ጥልመት ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ምልክት
“ብቕድስናን ጽድቅን ብዘይ መንቅብን ምንባርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም።”—1 ተሰ. 2:10።
ነዚ ዚስዕብ ቀንዲ ነጥብታት ኣቕልበሉ፦
ካብቲ ደሊላን ኣቤሴሎምን ይሁዳን ዝፈጸምዎ ጥልመት እንታይ መለበሚ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
ነቲ ዮናታንን ጴጥሮስን ዘርኣይዎ ተኣማንነት ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ንመጻምድትናን ንየሆዋን እሙናት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
1-3. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ዚርአ ዘሎ ዜፍርህ ምልክት ዘመናት እንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ነየኖት ሰለስተ ሕቶታት ኢና ኽንምልሰን፧
ንደሊላን ንኣቤሴሎምን ንይሁዳን ዜመሳስሎም እንታይ እዩ፧ ኵሎም ጠላማት እዮም ነይሮም፣ ደሊላ ነቲ ዜፍቅራ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ማለት ነቲ ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ዝነበረ ሲምሶን ጠለመቶ፣ ኣቤሴሎም ንኣቦኡ ዳዊት፡ ይሁዳ ኸኣ ነቲ መምህሩ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ጠለሞ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ፡ እቶም ጠላማት ዝወሰድዎ ስጕምቲ፡ ንኻልኦት ኣጕህይዎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ንዓና ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧
2 ሓንቲ ኣብዚ ግዜና ዘላ ደራሲት፡ ንጥልመት ምስቲ ሎሚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማቕ ባህርያት ሰርዓቶ። እዚ ግና ዜገርም ኣይኰነን። ከመይሲ፡ የሱስ ብዛዕባ ትእምርቲ “መወዳእታ ዓለም” ኪገልጽ ከሎ፡ “ብዙሓት . . . ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሀቡ” ምዃኖም ጠቒሱ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:3, 10) “ጠለመ” ኺብሃል ከሎ፡ “እምነቱ ኣጥፍአ፣ ንዝኣመኖ ሰብ ከሓደ ወይ ኪዳኑ ኣፍረሰ፣ ቃሉ ዓጸፈ፣ ከድዐ፣ ንዚኣምኖ ሰብ ገዲፉ ምስ ካልእ ኣሻረወ” ማለት እዩ። እዚ ኣብ ግዜና ዘሎ ጥልመት፡ ኣብቲ ጳውሎስ እተነበዮ፡ ሰባት “ርኹሳት” ወይ ጠላማት ከምኡውን “ኣሕሊፎም ዚህቡ” ዚዀኑሉ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 2, 4) መብዛሕትኡ እዋን፡ ደረስትን ኣዳለውቲ ፊልምን ንጥልመት ከም ባህ ዜብልን ዜደንቕን ገይሮም የቕርብዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ግና፡ ጐዳእን ዜሕዝንን እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ጥልመት፡ ኣብዚ ግዜና ዚርአ ዘሎ ዜፍርህ ምልክት ዘመናት እዩ።
3 ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ጠላማት ሰባት፡ እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧ ካብቶም እሙናት ዝነበሩ ሰባት፡ እንታይ ክንቀድሖ እንኽእል ኣብነት ኢና እንረክብ፧ ንመን ኢናኸ እሙናት ክንከውን ዘሎና፧ ነዚ እስከ ንመርምሮ።
ጥንቲ ዝነበሩ መለበሚ ዚዀኑና ሰባት
4. ደሊላ ንሲምሶን ዝጠለመቶ ብኸመይ እያ፧ እዚኸ ኣመና ኽፉእ ተግባር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
4 ፈለማ፡ ብዛዕባ እታ መታለሊት ዝነበረት ደሊላ እስከ ንርአ። እቲ ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ዝነበረ ሲምሶን ንደሊላ ኣፍቀራ። ሲምሶን ኣብቲ እዋን እቲ፡ ምእንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኢሉ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋጋእ ነበረ። ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ደሊላ ንሲምሶን ካብ ልባ ኸም ዘይተፍቅሮ ስለ ዝፈለጡ እዮም ኪዀኑ ዚኽእሉ፡ ምስጢር ሓይሊ ሲምሶን ንኽትነግሮም እሞ ንኪቐትልዎ ኢሎም፡ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዚህብዋ ተመባጽዑላ። እታ ብፍልስጥኤማውያን እተዓስበት ደሊላ ድማ፡ በቲ ዝበልዋ ተሰማምዐት፣ ኰይኑ ግና፡ ሰለስተ ሳዕ እኳ እንተ ፈተነት፡ ንምስጢር ሓይሊ ሲምሶን ክትፈልጦ ኣይከኣለትን። ይኹን እምበር፡ “ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ላሕ ምስ ኣበለቶን ምስ ኣሰቀየቶን፡ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት።” ሽዑ፡ ጸጕሩ ተላጽዩ ኸም ዘይፈልጥ፡ እንተ ተላጽዩ ድማ ሓይሉ ኻብኡ ኸም ዚኸይድ ነገራ።a ደሊላ ነዚ ምስ ፈለጠት፡ ንሲምሶን ኣብ ኣብራኻ ኣደቂሳ ንጸጕሩ ኣላጸየቶ፣ ዝደለይዎ ምእንቲ ኺገብርዎ ድማ፡ ናብ ጸላእቱ ኣሕሊፋ ሃበቶ። (መሳ. 16:4, 5, 15-21) ከመይ ዝበለ ኽፉእ ተግባር ኰን እያ ገይራ! ብሰሪ ስስዐ፡ ነቲ ዜፍቅራ ሰብኣይ ጠለመቶ።
5. (ሀ) ኣቤሴሎም ንዳዊት ዝጠለሞ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ዜርኢ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ዳዊት ብኣሒቶፌል ምስ ተኸድዐ፡ እንታይ ተሰምዖ፧
5 ቀጺልና፡ ብዛዕባ እቲ ጠላም ዝነበረ ኣቤሴሎም እስከ ንርአ። ህርፋን ስልጣን ስለ ዝነበሮ፡ ዝፋን እቲ ንጉስ ዝነበረ ኣቦኡ ዳዊት ኪምንዝዕ ቈሪጹ ተላዕለ። ፈለማ፡ በቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺፍቶ፡ ምትላል ዝመልኦ መብጽዓታት ኪኣትወሎምን ካብ ልቢ ዘይኰነ ፍቕሪ ኼርእዮምን ጀመረ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ “ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።” ብኣታቶምን በቲ ዜድልዮም ነገራትን ብሓቂ ኸም ዚግደስ ንኼምስል፡ ይሓቝፎምን ይስዕሞምን ነበረ። (2 ሳሙ. 15:2-6) ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ነቲ እሙን መማኽርቲ ዳዊት ዝነበረ ኣሒቶፌል ኣስሓቶ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንዳዊት ከዲዑ ተሓባባሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዀነ። (2 ሳሙ. 15:31) ዳዊት ኣብ መዝሙር 3ን 55ን፡ እቲ ጥልመት ብኸመይ ከም ዝጐድኦ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 3:1-8፣ መዝሙር 55:12-14 ኣንብብ።) ኣቤሴሎም ብትዕቢት ተወጢሩ ኣንጻር እቲ ብየሆዋ እተሸመ ንጉስ ምዕላዉ፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ ከም ዘየኽብር ዜርኢ እዩ ነይሩ። (1 ዜና 28:5) ኣብ መወዳእታኡ፡ እቲ ዕልወት ፈሸለ፣ ዳዊት ድማ ከም ቅቡእ የሆዋ መጠን ግዝኣቱ ቐጸለ።
6. ይሁዳ ንየሱስ ዝኸድዖ ብኸመይ እዩ፧ ስም ይሁዳኸ ምስ ምንታይ እያ እትተሓሓዝ፧
6 ሕጂ ድማ፡ እቲ ኸዳዕ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንክርስቶስ እንታይ ከም ዝገበሮ እስከ ንርአ። የሱስ ኣብታ ምስ 12 ሃዋርያቱ ዘብዓላ ናይ መወዳእታ ፋስጋ፡ “ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። (ማቴ. 26:21) ኣብታ ምሸት እቲኣ ድማ፡ የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ምስ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ከሎ፡ “እቲ ዜትሕዘኒ፡ እንሆ፡ ቀሪቡ አሎ” በሎም። ብኡብኡ ኸኣ፡ ይሁዳ ምስቶም ንየሱስ ኪሕዝዎ ዚደልዩ ዝነበሩ ጭፍራ ናብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ መጸ፣ “ብኡብኡ ናብ የሱስ ቀሪቡ፡ ከመይ ኣምሴኻ፡ መምህር፧ ኢሉ ሰዐሞ።” (ማቴ. 26:46-50፣ ሉቃ. 22:47, 52) በዚ ኸምዚ፡ ንየሱስ ናብ ጸላእቱ ኣሕሊፉ ሃቦ፣ እወ፡ ‘ንጹህ ደም ኣሕሊፉ ሃበ።’ ንኽንደይ ዚኣክል ሰልዲ ኢሉኸ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ንዘይረብሓ 30 ቕርሺ። (ማቴ. 27:3-5) ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ፡ እታ “ይሁዳ” እትብል ስም ምስ “ከዳዕ፡” ብፍላይ ከኣ ምስቲ ዓርኪ መሲሉ ብምቕራብ ዚጠልም ሰብ እያ እትተሓሓዝ።
7. (ሀ) ካብ ኣቤሴሎምን ይሁዳን፡ (ለ) ካብ ደሊላ፡ እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧
7 ካብቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ኣብነታት፡ እንታይ መለበሚ ኢና ረኺብና፧ ኣቤሴሎምን ይሁዳን፡ ነቶም የሆዋ ዝቐብኦም ሰባት ስለ ዝኸድዕዎም፡ ኣብ መወዳእታ ብሕማቕ መገዲ እዮም ሞይቶም። (2 ሳሙ. 18:9, 14-17፣ ግብ. 1:18-20) ስም ደሊላ ኸኣ፡ ወትሩ ምስ ጥልመትን ምስ ናይ ሓሶት ፍቕርን ተተሓሒዙ እዩ ዚለዓል። (መዝ. 119:158) ስምረት የሆዋ ኼስእነና ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ህርፋን ስልጣን ወይ ስስዐ ኽንርሕቕ ኣሎና። እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነታት፡ ንጥልመት ንኽንጸልኦ ዚድርኸና ሓያል ትምህርቲ ዝሓዘ ደይኰነን፧
ኣብነት እሙናት ሰባት ቅዳሕ
8, 9. (ሀ) ዮናታን ንዳዊት ብተኣማንነት ከም ዚድግፎ እተመባጽዓሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንዮናታን ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
8 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እሙናት ሰባት እውን ይገልጽ እዩ። ቀጺልና ኽልተ ኣብነት ክንርኢ ኢና፣ ካባታቶም እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ከኣ ክንምርምር ኢና፣ ፈለማ እስከ በቲ ንዳዊት እሙን ዝነበረ ሰብ ንጀምር። እቲ ወዲ ንጉስ ሳኦል ዝነበረ ዮናታን፡ ወራሲ ዝፋን እስራኤል እዩ ነይሩ። የሆዋ ግና ንዳዊት እዩ ንጉስ ኪኸውን ሓርይዎ። ዮናታን ንውሳነ ኣምላኽ የኽብሮ ስለ ዝነበረ፡ ንዳዊት ከም ተቐናቓኒኡ ገይሩ ኣይኰነን ዚርእዮ ነይሩ፣ የግዳስ፡ “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት፡” ብተኣማንነት ከም ዚድግፎ ኸኣ ተመባጽዓሉ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ንዳዊት፡ ክዳኑን ሴፉን ቀስቱን ቅናቱን ብምሃብ፡ ንጉሳዊ ኣኽብሮት ኣርኣዮ። (1 ሳሙ. 18:1-4) ኣብ ቅድሚ ሳኦል ንዳዊት ደጊፉ ብምዝራብን ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ብምእታውን፡ ‘ንኢድ ዳዊት ንምጽናዕ’ ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። ንዳዊት ድማ፡ “ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ” በሎ። (1 ሳሙ. 20:30-34፣ 23:16, 17) ዳዊት፡ ዮናታን ምስ ሞተ ኣምሪሩ ኼልቅስ እምበኣር ሓቁ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣዝዩ የፍቅሮ ኸም ዝነበረ ዜርኢ እዩ ነይሩ።—2 ሳሙ. 1:17, 26።
9 ዮናታን ንመን እሙን ኪኸውን ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ። ነቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዝዀነ የሆዋ ይእዘዞን ንዳዊት ከም ቅቡእ ኣምላኽ መጠን ምሉእ ብምሉእ ይድግፎን ነበረ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍሉይ ሓላፍነት እኳ እንተ ዘይተዋህበና፡ ነቶም ኪመርሑ እተሸሙ ኣሕዋት ብፍታው ክንድግፎም ኣሎና።—1 ተሰ. 5:12, 13፣ እብ. 13:17, 24።
10, 11. (ሀ) ጴጥሮስ ብተኣማንነት ኣብ ጐድኒ የሱስ ደው ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንጴጥሮስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ እዚኸ እንታይ ንኽንገብር እዩ ኺድርኸና ዘለዎ፧
10 ካልእ ሰናይ ኣብነት ዚዀነና ውልቀ ሰብ፡ እቲ ንየሱስ እሙን ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ እዩ። ክርስቶስ ኣብቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚስዋእ ስጋኡን ደሙን ምእማን ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ንምጕላሕ፡ ንጹር ምሳልያዊ ኣዘራርባ ምስ ተጠቕመ፡ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ በቲ ዝበሎ ሰምቢዶም፡ ሓዲጎምዎ ኸዱ። (ዮሃ. 6:53-60, 66) ድሕሪኡ የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ፡ “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ጴጥሮስ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ አሚንናን ፈሊጥናን አሎና” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃ. 6:67-69) ጴጥሮስ ንብምሉኡ እቲ የሱስ እተዛረቦ ዘረባ ስለ እተረድኦ ድዩ ኸምኡ ኢሉ መሊሱ፧ ምናልባት ኣይተረድኦን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ቕቡእ ወዲ ኣምላኽ እሙን ኪኸውን ቈሪጹ እዩ ነይሩ።
11 ጴጥሮስ፡ የሱስ ተጋግዩ ኸም ዝነበረን ድሕሪ ግዜ ነቲ ዝበሎ ዘረባ ኸም ዚሓድጎን ኣይኰነን ዚሓስብ ነይሩ። የግዳስ፡ የሱስ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል” ከም ዘለዎ ብትሕትና ተቐበለ። ሎሚ እውን ንሕና፡ ኣብቲ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ” ዚዳሎ ክርስትያናዊ ጽሑፋት፡ ንኽንርድኦ ዘጸገመና ወይ ከኣ ምስ ኣረኣእያና ዘይሰማማዕ ሓሳብ እንተ ወጺኡ፡ እንታይ ምላሽ ኢና እንህብ፧ ኣብ መጻኢ ምስ ኣረኣእያና ዚሰማማዕ ሓሳብ ክሳዕ ዚወጽእ ኣብ ክንዲ እንጽበ፡ ነቲ ዝወጸ ሓሳባት ንኽንርድኦ ኽንጽዕር ኣሎና።—ሉቃስ 12:42 ኣንብብ።
ንመጻምድትኻ እሙን ኩን
12, 13. ኣብ ሓዳር ጥልመት ኬጋጥም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ዕድመ መመኽነይታ ኪኸውን ዘይክእልከ ስለምንታይ እዩ፧
12 ጥልመት ሕማቕ ተግባር ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ክርስትያናዊት ስድራ ቤትን ክርስትያናዊት ጉባኤን ዘሎ ሰላምን ሓድነትን በዚ ተግባር እዚ ንኺዝረግ ክንፈቅድ የብልናን። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ብኸመይ ንመጻምድትናን ንኣምላኽናን እሙናት ክንከውን ከም እንኽእል እስከ ንርአ።
13 ዝሙት ሓደ ኻብቲ ጐዳኢ ዝዀነ መዳይ ጥልመት እዩ። እቲ ዘማዊ፡ ንመጻምድቱ ዝነበሮ ተኣማንነት እዩ ዜጕድል፣ ኣቓልቦኡ ድማ ኣብ ካልእ ሰብ እዩ ዚገብር። እቲ እተጠልመ መጻምድቲ ኸኣ፡ ብሃንደበት በይኑ ይተርፍ፣ ህይወቱ ከኣ ይበላሾ። ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ከምዚ ኼጋጥሞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ መብዛሕትኡ እዋን፡ መጻምድቲ ብስምዒታዊ መዳይ ኪረሓሓቑ ኸለዉ እዩ ዚጅምር። ፕሮፌሰር ስነ ማሕበር ዝዀነት ጋብሪኤላ ቱርናቱሪ፡ “መጻምድቲ ንርክቦም ንምድልዳል ወትሩ ዘይጽዕሩ እንተ ዀይኖም፡ ጥልመት ብቐሊሉ እዩ ቐዳድ ዚረክብ” በለት። እዚ ኸኣ ነቶም ካብ ዚምርዓዉ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ሰብ ሓዳር እውን ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብ ዚምርዖ 25 ዓመት ዝገበረ ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ፡ ምስ ሓንቲ ዚፈትዋ ሰበይቲ ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ንሰበይቱ ፈትሓ። ገሊኦም ሰባት፡ ኣብቲ ዕድመ እቲ ዘለዉ ሰባት ከምኡ ኺገብሩ ልሙድ ከም ዝዀነ ይዛረቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዚ ተግባር እዚ ኸም ልሙድ ጌርካ ዘይኰነስ፡ ከም ጥልመት ጌርካ እዩ ኺርአ ዘለዎ።b
14. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ጥልመት ከመይ ይስምዖ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ ኣብ ቃል ኪዳንካ እሙን ምዃን እንታይ ኢሉ እዩ ምሂሩ፧
14 የሆዋ ብዛዕባ እቶም ብዘይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ንመጻምድቶም ራሕሪሖምዎም ዚኸዱ ሰባት እንታይ ይስምዖ፧ ኣምላኽና፡ ‘ምፍታሕ ይጸልእ’ እዩ፣ ነቶም ንመጻምድቶም ዚገፍዑን ዚጠልሙን እውን ብሓያል ቃላት ተዛሪብዎም ኣሎ። (ሚልክያስ 2:13-16 ኣንብብ።) የሱስ እውን ምስ ኣቦኡ ብዚሰማማዕ መገዲ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ንጹህ መጻምድቱ ራሕሪሕዎ ኪኸይድ ከም ዘይክእል ምሂሩ እዩ።—ማቴዎስ 19:3-6, 9 ኣንብብ።
15. ሰብ ሓዳር ንመጻምድቶም እሙናት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
15 ሰብ ሓዳር ንመጻምድቶም እሙናት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ቃል ኣምላኽ፡ “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ፡” ከምኡውን “ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲ ብሓጐስ ንበር” ይብል፣ እዚ ሓሳባት እዚ፡ ንሰበይቲ እውን ዚምልከት እዩ። (ምሳ. 5:18፣ መክ. 9:9) ሰብ ሓዳር ብዕድመ እናደፍኡ ኣብ ዚኸዱሉ እዋን፡ ኣካላውን ስምዒታውን ‘ርክቦም ንምድልዳል ኪጽዕሩ ኣለዎም።’ ስለዚ፡ ንሓድሕዶም ግቡእ ቈላሕታ ኺገብሩን ሓቢሮም ግዜ ኼሕልፉን ንሓድሕዶም ብዝያዳ ኺቀራረቡን ኣለዎም። ንሓዳሮምን ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብን ኣብ ምዕቃብ ኬተኵሩ ኣለዎም። ኣብዚ መዳይ እዚ ዕዉታት ንኪዀኑ ድማ፡ ብሓባር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ፡ ብሓባር ናብ ኣገልግሎት ኪኸዱ፡ ከምኡውን የሆዋ ምእንቲ ኺባርኾም ብሓባር ኪጽልዩ ኣለዎም።
ንየሆዋ እሙን ኩን
16, 17. (ሀ) ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት፡ ኣብ ስድራ ቤት ወይ ኣብ ጉባኤ ዚፍተን ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ምስ እተወገዱ ኣዝማድ ክንሓብር ከም ዘይብልና ዚእዝዝ ትእዛዝ ክንሕልዎ ኸለና ብዛዕባ ዚርከብ ጽቡቕ ውጽኢት ዜርኢ ኣብነት እንታይ እዩ፧
16 ‘ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ ኣሕሚምካ እተገንሑ’ ኸቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣለዉ። (ቲቶ. 1:13) ገሊኣቶም ብምኽንያት ኣኻይዳኦም ተወጊዶም እዮም። “ነቶም ዝለመድዎ፡” ማለት ነቶም ብእኡ ዝሓለፉ፡ እቲ ዚወሃቦም ተግሳጽ ብመንፈስ ንኺጥዕዩ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። (እብ. 12:11) እተወገደ ዘመድ ወይ ፈታዊ እንተ ኣልዩናኸ፧ ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ ነቲ ሰብ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ይፍተን እዩ። የሆዋ ነቲ ምስ ዝዀነ ይኹን ውጉድ ከይንራኸብ ዝሃበና ትእዛዝ ነኽብሮ እንተ ዄንና ይርኢ እዩ።—1 ቈረንቶስ 5:11-13 ኣንብብ።
17 ኣባላት ስድራ ቤት ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ምስ እተወገዱ ኣዝማድ ክንሓብር ከም ዘይብልና ዚእዝዝ ትእዛዝ ኬኽብርዎ ኸለዉ ብዛዕባ ዚርከብ ጽቡቕ ውጽኢት ዜርኢ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ መንእሰይ ካብ ዚውገድ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ገይሩ ነበረ፣ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ኣርባዕተ ኣሕዋቱን ምስኡ ‘ኣይተጸምበሩን።’ ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ኪሓብሮም እኳ እንተ ፈተነ፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤቱ ኻብኡ ረሓቑ። ናብ ሓቂ ምስ ተመልሰ፡ ብፍላይ ምሸት ንበይኑ ኪኸውን ከሎ፡ ነቲ ምስ ስድራ ቤቱ ዝነበሮ ምሕዝነት ይናፍቖ ኸም ዝነበረ ተዛረበ። ኣባላት ስድራ ቤቱ፡ ንእተወሰነ እዋን እውን እንተ ዀነ ምስኡ እንተ ዚሓብሩ ነይሮም፡ ብእኡ ዓጊቡ ናብ ሓቂ ኸም ዘይምለስ ገለጸ። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤቱ ነቲ ምስኡ ዝነበሮም ርክብ ምቍራጾም፡ ንሱ ድማ ምስኣቶም ኪኸውን ዝነበሮ ባህጊ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ እንደገና ንኺጅምሮ ዝደረኾ ሓደ ረቛሒ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ምስ እተወገዱ ኣዝማድ ከይንሓብር ዚእዝዝ ትእዛዝ ክትጥሕሶ ኽትፍተን ከለኻ፡ ነዚ ተመክሮ እዚ ዘክሮ።
18. ተኣማንነት ዜምጽኦ ጥቕምን ጥልመት ዘለዎ ሳዕቤንን ድሕሪ ምምርማርካ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧
18 ኣብ ከዳዕን ጠላምን ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ኰይኑ ግና፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ኣብነቶም ክንቀድሖ ዚግባእ እሙናት ሰባት ኣለዉ። ነዚ ኸኣ ብኣነባብራኦም እዮም ዜርእይዎ፣ “ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም፡ ብቕድስናን [ወይ ብተኣማንነትን] ጽድቅን ብዘይ መንቅብን ምንባርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም” ኪብሉ ይኽእሉ እዮም። (1 ተሰ. 2:10) ሃየ እምበኣር፡ ኵልና ንኣምላኽን ንሓድሕድናን እሙናት ንኹን።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ምንጪ ሓይሊ ሲምሶን፡ ጸጕሩ ዘይኰነስ፡ እቲ ኸም ናዝራዊ መጠን ምስ የሆዋ ዝነበሮ ፍሉይ ርክብ እዩ ነይሩ፣ እቲ ጸጕሩ፡ ምልክት እቲ ዝነበሮ ፍሉይ ርክብ ጥራይ እዩ ነይሩ።
b ንጥልመት መጻምድትኻ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ኸም እትኽእል ሓገዝ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2010 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 29-32 ዝወጸት፡ “ጥልመት መጻምድቲ ምጻሩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ዋላ እኳ ኻልኦት ሰባት ንየሱስ እንተ ነጸግዎ፡ ጴጥሮስ ግና ነቲ ቕቡእ ወዲ ኣምላኽ እሙን ነበረ