ታሪኽ ህይወት
ንሰብዓ ዓመት፡ ዘፈር ክዳን ኣይሁዳዊ ሓዝኩ ለናርድ ስሚዝ ዘዘንተዎ
ኣብ ኰተቴ ዕድመይ፡ ክልተ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምስጣኒ ነበራ። ሎሚ ድሕሪ 70 ዓመት፡ ነቲ ንዘካርያስ 8:23 ምሉእ ብምሉእ እተረዳእኩሉ እዋን እዝክሮ እየ፣ እታ ጥቕሲ፡ ብዛዕባ እቶም “ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ዚብልዎ “ዓሰርተ ሰብ” እያ እትገልጽ።
እቲ ኣይሁዳዊ ንቕቡኣት ክርስትያናት እዩ ዜመልክት፣ እቶም “ዓሰርተ ሰብ” ከኣ፡ ን“ኻልኦት ኣባጊዕ” ወይ ከኣ ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ብ“ዮናዳብ” ዚምሰሉ ዝነበሩ ክርስትያናት እዮም ዜመልክቱ።a (ዮሃ. 10:16) ነዚ ሓቂ እዚ ምስ ተረዳእክዎ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋይ ኪፍጸም ዚኽእል፡ ንቕቡኣት ክርስትያናት ብተኣማንነት እንተ ደጊፈዮም ምዃኑ ተገንዘብኩ።
እቲ ኣብ ማቴዎስ 25:31-46 ዚርከብ ብዛዕባ “ኣባጊዕ”ን “ኣጣል”ን ዚገልጽ የሱስ እተዛረቦ ምሳሌ እውን ኣዝዩ ይምስጠኒ ነበረ። እተን “ኣባጊዕ” ነቶም ኣብ ምድሪ ንዝነበሩ ኣሕዋት ክርስቶስ ሰናይ ስለ ዝገበሩሎም፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ጽቡቕ ፍርዲ ዚፍረደሎም ሰባት እየን ዜመልክታ። ካብቶም ብዮናዳብ ዚምሰሉ ጕጅለ ስለ ዝነበርኩ፡ ንርእሰይ፡ ‘ለናርድ፡ ብክርስቶስ ከም በጊዕ ክትርአ እንተ ደሊኻ፡ ኣምላኽ ምስ ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ስለ ዝዀነ፡ ንመሪሕነቶም ብምስዓብ ክትድግፎም ኣሎካ’ እብላ ነበርኩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ሰብዓ ዓመት፡ በዚ ምርዳእ እዚ እየ ተመሪሐ።
‘ኣነኸ እንታይ ግደ እዩ ዘሎኒ፧’
ኣደይ ብ1925 ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ዚርከብ መአከቢ ኣዳራሽ እያ ተጠሚቓ። እቲ ኣዳራሽ፡ ለንደን ታበርናክል እዩ ዚብሃል ነይሩ፣ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ኣሕዋት ከኣ ይእከቡሉ ነበሩ። ኣነ ብ15 ጥቅምቲ 1926 እየ ተወሊደ። ኣብ መጋቢት 1940 ድማ፡ ኣብታ ኣብ ገማግም ዓዲ እንግሊዝ እትርከብ ዶቨር እትብሃል ከተማ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተጠመቕኩ። ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እናፈተኽዎ ኸድኩ። ኣደይ ቅብእቲ ክርስትያን ስለ ዝነበረት፡ እቲ ንመጀመርታ እዋን ዝሓዝክዎ ምሳልያዊ ‘ዘፈር ክዳን ኣይሁዳዊ፡’ ናይ ኣደይ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣቦይን ዓባይ ሓብተይን ንየሆዋ ኣየገልግልዎን እዮም ነይሮም። ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ እትርከብ፡ ብዙሓት ቅቡኣት ክርስትያናት ዝነበሩላ ጉባኤ ጂሊንጋም ኢና እንእከብ ኔርና። ኣደይ ድማ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ብምክፋል ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ሓዲጋ እያ።
ኣብ መስከረም 1941 ኣብ ከተማ ለስተር ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ብዛዕባ ጕዳይ ልዑላውነት ዚገልጽ “ንጽህና” ዘርእስቱ መደረ ቐረበ። እቲ መደረ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ሰይጣንን እተላዕለ ጕዳይ እቱዋት ምዃንና ንፈለማ እዋን ንኽርዳእ ሓገዘኒ። ስለዚ፡ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው ክንብልን ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ንጽህና ኽንሕሉን ኣሎና።
ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ኣብ ዕዮ ፈላምነት ዝያዳ ኣትኵሮ ተገይሩ ነበረ፣ መንእሰያት ከኣ፡ ፈላሚ ናይ ምዃን ሸቶ ኼውጽኡ ተተባብዑ። እታ፡ “ፈለምቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘለዎም ግደ” ዘርእስታ መደረ፡ ‘ኣነኸ እንታይ ግደ እዩ ዘሎኒ፧’ ኢለ ኸም ዝሓስብ ገበረትኒ። እቲ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ካብቶም ብዮናዳብ ዚምሰሉ ጕጅለ ስለ ዝዀንኩ፡ ብእተኻእለኒ ዓቕሚ ንቕቡኣት ክርስትያናት ኣብ ዕዮ ስብከት ክሕግዞም ከም ዘሎኒ ንኽንግንዘብ ሓገዘኒ። ኣብኡ ኣብ ለስተር ከለኹ ድማ፡ ፈላሚ ንምዃን ኣመልከትኩ።
ኣብ ግዜ ውግእ፡ ፈላሚ ዀይነ ኣገልገልኩ
ብ1 ታሕሳስ 1941፡ ማለት ወዲ 15 ዓመት ከለኹ፡ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ናይ መጀመርታ መገላግልተይ፡ ኣደይ እያ ነይራ፣ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምግልጋልና ግና፡ ንሳ ብምኽንያት ጥዕናኣ ኣቋረጸት። ድሕሪኡ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ለንደን፡ ሮን ፓርኪን ዚብሃል ካልእ መገላግልቲ መደበለይ፣ ሕጂ ንሱ ኣባል ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፖርቶ ሪኮ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።
ኣነን ሮንን ናብተን ኣብ ኣውራጃ ከንት ኣብ ገማግም ዚርከባ ብሮድስታርዝን ራምስጌትን ዚብሃላ ኸተማታት ተለኣኽና፣ ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ ኽፍሊ ተኻረና። ኣብቲ እዋን እቲ ንፍሉያት ፈለምቲ ዚወሃቦም ዝነበረ ወርሓዊ ገንዘብ፡ 40 ሽልንግ (ሽዑ ዳርጋ 8 ዶላር ኣመሪካ) እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ክራይ ገዛ ምስ ከፈልና፡ ሒደት ገንዘብ ጥራይ እዩ ዚተርፈና ነይሩ፣ እንበልዖ ምግቢ እውን ክንስእን ንኽእል ነበርና። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ወትሩ ይከናኸነና ነበረ።
ነተን ከቢድ ጽሑፋት እተጻዕና ብሽክለታታትና እናዘወርና፡ ኣንጻር እቲ ኻብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዚመጽእ ዝነበረ ሓያል ንፋስ ንጐዓዝ ነበርና። ብዘይካዚ፡ ብነፈርቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ይካየድን ንለንደን ንምድብዳብ ዚውንጨፍ ተወንጫፊ ብልዕሊ ኣውራጃ ከንት ይሓልፍን ነበረ። ሓደ እዋን፡ ሓደ ቦምብ ብርእሰይ ሓሊፉ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝነበረ ሜዳ ምስ ተፈንጀረ፡ ካብ ብሽክለታይ ነጢረ ብምውራድ ኣብ ጕድጓድ ኣተኹ። ምስ እዚ ዅሉ ጸገማት ግና፡ ኣብ ከንት ፈለምቲ ዄንና ዘሕለፍናዮ ግዜ፡ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ።
ቤት-ኤላዊ ዀንኩ
ኣደይ ብዛዕባ ቤት-ኤል ብዓብዪ ኣድንቖት እያ እትዛረብ ነይራ። “ቤት-ኤላዊ ኽትከውን እየ ዝደሊ” ኸኣ ትብለኒ ነበረት። ስለዚ፡ ኣብ ጥሪ 1946 ኣባል እቲ ኣብ ለንደን ዚርከብ ቤት-ኤል ብምዃን ንሰለስተ ሰሙን ክሕግዝ ጻውዒት ምስ ቀረበለይ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐስኩን እተገረምኩን ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ንዕዮ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብሓላፍነት ዜካይዶ ዝነበረ ፕራይስ ህዩዝ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሰሙን፡ ኣብ ቤት-ኤል ከገልግል ሓተተኒ። ኣብኡ ዝረኸብክዎ ስልጠና፡ ንምሉእ ህይወተይ ቀሪጽዎ እዩ።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ቤትኤል ለንደን ዳርጋ 30 ዚዀኑ ኣባላት ነበሩ፣ መብዛሕትኦም መንእሰያት እኳ እንተ ነበሩ፡ ከም እኒ ፕራይስ ህዩዝን ኤድገር ክለይን ከምኡውን ከምቲ ደሓር ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጃክ ባርን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ቕቡኣት ክርስትያናት እውን ነበሩ። ከም መንእሰይ መጠን ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ መሪሕነት እዞም “ኣዕኑድ” ኰይነ ብምግልጋል ንኣሕዋት ክርስቶስ ክድግፎም ምኽኣለይ፡ ከም ፍሉይ መሰል ገይረ እየ ዝርእዮ።—ገላ. 2:9።
ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት-ኤል ከለኹ፡ ሓደ ሓው ናባይ መጺኡ፡ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣፍ ደገ ትጽበየኒ ኸም ዘላ ነገረኒ። እቲ ዜገርም፡ ኣደይ እያ ነይራ፣ ኣብ ኢዳ ኸኣ ጥቕላል ሒዛ ነበረት። ናብ ውሽጢ ዘይኣተወትሉ ምኽንያት፡ ስራሐይ ከተቋርጸኒ ስለ ዘይደለየት ምዃኑ ነገረትኒ፣ ነቲ ጥቕላል ሂባትኒ ድማ ከደት። እቲ ጥቕላል፡ ዜምውቕ ካቦት እዩ ነይሩ። እቲ ፍቕራዊ ተግባር ኣደይ፡ ነታ ነቲ ኣብ ማሕደር ዜገልግል ዝነበረ ወዳ ሳሙኤል ንእሽቶ ቐምሽ እተምጽኣሉ ዝነበረት ሃና ኣዘከረኒ።—1 ሳሙ. 2:18, 19።
ኣብ ጊልዓድ ዘሕለፍክዎ ዘይርሳዕ ተመክሮ
ብ1947 ኣነን ካልኦት ኣርባዕተ ቤት-ኤላውያንን፡ ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ጻውዒት ቀረበልና፣ ንዓመታኡ ድማ ኣብ መበል 11 ኽፍሊ ተኻፈልና። ኣብኡ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበረሉ ሰሜናዊ ኽፍሊ ኒው ዮርክ ኣመና ቘራሪ ነበረ። ኣነ ግና ነቲ ኣደይ ዘምጽኣትለይ ዜምውቕ ካቦት ሒዘዮ ስለ ዝኸድኩ ኣዝየ ተሓጐስኩ።
እተን ኣብ ጊልዓድ ዘሕለፍክወን ሽዱሽተ ወርሒ፡ ዘይርስዓ እየን ነይረን። ካብ 16 ሃገራት ምስ ዝመጹ ተመሃሮ ምሕባረይ፡ ንኣረኣእያይ ኣስፊሕዎ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ኻብቲ ቤት ትምህርቲ ዝረኸብክዎ መንፈሳዊ ሃብቲ፡ እቲ ምስ ብሱላት ክርስትያናት ዝነበረኒ ምሕዝነት እውን ጠቒሙኒ እዩ። ሓደ ኻብቶም መማህርተይ ዝነበረ ሎይድ ባሪ፡ ሓደ ኻብቶም መምህራንና ዝነበረ ኣልበርት ሽሮደር፡ ከምኡውን እቲ ሓላዊ ሕርሻ መንግስቲ ኣምላኽ (ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝነበረሉ ቦታ) ዝነበረ ጆን ቡዝ፡ ጸኒሖም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰኑ። ነቲ እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ዝሃቡኒ ፍቕራዊ ምኽርን ነቲ ንየሆዋን ንውድቡን ዝነበሮም ተኣማንነትን ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ።
ኣብ ዕዮ ወረዳ ምስ ተኻፈልኩ፡ ናብ ቤት-ኤል ተመለስኩ
ካብ ጊልዓድ ምስ ተመረቕኩ፡ ኣብ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸገልግል ተመደብኩ። ሽዑ ወዲ 21 ዓመት እኳ እንተ ነበርኩ፡ እቶም ኣሕዋት ነቲ ዝነበረኒ ናይ ንእስነት ውዕዉዕ መንፈስ ብምዉቕ ስምዒት ተቐበልዎ። ኣብቲ ወረዳ፡ ካብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ምኩራት ኣሕዋት ብዙሕ እየ ተማሂረ።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ንተወሳኺ ስልጠና ናብ ቤት-ኤል ብሩክሊን ክምለስ ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ምስ ከም ብዓል ሚልተን ሄንሽልን ናታን ኖርን ቲ.ጀይ. ባድ ሱሊቫንን ሊማን ስዊንግልን ዝኣመሰሉ ኣዕኑድ ዝዀኑ ሰብኡት ክፋለጥ ከኣልኩ፣ ኵላቶም ከኣ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ምሳታቶም ምዕያይን ንክርስትያናዊ ናብራኦም ምርኣይን ባህ ዜብል ተመክሮ እዩ ነይሩ። ኣብ ውድብ የሆዋ ዝነበረኒ ተኣማንነት ብሚእቲ ዕጽፊ እዩ ወሲኹ። ድሕርዚ፡ ኣገልግሎተይ ምእንቲ ክቕጽል፡ ናብ ኤውሮጳ ተለኣኽኩ።
ኣደይ ኣብ ለካቲት 1950 ሞተት። ድሕሪ ቐብሪ፡ ምስ ኣቦይን ምስታ ዶራ ዝስማ ዓባይ ሓብተይን ብግህዶ ኣዕለልና። ኣደይ ካብ ሞተት፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ካብ ዘየለኹ፡ ብዛዕባ ሓቂ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዝሓሰቡ ሓተትክዎም። ሃሪ ዝስሙ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ብዕድመ ዝደፍአ ቕቡእ ሓው ስለ ዝነበረ፡ ምስኡ ብዛዕባ ሓቂ ኺመያየጡ ተሰማምዑ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድማ፡ ኣቦይን ዶራን ተጠምቁ። ኣቦይ ጸኒሑ ኣብ ጉባኤ ጂሊንጋም ኣገልጋሊ ዀነ። ድሕሪ ሞት ኣቦይ፡ ዶራ ምስ ሮይ ሞርተን ዝስሙ እሙን ሽማግለ ተመርዓወት፣ ክሳዕ ብ2010 እትመውት ከኣ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልገለቶ።
ኣብ ፈረንሳ ዓየኹ
ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ፈረንሳይኛን ጀርመንኛን ላቲንን ተማሂረ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ካብ ሰለስቲኡ ግና፡ ፈረንሳይኛ እዩ ዜሸግረኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ናብ ፓሪስ ከይደ ነቲ ኣብ ፈረንሳ ዚርከብ ቤት-ኤል ክሕግዝ ምስ ተሓተትኩ፡ እተሓዋወሰ ስምዒት እዩ ተሰሚዑኒ። ኣብኡ ምስቲ ኦንሪ ጀጄ ዝስሙ ኣገልጋሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ቕቡእ ሓው ናይ ምዕያይ ፍሉይ መሰል ረኺበ ነበርኩ። ዕዮይ ቀሊል ኣይነበረን፡ ብዙሕ ሳዕ ከም እተጋገኹ እውን ዜተሓታትት ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግና፡ ምስ ሰባት ብኸመይ ክሳነ ኸም ዘሎኒ ብዙሕ እየ ተማሂረ።
ብ1951 ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ እቲ ውግእ እተገብረ ናይ መጀመርታ ኣህጉራዊ ኣኼባ፡ ኣብ ፓሪስ ተገብረ፣ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣኼባ ኣብ ምውዳብ እዓዪ ነበርኩ። ሌዮፖል ዦንቴ ዝስሙ መንእሰይ ገያሺ ሓላዊ ድማ፡ ንኺሕግዘኒ ናብ ቤት-ኤል መጸ። ሌዮፖል ጸኒሑ ሓላው ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰነ። እቲ ኣኼባ ኣብ ጥቓ ኤፌል ታወር ኣብ ስፓሌ ደ ስፖር እዩ ተኻይዱ። ካብ 28 ሃገራት ድማ ኣኼበኛታት መጹ። ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ እቶም 6,000 ዝዀኑ ፈረንሳውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ 10,456 ዝዀኑ ተኣከብቲ ምስ ረኣዩ፡ ኣዝዮም ተሓጐሱ።
ናብ ፈረንሳ ኣብ ዝመጻእኩሉ እዋን፡ ፈረንሳይኛ ብዙሕ ኣይክእልን እየ ነይረ። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኸኣ፡ ነቲ ኽብሎ ዝደለኹ ብዙሕ ምስ ሓሰብኩሉ እየ ዝዛረቦ ነይረ። ኰይኑ ግና፡ ክትጋገ ኸለኻ እዮም ሰባት ዚእርሙኻ፣ ከምኡ እንተ ዘይጌርካ ኸኣ ዕቤት ኣይትገብርን ኢኻ።
ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ፡ ኣብ ሓደ ንወጻእተኛታት ፈረሳይኛ ዚምህር ቤት ትምህርቲ ተመዝገብኩ። ኣብቲ ኣኼባ ዘይብሉ ምሸት ከኣ እመሃር ነበርኩ። ድሕሪኡ፡ ንፈረንሳይኛ ብዝያዳ እናፈተኽዎ መጻእኩ። እዚ ኸኣ ንኽእለተይ ኣብ ጥቕሚ ንኸውዕሎ ኣጋጣሚ ኸፈተለይ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፈረንሳ፡ ኣብ ዕዮ ትርጕም ክሕግዝ ክኢለ እየ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣነ ንባዕለይ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ፈረንሳይኛ ኽትርጕም ጀመርኩ። ነቲ በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዚዳሎ ብሉጽ መንፈሳዊ ምግቢ፡ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ፈረንሳይኛ ዚዛረቡ ኣሕዋት ክትርጕመሎም ምኽኣለይ፡ ከም ፍሉይ መሰል ገይረ እየ ዝርእዮ።—ማቴ. 24:45-47።
ሓዳርን ተወሳኺ ሓላፍነታትን
ብ1956 ነታ ኤስተር ዝስማ ቕድሚ እተወሰነ ዓመታት እተፋለጥክዋ ስዊዘርላንዳዊት ፈላሚት ተመርዓኽዋ። ኣብቲ ኣብ ጥቓ ለንደን ቤት-ኤል (እቲ ቐደም ለንደን ታበርናክል ዚብሃል ዝነበረ ኣደይ እተጠመቐትሉ ቦታ) ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኢና ተመርዒና። ነቲ ናይ መርዓና መደረ ዘቕረቦ፡ ሓው ህዩዝ እዩ ነይሩ። እታ ሰማያዊ ተስፋ ዝነበራ ኣደ ኤስተር እውን መጺኣ ነበረት። እቲ ዝገበርክዎ ሓዳር፡ ፍቕርትን እምንትን ብጸይቲ ኸም ዝረክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስታ ንፍዕትን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዝነበራን ሓማተይ እውን ፍሉይ ምሕዝነት ከም ዝምስርት ገይሩኒ እዩ፣ ኣደ ኤስተር ብ2000 ምድራዊ ህይወታ ዛዘመት።
ድሕሪ መርዓና፡ ኣነን ኤስተርን ካብ ቤት-ኤል ወጺእና ኽንነብር ጀመርና። ኣነ ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ክፍሊ ትርጕም እዓዪ ነበርኩ፣ ኤስተር ከኣ ኣብ ከባቢ ፓሪስ፡ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ነበረት። ንብዙሓት ሰባት ድማ ኣገልገልቲ የሆዋ ንኪዀኑ ሓጊዛቶም እያ። ብ1964 ኣብ ቤት-ኤል ከነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ድሕሪኡ፡ ብ1976 ንፈለማ እዋን ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምስ ተመስረተ፡ ኣባል እቲ ኮሚተ ዀይነ ተሸምኩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ፍቕራዊ ሓገዝ ኤስተር ፈጺሙ ኣይተፈልየንን።
“ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን”
ብተደጋጋሚ ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ምኻድ ኣጋጣሚ ረኺበ ነበርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ካብ እተፈላለዩ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ጽቡቕ ምኽሪ ተዋሂቡኒ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ንሓው ኖር፡ ብዛዕባ ቐልጢፉ ኺውዳእ ዘለዎ ዕዮ እተሰምዓኒ ሻቕሎት ምስ ገለጽኩሉ፡ ፍሽኽ ኢሉ፡ “ኣይትጨነቕ። ስራሕካ ጥራይ ቀጽል” በለኒ። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ፡ ስራሕ ኪበዝሓኒ ኸሎ፡ ኣብ ክንዲ ዝጭነቅ፡ ነቲ ስራሕ በብሓደ ኽሰርሖ እጅምር፣ መብዛሕትኡ እዋን ድማ ኣብ እዋኑ እዩ ዚዛዘም።
የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን” ኢልዎም ነበረ። (ማቴ. 26:11) እቶም ኣባላት ካልኦት ኣባጊዕ ዘበልና እውን፡ ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ኵሉ ግዜ ምሳና ኣብ ምድሪ ኸም ዘይነብሩ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ምስ ብዙሓት ቅቡኣት ንልዕሊ 70 ዓመት ክሓብር፡ ወይ ከኣ ዘፈር ክዳን ኣይሁዳዊ ኽሕዝ ምኽኣለይ፡ ከም መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽቡር መሰል ገይረ እየ ዝቘጽሮ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ እታ “ዮናዳብ” እትብል ቃል ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 83፡ 165፡ 166 ከምኡውን ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1998 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 12-13፡ ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሓው ኖር ፍሽኽ ኢሉ፡ “ኣይትጨነቕ። ስራሕካ ጥራይ ቀጽል” በለኒ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
(ጸጋም) ኣደይን ኣቦይን
(የማን) ብ1948 ነቲ ኣደይ ዘምጽኣትለይ ዜምውቕ ካቦት ተኸዲነ ኣብ ጊልዓድ ከለኹ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ብ1997 ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፈረንሳ ኣብ እተወፈየሉ እዋን፡ ንሓው ሎይድ ባሪ ኽትርጕመሉ ኸለኹ
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
(ጸጋም) ምስ ኤስተር ኣብ መዓልቲ መርዓና
(የማን) ኣብ ዕዮ ምስክርነት ብሓባር ክንዓዪ ኸለና