ካብ ኣይርላንድ እተላእከት ደብዳበ
ቅድሚ ሕጂ ኻብ ዝወሰድክዎ እቲ ዝበለጸ ዕረፍቲ
ወለደይ፡ “ብዛዕባ ፈተና ኣመና ምእንቲ ኸይትጭነቒ፡ ናብታ ኣብ ኣይርላንድ እትነብር ጓል ኣሞኽን ናብ ሰብኣያን ንኺድ፣ ብእኡ ኣቢልና ኸኣ ነቶም ሳሕቲ ጥራይ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰምዑ ሰባት ንሰብከሎም” በሉኒ።
ኣብ ፈለማ፡ እቲ ሓሳብ ኣይተዋሕጠለይን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ፈተና ዘሕደረለይ ጭንቀት፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ወጺአ ወይ ብነፋሪት ተጓዒዘ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ነቲ ኣብ ከባቢ ለንደን ዚርከብ ሃትሃታ ዝበዝሖ ኸባቢ ዝለመድኩ ጓል 17 ዓመት ጐርዞ፡ ከመይ ገይረ እየ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣይርላንድ ዚርከብ ህድእ ዝበለ ህይወት ክኽእሎ፧
ኰይኑ ግና፡ ዜጨንቕ ነገር ኣይነበረንን። እታ እተጐዓዝናላ ነፋሪት ካብ እትዓልብ ኣትሒዙ፡ ንኣየርላንድ ኣዝየ ፈተኽዋ። ይኹን እምበር፡ ኣንጊህና ብማኪና ጕዕዞና ስለ ዝጀመርና፡ ኣብ መገዲ እታኸስ ነበርኩ። በቲ ብየማነ ጸጋም ሓጹር እምኒ ዝነበሮ ጸቢብ መገዲ ኽንከይድ ከለና ድማ፡ ሓሓሊፈ ነቲ ሓባጥ ጐባጥ ግናኸ ምልኩዕ ገጠር እርእዮ ነበርኩ።
ኣብታ ናይ መጀመርታ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ስኪባረን በጻሕና፣ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ናብ ኣይርላንድ ምስ ዝገዓዙ ባህ ዜብሉ ስድራ ቤት ድማ፡ ብመንፈስ ዚሃንጽን ዜሐጕስን ምሸት ኣሕለፍና። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸወታ ኸኣ ተጻወትና። ነፍሲ ወከፍና፡ ካብ ሓደ ቦርሳ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዚርከብ ሰብ ስም እተጻሕፎ ወረቐት ኣውጺእና፡ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ጥራይ ነቶም ተዓዘብቲ ነርእዮም። እቶም ተዓዘብቲ ድማ፡ መን ምዃኑ ይግምቱ።
ንጽብሒቱ፡ ኣነን ወለደይን ምንኣሰይ ሓወይን ደቂ ኣሞይን ካልእ ስድራ ቤትን፡ ብጃልባ ጌርና ናብ ሓንቲ 30 ተቐማጦ ጥራይ ዘለውዋ ኤር እትብሃል ንእሽቶ ደሴት ከድና። የሱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ ከም ዘለዎ ስለ ዝገለጸ፡ ነቶም ሕያዎትን ተቐበልቲ ጋሻን ዝዀኑ ተቐማጦ እታ ደሴት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ከነካፍሎም ወዓልና፣ በቲ ባህ ዜብልን ዜደንቕን ኣቀማምጣ እቲ ቦታ እውን ከይተገረምና ኣይተረፍናን።
ጸሓይ ኣብ ደበና ዘይብሉ ሰማይ ደሚቓ ትርአ ነበረት። ኣብቲ ኸባቢ፡ ብጫ ዝሕብሩ ናይ ኮኮናት ሽታ ዘለዎ ቘጥቋጥ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣየር፡ ባህ ዜብልን ጥዑምን እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ግዜ ጽድያ ዚበቍል ዕምባባታት ከኣ፡ ነቲ ዓዘቕቲ ዘለዎ ማእከላይ ክፋል እታ ደሴት ከም ምንጻፍ ሸፊንዎ ነበረ። ካብቲ ኣብ ልሳን ባሕሪ ዚርከብ ብሑጻ እተሸፈነ ቦታ ናብቲ ሓሓትን ጋነት እትብሃል ዑፍን ምስ ጨቓዊተን ዚርከባሉ ኣኻውሕ ዚበዝሖ ጸድፍታት ዚወስድ መገዲ ኣሎ። ብርሑቕ ድማ፡ ሮሪንግዋተር በይ ዚብሃላ ሰብ ዘይነብረለን ብዙሓት ንኣሽቱ ደሴታት ረኣና። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፍጥረት የሆዋ ዘሎ ስኒት ከም እነማስወሉ ገበረና።
ኣባላት እታ ኣብ ስኪባረን ዘላ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ተመሓዘኹ፣ ቅድሚኡ ገይረዮ ዘይፈልጥ ነገራት ከኣ ክገብር ፈተንኩ። ልዕሊ ዅሉ ዘሐጐሰኒ፡ ካያክ ብእትብሃል ጃልባ ክኸይድ ምኽኣለይ እዩ። ብካያክ ጌርካ ንገማግም ኣይርላንድ ምርኣይ፡ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕስ። ንድራር ዚዀኑና ዓሳ ኽንገፍፍ እኳ እንተ ሓሰብና፡ ሲል ዚብሃሉ ዓይነት እንስሳ ባሕሪ ቐደሙና። ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚጽወት ናይ ገዛእ ርእስና ጸወታ መሃዝና፣ ባህላዊ ሳዕስዒት ኣይርላንድ እውን ክስዕስዕ ፈተንኩ።
ብዛዕባ ከተማ ስኪበሪን ሓድሓደ ነገራት ክንፈልጥ እውን ፈቲንና ኢና። ብ1840ታት ኣብ ኣይርላንድ ዝነበረ ምህርቲ ድንሽ ምስ ተበላሸወ፡ ከተማ ስኪበሪንን ከባቢኣን፡ ካብተን ከቢድ ጕድኣት ዝወረደን እየን ነይረን። ኣሽሓት ዚዀኑ ብጥሜት ተሳቐዩ፣ ኣስታት 9,000 ዚዀኑ ግዳያት ድማ፡ ኣብ ሓደ ጋህሲ ተቐብሩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጥሜት ከም ዘይህሉን ብዙሓት ብዜሕዝን መገዲ ዝሞቱ ሰባት ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኸም ዚትንስኡን ብምፍላጥና ኣዚና ተጸናናዕና።
ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና፡ ነቶም ኣብቲ ሰፊሕ ክሊ እታ ጉባኤ ዚርከቡ፡ ሳሕቲ ጥራይ ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰምዑ ሰባት በጻሕናዮም። በቲ ጸቢብን ዓቐበት ዝመልኦን መገዲ ጌርና፡ ናብተን ኣብ ፊት ንፊት ባሕሪ ኣይርላንድ ኣብ ጫፍ ጸድፊ ዚርከባ ኣባይቲ ብማኪና ኸድና። እቶም ተቐማጦ ድማ ብሕያውነት ተቐበሉና። ከምቲ ኣብ ደሴት ኤር ዝገበርናዮ ድማ፡ ነቶም ነበርቲ፡ ንዕረፍቲ ኸም ዝመጻእናን ንሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ባህ ዜብል መልእኽቲ ነካፍሎም ከም ዘለናን ነገርናዮም።
ኣደይ ንሓንቲ ሰበይቲ ኣዘራረበታ፣ እታ ሰበይቲ ድማ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ወሰደት። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እንደገና ምስ ተራኸብና፡ ነተን መጽሔታት ከም ዘንበበተን ነገረትና።
“በጃኽን ካልእ መጽሔታት ሒዝክናለይ ምጻ” ኢላ ድማ ለመነትና። ንሕና ድማ፡ ናብ ዓድና ኸም እንምለስ፡ ግናኸ እንደገና ዚበጽሓ ሰብ ከም እንልእከላ ነገርናያ።
እታ ሰበይቲ ንኣደይ፡ “በሊ ኽትመጺ ኸለኺ፡ ንዓይ እውን ብጽሕኒ። ኣይርላንዳውያን ኣይጋግዩን እዮም” በለታ።
ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዕረፍቲ፡ ምስ ኣባላት እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና ኣብ ገምገም ባሕሪ ወዓልና። በቲ ብባሕሪ እናተደፍአ ዝመጸ ዕንጨይቲ ጌርና ሓዊ ብምእጓድ፡ በቲ ሓቒቕ ዚመስል ባሕሪ ተደፊኦም ዝመጹ ማስልስ ዚብሃሉ ኣረነ ባሕሪ ጠቢስና በላዕና። ነዚ ኣዝየ እየ ፈትየዮ።
ኣብ ኣይርላንድ ዘሕለፍክዎ ሰሙን፡ ቅድሚ ሕጂ ኻብ ዝወሰድክዎ እቲ ዝበለጸ ዕረፍቲ እዩ ነይሩ። ባህ ዜብል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዜዕግብ እውን እዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ፡ ንየሆዋ ዜሐጕስን ንዕኡ ዚውድስን ግዜ እየ ኣሕሊፈ። ንኣምላኽና ምግልጋል የሐጕሰኒ እዩ፣ ከምኡ ዚስምዖምን ኣብ ጐድንኻ ዚዓይዩን ፈተውትን ስድራ ቤትን እንተ ኣልዮምኻ ድማ፡ ብዝያዳ ዜሐጕስ እዩ ዚኸውን። ናብ ቤት ምስ ተመለስኩ፡ ብዙሓት ፈቃራትን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ፈተውቲ ስለ ዝሃበኒ፡ ንሓዋሩ ዘይርስዖ ዜሐጕስ ግዜ ዕረፍቲ ኸኣ ኸሕልፍ ብምኽኣለይ ንየሆዋ ኣመስገንክዎ።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
An Post, Ireland