ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/6 ገጽ 12-13
  • የሆዋ ኣዒንተይ ከፊቱለይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ኣዒንተይ ከፊቱለይ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኪንሻሳ ዘሕለፍክዎ ህይወት
  • ኣብ ህይወተይ እንደገና ሓጐስ ረኸብኩ
  • የሆዋ “ኣዒንቲ” ሂቡኒ
  • ሕጂ ንኻልኦት ክሕግዝ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ከይረኣኻ ምንባር
    ንቕሑ!—2015
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ሸሞንተ ቘልዑ ብመገድታት የሆዋ ምዕባይ ኣጸጋምን ዜሐጕስን እዩ ነይሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/6 ገጽ 12-13

የሆዋ ኣዒንተይ ከፊቱለይ

ፓትሪስ ኦየካ ዘዘንተዎ

ኣጋ ምሸት እዩ ነይሩ። ኣመና ስለ ዝጸመወኒ፡ ረድዮ ኽሰምዕ ወዓልኩ፣ ብጭንቀት ስለ እተወሓጥኩ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ኸርፋሕ ህይወት ዘሕልፍ፡ ርእሰይ ክቐትል ሓሰብኩ። ኣብ ብርጭቆ ማይ፡ መርዚ ገይረ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ሰደቓ ኣቐመጥክዎ። ነቲ መርዚ ቕድሚ ምስታየይ ንመወዳእታ እዋን ነብሰይ ክሕጸብን ጽቡቕ ክዳን ክኽደንን ደለኹ። ስለምንታይ እየ ግና ርእሰይ ክቐትል ደልየ፧ ብህይወት ተሪፈ ነዚ ታሪኽ እዚ ኸዘንቱ ዝኸኣልኩኸ ብኸመይ እየ፧

ብ2 ለካቲት 1958 ኣብታ ካሳይ ኦሪየንታል እትብሃል ኣውራጃ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እየ ተወሊደ። ገና ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከለኹ እዩ ኣቦይ ሞይቱ፣ ምዕባየይ ሓወይ ከኣ ይኣልየኒ ነበረ።

ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ሕርሻ ተኽሊ ጎማ ስራሕ ረኸብኩ። ብ1989 ሓደ ንግሆ ኣብ ቤት ጽሕፈተይ ኰይነ ጸብጻብ ከዳሉ ኸለኹ፡ ብሃንደበት ኵሉ ነገር ጸልመተኒ። ኣብ ፈለማ፡ መብራህቲ ዝጠፍአ መሰለኒ፣ ኰይኑ ግና፡ ግዜኡ ንግሆ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ድምጺ ጀነሬተር እውን እሰምዕ ነበርኩ። ዝዀነ ይኹን ነገር፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ወረቓቕቲ እውን ክርእዮ ብዘይምኽኣለይ ኣዝየ ሰምበድኩ።

ብኡብኡ ንሓደ ሰራሕተኛ ጸዊዐ፡ ናብ ክሊኒክ ኪወስደኒ ሓተትክዎ። ኣብቲ ክሊኒክ ዝረኸብክዎ ሓኪም ከኣ፡ ኣብታ ኸተማ ናብ ዚርከብ ክኢላ ሓኪም ክኸይድ ነገረኒ። እቲ ሓኪም፡ ረቲናይ ከም እተቐድደን ኵነታተይ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ኸም ዝበጽሐን ምስ ረኣየ፡ ናብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ኪንሻሳ ኸይደ ኽሕከም ለኣኸኒ።

ኣብ ኪንሻሳ ዘሕለፍክዎ ህይወት

ኣብ ኪንሻሳ ንብዙሓት ክኢላታት ዓይኒ እኳ እንተ ኣማኸርኩ፡ ኪሕግዘኒ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን። ኣብ ሆስፒታል ን43 መዓልቲ ምስ ጸናሕኩ፡ እቶም ሓካይም፡ ዕዉር ኰይነ ኸም ዝተርፍ ነገሩኒ። ድሕሪኡ፡ ኣባላት ስድራ ቤተይ ብተኣምራዊ መገዲ ኽሓዊ ኢሎም ናብ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን እኳ እንተ ወሰዱኒ፡ ጻዕሮም ከንቱ ዀይኑ ተረፈ።

ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣነ እውን ተስፋ ቘረጽኩ። ህይወተይ ጸልመተ። ናይ ምርኣይ ክእለተይን ስራሐይን ሰኣንኩ። ሰበይተይ እውን እንተ ዀነት፡ ንዅሉ ዘጥረናዮ ንብረት ሒዛ ራሕሪሓትኒ ኸደት። ካብ ቤት ምውጻእ ኰነ ምስ ካልኦት ሰባት ምሕባር የሕፍረኒ ነበረ። ርእሰይ ካብ ካልኦት ክፈልን ኣብ ቤት ክውዕልን ድማ ጀመርኩ። ብሕቱው እየ ነይረ፣ ዘይረብሕ ኰይኑ ኸኣ ይስምዓኒ ነበረ።

ክልተ ሳዕ ርእሰይ ክቐትል ፈተንኩ። እቲ ኻልኣይ ሳዕ ዝገበርክዎ ፈተነ፡ እቲ ኣብ መእተዊ ተገሊጹ ዘሎ እዩ። ሓደ ኣባል ስድራ ቤትና ዝዀነ ንእሽቶ ቘልዓ እዩ ኣድሒኑኒ። ኣነ ነብሰይ ክሕጸብ ከለኹ፡ ከይፈለጠ ነቲ ብርጭቆ ወሲዱ ኣፍሰሶ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ኣይሰተዮን። ይኹን እምበር፡ ነታ ብርጭቆ ኽረኽባ ብዘይምኽኣለይ ሓዘንኩ። ድሕሪኡ፡ ንኣባላት ስድራ ቤተይ፡ ነታ ብርጭቆ ንምንታይ እደልያ ኸም ዝነበርኩን እንታይ ክገብር ሓሲበ ኸም ዝነበርኩን ነገርክዎም።

ንኣምላኽን ንስድራ ቤተይን፡ ስለ እተኸናኸኑኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖም። በዚ ኸምዚ፡ ርእሰይ ክቐትል ዝነበረኒ መደብ ፈሸለ።

ኣብ ህይወተይ እንደገና ሓጐስ ረኸብኩ

ብ1992 ሓደ ሰንበት፡ ኣብ ገዛ ዀይነ ሽጋራ ኸትክኽ ከለኹ፡ ክልተ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚኸዱ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ መጹ። ዓይነ ስዉር ምዃነይ ምስ ፈለጡ፡ ነታ፡ “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን” እትብል ኢሳይያስ 35:5 ኣንበቡለይ። ነተን ቃላት ምስ ሰማዕክወን፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከምተን ኣቐዲመ ዝኸደን ዝነበርኩ ኣብያተ ክርስትያን፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዜሕውዩኒ ኣይነገሩንን። የግዳስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እንተ ተማሂረ፡ ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም እንደገና ኣዒንተይ ከም ዚኽፈታ ገለጹለይ። (ዮሃንስ 17:3) ብኡብኡ በታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ዘርእስታ መጽሓፍ ገይረ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ። ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክእከብን ኣብ ህይወተይ ለውጢ ኽገብርን ጀመርኩ። ሽጋራ ምትካኽ እውን ኣቋረጽክዎ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ዝነበረኒ ዑረት፡ መንፈሳዊ ዕቤት ንኸይገብር ዕንቅፋት ኰነኒ። ስለዚ፡ ናብ ሓደ ንዕዉራን ተባሂሉ እተኸፍተ ትካል ከይደ፡ ብኸመይ ኣብ ብረይል ክጽሕፍን ካብኡ ኸንብብን ከም ዝኽእል ተመሃርኩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣገልገልቲ ዚወሃብ ስልጠና ኽካፈል ከኣልኩ። ብዙሕ ከይጸናሕኩ እውን፡ ንጐረባብተይ ክሰብከሎም ጀመርኩ። ሕጉስ ድማ ኰንኩ። ቀጻሊ ዕቤት ብምግባር፡ ርእሰይ ንየሆዋ ወፈኹ። ብ7 ግንቦት 1994 ከኣ ተጠመቕኩ።

ንየሆዋን ንህዝቡን ዘላትኒ ፍቕሪ እናዓበየት ምስ ከደት፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክጅምር ደለኹ። ካብ 1 ታሕሳስ 1995 ኣትሒዘ ድማ፡ ስሩዕ ፈላሚ ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ አገልግል ኣለኹ። ካብ ለካቲት 2004 ንነጀው ከኣ፡ ኣብ ጉባኤና ሽማግለ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ረኸብኩ። ሓድሓደ ግዜ እውን፡ ኣብ ካልኦት ጉባኤታት መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ከቕርብ ዕድመ ይቐርበለይ እዩ። እዚ ዅሉ በረኸት፡ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰኒ፣ ዝዀነ ይኹን ስንክልና ነቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ንኸነገልግሎ ዘሎና ባህጊ ንኸይንፍጽም ኪዓግተና ኸም ዘይክእል ንኽዝክር ድማ ይሕግዘኒ እዩ።

የሆዋ “ኣዒንቲ” ሂቡኒ

ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ፡ ሰበይተይ ዓይነ ስዉር ምስ ኰንኩ ራሕሪሓትኒ እኳ እንተ ኸደት፡ የሆዋ ግና ብዝያዳ ባሪኹኒ እዩ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ኣዒንቲ ሂቡኒ እዩ። ኣኒ ማቫምቡ፡ ስንኩል ክነሰይ ተመርዓወትኒ፣ ኣዒንቲ ኸኣ ኰነትኒ። ኣኒ ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺት ስለ ዝዀነት፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ተሰንየኒ እያ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዘቕርቦ መደረ እተወስደሉ ጽሑፋት ተንብበለይ እሞ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ብረይል እጽሕፎ። ንዓኣ ብምርካበይ ተባሪኸ እየ። ሳላኣ ንሓቅነት እተን ኣብ ምሳሌ 19:14 ዚርከባ፡ “ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስ፡ ለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ” ዚብላ ቓላት ርእየየን እየ።

የሆዋ ንዓይን ንኣኒን፡ ክልተ ውሉዳት፡ ማለት ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ብምሃብ ባሪኹና እዩ። ኣብ ገነት ገጾም ክርእዮም ከኣ ሃረር እብል እየ። እቲ ኣብ ቤቱ ኽነብር ብሕያውነት ዝፈቐደለይ ምዕባየይ ሓወይ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐቢሉ ምጥማቑ እውን ካልእ በረኸት እዩ። ኵልና ኸኣ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ኢና እንእከብ።

ስንኩል እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣምላኽ ብዙሕ ስለ ዝባረኸኒ፡ ንዕኡ ብዝያዳ ኸገልግሎ እየ ዝምነ። (ሚልክያስ 3:10) መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእን ንዅሉ መከራ ኻብ ምድሪ ኸተወግዶን በብመዓልቱ እየ ዝጽሊ። ንየሆዋ ስለ ዝፈለጥክዎ፡ ኣፈይ መሊአ፡ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ክብል እኽእል እየ።—ምሳሌ 10:22።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

መደረ ከቕርብ ከለኹ፣ ምስ ስድራ ቤተይን ምስ ሓወይን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ