ተራ መጽሓፍ ድዩ፧
“እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ . . . ይጠቅም እዩ።” —2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17።
ገሊኦም ሰባት ነዚ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ሓሳብ ኣይሰማምዑሉን እዮም። ንስኻኸ ትሰማምዓሉዶ፧ ካብዚ ዚስዕብ ሓሳባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ዚገልጾ ኣየናይ እዩ፧
• ብስነ ጽሑፋዊ መዳይ ብሉጽ ጽሑፍ
• ሓደ ኻብቲ ሰባት ከም ቅዱስ ገይሮም ዚርእይዎ ጽሑፋት
• ስነ ምግባራዊ ትምህርትታት ዝሓዘ መጽሓፍ ኣፈ ታሪኽ
• ቃል ኣምላኽ
ምስዚ ተተሓሒዙ ዚለዓል ካልእ ሕቶ እውን ኣሎ፣ ንሱ ኸኣ፡ ‘እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እትኣምነሉ ነገራት የገድስ ድዩ፧’ ዚብል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” ይብል እዩ። (ሮሜ 15:4) ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ፡ ንኺመርሓናን ንኼጸናንዓናን ተስፋ ንኺህበናን ከም እተጻሕፈ እዩ ዚሕብር።
ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሉጽ ስነ ጽሑፍ ወይ ከኣ ሓደ ኻብቲ ሰባት ከም ቅዱስ ገይሮም ዚርእይዎ ጽሑፋት ጥራይ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እሞ ኸኣ መልእኽቱ ኻብቲ ንስኻ ቕኑዕ ኢልካ እትሓስቦ እተፈልየ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ኪመርሓኩም ምፈቐድካዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣፈ ታሪኽ መጽሓፍ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ በቲ ኣብኡ ዚርከብ መብጽዓ፡ ምጽንናዕን ተስፋን ምረኸብካዶ፧
ብኣንጻሩ ግና፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕዎ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ይኣምኑ እዮም። ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ እተፈልየ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት ዚርከብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዚገብሮ ሓሙሽተ ነጥብታት ክትምርምሮ ንዕድመካ።