ንመንእሰያት
በደል ዚጸልእ ኣምላኽ
መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ተዓዛቢ ኸም ዝዀንካ ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ገጸ ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።
ቀንዲ ገጸ ባህርያት፦ ኣከኣብን ኢዛቤልን ናቦትን ኤልያስን
ጽማቝ፦ ንጉስ ኣከኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ምእንቲ ኺረክብ፡ ብኢዛቤል ተደሪኹ ሰብ ቀተለ።
1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—1 ነገስት 21:1-26 ኣንብብ።
እቶም ኣብዛ ጸብጻብ እዚኣ እተጠቕሱ ኣርባዕተ ገጸ ባህርያት፡ እንታይ ይመስሉ ዝነበሩ ይመስለካ፧
ኣከኣብ _______
ኢዛቤል _______
ናቦት _______
ኤልያስ _______
እቲ ኣብ ፍቕዲ 5-7 ተገሊጹ ዘሎ ዝርርብ ኢዛቤልን ኣከኣብን፡ እንታይ ቃና ዝነበሮ ይመስለካ፧
_______
እቲ ኣብ ፍቕዲ 13 ተሓቢሩ ዘሎ ዕግርግር እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ግለጽ።
_______
ከምቲ ኣብ ፍቕዲ 20-26 ተገሊጹ ዘሎ፡ ኤልያስን ኣከኣብን ምስ ተራኸቡ፡ ኣብ ድምጾም እንታይ ስምዒት ዚንጸባረቕ ዝነበረ ይመስለካ፧
_______
2 ዝያዳ ምርምር ግበር።
ኢዛቤል ኣብ ፍቕዲ 7ን 25ን እንታይ ዓይነት ባህርይ (ባህርያት) እያ ኣንጸባሪቓ፧
․․․․․
ኣከኣብ ኣብ ፍቕዲ 4 እንታይ ባህርይ (ባህርያት) እዩ ኣንጸባሪቑ፧
․․․․․
ኣከኣብ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ንምውሳድ፡ ንመን እውን እዩ ኪቐትል ነይርዎ፧ (2 ነገስት 9:24-26 ኣንብብ።)
_______
ኣከኣብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እንታይ ዓይነት ሰብኣይ እዩ ነይሩ፧ (ፍቕዲ 25ን 26ን እንደገና ኣንብብ። 1 ነገስት 16:30-33 እውን ርአ።)
_______
3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦
የሆዋ ንበደል ከም ዜስተብህለሉ።
_______
የሆዋ ነቶም እተበደሉ ኸም ዚሓልየሎም።
_______
የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍትሒ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዘርኣየ። (ዘዳግም 32:4 ኣንብብ።)
_______
4 ተወሳኺ ኣወዓዕላ።
ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት፡ ከም ናይ ኢዛቤል ዓይነት መንፈስ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧ (ራእይ 2:18-21 ኣንብብ።)
_______
ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢኻ ልክዕ ከም ኤልያስ ትብዓት ከተርኢ እትኽእል፧
_______
በደል ኬጋጥም ክትርኢ ኸለኻ ወይ ክትብደል ከለኻ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧
_______
5 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧
_______
ሓሳብ፦ ነቲ ዛንታ ናብ ዜና ቐይሮ። ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ጸብጻብ ሃብ፣ ነቶም ቀንዲ ገጸ ባህርያትን ነቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ብሓሳብካ ቓለ መጠይቕ ግበረሎም።
www.pr418.com
ክትርኢ ትኽእል ኢኻ
ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከተራግፋ ወይ ክትሓትማ ትኽእል ኢኻ