ሕማም ንሓጐስካ ኼጥፍኦ ኣይተፍቅድ
ንግሆ ኻብ ድቃስ ክትትንስእ ከለኻ፡ ካብ ዓራትካ ምውጻእ ከም ዚጽልኣካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ስቓይ ኣሎካ። ምናልባት እውን ከምቲ፡ “ነዚ ስቓይ ዝበዝ[ሖ] ሰብነት ኂዘ ኻብ ምንባር፥ ተሓኒቕካ ሙማት እመርጽ” ኢሉ እተዛረበ እዮብ ይስምዓካ ይኸውን። (እዮ. 7:15፡ ትርጕም 1990) እቲ ዅነታትካ ንዓመታት እንተ ዚቕጽልከ እንታይ ምተሰምዓካ፧
ነቲ መፊቦሸት ዝስሙ ወዲ ዮናታን ዓርኪ ንጉስ ዳዊት ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከሎ፡ “ወደቐ እሞ ሓንካስ ኰነ።” (2 ሳሙ. 4:4) ጸኒሑ ንንጉስ ከም ዝኸድዐ ጌርካ ብሓሶት ምስ ተኸስሰን ንብረቱ ምስ ሰኣነን፡ ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኸም ዚብሃል፡ ኣብ ልዕሊ ስንክልናኡ፡ ዓሚቝ ጓሂ ኣጋጠሞ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዘጋጠሞ ስንክልናን ጸለመን ጓህን ብዓወት ስለ እተዋጽኣሉን ሓጐሱ ስለ ዝዓቀበን፡ ሰናይ ኣብነት እዩ ዚዀነና።—2 ሳሙ. 9:6-10፣ 16:1-4፣ 19:24-30።
ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ኣብነት ይዀነና እዩ። ሓደ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ኽኢልዎ ዚነብር ዝነበረ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ’ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 12:7) እዚ ግራጭ እዚ፡ ንሓደ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕማም ወይ ከኣ ነቶም ንሃዋርያነቱ ዚቃወምዎ ዝነበሩ ሰባት ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ጸገም ንነዊሕ እዋን ስለ ዝጸንሐ፡ ምስቲ ዜጋጥሞ ዝነበረ ኣካላውን ስምዒታውን ስቓይ ኪቃለስ ነበሮ።—2 ቈረ. 12:9, 10።
ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ገሊኣቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብዜማስን ሕዱር ሕማም ወይ ብጭንቀት ይሳቐዩ እዮም። ማግዳሌና ጓል 18 ዓመት ከላ፡ ሲስተሚክ ሉፐስ ኢሪቲማቶሰስ ዚብሃል ሕማም ከም ዘለዋ ተፈልጠ፣ እዚ ሕማም እዚ፡ ስርዓተ ምክልኻልካ ንኣካላትካ ኸም ዜጥቅዖ ዚገብር ሕማም እዩ። “ኣመና ፈራህኩ። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ኵነታተይ እናኸፍአ ስለ ዝኸደ፡ ናይ ምሕቃቕ ምግቢ ሽግርን ነድሪ ኣፍን ናይ ታይሮይድ ጸገምን ኣጋጠመኒ” በለት። ኢዛቤላ ግና፡ ብንጹር ምስ ዘይፍለጥ ኵነታት እያ እትቃለስ። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ፡ ብጭንቀት እሳቐ ነበርኩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ኣመና እፈርህን ምስትንፋስ የጸግመንን ከብደይ ይቐርጸንን ነበረ። ረሸሽ እዩ ዚብለኒ” በለት።
ነቲ ኽውንነት ምቕባሉ
ሕማምን ስንክልናን ንህይወትካ ኼበላሽዎ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ ንዅነታትካ ምግምጋም ሓጋዚ እዩ። ነቲ ዘሎካ ድሩትነት ምቕባሉ ይኸብደካ ይኸውን። ማግዳሌና፡ “ሕማመይ እናገደደ እዩ ዚኸይድ። ሓይለይ ስለ ዚጽንቀቕ፡ ካብ ዓራት ምትንሳእ ኣዝዩ እዩ ዚኸብደኒ። ጽባሕ ከመይ ከም ዝገብረኒ ስለ ዘይፈልጥ፡ መደብ ከውጽእ ኣይክእልን እየ። ልዕሊ ዅሉ ዜጕህየኒ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገብሮ ዝነበርኩ ኽገብር ዘይምኽኣለይ እዩ” በለት።
ዝቢግንየቭ ከምዚ በለ፦ “ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ሕማም ሪሕ ንሓይለይ ኪጽንቅቖ፡ ንመገጣጠሚ ኣዕጽምተይ ድማ ኬበላሽዎ ጀመረ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ነድሪ እናኸፍአ ኪኸይድ ከሎ፡ ቀሊል ዕዮ እውን እንተ ዀነ ኽዓዪ ኣይክእልን እየ። እዚ ኸኣ፡ ኣዝዩ እዩ ዚደቝሰኒ።”
ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት፡ ባርባራ፡ እናዓበየ ዚኸይድ ናይ ሓንጎል ጥረ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ኣካላተይ ብሃንደበት እዩ ተቐይሩ። ሓይለይ ይጽንቀቕ፡ ብተደጋጋሚ ሕማም ርእሲ የጋጥመኒ፡ ከተኵር ድማ ኣይክእልን እየ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንዅነታተይ ከም ብሓድሽ ክግምግሞ ተገደድኩ።”
ኵሎም እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ውልቀ ሰባት፡ ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ እዮም። ንፍቓድ የሆዋ ኸኣ እዮም ቀዳምነት ዚህቡ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ይውከሉን ካብቲ ንሱ ዚህቦም ደገፍ ይጥቀሙን እዮም።—ምሳ. 3:5, 6።
የሆዋ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
ብውልቅና ዜጋጥመና ጸገም፡ ኣምላኽ ብኣና ምጕሃዩ ዚሕብር ከም ዝዀነ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። (ድጕ. 3:33) እዮብ “ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ” እኳ እንተ ነበረ፡ እንታይ ከም ዘጋጠሞ እሞ ሕሰብ። (እዮ. 1:8) ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ብእኩይ ኣይፍትንን እዩ። (ያእ. 1:13) ኵሉ ሕማም፡ እንተላይ ሕዱር ሕማምን ጭንቀትን፡ ካብቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ዝወረስናዮ ሕማቕ ውርሻ እዩ።—ሮሜ 5:12።
ይኹን እምበር፡ የሆዋን የሱስን ንጻድቃን ብዘይ ሓገዝ ኣይሓድግዎምን እዮም። (መዝ. 34:15) ብፍላይ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት፡ ኣምላኽ ‘ጸግዕናን ዕርድናን’ ምዃኑ ንርኢ ኢና። (መዝ. 91:2) ኰይኑ ግና፡ ብቐሊሉ ኺፍታሕ ዘይክእል ጸገም እንተ ኣጋጢሙና፡ ሓጐስና ንኽንዕቅብ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
ጸሎት፦ ልክዕ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናብ ሰማያዊ ኣቦኻ ብምጽላይ፡ ንጾርካ ናብኡ ኽትድርብዮ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 55:22) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ “ካብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ክትረክብ ኢኻ። እዚ ውሽጣዊ ሰላም እዚ ኸኣ፡ ‘ንልብኻን ንሓሳብካን ኪሕልዎ እዩ።’ (ፊል. 4:6, 7) ማግዳሌና ብጸሎት ኣቢላ ኣብ ኣምላኽ ስለ እተወከለት፡ ነቲ ዜማስን ሕማማ ጾይራ ኽትነብር ከኣለት። “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ልበይ ምፍሳሰይ፡ ዕረፍትን ሓጐስን ኣምጺኡለይ እዩ። ሕጂ፡ መዓልታዊ ኣብ ኣምላኽ ምውካል ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ተረዲኡኒ እዩ” በለት።—2 ቈረ. 1:3, 4።
የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱን ብቓሉን ብክርስትያናዊ ሕውነትን ኣቢሉ ብርታዐ ብምሃብ፡ ንጸሎትካ ኺምልሶ ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንስንክልናኻ ብተኣምራዊ መገዲ ኼወግዶ ኸም ዘይትጽበ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንነፍሲ ወከፍ ጸገም ንኽትጾሮ ዜኽእለካ ጥበብን ብርታዐን ከም ዚህበካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 2:7) እወ፡ ኬጽንዓካን “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኺህበካን ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 4:7።
ስድራ ቤት፦ ፍቕርን ርሕራሐን ዝሰፈኖ ቤት፡ ንሕማምካ ንኽትጾሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም እተፍቅሮም ሰባት እውን ከም ዚሳቐዩ ኣይትረስዕ። ልክዕ ከማኻ፡ ሓይሎም ይጽንቀቕ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ኪድግፉኻ ድሉዋት እዮም። ምስኦም ኴንካ ምጽላይካ፡ ህዱእ ልቢ ንኺህልወካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 14:30።
ባርባራ ብዛዕባ ደቃን ብዛዕባ ኣብ ጉባኤኣ ዚርከባ መንእሰያት ኣሓትን ክትዛረብ ከላ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ይሕግዛኒ እየን። ቅንኣተን ከኣ፡ ንልበይ ብሓጐስ እዩ ዚመልኦ” በለት። ዝቢግንየቭ ንደገፍ ሰበይቱ፡ ብዋጋ ዘይሽነን ኰይኑ እዩ ረኺብዎ። “ንመብዛሕትኡ ዕዮ ቤት፡ ንሳ እያ እትሰርሖ። ክዳነይ ንክኽደን ትሕግዘኒ፡ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባን ናብ ኣገልግሎትን ክኸይድ ከለኹ ኸኣ፡ ቦርሳይ ትሕዘለይ እያ” በለ።
ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት፦ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኽንከውን ከለና፡ ንተባባዕን ንጸናናዕን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብሰሪ ሕማምካ ናብ ኣኼባታት ክትከይድ እንተ ዘይከኣልካኸ፧ ማግዳሌና፡ “ካብ ኣኼባታት ምእንቲ ኽጥቀም፡ ኣባላት ጉባኤይ ነቲ ኽፍልታት ቀዲሖም የምጽኡለይ እዮም። ብኸመይ ኪሕግዙኒ ኸም ዚኽእሉ ንምሕታት ከኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ይድውሉለይ እዮም። ዜተባብዕ ደብዳበታት እውን ይልእኩለይ እዮም። ብዛዕባይ ከም ዚሓስቡን ብዛዕባ ጥዕናይ ከም ዚግደሱን ምፍላጠይ፡ ንኽጸንዕ ይሕግዘኒ እዩ” በለት።
እታ ብጭንቀት እትሳቐ ኢዛቤላ ድማ፡ ከምዚ ኢላ ተዛረበት፦ “ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ዚሰምዑንን ንኺርድኡኒ ዚጽዕሩን ብዙሓት ‘ኣቦታትን ኣዴታትን’ ኣለዉኒ። እታ ጉባኤ፡ ልክዕ ከም ስድራ ቤተይ እያ፣ ኣብኡ ድማ እየ ሰላምን ሓጐስን ዝረክብ።”
እቶም እተፈላለየ ፈተናታት ዜጋጥሞም ሰባት፡ ‘ርእሶም ኪፈልዩ’ የብሎምን። የግዳስ፡ ነቲ ምስታ ክርስትያናዊ ጉባኤ ዘለዎም ቅርርብ፡ ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ኣለዎም። (ምሳ. 18:1) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንኻልኦት ምንጪ ምትብባዕ ይዀንዎም። ምናልባት ኣብ ፈለማ፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ብዛዕባ እቲ ዜድልየካ ነገራት ካብ ምንጋር ድሕር ምሕር ትብል ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ፡ ብዛዕባ ዜድልየካ ነገራት ብግህዶ ምዝራብካ ኼማስውሉ እዮም። “ግብዝና ዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት” ንኼርእዩ ኸኣ ኣጋጣሚ ኽትከፍተሎም ኢኻ። (1 ጴጥ. 1:22, 23) ናብ ኣኼባታት ብማኪና ኺወስዱኻ፡ ምስኦም ናብ ኣገልግሎት ክትከይድ፡ ወይ ከኣ ናይ ልብኻ ኣውጺእካ ኽትዛረቦም ከም እትደሊ ንምንታይ ዘይትነግሮም፧ ሓቂ እዩ፡ ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ንሓገዞም ከተማስወሉ ኣሎካ ደኣ እምበር፡ ይግብኣኒ እዩ ብዚብል መንፈስ ኪኸውን የብሉን።
ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ፦ እቲ ዘሎካ ሕዱር ሕማም ንሓጐስካ ኼጥፍኦ ድዩ ወይስ ኣየጥፍኦን፡ ኣባኻ እተመርኰሰ እዩ። ጓህን ጭንቀትን ናብ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እዩ ዚመርሓካ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብ እንተ ሐመመስ፡ መንፈሱ ይድግፎ። ንተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል፧” ይብል።—ምሳ. 18:14።
ማግዳሌና፡ “ኣብ ጸገማተይ ከየተኵር እጽዕር እየ። ነተን ደሓን ዝዀነለን መዓልትታት፡ ተሓጒሰ ኸሕልፈን እየ ዝፍትን። ብዛዕባ እቶም ሕዱር ሕማም እናሃለዎም ክነሱ፡ እሙናት ኰይኖም ዝቐጸሉ ሰባት ዚገልጽ ታሪኽ ህይወት ከንብብ ከለኹ፡ እጸናናዕ እየ” በለት። ኢዛቤላ ድማ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅራን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእያን ብምሕሳብ እያ እትበራታዕ። “ተደላዪት ከም ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ፣ ኣብ ህይወተይ ኣኽቢረ ዝርእዮ ነገር ከኣ ኣሎኒ። ዜደንቕ ተስፋ እውን ኣሎኒ” በለት።
ዝቢግንየቭ ከምዚ በለ፦ “ሕማመይ፡ ትሕትናን ተኣዛዝነትን ምሂሩኒ እዩ። ብዘይካዚ፡ ከስተውዕልን ከመዛዝንን ካብ ልቢ ይቕረ ኽብልን ከም ዘሎኒ ፈሊጠ እየ። ብኣገልግሎት የሆዋ ኽሕጐስ ደኣ እምበር፡ ከስተማስል ከም ዘይብለይ እውን ተማሂረ እየ። እዚ ኸኣ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽገብር ደሪኹኒ እዩ።”
የሆዋ ንጽንዓትካ ኸም ዜስተብህለሉ ኣይትረስዕ። ነቲ እተሕልፎ ዘለኻ መከራ ይርድኦን ይሓልየልካን እዩ። ‘ንግብርኻን ነቲ ንስሙ ኢልካ ዝገበርካዮ ፍቕርኻን ኣይርስዖን እዩ።’ (እብ. 6:10) ነቲ ንዅሎም ዚፈርህዎ ሰባት ዝኣተወሎም፡ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ዚብል መብጽዓ፡ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ።—እብ. 13:5።
ኣብ እትድቈሰሉ እዋን፡ ኣብቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ናይ ምንባር ዜደንቕ ተስፋ ኣተኵር። በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ኺፈስስ ከሎ ብዓይንኻ እትርእየሉ ግዜ፡ ኣዝዩ እዩ ዚቐርብ ዘሎ።
[ኣብ ገጽ 28, 29 ሳጹን/ስእልታት]
ሽሕ እኳ ሕዱር ሕማም እንተ ሃለዎም፡ ስብከቶም ቀጸሉ
“ባዕለይ ክንቀሳቐስ ስለ ዘይክእል፡ ምስ ሰበይተይ ወይ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይነ እየ ናብ ኣገልግሎት ዝኸይድ። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝጥቀመሉ ኣቀራርባን ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ሸምዲደዮ እየ ዝኸይድ።”—የዢ፡ ዓይነ ስውር።
“ኣብ ርእሲ እቲ ብተሌፎን ዝገብሮ ምስክርነት፡ ደብዳበ እጽሕፍን ምስቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሒደት ሰባት ወትሩ እጸሓሓፍን እየ። ኣብ ሆስፒታል ክኣቱ ኸለኹ፡ ኣብ ጥቓ ዓራተይ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትን አቐምጥ እየ። እዚ ኸኣ፡ ጽቡቕ ምይይጥ ንኸጀምር ሓጊዙኒ እዩ።”—ማግዳሌና፡ ሲስተሚክ ሉፐስ ኢሪቲማቶሰስ ዘለዋ።
“ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት እፈትዎ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ከምኡ ኽገብር ኣብ ዘይክእለሉ እዋናት፡ ብተሌፎን ኣብ ዚግበር ምስክርነት እካፈል እየ።”—ኢዛቤላ፡ ብሕዱር ጭንቀት እትሳቐ።
“ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን እፈቱ እየ። ኣብተን ደሓን ዝዀነለን መዓልትታት፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ምምስካር ባህ እዩ ዜብለኒ።”—ባርባራ፡ ናይ ሓንጎል ጥረ ዘለዋ።
“ኣዝዩ ፈኲስ ቦርሳ እየ ዝሕዝ። መገጣጠሚታተይ ክሳዕ ዘየቐንዘወኒ ኸኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት እጸንሕ እየ።”—ዝቢግንየቭ፡ ሪሕ ዝሓዞ።
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ፡ ምንጪ ምትብባዕ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም