ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/10 ገጽ 30-31
  • ካብ ህርፋን ስልጣን ርሓቕ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ህርፋን ስልጣን ርሓቕ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ሙሴ ፍሉይ መዝነት ተቐበለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/10 ገጽ 30-31

ንመንእሰያት

ካብ ህርፋን ስልጣን ርሓቕ!

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበርካ ተዓዛቢ ኸም ዝዀንካ ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ገጸ ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ ባህርያት፦ ዳዊትን ኣቤሴሎምን ዮኣብን

ጽማቝ፦ ኣቤሴሎም ዝፋን ኣቦኡ ኺምንዝዕ ፈተነ።

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—2 ሳሙኤል 14:25-33፣ 15:1-17፣ 18:9-17, 30-33 ኣንብብ።

ኣቤሴሎም እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ግለጽ። (2 ሳሙኤል 14:25, 26 እንደገና ኣንብብ።)

ኣቤሴሎም ንልቢ እቶም ፍትሒ ደልዮም ናብ ንጉስ ዚመጹ ዝነበሩ ሰባት ኪሰርቕ ኪፍትን ከሎ፡ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያን ቃና ድምጽን ዝነበሮ ይመስለካ፧ (2 ሳሙኤል 15:2-6 እንደገና ኣንብብ።)

ነቲ ኣብ 2 ሳሙኤል 14:28-30 ዘሎ ፍጻመ ምስ ኣንበብካ፡ ኣቤሴሎም እንታይ ዓይነት ባህርይ ዝነበሮ ይመስለካ፧

ዝያዳ ምርምር ግበር።

ኣቤሴሎም ንዝፋን ኣቦኡ ንምሓዝ ቅድሚ ምፍታኑ፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ኣፋፍኖት፦ 2 ሳሙኤል 13:28, 29 ኣንብብ። ኣምኖን ንዳዊት በዅሪ ወዱ ስለ ዝነበረ፡ ወራሲ ዝፋን እዩ ነይሩ።)

ኣቤሴሎም ህርፋን ስልጣን ዝነበሮን ርእሱ ኽብ ኬብል ዚጽዕርን ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ እተቐብረሉ መገዲ፡ ሰባት ብኸመይ ይርእይዎ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚሕብር፧ (2 ሳሙኤል 18:17 እንደገና ኣንብብ።)

ንኣቤሴሎም ህርፋን ስልጣን ከም ዚሓድሮ ዝገበረ እንታይ ይመስለካ፧ (ምስቲ ኣብ 3 ዮሃንስ 9, 10 ዚርከብ ብዛዕባ ድዮትሬፌስ ዚገልጽ ሓሳብ ኣነጻጽሮ።)

ዳዊት ብተግባራት ኣቤሴሎም እተጸልወ ብኸመይ እዩ፧ (ኣፋፍኖት፦ ነታ ዳዊት ኣብ እዋን ዕልወት ኣቤሴሎም ዝጸሓፋ መዝሙር 3 ኣንብብ።)

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ህርፋን ስልጣን ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ።

ተግባራት ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ ወለዱ ኼውርዶ ብዛዕባ ዚኽእል ስቓይ።

ተወሳኺ ኣወዓዕላ።

ኣብቲ ኸም መጻወድያ ዝዀነ ህርፋን ስልጣን ብኸመይ ክትወድቕ ትኽእል፧

ካብ ትዕቢት ክትርሕቕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

ሓሳብ፦ ኣወዳድኣ እቲ ዛንታ፡ እተፈልየ ኸም ዝዀነ ጌርካ ሕሰብ። ኣቤሴሎም ህርፋን ስልጣን ዘለዎ ሰብ ዘይኰነስ፡ ትሑት እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እንታይ መጋጠመ፧—ምሳሌ 18:12።

ኣብ www.pr418.com

ክትርኢ ትኽእል ኢኻ

ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከተራግፋ ወይ ክትሓትማ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ