ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/5 ገጽ 5-6
  • ፍርድታት ኣምላኽ፡ ጭካነ ድዩ ነይሩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍርድታት ኣምላኽ፡ ጭካነ ድዩ ነይሩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ግዜ ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ
  • ጥፍኣት ከነኣናውያን
  • ኣምላኽ ንከነኣናውያን እተዋግኦም ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ጥንቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንመብጽዕኡ ብዝምልከት ኣምላኽ ደንጓዪ ኣይኰነን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ሰባት፡ ኣምላኽ ጨካን ከም ዝዀነ ዚዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/5 ገጽ 5-6

ኣምላኽ ነቶም እኩያት ሰባት ብማይ ኣይሂ ቕድሚ ምጥፋኡ፡ ንኖህ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኺእውጅ ነጊርዎ ነበረ

ፍርድታት ኣምላኽ፡ ጭካነ ድዩ ነይሩ፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ ንኽንምልሳ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኻብ ዘሎ ፍርድታት ኣምላኽ ክልተ ንርአ። ቀዳማይ፡ ኣብ ግዜ ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ፣ ካልኣይ ጥፍኣት ከነኣናውያን።

ኣብ ግዜ ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ

ገሊኦም ዚብልዎ፦ “ኣምላኽ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ጥራይ ኣድሒኑ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዜጥፍእ ማይ ከም ዚወርድ ዝገበረ ጨካን ስለ ዝዀነ እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ ኣምላኽ፡ “ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ” በለ። (ህዝቅኤል 33:11) ስለዚ፡ ኣምላኽ ብጥፍኣት እቶም ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበሩ እኩያት ሰባት ሕጉስ ኣይነበረን። ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ኣጥፊእዎም፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብቶም እኩያት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርዲ ዝፈረደ፡ ‘ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ብዛዕባ ዚመጾም፡ መሰክሒ ኪዀኖም’ ኢሉ ኸም ዝዀነ ይገልጽ። (2 ጴጥሮስ 2:5, 6) ብኸመይ እዩ መሰክሒ ዝዀኖም፧

ቀዳማይ፡ ኣምላኽ፡ ሰባት ኪጠፍኡ ኸለዉ ዜጕህዮ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቶም ጠንቂ መከራ ዝዀኑ ጨካናት ሰባት የቕልበሎምን ይጸባጸቦምን እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸኣ ንዅሉ ግፍዕን መከራን መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ።

ካልኣይ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝወሰዶ ስጕምቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣምላኽ ንሰባት ቅድሚ ምፍራዱ ብፍቕሪ ተደሪኹ የጠንቅቖም እዩ። ንኣብነት፡ ኖህ ሰባኽ ጽድቂ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓያሎ ሰባት ኣይተቐበልዎን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን” ይብል።—ማቴዎስ 24:39።

ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ድዩ ኸምኡ ዚገብር፧ እወ። ንኣብነት፡ ንእስራኤላውያን ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት እኩይ ተግባራት እንተ ገይሮም፡ ጸላእቶም ንሃገሮም ኪወርሩዋ፡ ነታ ርእሰ ኸተማኦም ዝነበረት የሩሳሌም ኬጥፍእዋ፡ ንዓታቶም ድማ ኪማርኽዎም ከም ዜፍቅድ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። እስራኤላውያን ግና እኩይ ተግባራት ገበሩ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ቈልዑ ይስውኡ ነበሩ። የሆዋኸ ስጕምቲ ወሲዱዶ፧ እወ፡ ኰይኑ ግና፡ ህዝቡ ኻብ መገዶም ምእንቲ ኺምለሱ ዜጠንቅቕዎም ነብያት ደጋጊሙ ድሕሪ ምልኣኹ እዩ ስጕምቲ ወሲዱ። ቃሉ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም፡ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ” ብምባል የረጋግጸልና።—ኣሞጽ 3:7።

ብኸመይ ከም ዜገድሰካ፦ እቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝወሰዶ ስጕምትታት ብዛዕባ ዚመጽእ እውን ተስፋ የሕድረልና እዩ። ኵላትና፡ ኣምላኽ ነቶም ብጭካነ መከራ ዜምጽኡ እኩያት ኪፈርዶም ብተኣማንነት ክንጽበ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እኩያት ኪጸንቱ እዮም፡ . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ይብል። (መዝሙር 37:9-11) ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ካብ መከራ ዜናግፎም ፍርዲ ኽትሓስብ ከለኻ እንታይ ይስምዓካ፧ ጭካነ ድዩ ወይስ ምሕረት፧

ጥፍኣት ከነኣናውያን

ገሊኦም ዚብልዎ፦ “ጥፍኣት ከነኣናውያን ምስዚ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ጃምላዊ ቕትለት ዚመሳሰል ጭካነ እተንጸባረቐሉ ገበን እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ፡” NW] እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፡ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፡ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።” (ዘዳግም 32:4) ፍትሒ ኣምላኽ ምስ ውግእ ደቂ ሰብ ኪነጻጸር ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ልቢ ኼንብብ ይኽእል እዩ፣ ሰባት ግና ኣይክእሉን እዮም።

ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ምስ ፈረደን፡ ኬጥፍአን ድማ ምስ ወሰነ፡ እቲ እሙን ኣብርሃም ብዛዕባ ፍትሒ ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ከመይሲ፡ ብዛዕባ እቲ ፍትሓዊ ኣምላኹ፡ ‘ነቲ ጻድቕ ምስቲ ረሲእ ኬጥፍኦ’ ኢሉ ኺሓስብ ኣይተዋሕጠሉን። ኣምላኽ ከኣ ንኣብርሃም፡ ኣብ ሰዶም ዓሰርተ ጻድቃን እውን እንተ ተረኺቦም፡ ነታ ኸተማ ምእንታኦም ኪብል ከም ዚንሕፋ ብትዕግስቲ ኣረጋገጸሉ። (ዘፍጥረት 18:20-33) እወ፡ የሆዋ ንልቢ እቶም ሰባት ብምንባብ ክሳዕ ክንደይ እኩያት ምዃኖም ከም ዝረኣየ ፍሉጥ እዩ።—1 ዜና መዋእል 28:9።

ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ንከነኣናውያን እውን ፈሪዱዎም እዩ፣ ንኺጠፍኡ ድማ ኣዘዘ። ከነኣናውያን ብጭካነኦም እተፈልጡ እዮም ነይሮም፣ ገለ ኻብቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ እኩይ ተግባራት እኳ ንቘልዑ ብህይወቶም ኣብ ሓዊ ይስውእዎም ነበሩ።a (2 ነገስት 16:3) ከነኣናውያን፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ንዅላ ምድሪ ከነኣን ኪወርስዋ ኸም ዝኣዘዞም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እቶም ኣብታ ምድሪ ተሪፎም ኪዋግኡ ዝመረጹ ኸኣ ኣንጻር እስራኤላውያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣንጻር እቲ ምስ ህዝቡ ኸም ዝዀነ ዚምስክር ብርቱዕ ነገራት ዝገበረ የሆዋ እውን ተሰሊፎም ነበሩ።

ምስናይዚ ግና፡ ኣምላኽ ነቶም ንእኩይ ተግባራቶም ሓዲጎም ነቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ እተቐበሉ ከነኣናውያን ምሕረቱ ዘርጊሑሎም እዩ። ንኣብነት፡ እታ ኣመንዝራ ዝነበረት ከነኣናዊት ረሃብ ምስ ስድራ ቤታ ድሒና እያ። ከነኣናውያን ተቐማጦ ኸተማ ጊብዖን እውን ምሕረት ምስ ሓተቱ፡ ምስ ደቆም ብህይወት ተሪፎም እዮም።—እያሱ 6:25፣ 9:3, 24-26።

ብኸመይ ከም ዜገድሰካ፦ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ከነኣናውያን እተፈርደ ፍርዲ፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። “እታ መዓልቲ ፍርድን ጥፍኣት እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባትን” ኣዝያ ትቐርብ እያ ዘላ። (2 ጴጥሮስ 3:7) ንየሆዋ ነፍቅሮ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ቅኑዕ ዘበለ ንገብር እንተ ዄንና፡ ንዅሎም እቶም ነቲ ፍትሓዊ ግዝኣቱ ዚጻረሩ ሰባት ካብ ምድሪ ብምጽናት ንመከራ ወዲ ሰብ ኬጥፍኦ ኸሎ ኽንጥቀም ኢና።

ከነኣናውያን ብጭካነኦም እተፈልጡ እዮም ነይሮም፡ ንኣምላኽን ንህዝቡን ድማ ደይመደይ ኢሎም ይጻረርዎም ነበሩ

የሆዋ፡ እቲ ወለዲ ዚገብርዎ ምርጫታት ንደቆም እውን ኪጸልዎም ከም ዚኽእል ብፍቕሪ ተደሪኹ የዘኻኽረና እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ። . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ” ይብል። (ዘዳግም 30:19, 20) ከምዚ ኢሉ ኺዛረብ ዚኽእል፡ ሓደ ጨካን ኣምላኽ ድዩ፡ ወይስ ሓደ ንህዝቡ ዜፍቅር፡ ቅኑዕ ምርጫ ኺገብሩ ኸኣ ዚደልዮም ኣምላኽ እዩ፧

a ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ኣምልኾ ከነኣናውያን፡ መስዋእቲ ህጻናት እውን የጠቓልል ከም ዝነበረ ዚሕብር መርትዖታት ረኺቦም እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ