ሕቶታት ኣንበብትና
ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧
▪ ገሊኦም ሰባት፡ ምድሪ ብ21 ጥቅምቲ 2011 እትጠፍእ መሲልዎም ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ኣይጠፍአትን። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሃሮልድ ካምፒንግ ዝስሙ ጋዜጠኛ ረድዮ እተነበዮ ትንቢት፡ ሕልሚ ዀይኑ ተረፈ። ይኹን እምበር፡ እቲ ጋዜጠኛ፡ ብ21 ግንቦት መዓልቲ ፍርዲ ኸም እትጅምር፡ ዓለም ብምሉኣ ብሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም እትናወጽ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ድማ፡ ማለት ብ21 ጥቅምቲ ኸም እትጠፍእ ተነብዩ ነበረ።
ምድሪ ኸቶ ኣይክትጠፍእን እያ። ፈጣሪኣ እውን እንተ ዀነ፡ ክትጠፍእ ኣይፈቅድን እዩ። ቃሉ፡ “ንምድሪ ኣጽኒዕካያ፡ ንሳውን ትነብር አላ” ይብል።—መዝሙር 119:90።
ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ብሓዊ ኸም እትጠፍእ ይዛረቡ እዮም። ነቲ ርእይቶኦም ንምድጋፍ ከኣ፡ 2 ጴጥሮስ 3:7, 10 ይጠቕሱ፣ እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ። . . . መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።” ኰይኑ ግና፡ ንቓላት ሃዋርያ ጴጥሮስ ቃል ብቓሉ ዲና ኽንርድኦ ዘሎና፧
ኣይፋልን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ኣብ መልእኽቲ ጴጥሮስ ዚርከብ ሓሳባት ምስ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰማማዕ ኣለዎ። ነቲ ሓሳባት ቃል ብቓሉ እንተ ተረዲእናዮ፡ ኣብ ሓንቲ ጫፍ ዩኒቨርስ እትርከብ ቦታ ብእኩያት ሰባት ስለ ዝመልአት ጥራይ፡ ሰማያት ወይ ዩኒቨርስ፡ ማለት ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ኸዋኽብትን ካልኦት ነገራትን ኪጠፍኡ እዮም ማለት እዩ። ንሓንቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ሑጻ ስለ ዝጸላእካያ፡ ብምሉኡ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዚርከብ ሑጻ መጥፋእካዮዶ፧ ከምኡ ምግባር ዕሽነት እዩ። የሆዋ እውን፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ዝፈጠረን ነገራት ዕልወት ስለ እተላዕለ፡ ንብምሉኡ ፍጥረቱ ኣየጥፍኦን እዩ።
ምድሪ ኸም እትጠፍእ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ምስቲ የሱስ ክርስቶስ እተዛረቦ ቓላት እውን ኣይሰማማዕን እዩ፣ ንሱ፡ “ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 5:5፣ መዝሙር 37:29) ሓደ ፈቃር ኣቦ፡ ንስድራ ቤቱ ምሹእ ቤት ድሕሪ ምህናጹ፡ የንድዶዶ፧ (መዝሙር 115:16) እዚ ኸቶ ዘይሕሰብ እዩ። የሆዋ ፈጣሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፈቃር ኣቦ እውን እዩ።—መዝሙር 103:13፣ 1 ዮሃንስ 4:8።
ጴጥሮስ ነታ “ምድሪ” እትብል ቃል ብምሳልያዊ መገዲ፡ ማለት ነቲ እኩይ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንምምልካት እዩ ዚጥቀመላ ነይሩ። ነቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ኸም ዝጠቐሰ ኣስተብህል። (2 ጴጥሮስ 3:5, 6) ኣብቲ እዋን እቲ፡ እኩያት ደቂ ሰብ ጥራይ እዮም ጠፊኦም፣ ምድርን እቲ ጻድቕ ዝነበረ ኖህን ስድራ ቤቱን ግና ካብቲ ጥፍኣት ድሒኖም እዮም። ጴጥሮስ ነታ “ሰማያት” እትብል ቃል እውን፡ ብምሳልያዊ መገዲ እዩ ተጠቒሙላ። እታ ቓል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ዘሎ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ እያ እተመልክት። ስለዚ፡ እቶም ዘይልወጡ እኩያት ሰባት ኪጠፍኡ እዮም፣ ኵለን እኩያት መንግስትታት እውን ኪጠፍኣ እየን፣ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ክትትክአን እያ።—ዳንኤል 2:44።
እሞኸ ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧ ኣይፋልን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምሳልያዊ ምድሪ፡ ማለት እኩይ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እዩ ዚጠፍእ። ምድርን እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባትን ግና ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ምሳሌ 2:21, 22።