ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/3 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/3 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

የሱስ ወዲ ኣምላኽ እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ፡ ቃል ብቓሉ ቘልዑ እትወልደሉ ሰበይቲ የብሉን። ንሱ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት እዩ። ሰባት ባህርያት ኣምላኽ ኬንጸባርቑ ኸም ዚኽእሉ ዀይኖም እዮም ተፈጢሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኣዳም፡ እቲ ብኣምላኽ እተፈጥረ ናይ መጀመርታ ሰብ፡ “ወዲ ኣምላኽ” እተባህለ። የሱስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ምስ ባህርያት ኣቦኡ ሕደ ዝዀነ ባህርያት ሒዙ ስለ እተፈጥረ “ወዲ ኣምላኽ” ተባሂሉ ኣሎ።—ሉቃስ 3:38፣ ዮሃንስ 1:14, 49 ኣንብብ።

የሱስ መዓስ እዩ ተፈጢሩ፧

ኣምላኽ ንየሱስ ቅድሚ ኣዳም እዩ ፈጢርዎ። ስለዚ፡ መጀመርታ ንየሱስ ፈጠሮ እሞ፡ ብየሱስ ኣቢሉ ኻልእ ኵሉ ነገራት፡ እንተላይ መላእኽቲ ፈጠረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ፡ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ዚብሎ።—ቈሎሴ 1:15, 16 ኣንብብ።

የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ከይተወልደ ኸሎ፡ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ነይሩ እዩ። ግዜኡ ምስ ኣኸለ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ሰብ ኰይኑ ምእንቲ ኺውለድ ኢሉ፡ ካብ ሰማይ ናብ ማህጸን ማርያም ኣመሓላለፎ።—ሉቃስ 1:30-32፣ ዮሃንስ 6:38፣ 8:23 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንየሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኸም ዚውለድ ዝገበሮ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ እንታይ ፍሉይ ዕማም እዩ ዓሚሙ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽን የሱስ ዝገበሩልካ ነገራት ዘሎካ ፍልጠትን ሞሳን ድማ ኬዕብዮ እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 4 ርአ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ