ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/12 ገጽ 26
  • “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • “ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “ቅዱሳት ኩኑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ቅዱስ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/12 ገጽ 26

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ”

ንባህርያት ወይ መንነት ኣምላኽ ንምግላጽ ሓንቲ ቓል ጥራይ ክትመርጽ ዕድል እንተ ዚወሃበካ፡ ነየነይቲ ቓል ምመረጽካ፧ እቲ ኣብ መበል ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ነብዪ ኢሳይያስ፡ መንፈሳውያን ፍጥረታት ነቲ ቐንዲ መዳይ መንነት የሆዋ ንእተጕልሕ ቃል ተጠቒሞም ንየሆዋ ኺውድስዎ ኸለዉ ብራእይ ረኣየ። እቲ ኢሳይያስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ነገራት ንየሆዋ ኸም እንፈርሆን ከም እንቐርቦን ኪገብረና ይግባእ። ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 6:1-3 ዘሎ ቓላት ክንምርምር ከለና፡ ንስኻውን ኣብቲ ቦታ እቲ ኸም ዘለኻ ጌርካ ሕሰብ።

ኢሳይያስ እንታይ እዩ ርእዩ፧ እንታይ ከም ዝረኣየ ባዕሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ” በለ። (ቍጽሪ 1) ነቲ ልዑላዊ ጐይታ የሆዋ ቓል ብቓሉ ብዓይኑ ኣይረኣዮን። ስጋዊ ዓይኒ ንመንፈሳዊ ኣካል ኪርእዮ ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ የልቦን” ይብል። (ዮሃንስ 1:18) ኢሳይያስ ራእይ እዩ ርእዩ።a ምስናይዚ ግና፡ እቲ ራእይ ኣዝዩ ህያው ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ኢሳይያስ ልክዕ ንየሆዋ ኸም ዝረኣዮ ብፍርሃት ተዋሕጠ።

ነዚ ኢሳይያስ ቀጺሉ ኣብሪህዎ ዘሎ ራእይ፡ ምናልባት ካልእ ሰብ ኣይረኣዮን ኪኸውን ይኽእል እዩ፦ “ኣብ ልዕሊኡ [ኣብ ልዕሊ የሆዋ] ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፡ ነፍሲ ወከፎም ሹድሽተ ኽንፊ አለዎ፡ በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተውን ይነፍር ነበረ።” (ቍጽሪ 2) ሱራፌል፡ ኣዝዩ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም መንፈሳውያን ፍጥረታት እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ኢሳይያስ ጥራይ እዩ ጠቒስዎም። ሱራፌል ንምንቅስቓስን መለኮታዊ ትእዛዝ ንምሕላውን ወትሩ ድሉዋት እዮም። ገጾምን ኣእጋሮምን ተኸዲኖም እዮም ደው ዚብሉ፣ እዚ ድማ፡ ንየሆዋ ኸም ዜኽብርዎን ኣብ ቅድሚኡ ደው ምባሎም ድማ ከም ፍሉይ መሰል ገይሮም ከም ዚቘጽርዎን የርኢ።

ኢሳይያስ በቲ ዝረኣዮ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ዚሰምዖ ነገራት እውን ፈሪሁ እዩ። እቶም ሱራፌል ሰማያውያን መዘምራን ብምዃን፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ዘመሩ። ኢሳይያስ ቀጺሉ ኸም ዝገለጾ፡ “እቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ጐይታ ሰራዊት . . . ኢሉ ኣድሀየ።” (ቍጽሪ 3) እታ “ቕዱስ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ጽሬትን ንጽህናን እያ እተመልክት። ብዘይካዚ፡ “ካብ ሓጢኣት ዘበለ ምሉእ ብምሉእ ናጻን እተፈለኻን ምዃንን ዚብል ሓሳብ” እውን ኣለዋ። እቶም ሱራፌል ነታ “ቕዱስ” እትብል ቃል ሰለስተ ግዜ ኺዝምርዋ ኸለዉ፡ ምናልባት እናተቐባበሉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሰለስተ ግዜ ምዝማሮም ድማ፡ የሆዋ ኣዝዩ ቕዱስ ከም ዝዀነ የጕልሕ። (ራእይ 4:8) ስለዚ እምበኣር፡ ቅድስና መለለዪ መንነት የሆዋ እዩ። ንሱ ምሉእ ብምሉእ ንጹህን ጽሩይን ፈጺሙ ኣበር ዘይብሉን ኣምላኽ እዩ።

የሆዋ ቕዱስ ምዃኑ ምፍላጥና ንኽንቀርቦ ኺድርኸና ይግባእ። ስለምንታይ፧ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሓጢኣት ናጻ ስለ ዝዀነ፡ ካብቶም ብልሹዋት ሰብኣውያን መራሕቲ ፈጺሙ እተፈልየ እዩ። ስለዚ፡ ወትሩ ብቑዕ ኣቦ፡ ጻድቕ መራሒ፡ ዘየዳሉ ዳኛ ምዃኑ ቕድስናኡ ውሕስነት ይህብ እዩ። እቲ ዅለንትናኡ ቕዱስ ዝዀነ ኣምላኽ፡ ፈጺሙ ኸም ዘየጕህየና እምበኣር ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።

ንታሕሳስ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

◼ ኢሳይያስ 1-23

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ “ሓደ ሰብ ኣብ እዋን ስራሕ ራእይ እንተ ርእዩ፡ እቲ ራእይ ኣብቲ ንቑሕ ኣእምሮኡ እዩ ዚስኣል። እቲ ሰብ ጸኒሑ፡ ነቲ ራእይ እቲ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ቓላት ገይሩ ኺዝክሮን ኪገልጾን ወይ እውን ኪምዝግቦ ይኽእል እዩ” ይብል።—ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ቕዱስ ምዃኑ ምፍላጥና ንኽንቀርቦ ኺድርኸና ይግባእ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ