ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/7 ገጽ 17-21
  • የሆዋ ፍቓዱ ኽገብር ምሂሩኒ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ፍቓዱ ኽገብር ምሂሩኒ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝበጻሕክዎ ሸቶ
  • ዕዮ ፈላምነት ኣብ ታስማንያ
  • ዕዮ ወረዳን ጊልዓድን
  • ዘይርሳዕ ተመክሮ
  • ሚስዮናውያን ተወሰኹ
  • ሕጂ እተመደብናሉ ቦታ
  • መምርሒ የሆዋ ብሓጐስ ምቕባል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኵሉ ዀይነ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኣዒንትን ልብን ኣብቲ ዓስቢ ከም ዘተኵራ ምግባር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ዝገበርክዎ ቕኑዕ ምርጫ ኣብ ምሉእ ህይወተይ በረኸት ኣምጸኣለይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/7 ገጽ 17-21

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ፍቓዱ ኽገብር ምሂሩኒ

ማክስ ሎይድ ዘዘንተዎ

ብ1955 ኣነን መገላግልተይን ኣብ ደቡብ ኣመሪካ፡ ፓራጓይ፡ ሚስዮናውያን ኴንና ኣብ እነገልግለሉ ዝነበርና እዋን፡ እተቘጥዑ ጭፍራ ብለይቲ መጺኦም ነታ ተኣኪብናላ ዝነበርና ገዛ ኸበብዋ። “ኣምላኽና ደም ዝጸምኦ ኣምላኽ እዩ፣ ደም ግሪንጎስ ከኣ እዩ ዚደሊ” እናበሉ ይጭድሩ ነበሩ። ንሕና ግሪንጎስ (ወጻእተኛታት) ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ መጺእና፧

ብናተይ ወገን፡ ተመክሮይ ነዊሕ ዓመታት ይገብር ኣብታ ዝዓበኹላ ኣውስትራልያ እዩ ጀሚሩ። ኣብታ ሃገር እቲኣ፡ የሆዋ ፍቓዱ ንኽገብር ኪምህረኒ ጀመረ። ኣቦይ ብ1938 ኤነሚስ (ጸላእቲ) እትብሃል መጽሓፍ ተቐበለ። ኣብ ከባቢና ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ፡ ንኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ጽውጽዋይ ገይሮም ይጠቕስዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኣቦይን ኣደይን በቶም ኣቕሽሽቲ ሕጉሳት ኣይነበሩን። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ድማ፡ ወለደይ ርእሶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ንምርኣይ ተጠምቁ። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ፍቓድ የሆዋ ምግባር ቀንዲ ኽፍሊ ናብራ ስድራ ቤትና ዀነ። እታ ብሓሙሽተ ዓመት እትዓብየኒ ሌስሊ ሓብተይ፡ ደድሕሪ ወለደይ ተጠምቀት፣ ኣነ ኸኣ ብ1940፡ ወደ ትሽዓተ ዓመት ከለኹ ተጠመቕኩ።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ጀመረ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣውስትራልያ ኸይሕተምን ከይዝራጋሕን ተኣገደ። ስለዚ፡ ቈልዓ ኸለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ተጠቒመ ብዛዕባ መሰረት እምነተይ ክገልጽ ተመሃርኩ። ንባንዴራ ሰላምታ ዘይህበሉ ወይ ሃገራት ንዚገብራኦ ውግእ ዘይድግፈሉ ምኽንያት ምእንቲ ኸብርህ፡ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ከለኹ ንመጽሓፍ ቅዱሰይ ወትሩ ምሳይ እማልኦ ነበርኩ።—ዘጸ. 20:4, 5፣ ማቴ. 4:10፣ ዮሃ. 17:16፣ 1 ዮሃ. 5:21።

መብዛሕትኦም ደቂ ቤት ትምህርተይ “ናይ ጀርመን ሰላዪ” ገይሮም ይቘጽሩኒ ስለ ዝነበሩ፡ ኣይቀርቡንን እዮም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፊልምታት ይርአ ነበረ። እቲ ፊልም ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኵሉ ሰብ ተንሲኡ ሃገራዊ መዝሙር ይዝምር ነበረ። ኣነ ግና ኣይትንስእን ነበርኩ፣ ሽዑ ኽልተ ወይ ሰለስተ ኣወዳት ብጸጕረይ ወጢጦም ኬተንስኡኒ ይፍትኑ ነበሩ። ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነተይ ብምጽናዐይ ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ ኻብ ቤት ትምህርቲ ተሰጐጕኩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቤት ኴንካ ብምጽሕሓፍ ዚወሃብ ትምህርቲ ኽከታተል ክኢለ እየ።

ዝበጻሕክዎ ሸቶ

ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ፈላሚ ዀይነ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክጅምር ሸቶ ነበረኒ። ስለዚ ድማ፡ ወለደይ መጀመርታ ስራሕ ክሰርሕ ከም ዘሎኒ ምስ ነገሩኒ ጐሃኹ። ንመደቀስየይን ንምግበይን ክኸፍል ከም ዘሎኒ፡ ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ ግና ዕዮ ፈላምነት ክጅምር ከም ዝኽእል ቃል ኣተዉለይ። ወትሩ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዝቕበሎ ዝነበርኩ ደሞዝ ንመያየጥ ነበርና። ነቲ ገንዘብ ንዕዮ ፈላምነት ክዀነኒ ኢለ ኸዋህልሎ ኸም ዝደሊ እከራኸር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንሳቶም ግና ይወስድዎ ነበሩ።

ዕዮ ፈላምነት ዝጅምረሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ወለደይ ምሳይ ኮፍ ኢሎም፡ ነቲ ዝህቦም ዝነበርኩ ገንዘብ ኣብ ባንክ የቐምጡለይ ከም ዝነበሩ ነገሩኒ። ንዅሉ እቲ ገንዘብ ከኣ ክዳውንትን ንዕዮ ፈላምነት ዜድሊ ኻልእ ነገራት ንኽዕድገሉ ሃቡኒ። ካብ ካልኦት ከይተጸበኹ ርእሰይ ክኽእል እዮም ዚምህሩኒ ነይሮም። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ እቲ ስልጠና እቲ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ ነይሩ።

ኣነን ሌስሊን ንኣሽቱ ቘልዑ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ፈለምቲ ኣብ ገዛና ይሓድሩ፡ ምስኣቶም ከኣ ነገልግል ነበርና። ቀዳመ ሰናብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት፡ ኣብ መገዲ ኣብ ዚወሃብ ምስክርነት፡ ከምኡውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ ነሕልፎ ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ወርሒ 60 ሰዓት ኬገልግል ሸቶ ይገብር ነበረ። ኣደይ ዳርጋ ዅሉ ግዜ ሸቶኣ ትወቅዕ ስለ ዝነበረት፡ ንዓይን ንሌስሊን ጽቡቕ ኣብነት እያ ገዲፋትልና።

ዕዮ ፈላምነት ኣብ ታስማንያ

መጀመርታ ፈላሚ ዀይነ ንኸገልግል እተመደብኩሉ ቦታ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ እትርከብ ደሴት ታስማንያ እዩ፣ ሓብተይን ሰብኣያን እውን ኣብኡ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሑ ኣብ መበል 15 ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኪካፈሉ ኸዱ። ኣዝየ ሓናኽ እየ ነይረ፣ ቅድሚኡ ድማ ካብ ገዛ ወጺአ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ብ1950፡ ምስቲ ሎሚ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ዘለዎ ግደ ዚመሳሰል ሓላፍነት ተዋህበኒ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ፣ ካልእ መንእሰይ ድማ መገላግልተይ ኰነ።

ኣብ ሓንቲ ኣብ ግሉል ቦታ እትርከብ ነሓሲ ዚዕደነላ ኸተማ ተመደብና። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይነበሩን። ብኣውቶቡስ ተጓዒዝና ድማ ኣጋ ምሸት በጻሕና። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሓደ ናይ ቀደም ሆቴል ሓደርና። ንጽብሒቱ፡ ካብ ቤት ናብ እናኸድና ኽንምስክር ከለና፡ ነቶም ሰብ ቤት፡ ዝካረ ገዛ ንሓቶም ነበርና። ኣጋ ምሸት ግና፡ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስትያን ፕረስባይተርያን ዚርከብ ቤት ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ሰብ ስለ ዘይነብረሉ፡ ነቲ ድያቆን ንኽንዛረቦ ነገረና። እቲ ድያቆን ተቐራቢ እዩ ነይሩ፣ ነታ ቤት ከኣ ኣዳለወልና። መዓልቲ መዓልቲ ኻብ እንዳ ቐሺ ወጺእና ኽንሰብኽ ዜደንጹ እዩ ነይሩ።

እቲ ኽሊ ውጽኢታዊ እዩ ነይሩ። ጽቡቕ ዝርርብ ንገብር ነበርና፣ ሓያሎ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ረኸብና። ኣብታ ርእሰ ኸተማ ዚነብሩ ዝነበሩ ሓለፍቲ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ እዚ ምስ ፈለጡ እሞ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤት እቲ ኣገልጋሊ ይነብሩ ኸም ዘለዉ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ድያቆን ካብታ ቤት ኬውጽኣና ነገርዎ። ስለዚ፡ ሕጂ እውን መሕደሪ ሰኣንና።

ንጽብሒቱ፡ ክሳዕ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ኣገልገልና፡ እንሓድረሉ ቦታ ኸነናዲ ጀመርና። እቲ ኽንሓድረሉ እንኽእል ዝሓሸ ቦታ፡ ኣብ ስታድዩም፡ ኣብቲ መጽለሊ ዘለዎ ኽፋል ጥራይ እዩ ነይሩ። ሻንጣታትና ኣብቲ ቦታ እቲ ሓቢእና ኣቐመጥናዮ እሞ፡ ስብከትና ቐጸልና። ይጽልምት እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ዝጀመርናዮ ጐደና ኽሳዕ እንውድኦ ሒደት ኣባይቲ ኽንኵሕኵሕ ወሰንና። ኣብ ሓደ ቤት ምስ ኳሕኳሕና፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ድሕሪ ግራቱ ኣብ እትርከብ ክልተ ኽፍሊ ዘለዋ ንእሽቶ ቤት ክንሓድር ፈቐደልና።

ዕዮ ወረዳን ጊልዓድን

ኣብዚ ቦታ እዚ ንሸሞንተ ወርሒ ምስ ኣገልገልኩ፡ ሓላው ወረዳ ዀይነ ንኸገልግል ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣውስትራልያ ዕደመ ቐረበለይ። ሽዑ፡ ወዲ 20 ዓመት ጥራይ ስለ ዝነበርኩ፡ ሰንቢደ እየ። ንኽልተ ሰሙን ዚኣክል ስልጠና ምስ ወሰድኩ፡ ንጉባኤታት ንምትብባዕ ስሩዕ ምብጻሕ ክገብር ጀመርኩ። ዳርጋ ዅሎም ይዓብዩኒ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንንእሰነተይ ኣይንዕቕዋን እዮም ነይሮም፣ ነቲ ዝዓዮ ዝነበርኩ ዕዮ ድማ የኽብርዎ ነበሩ።

ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ክኸይድ ከለኹ ብእተፈላለየ መጓዓዝያታት እየ ዝጐዓዝ ነይረ። ሓደ ሰሙን ብኣውቶቡስ፡ ሓደ ሰሙን ብባቡር፡ ካልእ ግዜ ኸኣ ብማኪና እጐዓዝ፣ ወይ ከኣ ብሓደ ኢደይ ሻንጣይ፡ በቲ ሓደ ኢደይ ከኣ ቦርሳይ ሒዘ ኣብ ድሕሪት ሞተር ብሽክለታ ተጓራቢተ እኸይድ ነበርኩ። ምስ ብጾተይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓድር ከለኹ፡ ብሓቂ የሐጕሰኒ ነበረ። ምስቲ ሎሚ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ዘለዎ ግደ ዚመሳሰል ሓላፍነት ዝነበሮ ሓው፡ ኣብታ ፍርቃ ጥራይ እተሃንጸት ቤቱ ንኼሕድረኒ ተሃንጥዩ ነበረ። ኣብታ ሰሙን እቲኣ መደቅስየይ ኣብ ባስካ እኳ እንተ ነበረ፡ ብሓባር ዜሐጕስ መንፈሳዊ እዋን ኢና ኣሕሊፍና።

ብ1953 ድማ ካልእ ዘይተጸበኽዎ ዜሐጕስ ነገር ኣጋጠመኒ፣ ኣብ መበል 22 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽካፈል መመልከቲ ወረቐት ተቐበልኩ። ሽዑ፡ ሓጐስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጭንቀት እውን ተሰምዓኒ። ከመይሲ፡ ሓብተይ ሰብኣያን ብ30 ሓምለ 1950 ካብ ጊልዓድ ምስ ተመረቑ፡ ናብ ፓኪስታን እዮም ተመዲቦም። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ግና፡ ሌስሊ ኣብኡ ኸላ ሓሚማ ሞተት። ስለዚ ኸኣ፡ ‘ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ወለደይ ኣነ እውን ናብ ካልእ ሃገር ተመዲበ ኸም ዝኸይድ ምስ ሰምዑ እንታይ ኰን ኪስምዖም እዩ፧’ እናበልኩ እጭነቕ ነበርኩ። ይኹን እምበር፡ ወለደይ፡ “ኣብቲ የሆዋ ዚመርሓካ ቦታ ኼድካ ኣገልግል” በሉኒ። ንኣቦይ ብድሕሪኡ ኣይረኣኽዎን። ኣብ መወዳእታ 1950ታት ሞተ።

ነዊሕ ከይጸናሐ ድማ፡ ምስ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን ንሽዱሽተ ሰሙን ዚኣክል ብመርከብ ተጓዒዘ ናብ ኒው ዮርክ ሲቲ ኸድኩ። ኣብ መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ፡ ነጽንዕ፡ ነቶም ምሳና ዚጓዓዙ ሰባት ከኣ ንምስክረሎም ነበርና። ናብቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ዚካየደሉ ሳውዝ ላንሲንግ፡ ኒው ዮርክ፡ ቅድሚ ምኻድና፡ ብሓምለ 1953 ኣብቲ ያንኪ ስታድዩም እተኻየደ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተኻፈልና። ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ ድማ፡ 165,829 ነበረ።

እቶም 120 ዝነበርና ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ፡ ካብ እተፈላለየ ሃገራት ኢና መጺእና። ክሳዕ እዋን ምረቓ ድማ እተመደብናሉ ቦታ ኣይተነግረናን ነበረ። ምስ ተነግረና ግና፡ ብዛዕባ እተን እተመደብናለን ሃገራት ዝያዳ ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ እናጐየና ናብ ቤተ መጻሕፍቲ ጊልዓድ ከድና። እታ ኣነ እተመደብኩላ ሃገር፡ ፓራጓይ፡ ፖለቲካዊ ሰውራታት እተኻየደላ ሃገር እያ ነይራ። ኣብታ ሃገር ምስ በጻሕኩ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ንግሆ ነቶም ምሳይ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ለይቲ ናይ ምንታይ “በዓል” ከም ዝነበረ ሓተትክዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ብፍሽኽታ፡ “ናይ መጀመርታ ሰውራ ኢኻ እትርኢ ዘለኻ። ናብቲ ኣብ ቅድሚት ዘሎ መእተዊ ማዕጾ ርአ” በሉኒ። ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ከኣ ወተሃደራት ነበሩ።

ዘይርሳዕ ተመክሮ

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ምስ ሓደ ሓላው ወረዳ ናብ ሓንቲ ኣብ ግሉል ቦታ እትርከብ ጉባኤ ኽንበጽሕን ነታ ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን ዘርእስታ ፊልም ከነርእን ከድና። ንሸሞንተ ወይ ንትሽዓተ ሰዓት፡ መጀመርታ ብባቡር፡ ጸኒሕና ኸኣ ብፈረስን ብካሮሳን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዓረብያ ኣብዑር ተጐዓዝና። ጀነሬተርን ፕሮጀክተር ፊልምን ከኣ ሒዝና ነበርና። ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና ድማ፡ ንጽብሒቱ ኣብ ሕርሻታት እናኸድና ንዅሎም ዝረኸብናዮም ሰባት፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ ፊልም ንኺርእዩ ንዕድሞም ነበርና። ሽዑ፡ 15 ሰባት መጹ።

ነታ ፊልም ን20 ደቒቕ ዚኸውን ምስ ኣርኣናዮም፡ ቀልጢፍና ናብ ውሽጢ እታ ቤት ክንኣቱ ተነግረና። ነታ ፕሮጀክተር ሒዝና ኸኣ ተኣዘዝና። ሽዑ ሰባት ኪጭድሩን ኪትኵሱን፡ “ኣምላኽና ደም ዝጸምኦ ኣምላኽ እዩ፣ ደም ግሪንጎስ ከኣ እዩ ዚደሊ” እናበሉ ድማ ኪፍክሩ ጀመሩ። ክልተ ግሪንጎስ ጥራይ እዮም ነይሮም፣ ኣነ ኸኣ ሓደ ኻባታቶም ነበርኩ። እቶም ነታ ፊልም ዚርእዩ ዝነበሩ ሰባት ግና፡ ነቶም ጭፍራ ናብታ ቤት ጥሒሶም ንኸይኣትዉ ኸልከልዎም። ይኹን እምበር፡ እቶም ተጻረርቲ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ተመልሱ እሞ፡ እናተኰሱ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ከተማ ኽንምለስ ከለና ከም ዚሕዙና ፈኪሮም ከዱ።

እቶም ኣሕዋት ምስቲ ምስሌነ ተራኸቡ፣ ንሱ ኸኣ ናብ ከተማ ንኺወስደና፡ ክልተ ፈረስ ሒዙ መጸ። ክንምለስ ከለና፡ ቍጥቋጥ ወይ ኣግራብ እንተ ርእዩ፡ ጠበንጃኡ ኣዐሚሩ ነቲ ቦታ እናተቘጻጸረ ይጋልብ ነበረ። ሽዑ፡ ፈረስ ኣድላዪ ኽፍሊ መጓዓዝያ ምዃኑ ስለ እተገንዘብኩ፡ ጸኒሐ ሓደ ፈረስ ኣጥረኹ።

ሚስዮናውያን ተወሰኹ

ኣቕሽሽቲ ወትሩ ይጻረሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ዕዮ ስብከት ብቐጻሊ ጽቡቕ ውጽኢት የርኢ ነበረ። ብ1955፡ ሓሙሽተ ሓደስቲ ሚስዮናውያን መጹ፣ ሓንቲ ኻባታቶም ካብ መበል 25 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐት፡ ኤልሲ ስዋንሶን ዝስማ መንእሰይ ካናዳዊት ሓብቲ እያ። ናብ ካልእ ከተማ ቕድሚ ምምዳባ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንእተወሰነ ግዜ ብሓደ ንዓዪ ነበርና። ኤልሲ፡ እቶም ሓቂ ዘይተቐበሉ ወለዳ ዘይድግፍዋ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንኣገልግሎት የሆዋ ርእሳ ወፍያ እያ። ብ31 ታሕሳስ 1957፡ ኣነን ኤልሲን ተመርዓና፡ ኣብ ደቡባዊ ኽፋል ፓራጓይ ድማ በይንና ኣብ ቤት ሚስዮናውያን ንነብር ነበርና።

ኣብ ቤትና ቡምባ ስለ ዘይነበረ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረ ዒላ ኢና እንጥቀም ኔርና። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት እተሰርሐ መሕጸብ ሰብነት ወይ ዓይኒ ምድሪ ዀነ ብኤለክትሪክ ዚዓዪ መሕጸብ ክዳውንቲ ኣይነበረን፡ ካልእስ ይትረፍ ፍሪጅ እውን ኣይነበረን። መዓልቲ መዓልቲ ንሽዑ ጥራይ እንጥቀመሉ ምግቢ ንዕድግ ነበርና። ይኹን እምበር፡ ናብራ ቐሊል ምንባሩ፡ ኣብታ ጉባኤ ድማ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍቕሪ ስለ ዝነበረና፡ ሽዑ ኣብ ሓዳርና ኣዝዩ ዜሐጕስ እዋን ኢና ኣሕሊፍና።

ብ1963፡ ነደይ ንኽንበጽሓ ናብ ኣውስትራልያ ምስ ተመለስና፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣደይ ሕማም ልቢ ኣጋጠማ። እዚ ኸኣ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ንወዳ ብምርኣያ ኣዝያ ኻብ ምሕጓሳ እተላዕለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናብታ እተመደብናላ ፓራጓይ እንምለሰሉ ግዜ እናቐረበ ምስ መጸ፡ ከቢድ ውሳነ ዜድልዮ ዅነታት ኣጓነፈና። እዚ ኸኣ፡ ‘ነደይ ካልእ ሰብ ንኺኣልያ ተስፋ ብምግባር፡ ኣብ ሆስፒታል ገዲፍናያ ናብታ እተመደብናላ እንፈትዋ ፓራጓይ ክንከይድዶ ወይስ ክንተርፍ’ ዚብል እዩ ነይሩ። ተደጋጋሚ ጸሎት ምስ ጸለና፡ ኣነን ኤልሲን ኣብ ኣውስትራልያ ተሪፍና፡ ነደይ ክንኣልያ ተሰማማዕና። ኣደይ ብ1966 ክሳዕ እትመውት ከኣ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትና ኸየቋረጽና ኽንሕግዛ ኽኢልና ኢና።

ኣብ ኣውስትራልያ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዕዮ ወረዳን ኣውራጃን ክዓዪ፡ ከምኡውን ኣብቲ ንሽማግለታት እተዳለወ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክምህር ምኽኣለይ፡ ፍሉይ መሰል እዩ ነይሩ። ቀጺሉ፡ ኣብ ናብራና ለውጢ ምግባር ዜድልዮ ኻልእ ኵነታት ኣጋጠመና። ኣብ ኣውስትራልያ ኣባል እቲ ናይ መጀመርታ ኮሚተ ጨንፈር ኰይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክንሃንጽ ምስ ኣድለየ ኸኣ፡ ኣቦ መንበር ኮሚተ ህንጸት ኰይነ ኸገልግል ተሸምኩ። ብሓገዝ ሓያሎ ምኩራትን ተሓባበርትን ዓየይቲ ድማ ጽቡቕ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተሃንጸ።

ድሕሪ እዚ፡ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ክዓዪ ተመደብኩ። ክፍሊ ኣገልግሎት ኣብ ሓንቲ ሃገር ንዚግበር ዕዮ ስብከት ብሓላፍነት ዚከታተል ክፍሊ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከባ ጨናፍር እናበጻሕኩ ደገፍን ምትብባዕን ምእንቲ ኽህብ፡ ሓላው ዞባ ዀይነ ኸገልግል ፍሉይ መሰል ረኸብኩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት እናኸደኩ፡ ነቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ብምእዛዞም ንዓመታት፡ ገሊኣቶም ከኣ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርትን ኣብ መዳጐኒ ደምበታትን ዘሕለፉ ኣሕዋት ክበጽሕ ምኽኣለይ፡ ንእምነተይ ዜደልድል ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

ሕጂ እተመደብናሉ ቦታ

ብ2001 ኣድካሚ ጕዕዞ ዞባ ጌርና ምስ ተመለስና፡ ናብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ከይደ ኣባል እቲ ኸም ብሓድሽ እተመስረተ ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዀይነ ንኸገልግል ዚዕድም ደብዳበ ጸንሓኒ። ኣነን ኤልሲን ነቲ ዕድመ ብጸሎት ምስ ሓሰብናሉ፡ ተሓጒስና ተቐበልናዮ። ሕጂ ንልዕሊ 11 ዓመት ኣብ ብሩክሊን ነገልግል ኣሎና።

ንዝዀነ ይኹን የሆዋ ዚሓትቶ ነገራት ተሓጒሳ እትፍጽም ብዓልቲ ቤት ብምርካበይ፡ ሕጉስ እየ። ሕጂ ኣነን ኤልሲን ኣብ 80ታት ዕድመና ኢና እንርከብ፡ ጽቡቕ ጥዕና ኸኣ ኣለና። ንትምህርትታት የሆዋ ዀነ ንዅሉ እቲ የሆዋ ፍቓዱ ንዚገብሩ ዘበሉ ኣዳልዩሎም ዘሎ በረኸታት ንዘለኣለም እናኣስተማቐርና ንኽንነብር ብሃንቀውታ ንጽበ ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሓደ ሰሙን ብኣውቶቡስ፡ ሓደ ሰሙን ብባቡር፡ ካልእ ግዜ ኸኣ ብማኪና እጐዓዝ፣ ወይ ከኣ ብሓደ ኢደይ ሻንጣይ፡ በቲ ሓደ ኢደይ ከኣ ቦርሳይ ሒዘ ኣብ ድሕሪት ሞተር ብሽክለታ ተጓራቢተ እኸይድ ነበርኩ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ንትምህርትታት የሆዋ . . . ንዘለኣለም እናኣስተማቐርና ንኽንነብር ብሃንቀውታ ንጽበ ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ጸጋም፦ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸለኹ የማን፦ ምስ ወለደይ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መዓልቲ መርዓና፡ 31 ታሕሳስ 1957

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ