ቅንኢ ንኣእምሮና ኺምርዞ ዚኽእል ባህርይ
ናፖልዮን ቦናፓርተ፡ ዩልዮስ ቄሳር፡ እስክንድር እቲ ዓብዪ፡ ሓያላትን ሰብ ዝናን እኳ እንተ ነበሩ፡ ሰለስቲኦም ግና ኣብ ልቦም ንህይወት ሰብ ኬበላሹ ዚኽእል መርዚ ነበሮም። እዚ ኸኣ፡ ቅንኢ እዩ ነይሩ።
በርትረንድ ራስል ዚብሃል እንግሊዛዊ ፈላስፋ፡ “ናፖልዮን ብቄሳር፡ ቄሳር ብእስክንድር [እቲ ዓብዪ]፡ እስክንድር ከኣ በቲ ኣብ ህልውና እውን ዘይነበረ ሄርኩለስ ይቐንእ ነበረ” ኢሉ ጸሓፈ። ቅንኢ፡ ንሃብታም፡ ንወረጃ፡ ንዕዉት፡ ኰታስ ንዅሉ ሰብ ይጸሉ እዩ።
ቅንኢ፡ ካልኦት ሰባት ብዘለዎም ንብረትን ሃብትን ወይ ከኣ ንሳቶም ብዝረኸብዎ ረብሓ ናይ ዘይምሕጓስ ስምዒት እዩ። ብመሰረት ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ጽሑፍ፡ ቀናእ ሰብ፡ ካልኦት ሰባት ዝረኸብዎ ንኺረክብ ድሌት የሕድር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ጽቡቕ ብምርካቦም ይሓርቕን ነቲ ጽቡቕ ነገር ንባዕሉ ኺወስዶ ይደልን እዩ።
ብኸመይ ቅንኢ ኺሕዘና ኸም ዚኽእልን እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎን ምምርማርና ጥበባዊ እዩ። ብፍላይ ድማ፡ ቅንኢ ንህይወትና ምእንቲ ኸይቈጻጸሮ፡ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንፈልጥ ኣሎና።
ንቕንኢ ኼጐሃህሮ ዚኽእል መንፈስ
ዘይፍጹማት ሰባት ‘መንፈስ ቅንኢ’ እኳ እንተ ሃለዎም፡ ንቕንኢ ኼጐሃህሮ ዚኽእል እተፈላለየ ረቛሒታት እዩ ዘሎ። (ያእ. 4:5) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ረቛሒታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ፡ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላ. 5:26) ናይ ውድድር መንፈስ፡ ነቲ ብሰንኪ ዘይፍጽምና ዚስምዓና ቕንኢ፡ መመሊሱ ኼጐሃህሮ ይኽእል እዩ። ክርስቲናን ሆሴንa ዚብሃሉ ኽልተ ክርስትያናት፡ እዚ ሓቂ ምዃኑ ርእዮምዎ እዮም።
እታ ስርዕቲ ፈላሚት ዝዀነት ክርስቲና፡ “መብዛሕትኡ እዋን ብኻልኦት እቐንእ እየ። ነቲ ዘይብለይ ነገራት ከኣ ምስቲ ንሳቶም ዘለዎም አወዳድሮ እየ” በለት። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ክርስቲና፡ ኣብ ዕዮ መገሻ ናይ ምክፋል ፍሉይ መሰል ምስ ዝረኸቡ ሰብኣይን ሰበይትን ትምገብ ነበረት። ንሳን ሰብኣያን ምስቲ ገያሺ ሓላውን ምስ ሰበይቱን መሳቱ ምዃኖምን ቅድሚኡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕዮ ይዓይዩ ኸም ዝነበሩን ትፈልጥ ስለ ዝነበረት፡ “ሰብኣየይ እውን እኮ ሽማግለ እዩ። ንሕና ኣብዚ ኾፍ ኢልና ኸለና ደኣ ኸመይ ኢልኩም ኢኹም ኣብ ዕዮ መገሻ ኽትካፈሉ ኽኢልኩም፧” ኢላ ተዛረበት። እቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ናይ ውድድር መንፈስ ነቲ ዝነበራ ሃልሃልታ ቕንኢ ስለ ዘንበድበዶ፡ ነቲ ንሳን ሰብኣያን ዚዓይዎ ዝነበሩ ሰናይ ዕዮ ረስዓቶ፣ ብህይወታ ኸም ዘይትዓግብ ከኣ ገበራ።
ሆሴ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ኼገልግል ይደሊ ነበረ። ካልኦት እናተሸሙ ኽነሶም፡ ንሱ ኸይተሸመ ምስ ተረፈ ግና፡ በቶም ኣሕዋት ቀንአ፣ ነቲ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ከኣ ተቐየሞ። “ብሰንኪ ቕንኢ፡ ነቲ ሓው ጸላእክዎ፣ ንሓሳባቱ ኸኣ ብጌጋ እትርጕሞ ነበርኩ። ቅንኢ ንህይወትካ ኺቈጻጸሮ እንተ ጀሚሩ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ኢኻ እትሓስብ፣ ከተመዛዝን እውን ኣይትኽእልን ኢኻ” በለ።
መለበሚ ዚዀነና ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ መለበሚ ንረክብ ኢና። (1 ቈረ. 10:11) እዚ መለበሚ እዚ ኸኣ፡ ቅንኢ ብኸመይ ኪዓቢ ኸም ዚኽእል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ንህይወቶም ኪቈጻጸሮ ዚፈቕዱ ሰባት ብኸመይ ከም ዚምርዞም እውን እዩ ዚምህረና።
ንኣብነት፡ እቲ በዅሪ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበረ ቃየል፡ የሆዋ ንመስዋእቲ ኣቤል ተቐቢልዎ ኽነሱ፡ ነቲ ናቱ ግና ስለ ዘይተቐበሎ ዀረየ። ነቲ ዅነታት ብቐሊሉ ኺፈትሖ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ብቕንኢ ስለ ዝሓረረ፡ ንሓዉ ቐተሎ። (ዘፍ. 4:4-8) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቃየል ኪገልጽ ከሎ፡ ‘ካብቲ እኩይ፡ ማለት ካብ ሰይጣን ከም ዝነበረ’ ዚሕብር።—1 ዮሃ. 3:12።
እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ፡ በቲ ዮሴፍ ምስ ኣቦኡ ዝነበሮ ፍሉይ ርክብ ቀንኡ። ዮሴፍ ብዛዕባ እቲ ትንቢታዊ ሕልምታቱ ምስ ነገሮም እሞ ኸኣ፡ ጽልኦም መሊሱ ተጐሃሃረ። ኪቐትልዎ እውን ደለዩ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ናብ ባርነት ሸጥዎ፣ ንኣቦኦም ከኣ፡ ዮሴፍ ከም ዝሞተ ገይሮም ነገርዎ። (ዘፍ. 37:4-11, 23-28, 31-33) ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንሓጢኣቶም ተኣመኑሉ፣ ንሓድሕዶም ድማ፡ “ብሓቂ ኣብ ሓውና በደልና፡ እቲ ምሕረት ኪልምነና ኸሎ፡ ጸበባ ነፍሱ እናርኤና ኣይሰማዕናዮን፡ ብሰርዚ እዚ መከራዚ በጽሓና” ተበሃሃሉ።—ዘፍ. 42:21፣ 50:15-19።
ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን፡ ነቲ ዝነበሮም ፍሉይ መሰል ምስቲ ናይ ሙሴን ኣሮንን ስለ ዘወዳደርዎ፡ ቅንኢ ኣሕደሩ። ንሙሴ ድማ፡ ‘ኣብ ልዕሊኦም ኪጕይተት ከም ዝደለየን’ ከም እተዓበየን ገይሮም ከሰስዎ። (ዘሁ. 16:13፡ ትርጕም 1990) እዚ ግና ሓሶት እዩ ነይሩ። (ዘሁ. 11:14, 15) የሆዋ ባዕሉ እዩ ንሙሴ ሸይምዎ። እቶም ዓለወኛታት ግና፡ በቲ ሙሴ ዝነበሮ ስልጣን ቀንኡ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ፡ ቅንኦም ብኢድ የሆዋ ኸም ዚጠፍኡ ገበሮም።—መዝ. 106:16, 17።
ንጉስ ሰሎሞን፡ ቅንኢ ንሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዜዐውሮም ርእዩ ነይሩ እዩ። ሓንቲ ውሉዳ ዝሞታ ሰበይቲ፡ እቲ ዝሞተ ውሉድ፡ ወዲ እታ ብጸይታ ኸም ዝዀነ ገይራ ብሓሶት ተዛረበት። ንፍርዲ ኣብ ቅድሚ ሰሎሞን ምስ ቀረባ፡ እታ ሓሳዊት ሰበይቲ፡ ሕሉፍ ሓሊፋ እቲ ብህይወት ዘሎ ቘልዓ ኪቕተል ተሰማምዐት። ኰይኑ ግና፡ ሰሎሞን፡ እቲ ቘልዓ ነታ ናይ ሓቂ ኣደ ኸም ዚወሃባ ገበረ።—1 ነገ. 3:16-27።
ቅንኢ ኣዝዩ ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ከም ዚሕብሮ፡ ቅንኢ ናብ ጽልእን ናብ ዘይፍትሓዊ ተግባርን ናብ ቅትለትን ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብነት ተጠቒሶም ዘለዉ ግዳይ ቅንኢ ዝዀኑ ሰባት፡ ዋላ ሓንቲ ኣይበደሉን። እሞኸ ቕንኢ ንህይወትና ምእንቲ ኸይቈጻጸሮ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ብምሳልያዊ ኣበሃህላ፡ ንቕንኢ ዚኸውን ጸረ መርዚ ኣሎዶ፧
ሓያል ጸረ መርዚ
ፍቕሪ ኣማዕብል። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት፡ “ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ” ኢሉ መዓዶም። (1 ጴጥ. 1:22) ፍቕሪ እንታይ እያ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሐፍርን፡ ናታ ኣይትደልን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 13:4, 5) ኣብ ልብና ኸምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢልና፡ ነቲ ዘሎና ናይ “ቅንኢ” ዝንባለ ኼርሕቆ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 2:1) ዮናታን ብዳዊት ኣብ ክንዲ ዚቐንእ፡ ‘ከም ነፍሱ ገይሩ እዩ ዚፈትዎ ነይሩ።’—1 ሳሙ. 18:1።
ምስቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ሕበር። እቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፋ ሰብ፡ በቶም ዋላ ሓንቲ ጸገም ዘይብሉ ምሹእ ናብራ ዚነብሩ ዝነበሩ እኩያት ሰባት ቀኒኡ ነበረ። ይኹን እምበር፡ “ናብ መቕደስ ኣምላኽ” ምስ ኣተወ፡ ንቕንኡ ኣሰነፎ። (መዝ. 73:3-5, 17) ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ስለ ዝሓበረ፡ ነቲ ‘ናብ ኣምላኽ ብምቕራብ’ ዚርከብ በረኸት ኬስተውዕለሉ ኸኣለ። (መዝ. 73:28) ንሕና እውን ኣዘውቲርና ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንሓብር እንተ ዄንና፡ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ዓይነት ምስትውዓል ኪህልወና እዩ።
ጽቡቕ ግበር። ኣምላኽ ንቃየል ብቕንእን ብጽልእን ከም ዝሓረረ ምስ ረኣዮ፡ ‘ጽቡቕ ግበር’ በሎ። (ዘፍ. 4:7) ክርስትያናት ኪገብርዎ ዘለዎም ‘ጽቡቕ ነገር’ እንታይ የጠቓልል፧ የሱስ፡ ‘ንየሆዋ ኣምላኽና ብምሉእ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን ብዅሉ ሓሳብናን ከነፍቅሮ፡ ንብጻይና እውን ከም ነፍስና ጌርና ኸነፍቅሮ’ ኸም ዘሎና ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 22:37-39) ስለዚ፡ ህይወትና ንየሆዋ ኣብ ምግልጋልን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝን ከም ዜተኵር ብምግባር እንረኽቦ ዕግበት፡ ንቕንኢ ዚኸውን ሓያል ጸረ መርዚ ኪዀነልና ይኽእል እዩ። ኣብቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ፡ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ምግባር፡ ንኣምላኽን ንብጻይናን ከነገልግል እንኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ እዩ፣ ‘በረኸት የሆዋ’ እውን የምጽኣልና እዩ።—ምሳ. 10:22።
“ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ።” (ሮሜ 12:15) የሱስ ብዓወት ደቀ መዛሙርቱ ተሓጒሱ እዩ፣ ኣብ ዕዮ ስብከት፡ ካብቲ ንሱ ዝገበሮ ዚዓቢ ኸም ዚገብሩ እውን ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 10:17, 21፣ ዮሃ. 14:12) ሓድነት ዘሎና ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ሓደ ኻባና ዚረኽቦ ኣሳልጦ፡ ንዅልና በረኸት እዩ። (1 ቈረ. 12:25, 26) እሞኸ ኻልኦት ዝዓበየ ሓላፍነት ኪስከሙ ኸለዉ ኣብ ክንዲ እንቐንእ፡ ክንሕጐስ ደይኰነን ዚግብኣና፧
ሓያል ጻዕሪ ይሓትት
ምስ ቅንኢ እንገብሮ ቓልሲ፡ ሓያል ጻዕሪ እዩ ዚሓትት። ክርስቲና፡ “ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ እቐንእ እየ። ነዚ ስምዒት እዚ እጸልኦ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ገና ኣይጠፍአን፣ ኵሉ ሳዕ ክቈጻጸሮ እየ ዝጽዕር” በለት። ሆሴ እውን እንተ ዀነ፡ ምስ ቅንኢ ኺቃለስ ነበሮ። “የሆዋ ንጽቡቕ ባህርያት እቲ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ኣኽቢረ ንኽርእዮ ሓጊዙኒ እዩ። ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ምምስራተይ እውን ብዙሕ ጠቒሙኒ እዩ” በለ።
ቅንኢ ሓደ ኻብቲ “ግብሪ ስጋ” ስለ ዝዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኪቃለሶ ኣለዎ። (ገላ. 5:19-21) ቅንኢ ኺቈጻጸረና ብዘይምፍቃድ፡ ንህይወትና ሕጉስቲ ኽንገብራን ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ባህ ከነብሎን ንኽእል ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ስማት ተቐዪሩ እዩ።
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
“ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ”