ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/4 ገጽ 22-26
  • የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዜድሕኖም ይፈልጥ እዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዜድሕኖም ይፈልጥ እዩ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ማይ ኣይሂ ደሓኑ
  • ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ደሓኑ
  • ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ደሓኑ
  • ነቲ ኣብ መጻኢ ዚጽበዮም እተዳለዉ
  • መርከብ ኖህ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • መዝገብ ኖህ ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣምላኽ ንዕኡ “ሻምናይ ርእሱ ሓለዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ዛንታ ኖህን ማይ ኣይህን ጽውጽዋይ ጥራይ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/4 ገጽ 22-26

የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዜድሕኖም ይፈልጥ እዩ

“ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም . . . ይፈልጥ እዩ።”​—2 ጴጥ. 2:9።

እዚ ዚስዕብ ነጥብታት፡ ብየሆዋ ኸም እንተኣማመን ዚገብረና ስለምንታይ እዩ፧

ነቲ ዕላማኡ ዚፍጸመሉ ግዜ ዚፈልጦ ምዃኑ

ምእንቲ ህዝቡ ኢሉ ንሓይሉ ዚጥቀመሉ ምዃኑ

ኣገዳሲ ፍጻመታት ብኸመይ ከም ዚግሃድ ዚፈልጥ ምዃኑ

1. ኣብቲ ብርቱዕ “መከራ” እንታይ ኵነታት እዩ ኺህሉ፧

ፍርዲ ኣምላኽ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ብሃንደበት ኪወርድ እዩ። (1 ተሰ. 5:2, 3) “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር” ምስ ጀመረት፡ ምድራዊ ሕብረተሰብ ሕንፍሽፍሽ ኪኣትዎ እዩ። (ጸፎ. 1:14-17) ሽዑ መከራን ጸበባን ኪሰፍን እዩ። እወ፡ “ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ” መከራ ኺወርድ እዩ።—ማቴዎስ 24:21, 22 ኣንብብ።

2, 3. (ሀ) ኣብቲ ብርቱዕ “መከራ፡” ንህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኬጋጥሞም እዩ፧ (ለ) ነቲ ኣብ ዚመጽእ ዜጋጥመና ነገራት ንኽንዋጽኣሉ ኼደልድለና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

2 እቲ ብርቱዕ “መከራ” ናብ መወዳእታ ገጹ ኣብ ዚኸደሉ እዋን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ቀንዲ ዕላማ መጥቃዕቲ “ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ” ኪዀኑ እዮም። ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ፡ “ብርቱዕ ሰራዊት፡” ልክዕ ከምቲ ‘ንሃገር ዚኸድና ደበና፡’ ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ ኪመጽእ እዩ። (ህዝ. 38:2, 14-16) ንህዝቢ የሆዋ ዚከላኸለሉ ሰብኣዊ ትካል ስለ ዘይህሉ፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኼድሕኖም ዚኽእል። እሞኸ ህዝቢ የሆዋ፡ ጸላእቶም ኬጽንትዎም ኪመጹ ኸለዉ፡ እንታይ ምላሽ እዮም ኪህቡ፧

3 ኣገልጋሊ የሆዋ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ብርቱዕ መከራ ኼድሕኖም ከም ዚኽእልን ብርግጽ ከም ዜድሕኖምን ትኣምን ዲኻ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (2 ጴጥ. 2:9) የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብኸመይ ንህዝቡ ኸም ዘድሓኖም ምስትንታንና፡ ነቲ ኣብ ዚመጽእ ዜጋጥመና ነገራት ንኽንዋጽኣሉ ኼደልድለና ይኽእል እዩ። ቀጺልና እስከ በቲ የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን ዘለዎ ኽእለት ንኽንተኣማመን ኪሕግዘና ዚኽእል ሰለስተ ኣብነት ንርአ።

ካብ ማይ ኣይሂ ደሓኑ

4. ምስ ማይ ኣይሂ ብእተተሓሓዘ፡ ግዜ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

4 ብቐዳምነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ እስከ ንርአ። ፍቓድ የሆዋ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ግዜ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ማይ ኣይሂ ቕድሚ ምጅማሩ፡ ዓባይ መርከብ ክትስራሕን እንስሳታት ናብታ መርከብ ኪኣትዉን ነበሮም። እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ ከም ዚገልጾ፡ የሆዋ፡ እታ መርከብ ክሳዕ እትስራሕ ተጸብዩ ኣይኰነን ማይ ኣይሂ መዓስ ከም ዚመጽእ ወሲኑ፣ ከመይሲ፡ ህንጸት እታ መርከብ ከይድንጒ ብምሕሳብ፡ ነቲ ማይ ኣይሂ ዚመጽኣሉ ግዜ ኼሕጽሮ ወይ ኬናውሖ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ንኖህ መርከብ ኪሃንጽ ቅድሚ ምንጋሩ ነዊሕ ይገብር እዩ ማይ ኣይሂ መዓስ ከም ዚመጽእ ወሲኑ ነይሩ። ከምኡ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

5. ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 6:3 ተገሊጹ ዘሎ፡ የሆዋ እንታይ ዚብል ኣዋጅ እዩ ኣውጺኡ፧ መዓስከ እዩ ኣውጺእዎ፧

5 ኣብ ዘፍጥረት 6:3 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ኣብ ሰማይ፡ “ንሱ ስጋ ድማ እዩ እሞ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን” ዚብል ኣዋጅ ኣውጽአ። እዚ ኣዋጅ እዚ፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ዕድመ ሰባት ዚገልጽ ሓሳብ ኣይኰነን። የግዳስ፡ የሆዋ ነቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነበረ ረሲእነት መዓስ ከም ዜጽርዮ ዚገልጽ ፍርዳዊ ውሳነ እዩ ነይሩ።a ማይ ኣይሂ ብ2370 ቅ.ክ. ስለ ዝጀመረ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣዋጅ ብ2490 ቅ.ክ. ከም ዘውጽኦ ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኖህ ወዲ 480 ዓመት እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 7:6) ኣስታት 20 ዓመት ጸኒሑ፡ ማለት ብ2470 ቅ.ክ.፡ ደቂ ኖህ ኪውለዱ ጀመሩ። (ዘፍ. 5:32) ስለዚ፡ ማይ ኣይሂ ኺጅምር ኣስታት ሚእቲ ዓመት ተሪፍዎ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ግና ንኖህ ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ኣብ ምድሓን ዚህልዎ ፍሉይ ግደ ኣይነገሮን። እሞኸ ኣምላኽ ንኖህ ቅድሚ ምንጋሩ ኽንደይ እዩ ጸኒሑ፧

6. የሆዋ ንኖህ መርከብ ኪሃንጽ ዝኣዘዞ መዓስ እዩ፧

6 የሆዋ ንኖህ ብዛዕባ እቲ ኺገብሮ ዝሓሰበ ነገራት ቅድሚ ምንጋሩ፡ ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሑ ኪኸውን ኣለዎ። ብኸመይ ኢና ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ክኢልና፧ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣምላኽ ንኖህ መርከብ ኪሃንጽ ኣብ ዝነገረሉ እዋን፡ ደቂ ኖህ ድሮ ዓብዮምን ተመርዕዮምን እዮም ነይሮም። የሆዋ ድማ ንኖህ፡ “ምሳኻ ግና ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ንስኻ፡ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን፡ ናብ መርከብ ክትአቱ ኢኻ” በሎ። (ዘፍ. 6:9-18) ስለዚ፡ ኖህ መርከብ ንኺሃንጽ ኪንገሮ ኸሎ፡ ማይ ኣይሂ 40 ወይ 50 ዓመት ተሪፍዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

7. (ሀ) ኖህን ስድራ ቤቱን እምነቶም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣምላኽ ንኖህ፡ ማይ ኣይሂ ብዛዕባ ዚጅምረሉ እዋን ዝነገሮ መዓስ እዩ፧

7 ኖህን ስድራ ቤቱን ነቲ ዕዮ ህንጸት እናዓየዩ፡ ኣምላኽ ንዕላማኡ ብኸመይ ከም ዚፍጽሞን ማይ ኣይሂ መዓስ ከም ዚጅምርን ይሓስቡ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ ዝርዝር ነገራት ዘይምፍላጦም፡ ነታ መርከብ ካብ ምስራሕ ኣይዓገቶምን። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ጸብጻብ፡ “ኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ” ይብል። (ዘፍ. 6:22) ማይ ኣይሂ ኺጅምር ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ተረፎ፡ የሆዋ ንኖህ፡ ማይ ኣይሂ መዓስ ከም ዚጅምር ነገሮ፣ እዚ ኸኣ ኖህን ስድራ ቤቱን ነቶም እንስሳታት ናብታ መርከብ ንኼእትውዎም ዜኽእሎም እኹል ግዜ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ “ኣብ መበል ሹድሽተ ሚእቲ ዓመቱ ንዕድመ ኖህ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡” መሳዅቲ ሰማይ ኣብ እተኸፍተሉ እዋን፡ ኵሉ ድሉው እዩ ነይሩ።—ዘፍ. 7:1-5, 11።

8. እቲ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ የሆዋ ንህዝቡ መዓስ ከም ዜድሕኖም ከም ዚፈልጥ ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧

8 እቲ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ የሆዋ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንህዝቡ ብምድሓን ዝመጸ እውን ክኢላ ምዃኑ እዩ ዜረጋግጸልና። ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረብና ኣብ እንኸደሉ ዘለና እዋን፡ ብምሉኡ እቲ የሆዋ ዝዓለሞ ነገራት ኣብቲ እተመደበሉ ‘መዓልትን ሰዓትን’ ከም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ማቴ. 24:36፣ ኣንባቆም 2:3 ኣንብብ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ደሓኑ

9, 10. የሆዋ ንህዝቡ ተጠቒሙ ንሰራዊት ግብጺ ኣብ መጻወድያ ዘእተዎም ብኸመይ እዩ፧

9 ክሳዕ ሕጂ፡ የሆዋ ነቲ ዕላማኡ ዚፍጸመሉ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚቈጻጸሮ ርኢና ኢና። እዚ ቐጺልና እንርእዮ ኣብነት፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜድሕኖም ንኽንተኣማመን ዚድርኸና ኻልእ ምኽንያት ኬጕልሓልና እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሉ ኸም ዚጥቀመሉ ዜርኢ እዩ። የሆዋ ንኣገልገልቱ ንኼድሕኖም ዘለዎ ኽእለት ዜተኣማምን እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ነዚ ኽእለቱ ንጸላእቱ ኣብ መጻወድያ ንምእታው ይጥቀመሉ እዩ። ንእስራኤላውያን ካብ መግዛእቲ ግብጺ ናጻ ኼውጽኦም ከሎ፡ ከምኡ እዩ ገይሩ።

10 እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ እስራኤላውያን፡ ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ እስራኤላውያን ብመሰረት መምርሒ የሆዋ ንሙሴ ስዒቦም ዚኸድዎ ዝነበሩ መገዲ፡ ፈርኦን፡ ‘እስራኤላውያን ቀባሕባሕ ይብሉ ኣለዉ’ ኢሉ ኸም ዚሓስብ ገበሮ። (ዘጸኣት 14:1-4 ኣንብብ።) ነዚ መህረሪ እዚ ዕሽሽ ኪብሎ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ንሰራዊቱ መሪሑ ደድሕሪ እቶም ናይ ቀደም ባሮቱ ገስገሰ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ኣብ መጻወድያ ኣእተዎም። እቶም ህዝቢ፡ መውጽኢ ዘይብሎም እዮም ዚመስሉ ነይሮም። (ዘጸ. 14:5-10) ከም ሓቂ ግና፡ ኣብ ሓደጋ ኣይኰኑን ነይሮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንዓታቶም ዜድሕነሉ እዋን ኣኺሉ ነበረ።

11, 12. (ሀ) የሆዋ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ኢዱ ዘእተወ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ኢዱ ብምእታዉ እንታይ ውጽኢት ተረኽበ፧ እዚ ጸብጻብ እዚኸ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

11 እቲ ንእስራኤላውያን ዚመርሖም ዝነበረ “ዓንዲ ደበና፡” ኣብ ድሕሪኦም ደው ስለ ዝበለ፡ ሰራዊት ፈርኦን ናብ እስራኤላውያን ኪቐርቡ ኣይከኣሉን፣ ኣብ ጸልማት ከኣ ኣተዉ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዓንዲ ንሰፈር እስራኤላውያን ብተኣምራዊ መገዲ ኣብርሆ። (ዘጸኣት 14:19, 20 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ የሆዋ “ነቲ ባሕሪ ለይቲ ብምልእታ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣልጊሱ፡ . . . ኣንቀጾ።” “ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑጽ ናብ ማእከል ባሕሪ አተዉ።” እስራኤላውያን ምስ ሰራዊት ፈርኦን ኪወዳደሩ ኸለዉ፡ ቀስ ኢሎም እዮም ዚኸዱ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ይዋግኣሎም ስለ ዝነበረ፡ ግብጻውያን ኬርክብዎም ኣይከኣሉን። እወ፡ የሆዋ “ንሰራዊት ግብጻውያን ኣሸበሮም። ነቲ ሰረገላታቶም ከኣ መንኰራዅሩ ኣምለቘ፡ ብጭንቂ [ድማ] ተጓዕዙ።”—ዘጸ. 14:21-25።

12 ኵሎም እስራኤላውያን ብሰላም ምስ ተሳገሩ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ፡ እቲ ማያት ናብ ልዕሊ ግብጻውያን፡ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ይምለስ” ኢሉ ኣዘዞ። እቶም ሰራዊት ካብቲ እናተሃንደደ ዚመጾም ዝነበረ ማያት ኪሃድሙ እኳ እንተ ፈተኑ፡ የሆዋ “ንግብጻውያን ናብቲ ማእከል ባሕሪ ደርበዮም።” መህደሚ ኣይነበሮምን። “ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።” (ዘጸ. 14:26-28) የሆዋ በዚ ኸምዚ፡ ንህዝቡ ኻብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንምድሓን ዜድሊ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣርኣየ።

ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ደሓኑ

13. የሱስ እንታይ መምርሒ እዩ ሂቡ፧ ሰዓብቱኸ እንታይ ኢሎም እዮም ንርእሶም ኪሓትቱ ዚኽእሉ ነይሮም፧

13 የሆዋ፡ እቲ ዕላማኡ ንምፍጻም ዜጋጥም ፍጻመታት ብኸመይ ከም ዚግሃድ ይፈልጥ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ ሳልሳይ ኣብነት ክንምርምር ኢና፣ እዚ ኸኣ የሩሳሌም ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተኸብበትሉ እዋን እዩ። የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ፡ እቶም የሩሳሌም ብ70 ድ.ክ. ቅድሚ ምጥፍኣ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዝነበሩ ክርስትያናት ኪድሕኑሉ ዚኽእሉ መምርሒ ሂቡ ነበረ። የሱስ፡ “እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ . . . ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ” በለ። (ማቴ. 24:15, 16) ሰዓብቲ የሱስ ነቲ እዚ ትንቢት እዚ ዚፍጸመሉ እዋን ብኸመይ እዮም ኬለልይዎ ዚኽእሉ ነይሮም፧

14. እቲ እናተጋህደ ዚኸይድ ዝነበረ ፍጻመታት፡ ንትርጕም መምርሒ የሱስ ዘነጸሮ ብኸመይ እዩ፧

14 ፍጻመታት እናተጋህደ ምስ ከደ፡ ትርጕም ቃላት የሱስ ብዝያዳ ነጸረ። ብ66 ድ.ክ. ብሰስትየስ ጋለስ ዚምርሑ ሰራዊት ሮሜ፡ ንዕልወት ኣይሁድ ንምጭፍላቕ ናብ የሩሳሌም መጹ። እቶም ዓለወኛታት ወይ ጥሩፋት ኣይሁድ ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ቤተ መቕደስ ምስ ተዓቝቡ፡ ሰራዊት ሮሜ ነቲ መንደቕ ኬፍርስዎ ጀመሩ። ንቑሓት ክርስትያናት ናይዚ ዅሉ ትርጕም ተረዲእዎም ነበረ፣ ከመይሲ፡ ኣረማዊ ሰራዊት ምስናይ ጣኦታዊ ኣርማኡ (“ናይ ጥፍኣት ርኽሰት”) ኣብ ጥቓ መንደቕ ቤተ መቕደስ (“ቅድስቲ ስፍራ”) ቈይሙ ነበረ። ስለዚ፡ ሰዓብቲ የሱስ ‘ናብ ኣኽራን ዚሃድሙሉ’ እዋን ኣኺሉ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ካብታ ተኸቢባ ዝነበረት ከተማ ብኸመይ እዮም ኪወጹ ዚኽእሉ ነይሮም፧ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዘይተሓስበ ፍጻመታት ኣጋጠመ።

15, 16. (ሀ) የሱስ እንታይ ንጹር መምርሒ እዩ ሂቡ፧ ሰዓብቱ ነቲ መምርሒ ኺእዘዝዎ ኣገዳሲ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ድሕነትና ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧

15 ሰስትየስ ጋለስን ሰራዊቱን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ካብ የሩሳሌም ኬንሳሕቡ ጀመሩ። እቶም ጥሩፋት ኣይሁድ ከኣ እግሪ እግሮም ሰዓብዎም። ሰዓብቲ የሱስ፡ እቶም ዚዋግኡ ዝነበሩ ኽልተ ጕጅለታት ምስ ከዱሎም፡ ዚሃድሙሉ ኣጋጣሚ ረኸቡ። የሱስ ብንጹር፡ ንብረቶም ሓዲጎም ብቕልጡፍ ኪሃድሙ እዩ ነጊርዎም ነይሩ። (ማቴዎስ 24:17, 18 ኣንብብ።) ከምዚ ዓይነት ቅልጡፍ ስጕምቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ድዩ ነይሩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ጸኒሑ ንጹር ኰነ። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት፡ እቶም ጥሩፋት ኣይሁድ ተመሊሶም፡ ኣብቲ ዕልወት ምእንቲ ኺሓብርዎም፡ ንተቐማጦ የሩሳሌምን ይሁዳን ኬገድድዎም ጀመሩ። እተፈላለዩ ጕጅለታት ኣይሁድ ንሓድሕዶም ኪቃለሱ ስለ ዝጀመሩ ድማ፡ ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዅነታት እናኸፍአ ኸደ። ካብታ ኸተማ ምህዳም ከኣ፡ ኣመና ኣጸጋሚ ዀነ። ሮማውያን ብ70 ድ.ክ. ምስ ተመልሱ እሞ ኸኣ፡ ካብታ ኸተማ ምህዳም ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 19:43) እቶም ቅልጡፍ ስጕምቲ ዘይወሰዱ ሰባት፡ ኣብ መቐራቕሮ ኣተዉ። እቶም ንመምርሒ የሱስ ተኣዚዞም ናብ ኣኽራን ዝሃደሙ ክርስትያናት ግና፡ ህይወቶም ኣድሓኑ። የሆዋ ብኸመይ ንህዝቡ ኸም ዜድሕን ከኣ ብዓይኖም ኪርእዩ ኸኣሉ። ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

16 ኣብቲ ብርቱዕ መከራ፡ ፍጻመታት እናተጋህደ ኪኸይድ ከሎ፡ ክርስትያናት ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽን ካብ ውድቡን ዚመጽእ መምርሒ ኬቕልቡሉ ኣለዎም። ንኣብነት፡ እቲ የሱስ ዝሃቦ፡ ‘ናብ ኣኽራን ህደሙ’ ዚብል ትእዛዝ፡ ዘመናዊ ኣወዓዕላ እውን ኣለዎ። ብኸመይ ከም እንሃድም ኣይንፈልጥን ኢና።b ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብ ግቡእ ግዜኡ፡ ንትርጕም እቲ መምርሒ ንጹር ከም ዚገብሮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ድሕነትና ኣብ ተኣዛዝነት እተመርኰሰ ስለ ዝዀነ፡ ንርእስና፡ ‘ነቲ ሕጂ የሆዋ ንህዝቡ ዚህቦም ዘሎ መምርሒታት እንታይ ምላሽ እየ ዝህበሉ፧ ቅልጡፍ ምላሽ ድየ ዝህብ ወይስ ሰጋእ መጋእ እየ ዝብል፧’ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና።—ያእ. 3:17።

ነቲ ኣብ መጻኢ ዚጽበዮም እተዳለዉ

17. ትንቢት ኣንባቆም ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚወርድ መጥቃዕቲ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧

17 ሕጂ እስከ ናብቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስናዮ፡ ጎግ ዜውርዶ መጥቃዕቲ ንመለስ። ምስዚ ብእተተሓሓዘ ትንቢት፡ ኣንባቆም፡ “ሰማዕኩ፡ ከብደይ ከኣ ኣንቀጥቀጠ፡ ከናፍረይ በቲ ድምጺ ኣንፈጥፈጠ፡ ቍንቍነ ኣብ ኣዕጽምተይ አተወ። በታ መዓልቲ ጸበባ ኸኣ ነቲ [ዜጥፍእ ጸላኢ ዝዀነ] ህዝቢ ዚገጥመሉ [ማለት ኣምላኽ] ኽሳዕ ዚመጽእ ትም ኢለ ኽጽበስ ክሳዕ ታሕተይ ኣንቀጥቀጥኩ” በለ። (ኣን. 3:16) እቲ ነብዪ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚወርድ መጥቃዕቲ ምስ ሰምዐ፡ ከብዱ ኣንቀጥቀጠ፡ ከናፍሩ ኣንፈጥፈጠ፡ ሓይሉ ኸኣ ጠለሞ። ኣንባቆም እተሰምዖ ስምዒት፡ ጭፍራ ጎግ እናተሃንደዱ ምስ መጹና፡ ኵነታትና ተስፋ ዜቝርጽ ኪመስል ከም ዚኽእል እዩ ዚሕብረና። ይኹን እምበር፡ እቲ ነብዪ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኼድሕኖም ከም ዚኽእል ይተኣማመን ስለ ዝነበረ፡ ንመዓልቲ የሆዋ ትም ኢሉ ኺጽበያ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። ንሕና እውን ከምኡ ዓይነት ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል እዩ።—ኣን. 3:18, 19።

18. (ሀ) በቲ ዚቐርብ ዘሎ መጥቃዕቲ ዘይንፈርህ ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

18 እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሰለስተ ኣብነት፡ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዜድሕኖም ዚፈልጥ ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። ዕላማኡ ኺፈሽል ኣይክእልን እዩ፣ ብርግጽ ከኣ ኪዕወት እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኽቡር ዓወት ክንካፈል እንተ ደሊና፡ ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ክንከውን ኣሎና። የሆዋ ንጽህናና ንኽንሕሉ ዝሕግዘና ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እዚ ኽንምርምር ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብታ ናይ 15 ታሕሳስ 2010 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 30-31 ርአ።

b ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1999 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 19 ርአ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

እስራኤላውያን ብሰራዊት ፈርኦን ዚሰግኡሉ ምኽንያት ነይርዎምዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ