ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/2 ገጽ 23-25
  • ናታን እሙን ተሓላቒ ንጹህ ኣምልኾ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናታን እሙን ተሓላቒ ንጹህ ኣምልኾ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሜለኛ መምህር
  • ተሓላቒ ንጹህ ኣምልኾ
  • ተጣባቒ ንግስነት
  • ትሑት ጸሓፍ ታሪኽ
  • ንየሆዋ ብዝነበሮ ተኣማንነት ተደረኸ
  • “ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ይቕረታ ምስ ዚሓትት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሓጢኣት ንጉስ ዳዊት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ዜጕሂ ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ: ዜሐጕስ ህይወት ኣሕለፍኩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ንዜጋጥመካ ለውጥታት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/2 ገጽ 23-25

ናታን እሙን ተሓላቒ ንጹህ ኣምልኾ

ንሓደ ሓያል ሰብኣይ፡ ዓብዪ ጌጋ ኸም ዝገበረን ካብ ጌጋኡ ኺእረም ከም ዘለዎን ከተእምኖ ቐሊል ኣይኰነን። እቲ ሰብኣይ፡ ምእንቲ ኸይዋረድ ኢሉ ሰብ ከም ዝቐተለ እንተ ትፈልጥከ ኼድካ መዘራረብካዮዶ፧

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት፡ ምስ ባትሴባ ዘመወ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። ዳዊት ንሓጢኣቶም ምእንቲ ኺሓብኦ፡ ንሰብኣያ ኣቕተሎ፣ ንባትሴባ ድማ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። ንኣዋርሕ ዚኣክል ከኣ፡ ካልእ ስራሑ እናሰርሐ፡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይተፈጸመ ኣምሲሉ ኣጽቀጠ። የሆዋ ግና ንሓጢኣት እቲ ንጉስ ዕሽሽ ኣይበሎን። ንነብዪ ናታን ከኣ ለኣኸሉ።

እዚ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ተልእኾ እዩ ነይሩ። ንርእስኻ እሞ ኣብ ቦታ ናታን ኣእትዋ። ናታን ንዳዊት ብዛዕባ ሓጢኣቱ ኺነግሮ ዝኸኣለ፡ ንየሆዋ እሙን ስለ ዝነበረን ንመምርሒታት ኣምላኽ ብጥብቂ ይስዕብ ስለ ዝነበረን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ነብዪ ንንጉስ ዳዊት፡ ኪንሳሕ ከም ዘለዎ ኼእምኖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ሜለኛ መምህር

ንምንታይ ሒደት ደቓይቕ ወሲድካ ኣብ 2 ሳሙኤል 12:1-25 ዘይተንብብ፧ ናታን ንዳዊት ነዚ ዚስዕብ ዛንታ ኺነግሮ ኸሎ፡ ንስኻ ኣብ ቦታ ናታን ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል፦ “ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኣይ ነበሩ፡ እቲ ሓደ ሃብታም፡ እቲ ሓደ ድማ ድኻ። እቲ ሃብታም ኣዝየን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣሓን ነበራኦ። እቲ ድኻ ግና፡ ብጀካ ዝዐደጋ ሓንቲ ንእሽቶ ሽበን፡ ገለ እኳ ኣይነበራኦን። ንሱ ኣዕበያ፡ ምስኡን ምስ ደቁን ከኣ ብሓደ ዐበየት፡ ካብ ቁራሱ ትበልዕ፡ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፡ ኣብ ሕቝፉ ድማ ትድቅስ፡ ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት። እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ በዓል መገዲ ምስ መጾ ኸኣ፡ ነቲ ዝመጾ በዓል መገዲ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣሓኡን ወሲዱ ኸየዳልወሉስ፡ በቐቐን፡ ነታ ሽበን እቲ ድኻ ወሲዱ ግና ነቲ ዝአተዎ ሰብኣይ ኣዳለወሉ።”—2 ሳሙ. 12:1-4።

እቲ ንባዕሉ ጓሳ ዝነበረ ዳዊት፡ እቲ ዛንታ ናይ ሓቂ መሲልዎ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ወሃብ ርእይቶ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምናልባት ናታን ብተደጋጋሚ ናብ ዳዊት እናመጸ፡ ንሓደ እተገፍዐ ውጹዕ ሰብ ይልምነሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ዳዊት፡ ሕጂ እውን ናታን ከምኡ ዚገብር ዘሎ ስለ ዝመሰሎ፡ ነቲ ውጹዕ ሰብ ኪፈርደሉ ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዖ” በለ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ናታን ነቲ ንጉስ ንኺዛረቦ፡ ንኣምላኽ እሙንን ተባዕን ኪኸውን ነበሮ። ከመይሲ፡ እቲ ዛንታ ንዳዊት ኣሕሪቕዎ እዩ። “እቲ እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወዲ ሞት ከም ዝዀነ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ” ድማ በለ። ድሕሪኡ ናታን ንዳዊት፡ “እቲ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ” በሎ።—2 ሳሙ. 12:5-7።

ናታን ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዛንታ እተጠቕመ ስለምንታይ ምዃኑ እሞ ሕሰብ። ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ስምዒታዊ ምቅርራብ እንተ ኣልይዎ፡ ንዅነታቱ ኣነጺሩ ኣይሓስበሉን እዩ። ኵልና ኸኣ ንጌጋና ንኽንሽፍን ኢልና መመኽነይታታት ናይ ምቕራብ ዝንባለ ኣለና። ይኹን እምበር፡ እታ ናታን እተጠቕመላ ምሳሌ፡ ዳዊት ከይፈለጠ ንተግባራቱ ባዕሉ ኸም ዚዅንኖ ገበረቶ። እቲ ኣብታ ምሳሌ እተገብረ ተግባር ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ከም ዝነበረ ንኺግንዘብ ከኣ ሓገዘቶ። ኰይኑ ግና፡ ናታን ነቲ ንጉስ፡ እታ ምሳሌ ንዕኡ ኸም እተመልክት ዝነገሮ፡ ዳዊት ባዕሉ ነቲ ተግባር ድሕሪ ምዅናኑ እዩ ነይሩ። ሽዑ ዳዊት፡ ርዝነት ሓጢኣቱ ተረድኦ። እዚ ኸኣ፡ መግናሕቲ ንኪቕበል ኣዳለዎ። በቲ ምስ ባትሴባ ዝገበሮ ተግባር ንየሆዋ ‘ኸም ዝነዓቖ’ ተኣመነ፣ ነቲ እተዋህቦ መግናሕቲ ኸኣ ተቐበሎ።—2 ሳሙ. 12:9-14፣ መዝ. 51፡ ልዕለ ጽሑፍ።

ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ዕላማ ሓደ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰማዕቱ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ንኺበጽሑ ምሕጋዝ እዩ። ናታን ንዳዊት ብሜላ ዝቐረቦ፡ የኽብሮ ስለ ዝነበረ እዩ። ብዘይካዚ፡ ናታን፡ ዳዊት ጽድቅን ፍትሕን ከም ዚፈቱ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነቲ እዘን ባህርያት እዚኣተን ዘለዎ ሰብኣይ ኪስሕቦ ዚኽእል ምሳሌ ተጠቕመ። ንሕና እውን ንቕኑዓት ውልቀ ሰባት፡ ኣረኣእያ የሆዋ ንኺርድኡ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ነቲ ብዛዕባ ቕኑዕ ዘበለ ነገራት ዘለዎም ኣመለኻኽታ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ንሕና ኻብኣቶም ከም እንሓይሽ ወይ ከኣ ንሕና ዝበልናዮ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ኺስምዖም የብሉን። ከመይሲ፡ ቅኑዕን ጌጋን እንታይ ምዃኑ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎ፡ ንሕና ዘይኰንናስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

ናታን ነቲ ሓያል ንጉስ ንኺገንሖ ዝሓገዞ ኻብ ዝዀነ ይኹን ባህርይ ንላዕሊ፡ ንኣምላኽ ዝነበሮ ተኣማንነት እዩ ነይሩ። (2 ሳሙ. 12:1) ንሕና እውን እሙናት እንተ ዄንና፡ ብትብዓት ንጻድቕ ስርዓታት የሆዋ ኽንሕልዎ ኢና።

ተሓላቒ ንጹህ ኣምልኾ

ናታንን ዳዊትን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ዝነበሩ እዩ ዚመስል፣ ዳዊት እውን እንተ ዀነ፡ ንሓደ ኻብቶም ደቁ፡ ናታን ኢሉ እዩ ሰምይዎ። (1 ዜና 3:1, 5) ከመይሲ፡ ናታን ንፈለማ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ፡ ምስ ዳዊት እዩ። ክልቲኦም ከኣ ንየሆዋ የፍቅርዎ ነበሩ። ንጉስ ዳዊት ብርእይቶ ናታን ይተኣማመን ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ኺሰርሓሉ ዝሓሰበ ቤተ መቕደስ ንናታን ነገሮ። “ርኤማ በጃኻ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ኽነብር ከሎኹስ፡ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ አሎ” በሎ። ናታን ከኣ፡ “እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ግበር” ኢሉ መለሰሉ።—2 ሳሙ. 7:2, 3።

ናታን እሙን ኣምላኺ የሆዋ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዳዊት ኪሃንጾ ዝሓሰበ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብውዕዉዕ ስምዒት ደገፎ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዝበሎ ዘይኰነስ፡ ናቱ ርእይቶ እዩ ዚህብ ነይሩ። ኣብታ ለይቲ እቲኣ ግና፡ ኣምላኽ ንናታን፡ ናብ ዳዊት ከይዱ እተፈልየ መልእኽቲ ኺነግሮ ኣዘዞ፣ እቲ መልእኽቲ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ዚሰርሓ፡ ዳዊት ዘይኰነስ፡ ሓደ ኻብ ደቂ ዳዊት ከም ዝዀነ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። ዝፋን ዳዊት ግና፡ ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኣተዎ ኺዳን፡ “ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።”—2 ሳሙ. 7:4-16።

ፍቓድ ኣምላኽ ምስቲ ናታን ንህንጸት ቤተ መቕደስ ብዚምልከት ዝሃቦ ሓሳብ ኣይሰማማዕን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ትሑት ነብዪ፡ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ምጕርምራም ምስ ዕላማ የሆዋ ብምትሕብባር ተኣዘዘ። ንሕና እውን ብኣምላኽ መአረምታ ኺህበና ኸሎ፡ ነቲ ናታን ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ንስዓቦ። ናታን ድሕሪኡ ኸም ነብዪ መጠን ዝገበሮ ነገራት፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይሰኣነ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ናታንን ጋድ እቲ ረኣዪን ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኾም፡ ዳዊት ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉ 4,000 ሙዚቀኛታት ምእንቲ ኺውድብ፡ መምርሒ ሂቦምዎ እዮም።—1 ዜና 23:1-5፣ 2 ዜና 29:25።

ተጣባቒ ንግስነት

ናታን፡ ሰሎሞን ድሕሪ ዳዊት ከም ዚነግስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣዶንያ ንዝፋን እቲ ኣሪጉ ዝነበረ ዳዊት ኪምንዝዖ ምስ ፈተነ፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ። ኣብቲ እዋን እቲ እውን፡ ሜላን ተኣማንነትን ኣርእዩ እዩ። ፈለማ ንባትሴባ፡ ናብ ዳዊት ኣትያ ብዛዕባ እቲ ሰሎሞን ከም ዚነግስ ዝመሓለላ ማሕላ ኸም እተዘኻኽሮ ገበረ። ድሕሪኡ ባዕሉ ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ ኣዶንያ ኺነግስ ኣዚዙ እንተ ዀይኑ ንዳዊት ሓተቶ። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ዳዊት፡ ርዝነት እቲ ጕዳይ ምስ ተረድኦ፡ ንናታንን ንኻልኦት እሙናት ኣገልገልቱን ጸዊዑ፡ ንሰሎሞን ኪቐብእዎን ኬንግስዎን ኣዘዘ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኣዶንያ ኺገብሮ ዝሓሰበ ዕልዋ መንግስቲ ፈሸለ።—1 ነገ. 1:5-53።

ትሑት ጸሓፍ ታሪኽ

ናታንን ጋድን ንቐዳማይ ሳሙኤል ምዕራፍ 25 ክሳዕ 31 ከምኡውን ንኻልኣይ ሳሙኤል ከም ዝጸሓፍወን እዩ ዚእመን። ብዛዕባ እቲ ኣብዘን መጻሕፍቲ እዚአን ዘሎ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ታሪኽ፡ “እቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ነገራት፡ ቀዳሞትን ዳሕሮትን፡ ንሳቶም ኣብ ዛንታ ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ዛንታ ነብዪ ናታንን ኣብ ዛንታ እቲ ረኣዪ ጋድን ተጽሒፎም አለዉ” ዚብል ነንብብ። (1 ዜና 29:29) ብዘይካዚ፡ ነቲ ብዛዕባ “ናይ ሰሎሞን ነገር” ዚገልጽ ጸብጻብ ዝጸሓፎ፡ ናታን እዩ ነይሩ። (2 ዜና 9:29) ስለዚ፡ ናታን ድሕሪ ሞት ዳዊት እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ጉዳያት ቤተ መንግስቲ ብንጥፈት ይዓዪ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

መብዛሕትኡ እቲ ብዛዕባ ናታን እንፈልጦ ነገራት፡ ባዕሉ ዚጸሓፎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ገሊኡ ጕዳያት ዘይምግላጹ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ እዩ ዚሕብረና። እወ፡ ስሙ ንኼጸውዕ ህርፋን ዝነበሮ ሰብ ዘይኰነስ፡ ትሑት እዩ ነይሩ። ከምቲ ሓደ መዝገበ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጾ፡ ናታን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “መእተዊ ዀነ መስመር ወለዶ” የብሉን። ብዛዕባ መበቈሉ ወይ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ እንፈልጦ ነገር የልቦን።

ንየሆዋ ብዝነበሮ ተኣማንነት ተደረኸ

እተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከባ ብዛዕባ ናታን ዚገልጻ ሒደት ሓሳባት፡ ትሑት ግናኸ ተባዕ ተሓላቒ ስርዓታት ኣምላኽ ምንባሩ እየን ዚሕብራ። የሆዋ እውን እንተ ዀነ፡ ከቢድ ሓላፍነታት እዩ ሂብዎ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ናታን ዝነበሮ ተኣማንነትን ንኣምላኻዊ ብቕዓት ዝነበሮ ዓሚቝ ሞሳን ኣስተንትን። ነቲ ባህርያቱ ኽትቀድሖ ኸኣ ጽዓር።

ምናልባት ዝሙት ንዝፈጸመ ንጉስ ኣይትገንሕን ወይ ዕልዋ መንግስቲ ኣይተፍሽልን ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ እሙን ክትከውንን ንስርዓታት ጽድቁ ኽትሕልዎን ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ተባዕ ግናኸ ሜለኛ መምህር ክትከውንን ንንጹህ ኣምልኾ ኽትሕለቐሉን ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ናታን ተጣባቒ ንግስነት ስለ ዝነበረ፡ ምስ ባትሴባ ብሜላ ተዘራረበ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ