ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/7 ገጽ 30-31
  • በደል ዚጸልእ ኣምላኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በደል ዚጸልእ ኣምላኽ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/7 ገጽ 30-31

ንመንእሰያት

በደል ዚጸልእ ኣምላኽ

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ተዓዛቢ ኸም ዝዀንካ ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ገጸ ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ ባህርያት፦ ኣከኣብን ኢዛቤልን ናቦትን ኤልያስን

ጽማቝ፦ ንጉስ ኣከኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ምእንቲ ኺረክብ፡ ብኢዛቤል ተደሪኹ ሰብ ቀተለ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—1 ነገስት 21:1-26 ኣንብብ።

እቶም ኣብዛ ጸብጻብ እዚኣ እተጠቕሱ ኣርባዕተ ገጸ ባህርያት፡ እንታይ ይመስሉ ዝነበሩ ይመስለካ፧

ኣከኣብ _______

ኢዛቤል _______

ናቦት _______

ኤልያስ _______

እቲ ኣብ ፍቕዲ 5-7 ተገሊጹ ዘሎ ዝርርብ ኢዛቤልን ኣከኣብን፡ እንታይ ቃና ዝነበሮ ይመስለካ፧

_______

እቲ ኣብ ፍቕዲ 13 ተሓቢሩ ዘሎ ዕግርግር እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ግለጽ።

_______

ከምቲ ኣብ ፍቕዲ 20-26 ተገሊጹ ዘሎ፡ ኤልያስን ኣከኣብን ምስ ተራኸቡ፡ ኣብ ድምጾም እንታይ ስምዒት ዚንጸባረቕ ዝነበረ ይመስለካ፧

_______

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

ኢዛቤል ኣብ ፍቕዲ 7ን 25ን እንታይ ዓይነት ባህርይ (ባህርያት) እያ ኣንጸባሪቓ፧

․․․․․

ኣከኣብ ኣብ ፍቕዲ 4 እንታይ ባህርይ (ባህርያት) እዩ ኣንጸባሪቑ፧

․․․․․

ኣከኣብ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ንምውሳድ፡ ንመን እውን እዩ ኪቐትል ነይርዎ፧ (2 ነገስት 9:24-26 ኣንብብ።)

_______

ኣከኣብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እንታይ ዓይነት ሰብኣይ እዩ ነይሩ፧ (ፍቕዲ 25ን 26ን እንደገና ኣንብብ። 1 ነገስት 16:30-33 እውን ርአ።)

_______

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

የሆዋ ንበደል ከም ዜስተብህለሉ።

_______

የሆዋ ነቶም እተበደሉ ኸም ዚሓልየሎም።

_______

የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍትሒ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዘርኣየ። (ዘዳግም 32:4 ኣንብብ።)

_______

4 ተወሳኺ ኣወዓዕላ።

ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት፡ ከም ናይ ኢዛቤል ዓይነት መንፈስ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧ (ራእይ 2:18-21 ኣንብብ።)

_______

ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢኻ ልክዕ ከም ኤልያስ ትብዓት ከተርኢ እትኽእል፧

_______

በደል ኬጋጥም ክትርኢ ኸለኻ ወይ ክትብደል ከለኻ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧

_______

5 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

_______

ሓሳብ፦ ነቲ ዛንታ ናብ ዜና ቐይሮ። ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ጸብጻብ ሃብ፣ ነቶም ቀንዲ ገጸ ባህርያትን ነቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ብሓሳብካ ቓለ መጠይቕ ግበረሎም።

www.pr418.com

ክትርኢ ትኽእል ኢኻ

ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከተራግፋ ወይ ክትሓትማ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ