ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/4 ገጽ 3-7
  • ‘ወዲ ንኣቦ ኺገልጾ ይፈቱ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ወዲ ንኣቦ ኺገልጾ ይፈቱ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ክርስቶስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብቕዓት ነበሮ
  • የሱስ ንኣቦኡ ዝገለጸሉ መገዲ
  • ወዲ ንኣቦኡ ብፍታው ገለጾ
  • ካልኦት ንየሆዋ ንኺፈልጥዎ ብምሕጋዝ፡ ንየሱስ ምሰሎ
  • “መገድን ሓቅን ህይወትን”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • ባህርያት የሱስ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንየሆዋ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • “ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/4 ገጽ 3-7

‘ወዲ ንኣቦ ኺገልጾ ይፈቱ’

“ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ኸኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።”​—ሉቃ. 10:22።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

የሱስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንኣቦኡ ንኺገልጾ ዜኽእሎ ብቕዓት ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ንኻልኦት ብዛዕባ ኣቦኡ ዝገለጸሎም ብኸመይ እዩ፧

ንኣቦ በየኖት መገድታት ክትገልጾ ብምጽዓር ኢኻ ንየሱስ ክትመስሎ እትኽእል፧

1, 2. ኣየነይቲ ሕቶ እያ ንብዙሓት ሰባት እተተሓሳስቦም፧ ስለምንታይከ፧

‘ኣምላኽ መን እዩ፧’ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ንብዙሓት ሰባት ተተሓሳስቦም እያ። ንኣብነት፡ መብዛሕትኦም ስመ ክርስትያን፡ ኣምላኽ ስላሴ ኸም ዝዀነ ይኣምኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዙሓት ሰባት ግና ነዚ ሰረተ እምነት እዚ ኺርድእዎ የጸግሞም እዩ። ሓደ ደራስን ቀሽን፡ “እቲ ድሩት ዝዀነ ኣእምሮ ሰብ፡ ነዚ ሰረተ እምነት እዚ ኺርድኦ ኣይክእልን እዩ። ካብ ባህርያዊ ወይ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ንላዕሊ እዩ” በለ። ብኣንጻሩ ድማ፡ እቶም ንኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ዚቕበልዎ ሰባት፡ ብህልውና ኣምላኽ ኣይኣምኑን እዮም። ኵሉ መስተንክር ፍጥረታት ብኣጋጣሚ ኸም ዝመጸ እዮም ዚኣምኑ። ይኹን እምበር፡ ቻርለስ ዳርዊን፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣይከሓደን፣ የግዳስ፡ “ኣነ ብውልቀይ፡ ኣእምሮ ሰብ ነቲ [ንኣምላኽ ዚምልከት] ጕዳይ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦ ኣይክእልን እዩ ኣብ ዚብል መደምደምታ እየ በጺሐ” በለ።

2 መብዛሕትኦም ሰባት፡ ዚኣምኑሉ ነገራት ብዘየገድስ፡ ንህልውና ኣምላኽ ዚምልከት ሕቶታት ይሓትቱ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ዜዕግብ መልሲ ምስ ሰኣኑ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ንምፍላጥ ዚገብርዎ ጻዕሪ የቋርጽዎ እዮም። እወ፡ ሰይጣን ‘ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዐዊርዎ ኣሎ።’ (2 ቈረ. 4:4) እምበኣር፡ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ ኣቦን ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረታትን ዝዀነ ኣምላኽ እንተ ተደናገሩ፡ ብዛዕባኡ ኸኣ እቲ ሓቂ እንተ ዘይፈለጡ፡ ዜገርም ኣይኰነን።—ኢሳ. 45:18።

3. (ሀ) ብዛዕባ ፈጣሪ ዝገለጸልና መን እዩ፧ (ለ) ነየኖት ሕቶታት ኢና ኽንምርምረን፧

3 ይኹን እምበር፡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኺምሃሩ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ‘እቶም ስም የሆዋ ዚጽውዑ ዘበሉ’ ጥራይ እዮም ዚድሕኑ። (ሮሜ 10:13፡ NW) ስም ኣምላኽ ምጽዋዕ፡ ንየሆዋ ኣጸቢቕካ ምፍላጥ የጠቓልል። የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነዚ ኣገዳሲ ፍልጠት እዚ ኣካፊልዎምን ብዛዕባ ኣቦ ገሊጹሎምን እዩ። (ሉቃስ 10:22 ኣንብብ።) የሱስ ንኣቦ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኺገልጾ ብቕዓት ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ገሊጽዎ፧ ካልኦት ንኣቦ ኺፈልጥዎ ብምሕጋዝ፡ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን እስከ ንመርምረን።

የሱስ ክርስቶስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብቕዓት ነበሮ

4, 5. የሱስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንኣቦኡ ንኺገልጾ ዜኽእሎ ብቕዓት ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

4 የሱስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንኣቦኡ ንኺገልጾ ዜኽእሎ ብቕዓት ነበሮ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ “ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡” ኵሉ ዓይነት ህይወት ገና ኸይተፈጥረ ኸሎ፡ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ነበረ። (ዮሃ. 1:14፣ 3:18) ከመይ ዝበለ ፍሉይ መዓርግ ኰን እዩ ነይርዎ! ካልእ ፍጥረታት ገና ኸይተፈጥረ ኸሎ፡ ንሱ ምስ ኣቦኡ ነበረ፣ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ባህርያቱን ከኣ ተማህረ። ኣብቲ ምስ ኣቦኡ ዘሕለፎ ታእላው ዘይብሉ ግዜ፡ ንሓድሕዶም ይዘራረቡን ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ፍቕሪ እናዓመቘ ይኸይድን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃ. 5:20፣ 14:31) የሱስ ብዛዕባ ባህርያት ኣቦኡ ኸመይ ዝበለ ብዙሕ ፍልጠት ኰን እዩ ነይርዎ!—ቈሎሴ 1:15-17 ኣንብብ።

5 ኣቦ ንወዲ፡ ኣፈኛኡ፡ ማለት “ቃል ኣምላኽ” ኪኸውን መዚዝዎ እዩ። (ራእ. 19:13) ስለዚ፡ የሱስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንኣቦኡ ንኺገልጾ ዜኽእሎ ብቕዓት ነበሮ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝነበረ ዮሃንስ፡ ነቲ “ቓል” ዝዀነ የሱስ ኪገልጾ ኸሎ፡ “እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ” በለ። (ዮሃ. 1:1, 18) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እዋን መኣዲ ዚግበር ዝነበረ ልማድ እዩ ዚእምት ነይሩ። ሓደ ጋሻ ኣብ ጥቓ ኻልእ ሰብ ኮፍ ይብል ነበረ። እቶም ጥቓ ንጥቓ ኾፍ ዚብሉ ሰባት ድማ፡ ብቐሊሉ ኼዕልሉ ይኽእሉ ነበሩ። ወዲ እውን እንተ ዀነ፡ “ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ” ስለ ዝነበረ፡ ናይ ልቡ ኣውጺኡ ምስ ኣቦኡ ኼዕልል ይኽእል ነበረ።

6, 7. እቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዝነበረ ርክብ እናዓበየ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧

6 ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዝነበረ ርክብ፡ እናዓበየ ኸደ። እቲ ወዲ ንኣምላኽ ‘ብየዕለቱ የሐጕሶ’ ነበረ። (ምሳሌ 8:22, 23, 30, 31 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ኣቦን ወድን ብሓባር ኪሰርሑ ኸለዉ፡ ወዲ ኸኣ ንባህርያት ኣቦኡ ኪቐድሖ ኺጽዕር ከሎ፡ ርክቦም ደልዲሉ ኪኸውን ኣለዎ። ካልኦት ኣስተውዓልቲ ፍጡራት ኪፍጠሩ ኸለዉ ድማ፡ ወዲ፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፎም ብኸመይ ከም ዚሕዞም ኪርኢ ኸኣለ፣ ንባህርያት ኣምላኽ ዝነበሮ ሞሳ ኸኣ እናወሰኸ ኸደ።

7 ጸኒሑ ሰይጣን፡ ልዑላውነት የሆዋ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተዎ፡ ወዲ፡ የሆዋ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥሞ ኸሎ ንፍቕሩን ንፍትሑን ንጥበቡን ንሓይሉን ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ንኺርኢ ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ። እዚ ኸኣ ነቲ ጸኒሑ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዜጋጥሞ ኣጸጋሚ ዅነታት ንኺዋጽኣሉ ኣዳለዎ።—ዮሃ. 5:19።

8. ጸብጻባት ወንጌል፡ ብዛዕባ ባህርያት ኣቦ ብዝያዳ ንኽንፈልጥ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

8 ወዲ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝነበሮ፡ ንኣቦ ኻብ ኵሉ ብዝበለጸ መገዲ ብዕምቈት ኪገልጾ ኸኣለ። ንትምህርትን ተግባራትን እቲ ሓደ ወዲ ኻብ ምጽናዕ ንላዕሊ፡ ብዛዕባ ኣቦ ኽትመሃር እትኽእለሉ ኻልእ ዝሓሸ መገዲ እሞ እንታይ ኣሎ፧ ንኣብነት፡ ንትርጕም እታ “ፍቕሪ” እትብል ቃል ኣብ መዝገበ ቓላት ጥራይ ብምንባብ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኣ ምስ እንፍትን፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እንሽገር እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስን ብዛዕባ እቲ ንኻልኦት ዝሓዘሉ መገድን ዚገልጽ ህያው ጸብጻባት ነስተንትነሉ እንተ ዄንና፡ ነቲ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብል መግለጺ ብዝያዳ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 4:8, 16) ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንደቀ መዛሙርቱ ዝገለጸሎም ካልእ ባህርያት ኣምላኽ እውን ከምኡ ኺብሃል ይከኣል እዩ።

የሱስ ንኣቦኡ ዝገለጸሉ መገዲ

9. (ሀ) የሱስ ንኣቦኡ በየናይ ክልተ መገድታት ገይሩ እዩ ገሊጽዎ፧ (ለ) የሱስ ንኣቦኡ ብኸመይ ብትምህርቱ ኸም ዝገለጾ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

9 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱን ነቶም ኣብ መጻኢ ሰዓብቱ ዚዀኑ ሰባትን ብዛዕባ ኣቦኡ ዝገለጸሎም ብኸመይ እዩ፧ ብኽልተ መሰረታዊ መገድታት፡ ማለት ብትምህርትታቱን ብተግባራቱን ገይሩ እዩ ገሊጹሎም። ፈለማ እስከ ብዛዕባ ትምህርትታት የሱስ ንመርምር። የሱስ ንሰዓብቱ ዝመሃሮም ትምህርትታት፡ ንኣተሓሳስባን ንስምዒታትን ንመገድታትን ኣቦኡ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ዜርኢ ነበረ። ንኣብነት፡ የሱስ ንኣቦኡ ምስ ሓደ መጓሰ ዘለዋኦ እሞ፡ ንሓንቲ ዝጠፍአት በጊዑ ኺደሊ ዝኸደ ሓላዪ ሰብኣይ ኣመሳሰሎ። እቲ ሰብኣይ ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ምስ ረኸባ፡ ‘ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ኣዝዩ ተሓጐሰ።’ እዛ ምሳሌ እዚኣ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧ የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን” በለ። (ማቴ. 18:12-14) ካብዛ ምሳሌ እዚኣ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ዘይትረብሕን እተረሳዕካን ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሰማያዊ ኣቦኻ ግና ይግደሰልካን ይሓልየልካን እዩ። ኣብ ቅድሚኡ፡ ‘ካብቶም ናእሽቱ ሓደ ኢኻ።’

10. የሱስ ንኣቦኡ ብተግባራቱ ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧

10 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ኣቦኡ ዝገለጸሉ ኻልኣይ መገዲ፡ ብተግባራቱ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ሃዋርያ ፊልጶስ ንየሱስ፡ “ነቦ ኣርእየና” ምስ በሎ፡ የሱስ፡ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ኢሉ ኺምልሰሉ ዝኸኣለ። (ዮሃ. 14:8, 9) የሱስ ብኸመይ ንባህርያት ኣቦኡ ኸም ዝገለጾ ዜርኢ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ። ሓደ ለምጻም ንየሱስ፡ ካብ ሕማሙ ንኼሕውዮ ምስ ለመኖ፡ የሱስ ነቲ “ለምጺ ዝመልኦ” ሰብኣይ ተንከዮ እሞ፡ “ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህ” በሎ። እቲ ለምጻም፡ የሆዋ፡ ንየሱስ ሓይሊ ብምሃብ ከም ዘሕወዮ ይፈልጥ ነበረ። (ሉቃ. 5:12, 13) ብዘይካዚ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ኣልኣዛር ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ የሱስ ‘ብመንፈሱ ተኪዙ ኼሕነቕንቕን ኪነብዕን’ ምስ ረኣዩ፡ ንርሕራሐ ኣቦ ኣብ የሱስ ርእዮምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። የሱስ ንኣልኣዛር ከም ዜተንስኦ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ኣዝማድን ፈተውትን ኣልኣዛር ዚስምዖም ዝነበረ ስቓይ ግና ተሰምዖ። (ዮሃ. 11:32-35, 40-43) ንስኻ እውን ብዛዕባ እቲ የሱስ ንርሕራሐ ኣቦ ዘንጸባረቐሉ መገዲ ዚገልጽ እትፈትዎ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ይህልወካ ይኸውን።

11. (ሀ) የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኬጽርያ ኸሎ፡ ብዛዕባ ኣቦኡ እንታይ እዩ ገሊጹ፧ (ለ) እቲ የሱስ ንቤተ መቕደስ ከም ዘጽረያ ዚገልጽ ጸብጻብ ዜጸናንዓና ስለምንታይ እዩ፧

11 የሱስ ንቤተ መቕደስ ምጽራዩኸ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኸም እንበጽሕ እዩ ዚገብረና፧ ነቲ ፍጻመ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ፦ የሱስ ካብ ገመድ መግረፊ ሰሪሑ፡ ነቶም ከብትን ኣባጊዕን ዚሸጡ ዝነበሩ ሰጐጎም። ንሰልዲ እቶም ኣሽረፍቲ ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ገልበጦ። (ዮሃ. 2:13-17) እዚ ተሪር ስጕምቲ እዚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቲ ንጉስ ዳዊት እተዛረቦ፡ “ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ” ዚብል ትንቢታዊ ቓላት ከም ዚዝክርዎ ገበሮም። (መዝ. 69:9) የሱስ ተሪር ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺሕለቐሉ ኸም ዚደሊ ኣርኣየ። እሞኸ ነዚ ጸብጻብ እዚ ኸተንብብ ከለኻ፡ ንባህርይ ኣቦ ኽትርእዮ ኽኢልካዶ፧ እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ኣምላኽ ንእከይ ካብ መላእ ምድሪ ናይ ምጥፋእ ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ባህጊ እውን ከም ዘለዎ እዩ ዜዘኻኽረና። እቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ በደል ዝወሰዶ ተሪር ስጕምቲ፡ ኣቦ ነቲ ሎሚ ኣብ ምድሪ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እከይ ኪርኢ ኸሎ ኸመይ ከም ዚስምዖ ዚሕብር እዩ። እዚ ኸኣ፡ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ ኼጸናንዓና ይኽእል እዩ።

12, 13. ካብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓዘሉ መገዲ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

12 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ፣ እዚ ኸኣ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓዘሉ መገዲ እዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፡ መን ከም ዚበልጽ ወትሩ ይካትዑ ነበሩ። (ማር. 9:33-35፣ 10:43፣ ሉቃ. 9:46) የሱስ ምስ ኣቦኡ ብዙሕ ግዜ ስለ ዘሕለፈ፡ የሆዋ ብዛዕባ ትዕቢት እንታይ ከም ዚስምዖ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (2 ሳሙ. 22:28፣ መዝ. 138:6) ብዘይካዚ፡ ንትዕቢት ሰይጣን ድያብሎስ እውን ርእይዎ ነይሩ እዩ። ሰይጣን፡ ጥቕሚ ርእሱ ጥራይ ዚደሊ፡ ተፈላጥነትን ልዑል መዓርግን ኪረክብ ድማ ዚህንጠ ፍጡር እዩ። ስለዚ፡ የሱስ፡ እቶም ዘሰልጠኖም ደቀ መዛሙርቱ ናይ ትዕቢት ዝንባለ ኼሕድሩ ኺርእዮም ከሎ፡ ኣመና ሓዚኑ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ዝንባለ እዚ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብቶም ዝመረጾም ሃዋርያት እውን ይርአ ነበረ። ክሳዕ እታ የሱስ ምድራዊ ህይወቱ ዝዛዘመላ መዓልቲ፡ ናይ ትዕቢት ዝንባለ ኸም ዘለዎም የርእዩ ነበሩ። (ሉቃ. 22:24-27) ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ ኣብ መወዳእታኡ ንትሕትናኡ ኸም ዚቐድሕዎ ይተኣማመን ስለ ዝነበረ፡ ተስፋ ኸይቈረጸ ብለውሃት ይግስጾም ነበረ።—ፊል. 2:5-8።

13 እሞኸ ኣብቲ የሱስ ንግጉይ ዝንባለ ደቀ መዛሙርቱ ብትዕግስቲ ዝኣረመሉ መገዲ፡ ንባህርይ የሆዋ ኸተስተብህለሉ ኽኢልካዶ፧ ካብ ቃላትን ተግባራትን የሱስ፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም ብተደጋጋሚ ዚጋገዩ ህዝቡ ዘይሓድጎም ኣቦ ተማሂርካዶ፧ ንባህርያት ኣምላኽ ምፍላጥና፡ ኣብ እንጋገየሉ እዋን ንኽንንሳሕን የሆዋ ይቕረ ምእንቲ ኺብለልና ንኽንጽልን ደይኰነን ዚድርኸና፧

ወዲ ንኣቦኡ ብፍታው ገለጾ

14. የሱስ ንኣቦኡ ብፍታው ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧

14 ብዙሓት ውልቀ መለኽቲ፡ ሓበሬታ ብምሕባእ ንህዝቦም ኪቈጻጸርዎ ይፍትኑ እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ የሱስ ነቲ ብዛዕባ ኣቦኡ ዚገልጽ ሓበሬታ ንኻልኦት ብፍታው የካፍሎም ነበረ፣ ንኣቦ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ገለጾ። (ማቴዎስ 11:27 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ነቲ ብዓል ሓቂ [ማለት ንየሆዋ ኣምላኽ] ንኺፈልጥዎ ኢሉ ኣእምሮ ሃቦም።’ (1 ዮሃ. 5:20) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ነቲ ብዛዕባ ኣቦ ዚምህሮም ዝነበረ ትምህርቲ ምእንቲ ኺርድእዎ፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም። ንኣምላኽ ከም ሓደ ኺርድኣካ ዘይክእል ስላሴ ገይሩ ኣይኰነን ገሊጽዎ።

15. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ኣቦኡ እተወሰነ ሓበሬታ ዘይነገሮም ስለምንታይ እዩ፧

15 የሱስ ንብምሉኡ እቲ ብዛዕባ ኣቦኡ ዚፈልጦ ዝነበረ ነገራት ድዩ ገሊጽዎ፧ ኣይፋሉን፣ ብዙሕ ዘይገለጾ ነገራት ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 16:12 ኣንብብ።) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ኺነግሮም ዚኽእል ዝነበረ ነገራት ‘ኪጾርዎ ኣይክእሉን’ እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ እቲ “ናብ ኵሉ ሓቂ” ዚመርሖም “መጸናንዒ፡” ማለት መንፈስ ቅዱስ ምስ መጸ፡ ብዙሕ ፍልጠት ተገልጸሎም። (ዮሃ. 16:7, 13) ልክዕ ከምቲ ኣስተውዓልቲ ወለዲ፡ ደቆም ነቲ ዚብልዎ ነገራት ኪርድእዎ ኣብ ዚኽእሉሉ ዕድመ ኽሳዕ ዚበጽሑ ዅሉ ነገራት ዘይነግርዎም፡ የሱስ እውን ደቀ መዛሙርቱ ኽሳዕ ዚበስሉን ነቲ ብዛዕባ ኣቦ ዚገልጽ ገሊኡ ሓቅታት ኪርድእዎ ኣብ ዚኽእሉሉ ደረጃ ኽሳዕ ዚበጽሑን ተጸበየ። እወ፡ ዓቕሞም ይርድኣሎም ነበረ።

ካልኦት ንየሆዋ ንኺፈልጥዎ ብምሕጋዝ፡ ንየሱስ ምሰሎ

16, 17. ንኻልኦት ብዛዕባ ኣቦ ኽንገልጸሎም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

16 ንሓደ ሰብ ኣጸቢቕካ ምስ ፈለጥካዮን ነቲ ባህ ዜብል ባህርያቱ ኸተማስወሉ ምስ ጀመርካን፡ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ክትነግሮም ደይኰንካን እትድረኽ፧ የሱስ እውን ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኣቦኡ ይዛረብ ነበረ። (ዮሃ. 17:25, 26) ካልኦት ንየሆዋ ንኺፈልጥዎ ብምሕጋዝ፡ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእልዶ፧

17 ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ ኻብ ኵሉ ዝበልጽ ዓሚቝ ፍልጠት ነበሮ። ነቲ ዚፈልጦ ነገራት ከኣ ንኻልኦት ብፍታው የካፍሎም ነበረ፣ ብዘይካዚ፡ ንሰዓብቱ፡ ነቲ ዓሚቝ ባህርያት ኣምላኽ ንኺርድእዎ ዜኽእሎም ምስትውዓል ሃቦም። ንሕናኸ ንኣቦ ኻብቶም ሎሚ ዘለዉ ሰባት ንላዕሊ ኽንፈልጦ ዝኸኣልና፡ ሳላ የሱስ ደይኰነን፧ የሱስ ብትምህርትታቱን ብተግባራቱን ኣቢሉ ብፍታው ብዛዕባ ኣቦኡ ስለ ዝገለጸልና፡ ከነመስግን ኣሎና። ንኣቦ ኽንፈልጦ ብምኽኣልና እውን ክንሕበን ንኽእል ኢና። (ኤር. 9:24፣ 1 ቈረ. 1:31) ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ብዝጸዓርና መጠን፡ ንሱ እውን ናባና ኪቐርብ እዩ። (ያእ. 4:8) ስለዚ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ፍልጠትና ኸነካፍሎም ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧

18, 19. ንኣቦ በየኖት መገድታት ኢኻ ኽትገልጾ እትኽእል፧ ግለጽ።

18 ንኣቦ ብቓላትናን ብተግባርናን ክንገልጾ ብምጽዓር፡ ንየሱስ ክንመስሎ ኣሎና። ብዙሓት ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት፡ ንኣምላኽ ከም ዘይፈልጥዎ ኣይንረስዕ። ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎም ኣረኣእያ ብትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተመዛቢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ባህርያቱ ኽንነግሮም ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዘየስተብሃልናሉ ዝነበርና ንባህርያት ኣምላኽ ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ዚኽእል ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኽንመያየጠሉ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ንሳቶም እውን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

19 ንኣቦ ብተግባርና ኽንገልጾ ብምጽዓር እውን፡ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ንየሱስ ከም እነፍቅሮ ንሰባት ብተግባር እንተ ኣርኢናዮም፡ ናብ ኣቦን ናብ የሱስን ኪስሓቡ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌ. 5:1, 2) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” ኢሉ ኣተባቢዑና ኣሎ። (1 ቈረ. 11:1) ብተግባርና ኣቢልና ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጡ ኽንሕግዞም ምኽኣልናስ፡ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ሃየ እምበኣር፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ኣቦ ኽንገልጸሎም ብምጽዓር፡ ንየሱስ ንምሰሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ