ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/7 ገጽ 22-26
  • “ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ “ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ”
  • ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ዘክሮ
  • ንንጹህ ኣምልኾ ኣማስወሉ
  • ብኣምላኽ ተኣማመን
  • ‘ዎ የሆዋ፡ መገድኻ ምሃረኒ’
  • እምነትን ተስፋን የድልያ
  • ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ እንተ ኣሕዲርና፡ ተኣማሚንና ንነብር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ “መናገፊ” ነይሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ጥበበኛ ኹን—ንኣምላኽ ፍርሃዮ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/7 ገጽ 22-26

“ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧”

“ኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር፡ . . . እምነት አሎኒ።”​—መዝ. 27:3።

ብመሰረት እዘን ዚስዕባ ጥቕስታት፡ ትብዓት ንኸተጥሪ ኺሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

መዝሙር 27:1

መዝሙር 27:4

መዝሙር 27:11

1. መዝሙር 27 እንታይ ክንርዳእ እያ እትሕግዘና፧

ኵነታት ዓለም እናኸፍአ እኳ ይኸይድ እንተሎ፡ ዕዮ ስብከትና እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ንብዙሓት ሰባት ዝጸለወ ቝጠባዊ ጸገማት እናሃለወ፡ ግዜናን ጕልበትናን ብኸምኡ እንውፊ ስለምንታይ ኢና፧ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ዚመጽእ ይፈርሁ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሕና ግና ክንተብዕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቲ ኣብ መዝሙር 27 ተመዝጊቡ ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ መዝሙር ዳዊት፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ይምልሰልና እዩ።

2. ስምባድ ንሓደ ሰብ እንታይ እዩ ዚገብሮ፧ ንሕና ግና እንታይ እምንቶ ኣሎና፧

2 ዳዊት ነዛ መዝሙር እዚኣ፡ “እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፡ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፧ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፡ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧” ብምባል ይጅምራ። (መዝ. 27:1) ስምባድ ንሓደ ሰብ የልምሶ እዩ። ንየሆዋ ዚፈርህ ሰብ ግና ኣይስምብድን እዩ። (1 ጴጥ. 3:14) ንየሆዋ ዕርድና እንተ ጌርናዮ፡ ‘ብደሓን ክንነብር፡ ንኽፉእ ከይፈራህና ኸኣ ክንሃድእ ኢና።’ (ምሳ. 1:33፣ 3:25) ስለምንታይ፧

የሆዋ “ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ”

3. የሆዋ ብርሃንና ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ ብወገንና ግና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

3 እቲ ‘የሆዋ ብርሃነይ እዩ’ ዚብል ኣገላልጻ፡ የሆዋ ኻብ ድንቍርናን ካብ መንፈሳዊ ጸልማትን ሓራ ኸም ዜውጽኣና ዜጕልሕ እዩ። (መዝ. 27:1) ብርሃን ኣብ መገድና ንዜጋጥመና ሓደገኛ ነገር ወይ ዕንቅፋት ከም እንርኢ ደኣ እዩ ዚገብር እምበር፡ ነቲ ነገር እቲ ኣየወግዶን እዩ። ነቲ ዕንቅፋት ምስ ረኣናዮ፡ ባዕልና ኻብኡ ኽንርሕቕ ኣሎና። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ መሰረታዊ ትርጕም ፍጻመታት ዓለም ኣብሪሁልና እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ሓደገኛ ዅነታት እውን የጠንቅቐና እዩ። ብዘይካዚ፡ ወትሩ ዚዓዪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ሓለፋ ጸላእትና ወይ መምህራንና ኽንልብም ኢና።—መዝ. 119:98, 99, 130።

4. (ሀ) ዳዊት ብምትእምማን፡ ‘የሆዋ ምድሓነይ እዩ’ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ብፍላይ መዓስ እዩ ምድሓንና ዚኸውን፧

4 እቲ ኣብ መዝሙር 27:1 ዚርከብ ቃላት ከም ዚሕብሮ፡ ዳዊት ነቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበረሉ ድሕነት ኣይረስዖን። ንኣብነት፡ የሆዋ፡ “ካብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን” ኣድሒንዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ገዚፍ ዝነበረ ጎልያድ ንኸሰንፎ ሓጊዝዎ እዩ። ድሕሪዚ፡ ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብዂናት ኪወግኦ እኳ እንተ ፈተነ፡ የሆዋ ግና ብተደጋጋሚ ኣድሒንዎ እዩ። (1 ሳሙ. 17:37, 49, 50፣ 18:11, 12፣ 19:10) ዳዊት ብምትእምማን፡ ‘የሆዋ ምድሓነይ እዩ’ እንተ በለ እምበኣር፡ ኣየገርምን እዩ። የሆዋ ኸምቲ ንዳዊት ምድሓኑ ዝዀነሉ፡ ሎሚ እውን ንኣገልገልቱ ምድሓኖም ኪዀነሎም እዩ። ብኸመይ፧ ንኣምለኽቱ ኻብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ብምድሓን እዩ።—ራእ. 7:14፣ 2 ጴጥ. 2:9።

ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ዘክሮ

5, 6. (ሀ) ተዝክሮና ተባዓት ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ንኣገልገልቱ ዝገበረሎም ሓገዝ ምዝካርና ኸም እንተብዕ ኪገብረና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 ትብዓት ንኽንረክብ ዚሕግዘና ኣገዳሲ ረቛሒ ኣብ መዝሙር 27:2, 3 ተጠቒሱ ኣሎ። (ኣንብብ።) ዳዊት ነቲ ብሓገዝ የሆዋ ድሕነት ዝረኸበሉ ኣጋጣሚታት ዘኪርዎ እዩ። (1 ሳሙ. 17:34-37) እዚ ተዘክሮታት እዚ፡ ንዝኸፍአ ዅነታት እውን ኪጽመም ኣኽኢልዎ እዩ። ንስኻኸ፡ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብኸመይ ከም ዝሓገዘካ ትዝክር ዲኻ፧ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ዜጨንቕ ጸገማት ኣዕሚቝካ ድሕሪ ምጽላይካ፡ የሆዋ ነቲ ፈተና እቲ ንኽትዋጽኣሉ ዜኽእል ጥበብ ወይ ሓይሊ ብኸመይ ከም ዝሃበካ ኣስተብሂልካዶ ትፈልጥ፧ ነቲ ዜሐጕስ ኣገልግሎትካ ዜጐናድብ ዕንቅፋታት ብኸመይ ከም እተኣልየ፡ ወይ ዓብይን ብርቱዕን ደገ ብኸመይ ከም እተኸፈተልካ ኽትዝክር ትኽእልዶ፧ (1 ቈረ. 16:9) ነቲ ፍጻመታት እቲ ምዝካርካ ሕጂ እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድረልካ፧ እዚ ተዘክሮታት እዚ፡ የሆዋ ዝኸፍአ ዕንቅፋታት ወይ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ እውን ከይተረፈ ንኽትጽመም ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ምትእምማን ኣየሕድረልካንዶ፧—ሮሜ 5:3-5።

6 ሓደ ሓያል መንግስቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብደረጃ ወድብ ኬጽንቶም ውዲት እንተ ዚኣልምከ፧ ኣብዚ ግዜና ሓያሎ ሰባት ከምዚ ኺገብሩ እኳ እንተ ሃቀኑ፡ ኣይተዓወቱን። ነቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ንህዝቡ ዝገበረሎም ሓገዝ ምዝካርና፡ ኣብ ዚመጽእ እውን ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ምትእምማን የሕድረልና እዩ።—ዳን. 3:28።

ንንጹህ ኣምልኾ ኣማስወሉ

7, 8. (ሀ) ብመሰረት መዝሙር 27:4፡ ዳዊት ካብ የሆዋ እንታይ እዩ ለሚኑ፧ (ለ) እቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ የሆዋ እንታይ እዩ፧ ኣብኡኸ ብኸመይ ኢና እነምልኾ፧

7 ተባዓት ንኽንከውን ዚሕግዘና ኻልእ ኣገዳሲ ረቛሒ ድማ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘሎና ፍቕሪ እዩ። (መዝሙር 27:4 ኣንብብ።) ብግዜ ዳዊት፡ እቲ ማሕደር፡ ‘ቤት የሆዋ’ ይብሃል ነበረ። ዳዊት ንሰሎሞን ወዱ፡ ውቁብ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኺሃንጽ ዜድልዮ መሰናድዎታት ገበረሉ። ድሕሪ ገለ ዘመናት ግና፡ የሱስ፡ ሰባት ንየሆዋ ኼምልኹ ኢሎም ናብዚ ቤተ መቕደስ እዚ ኪኸዱ ዘየድልየሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ ገለጸ። (ዮሃ. 4:21-23) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 8 ኽሳዕ 10፡ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ኣብ ህላወ ኸም ዝመጸ ሓበረ። እዚ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ብ29 ድ.ክ. ምስ ተጠምቀን ፍቓድ የሆዋ ንኺገብር ርእሱ ምስ ኣቕረበን እዩ ጀሚሩ። (እብ. 10:10) የሆዋ ነዚ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ እዚ፡ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ብምእማን ብቕቡል መገዲ ንኽንቀርቦ ዝገበረልና መሰናድዎ እዩ። ኣብዚ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ እዚ፡ ብኸመይ ኢና እነምልኾ፧ “ምሉእ ብተረዳእናያ እምነት” ብምጽላይ፡ ብዛዕባ ተስፋና ብዘይምንቕናቕ ብምእዋጅ፡ ከምኡውን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤናን ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትናን ምስ ብጾትና ኣብ እንእከበሉ እዋን ኣብ ንሓድሕድና ብምስትብሃልን ብምንቕቓሕን ብምትብባዕን እዩ። (እብ. 10:22-25) እቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘሎና ፍቕሪ፡ ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ኣገልግሎትና ንኽንቅጽል ይሕግዘና እዩ።

8 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ የሕልፉ፡ ሓድሽ ቋንቋ ይምሃሩ፡ ናብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ከኣ ይግዕዙ ኣለዉ። እዚኣቶም ብተግባራቶም ገይሮም፡ ልክዕ ከምቲ እቲ ንየሆዋ ሓደ ነገር ዝለመኖ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ እዮም ዚብሉ ዘለዉ። ውቃበ ወይ ጽባቐ የሆዋ ኺርእዩ፡ ዝመጸ ይምጻእ ድማ ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ኪሳተፉ ይደልዩ እዮም።—መዝሙር 27:6 ኣንብብ።

ብኣምላኽ ተኣማመን

9, 10. እቲ ኣብ መዝሙር 27:10 ዘሎ ቓላት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

9 ዳዊት፡ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ብምባል፡ ብየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይተኣማመን ከም ዝነበረ ገለጸ። (መዝ. 27:10) እቲ ኣብ 1 ሳሙኤል ምዕራፍ 22 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ዳዊት ብወለዱ ኣይተጠንጠነን። ሎሚ ግና ሓያሎ ሰባት ብስድራ ቤቶም ይጥንጠኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ በዚ ኸምዚ እተጠንጠኑ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብታ ፍቕሪ ዝሰፈና ክርስትያናዊት ጉባኤ ደገፍን ዕቝባን ረኺቦም እዮም።

10 የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ ብኻልኦት ኪጥንጠኑ ኸለዉ ንኺድግፎም ድሉው ካብ ኰነ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ጸገማትከ ኣይድግፎምንዶ፧ ንኣብነት፡ ንስድራ ቤትና ብስጋዊ መዳይ ንምሕጋዝ ኣብ እንጭነቐሉ እዋናት፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ኽንተኣማመን ኣይንኽእልንዶ፧ (እብ. 13:5, 6) የሆዋ፡ ኵነታት ኵሎም እሙናት ኣገልገልቱ ይርዳእ፡ እንታይ ከም ዜድልዮም እውን ይፈልጥ እዩ።

11. ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ኣብ ሰባት እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድር ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

11 ኣብ ላይበርያ ንእትነብር ቪክቶርያ ዘጋጠማ ዅነታት ንርአ። ዕቤት ገይራ ኽትጥመቕ ምስ ቀረበት፡ ሰብኣያ ምስ ሰለስተ ደቃ ራሕሪሕዋ ኸደ። ቪክቶርያ፡ ቤት ኰነ ስራሕ እኳ እንተ ዘይነበራ፡ ቀጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረት። ድሕሪ ጥምቀታ ድማ፡ እታ 13 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓላ ብዙሕ ገንዘብ ዝሓዘ ቦርሳ ረኸበት። ቪክቶርያን ጓላን ምእንቲ ኸይፍተና ኢለን፡ ነቲ ገንዘብ ኪቘጽራኦ እውን ኣይደለያን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቀልጢፈን ምስቲ ዋና እታ ቦርሳ ዝነበረ ወተሃደር ተራኸባ። ንሱ ድማ፡ ‘ኵሎም ሰባት ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅኑዓት እንተ ዝዀኑ ነይሮም፡ ምልእቲ ምድሪ ዝሓሸትን ሰላማዊትን ምዀነት’ በለን። ቪክቶርያ ኸኣ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ሓዳስ ዓለም እተመባጽዖ መብጽዓታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየቶ። እቲ ወተሃደር፡ በቲ ቪክቶርያ ዘርኣየቶ ተኣማንነትን ቅንዕናን ስለ እተሳሕበ፡ ካብቲ እተመልሰሉ ገንዘብ ኣብዝሕ ኣቢሉ ሃባ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅኑዓት ምዃኖም ይፈልጡ እዮም፣ ቅኑዓት ዝዀኑሉ ምኽንያት ከኣ የሆዋ ኸም ዚሕግዞም ምሉእ ምሉእ ስለ ዚተኣማመኑ እዩ።

12. ስጋዊ ነገራት እኳ እንተ ሰኣንና፡ ንየሆዋ ወትሩ እነገልግሎ ስለምንታይ ኢና፧ ኣብነት ሃብ።

12 ኣብ ሴራልዮን ዚነብር ቶማስ ዝስሙ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ኸኣ ንርአ። ቶማስ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መምህር ኰይኑ ኺሰርሕ እኳ እንተ ጀመረ፡ ንዅሉ ብቕዓታት እቲ ቤት ትምህርቲ ኼማልእ ስለ እተደልየ፡ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዚኸውን ደሞዝ ኣይተዋህቦን። ቶማስ እቲ ኪኽፈሎ ዚግብኦ ዝነበረ ገንዘብ ምእንቲ ኺረክብ፡ ምስቲ ቐሺ ዝነበረ ሓላፊ እቲ ቤት ትምህርቲ ቓለ መጠይቕ ኪገብር ኣድለዮ። እቲ ቐሺ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ እምነት እቲ ትካል ከም ዘይሰማማዕ ገለጸ። ንቶማስ ድማ፡ ንስራሑ ወይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቱ ኺመርጽ ምርጫ ኣቕረበሉ። ቶማስ ግና ነቲ ስራሕ እትን ነቲ ናይ ሓደ ዓመት ዚኸውን ደሞዙን ገዲፉ፡ ረድዮን ሞባይል ተሌፎንን ዜዐርየሉ ኻልእ ስራሕ ረኸበ። እዝን ምስዚ ዚመሳሰል ሓያሎ ተመክሮታትን ከም ዚሕብሮ፡ ኣብቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረን ንህዝቡ ዜዕቍብን የሆዋ ምሉእ እምንቶ እንተ ኣልዩና፡ ኣብ ድኽነት ከይንወድቕ ዚብል ፍርሂ ኣይኪስምዓናን እዩ።

13. ኣብ ድኻታት ሃገራት ዚነብሩ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት ዚዓዩ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

13 ኣብ ድኻታት ሃገራት ዚነብሩ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት እዮም ዚካፈሉ። ስለምንታይ፧ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ሓያሎ ሰብ ቤት፡ ስራሕ ስለ ዘይብሎም፡ ኣብ መዓልቲ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ብዙሕ ግዜ ኣለዎም። ኣሕዋት እውን ንስብከት ዚኸውን ብዙሕ ግዜ ኣለዎም። ብፍላይ እቶም ዝኸፍአ ዅነታት ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ስለ ዚርእይዎ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና ኣይክሕድዎን እዮም።” ኣብ ሓንቲ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ብገምጋም ልዕሊ ሰለስተ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓላ ሃገር ንልዕሊ 12 ዓመት ሚስዮናዊ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ሓው፡ “መብዛሕትኦም ኣስፋሕቲ ቕልል ዝበለ ናብራ ስለ ዚነብሩ፡ ብዙሕ ዚሓናዅል ነገር ከኣ ስለ ዘይብሎም፡ ንወፍሪ ኣገልግሎትን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ዚኸውን ዝያዳ ግዜ ኣለዎም” በለ።

14. እቶም ብዙሓት ሰብ መለኮታዊ ዕቝባ ኺረኽቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

14 የሆዋ ንኣገልገልቱ ብደረጃ ህዝቢ፡ ብስጋውን ብመንፈሳውን መዳይ ኪሕግዞምን ኬዕቝቦምን ኬድሕኖምን ተመባጺዑሎም እዩ። (መዝ. 37:28, 29፣ 91:1-4) እቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ዚድሕኑ ሰባት፡ ብሓቂ ብዙሓት እዮም። (ራእ. 7:9, 14) ስለዚ፡ የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብደረጃ ህዝቢ ንኸይጸንቱ ኺከላኸለሎም እዩ። ፈተናታት ንኺጽመሙን ነቲ ምስኡ ዘለዎም ምሕዝነት ንኺሕልውዎን ዜኽእሎም ዘበለ መሰናድዎ ኺህቦም እዩ። ኣብ ኣርማጌዶን እውን ኬዕቝቦም እዩ።

‘ዎ የሆዋ፡ መገድኻ ምሃረኒ’

15, 16. ስርዓታት ኣምላኽ እንተ ሓሊና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧ ኣብነት ሃብ።

15 ተባዓት ኴንና ምእንቲ ኽንቅጽል፡ ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ወትሩ ኽንመሃር ኣሎና። ዳዊት፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ መገድኻ ምሀረኒ፡ ብምኽንያት ጸላእተይ ኰታ በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ” ኢሉ ለመነ። (መዝ. 27:11) ምስዚ ጸሎት እዚ ተሰማሚዕና ኽንዓዪ እንተ ደሊና፡ ነቲ ብውድብ የሆዋ ኣቢሉ ዚወሃበና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረተ መምርሒ ተጠንቂቕና ኸነቕልበሉን ውዓል ሕደር ከይበልና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ይግባእ። ንኣብነት፡ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ንናብራኦም ኬቕልሉ ንእተዋህቦም ምኽሪ ብምስማዕ፡ ዕዳኦም ከፊሎም፡ ዘየድልዮም ዘበለ ንብረት ከኣ ሸይጦም እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ እዋን ቍጠባዊ ቕልውላው ተጠቒሞም እዮም። ነቲ ኽሳዕ ክንድቲ ዘየደልዮም ነገራት ምእንቲ ኪኸፍሉ ኢሎም ኪሰርሑ ስለ ዘየድልዮም፡ ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ናጻ እዮም። ነፍሲ ወከፍና፡ ‘መስዋእቲ ምግባር ኣብ ዚሓተኒ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብቲ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዜውጽኦ ጽሑፋትን ዘንበብክዎ ሓሳባት ብኡንብኡ ኣብ ግብሪ አውዕሎ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና።—ማቴ. 24:45።

16 ንየሆዋ፡ ኪምህረናን ናብ መገዲ ጽድቂ ንኺመርሓናን ምስ እንፈቕደሉ ዜፍርሃና ነገር ኣይክህሉን እዩ። ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ስሩዕ ፈላሚ፡ ምስ ስድራ ቤቱ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኪቕጽል ዜኽእሎ ስራሕ ንኺወሃቦ ምስ ኣመልከተ፡ እቲ ሓላፊኡ፡ ብዘይ ናይ ኮሌጅ ዲግሪ ነቲ ቦታ እቲ ኺረኽቦ ኸም ዘይክእል ሓበሮ። ንዓኻ ኸምዚ እንተ ዜጋጥመካ ነይሩ፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ምክትታል ገዲፍካ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእታውካ፡ መጠዓሰካዶ፧ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ግና፡ እቲ ሓላፊ ኻብ ስራሕ ተሰጕጐ፡ ካልእ ሓላፊ ድማ ነቲ ሓው ብዛዕባ ሸቶታቱ ሓተቶ። እቲ ሓው ከኣ፡ ንሱን ሰበይቱን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖምን ኣብቲ ዕዮ እቲ ኪቕጽሉ ኸም ዚደልዩን ነገሮ። እቲ ሓው ካልእ ተወሳኺ ሓሳባት ቅድሚ ምሃቡ፡ እቲ ሓላፊ፡ “ብዛዕባኹም ዝፈልጦ ፍሉይ ነገር ኣሎኒ። ኣቦይ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ኣመንቲ ዝዀና ኽልተ ብጾትኩም ኣብ መመዓልቲ እናመጻ መጽሓፍ ቅዱስ የንብባሉ ነበራ። ሽዑ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሕግዘሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ እንተ ረኺበ፡ ከም ዝሕግዞም ተመባጻዕኩ” በሎ። ንጽብሒቱ ድማ፡ እዚ ሓው እዚ፡ እቲ በቲ ናይ ቅድም ሓላፊ እተኸልከሎ ስራሕ ተዋህቦ። እወ፡ ኣብ ናብራና ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ኣቐዲምና፡ የሆዋ ቓሉ ብምሕላው ነቲ ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ከማልኣልና እዩ።—ማቴ. 6:33።

እምነትን ተስፋን የድልያ

17. ብዛዕባ መጻኢ ንኸይንፈርህ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

17 ዳዊት ቀጺሉ፡ “ኣየ፡ ለውሃት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርእዮ እንተ ዘይአምንሲ . . .” ብምባል እምነትን ተስፋን ኣድለይቲ ምዃነን ኣጕሊሑ ኣሎ። (መዝ. 27:13) እወ፡ ኣምላኽ ተስፋ እንተ ዘይህበና፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 27 ዚርከብ ቃላት ከኣ እንታይ ዘይንፈልጦ ኔርናስ እንታይ ዓይነት ህይወት ኰን ምሃለወና፧ ስለዚ እምበኣር፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ሓይሊ ንኺወሃበናን ካብ ኣርማጌዶን ንኽንድሕንን ወትሩ ንጸሊ።—መዝሙር 27:14 ኣንብብ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረሉ ድሕነት ብምዝካሩ ተተባብዐ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ቍጠባዊ ቕልውላው ኬጋጥም ከሎ ኣገልግሎትና ንምስፋሕ ንጥቀመሉ ዲና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ