ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/11 ገጽ 6-7
  • ሕቶ 2፦ ምስ ሞትኩ እንታይ እየ ክኸውን፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ 2፦ ምስ ሞትኩ እንታይ እየ ክኸውን፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ምስ ሞትና ናበይ ኢና እንኸይድ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም?
    ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም?
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/11 ገጽ 6-7

ሕቶ 2፦ ምስ ሞትኩ እንታይ እየ ክኸውን፧

ሮማን፡ ናይ ቀረባ ዓርኩ ብሓደጋ ማኪና ኺመውት ከሎ፡ ገና ቘልዓ እዩ ነይሩ። “ሞት ዓርከይ ኣመና እዩ ኣሰምቢዱኒ። ድሕሪ እቲ ሓደጋ ንነዊሕ ዓመታት፡ ‘ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ” በለ።

ስለምንታይ ኢና ኸምዚ ኢልና እንሓትት፧

ሞት ሰብ ዘይባህርያዊ እዩ። ዕድመና ብዘየገድስ፡ ክንመውት ኣይንደልን ኢና። ብዙሓት ሰባት ከኣ፡ ድሕሪ ሞት እንታይ ከም ዝዀኑ ይፈርሁ እዮም።

ገሊኦም እንታይ መልሲ እዮም ዚህቡ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ሞትና ኻባና ተፈልያ እትኸይድ ነገር ከም ዘላ ይኣምኑ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ቅኑዓት ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ፡ እኩያት ግና ብሰሪ ሓጢኣቶም ንዘለኣለም ከም ዚቕጽዑ እዮም ዚኣምኑ። ገሊኦም ከኣ፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ ኻብ ህልውና ኸም ዜቋርጽን ውዒሉ ሓዲሩ ፈጺሙ ኸም ዚርሳዕን ይኣምኑ።

እዚ መልሲ እዚ እንታይ ይእምት፧

እቲ ቐዳማይ ሓሳብ፡ ሰባት ብሓቂ ኸም ዘይሞቱ ይእምት። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ህይወት ትርጕም ከም ዘይብላ ይእምት። እቶም ከምዚ ኻልኣይ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም፡ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን” ዚብል ኣተሓሳስባ እዮም ዜሕድሩ።—1 ቈረንቶስ 15:32።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ሞትና ኻባና ተፈልያ እትነብር ነገር ከም ዘላ ኣይምህርን እዩ። ንጉስ ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መክብብ 9:5) “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ከባቢኦም ዚፍጸም ነገራት ፈጺሞም ከም ዘይፈልጡ ይሕብር። ስምዒት የብሎምን፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ከኣ ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ ምዉታት ንህያዋን ኪረድኡ ወይ ኪጐድኡ ኣይክእሉን እዮም።

ከምቲ ብዙሓት ዚኣምኑሉ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ኪሞቱ ዕላማኡ ኣይነበረን። ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኺነብር እዩ ፈጢርዎ። ኣምላኽ ንኣዳም ብዛዕባ ሞት እተዛረቦ፡ ብዛዕባ እቲ ዘይተኣዛዝነት ዜስዕበሉ መቕጻዕቲ ኺነግሮ ኸሎ ጥራይ እዩ። ካብ ሓንቲ ኦም ከይበልዕ፡ ካብኣ እንተ በሊዑ ድማ ከም ‘ዚመውት’ ነገሮ። (ዘፍጥረት 2:17) ኣዳምን ሄዋንን እዙዛት እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ ንሳቶምን ንኣምላኽ እዙዛት ዚዀኑ ዘርኦምን ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ምነበሩ።

ኣዳም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዕሽሽ በሎ። ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዘ፡ ሓጥአ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሞተ። (ሮሜ 6:23) ካብ ኣዳም ተፈልያ ብህይወት ዝቐጸለት ነገር የላን። የግዳስ፡ ኣዳም ምስ ሞተ፡ ካብ ህልውና ኣቋረጸ። ኣምላኽ ንኣዳም፡ “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:19) ኵልና ደቂ ሰብ፡ ዘርኢ ኣዳም ስለ ዝዀንና፡ ካብኡ ሓጢኣትን ሞትን ወሪስና ኢና።—ሮሜ 5:12።

ዋላ እኳ ኣዳም ሕማቕ ውሳነ እንተ ገበረ፡ ኣምላኽ ነቲ ንምድሪ ብፍጹማት ዘርኢ ኣዳም ኪመልኣ ዘለዎ ዕላማ ኺፍጽሞ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ ኢሳይያስ 55:11) ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሆዋ ንመብዛሕትኦም ምዉታት ኬተንስኦም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኺዛረብ ከሎ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ገለጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15።

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሮማን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዑ፡ ካብኡ ኸኣ ብዛዕባ ሞትን ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን እንታይ ከም ዚብል ተማሂሩ እዩ። እቲ እተማህሮ ነገር ድማ፡ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ እዩ። ታሪኽ ህይወቱ፡ ኣብ ገጽ 11 እዛ መጽሔት እዚኣ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ እትብሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 6 ርአ። እዚ ድማ፡ ካብዚ ዚስዕብ ኪራገፍ ይከኣል፦ www.pr418.com

የሱስ ብዛዕባ ሞት እንታይ በለ፧

የሱስ ምስቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን ዚብሉ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይተሰማምዐን። (ሉቃስ 20:27) ሰብ ምስ ሞተ፡ ካብኡ ተፈልያ እትነብር ነገር ከም ዘላ እውን ኣይመሃረን። የግዳስ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ እዩ ምሂሩ።

ሞት ከም ድቃስ እዩ። የሱስ፡ ኣልኣዛር ዚብሃል ፈታዊኡ ምስ ሞተ፡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ” በለ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኣይተረድኦምን ነይሩ። ስለዚ፡ “ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ” ኢሎም መለሱሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ “የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ፡ ንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም። ሽዑ የሱስ ብግህዶ፤ ኣልኣዛር ሞይቱ፡ [በሎም]” ኢሉ ይገልጸልና።—ዮሃንስ 11:11-14።

ምዉታት ኪትንስኡ እዮም። የሱስ ናብ ዓዲ ኣልኣዛር ምስ በጽሐ፡ ንማርታ ሓብቲ ኣልኣዛር፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ኢሉ ኣጸናንዓ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ” ኢሉ ቓል ኣተወ። እቲ የሱስ ዝኣተዎ ቓል፡ ባዶ ዘረባ ኣይነበረን። ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ነቲ ኻብ ዚመውት ራብዕቲ ገይሩ ዝነበረ ኣልኣዛር ኣተንሲእዎ እዩ።—ዮሃንስ 11:23, 25, 38-45።

ንሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ እተዋህቦ ራእይ፡ ምዉታት ከም ዚትንስኡ፡ የሱስ ከም ብሓድሽ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ብዘይካዚ እውን፡ ሞት ንዅሎም እቶም ብምሳልያዊ መገዲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ሒዝዎም ዘሎ ምዉታት ዚፍንወሉ እዋን ከም ዚመጽእ ገሊጹ ኣሎ።—ራእይ 20:13።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ