመጽእ፣ ናይ የሆዋ መንፈስ ከኣ ንሓደ ሰብ፡ ቅዱስ ኣገልግሎት ንኬቕርብ ኬበራትዖ ይኽእል እዩ። (ፊል. 4:13) ብዘይካዚ፡ ሓደ ክርስትያን፡ ቅኑዕ ዘበለ ምእንቲ ኺገብር፡ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ይኽእል እዩ።—መዝ. 25:4, 5።
19. ‘ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንትን’ ከም ዚትንስኡ ዚገልጽ ትንቢት፡ እንታይ እዩ ዜረጋግጸልና፧
19 የሆዋ ነቲ ሽማግለታት ንኻልኦት ንምስልጣን ዚገብርዎ ጻዕሪ ይባርኾ እዩ። ነቶም ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ዜሕድሩ እውን ይባርኾም እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብ ውድብ የሆዋ መሪሕ ግደ ዚህልዎም ‘ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንትን’ ከም ዚትንስኡ የረጋግጸልና እዩ፣ እዚ ቝጽሪ እዚ ኸኣ፡ ብዙሓት ክኢላታት ሰብኡት ከም ዚህልዉ ዚሕብር እዩ። (ሚክ. 5:5) ሎሚ ብዙሓት ትሑታት ክርስትያን ሰብኡት፡ ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ይሓድሮምን ይስልጥኑን ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ንየሆዋ ዚውድስን ንዓና በረኸት ዜምጽእን እዩ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዝዓበየ ሓላፍነት ንኺስከሙ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧
• ሽማግለታት ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰብኡት፡ ሓላፍነት ንኺስከሙ ኺሕግዝዎም ከለዉ ንየሱስ ኪመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
• ኣባላት ስድራ ቤት፡ እቲ ኣቦ ንኻልኦት ንኼገልግል ኪሕግዝዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
• ሓደ ሰብኣይ፡ ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ንኺሓድሮ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእልታት]
ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ኪገብር ከሎ፡ እንታይ ስልጠና ኢኻ ኽትህቦ እትኽእል፧
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
ሰብኡት፡ ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ከም ዘለዎም ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧