ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/6 ገጽ 32
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንማሪታዊ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቀቐሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • የሱስ መፍትሕ ትርጕም ዘለዎ ህይወት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ የሆዋ ኼርሕቐካ ኣይትፍቀድ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/6 ገጽ 32

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ቢብሊዮማንሲ እንታይ ማለት እዩ፧ ክርስትያናትከ ብኸመይ ኪምልከትዎ ይግባእ፧

ቢብሊዮማንሲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሃውሪ ብምግንጻል፡ ካብቲ ፈለማ እትርእዮ ጽሑፍ ሓገዝ ከም እትረክብ ብምእማን ምንባብ ማለት እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ጥንቈላ ኣይሳተፉን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቅኑዕ ፍልጠትን መለኮታዊ መምርሕን ንምርካብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ እዮም።—15/12፡ ገጽ 3።

እታ እትሓልፍ “ዓለም፡” ንምንታይ እያ እተመልክት፧

እታ እትሓልፍ “ዓለም፡” ነቶም ህይወቶም ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይሳነ ሰባት እያ እተመልክት። (1 ዮሃ. 2:17) ምድርን እሙናት ሰባትን ኪድሕኑ እዮም።—1/1፡ ገጽ 5-7።

ካብ ኣምላኽ ንኸየርሕቐና ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና ገለ መዳያት እንታይ እዩ፧

ገለ ኻብቲ መዳያት እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ስራሕና፡ እንመርጾ መዘናግዒ፡ ምስ እተወገደ ዘመድና ዘሎና ቕርርብ፡ ንዘመናዊ ተክኖሎጂ እንጥቀመሉ መገዲ፡ ብዛዕባ ጥዕናና ምሽቓል፡ ንገንዘብ ዘሎና ግጉይ ኣረኣእያ ኸምኡውን ብዛዕባ ርእስና እምብዛ ኽብ ኣቢልና ምሕሳብ።—15/1፡ ገጽ 12-21።

ካብታ ሙሴ ዘርኣያ ትሕትና እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ሙሴ ኣብ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣምላኽ ስለ እተወከለ፡ ብስልጣን ኪዕበ ኣይመረጸን። ሓላፍነት፡ ስልጣን፡ ወይ ፍሉይ ክእለት ምስ ዚህልወና ንኼዐብየና ኽንፈቕደሉ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብየሆዋ ኽንእመን ኣሎና። (ምሳ. 3:5, 6)—1/2፡ ገጽ 5።

እቶም ዚትንስኡ ኣበይ እዮም ኪነብሩ፧

እተወሰኑ ቝጽሪ፡ ማለት 144,000 ኣብ ሰማይ ኪነብሩ እዮም። መብዛሕትኦም እቶም ዚትንስኡ ግና፡ ተንሲኦም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—1/3፡ ገጽ 6።

እስራኤላውያን ‘ልቦም ኣይተገዝረን’ ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ (ኤር. 9:26)

ደረቐኛታትን ዓለወኛታትን እዮም ነይሮም። ነቲ ንልቦም ከም ዘይእዘዝ ዚገብሮ ዝነበረ ነገራት፡ ማለት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዚጋጮ ኣተሓሳስባኦም፡ ነቲ ዚፈትውዎ ነገራት፡ ወይ ከኣ ንድራኸታቶም ኬወግድዎ ኸም ዝነበሮም ዚሕብር እዩ። (ኤር. 5:23, 24)—15/3፡ ገጽ 9-10።

የሱስ፡ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ብምንባር ዝመጸ፡ ኣብነት ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ኣብ ህይወቱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምግባር ዕላማ ነበሮ። ንኣቦኡ እውን ሓያል ፍቕሪ ነበረቶ፡ ንሰባት ድማ የፍቅር ነበረ። ስለዚ፡ ንሱ እውን ኣቦኡ ኸም ዜፍቅሮን ስምረቱ ኸም ዘለዎን ይፈልጥ ነበረ። መፍትሕ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ድማ እዚ እዩ።—1/4፡ ገጽ 4-5።

ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ እንታይ የጠቓልል፧

ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኮሚተታት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ኣካል ሽማግለታት፡ ጉባኤታት ከምኡውን ኣስፋሕቲ።—15/4፡ ገጽ 29።

ፍርዲ ኣምላኽ ጭካነ ኣይነበረን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብሎን እዩ። (ህዝ. 33:11) እቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝወሰዶ ስጕምቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣምላኽ ንሰባት ቅድሚ ምፍራዱ ብፍቕሪ ተደሪኹ የጠንቅቖም እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ዚመጽእ ፍርዲ ክንድሕን ከም እንኽእል ተስፋ የሕድረልና።—1/5፡ ገጽ 5-6።

እስራኤላውያን ንገበነኛታት ኣብ ጕንዲ ሰቒሎም ድዮም ዚቐትልዎም ነይሮም፧

ኣይፋሎምን። ጥንቲ ዝነበሩ ሓያሎ ኣህዛብ፡ ንገበነኛታት ኣብ ዓንዲ ሰቒሎም ይቐትልዎም ነበሩ፣ እስራኤላውያን ግና ከምዚ ኣይገብሩን እዮም ነይሮም። እንተ ወሓደ፡ ኣብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተጻሕፈሉ እዋን፡ ገበርቲ እከይ መጀመርታ ብዳርባ እምኒ ብዝኣመሰለ ኣገባብ እዮም ዚቕተሉ ነይሮም። (ዘሌ. 20:2, 27) ብድሕሪኡ ኸኣ ንኻልኦት መጠንቀቕታ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ሬሳ ኣብ ጕንዲ ወይ ኣብ ኦም ይስቀል ነበረ።—15/5፡ ገጽ 13።

ኣብ ዓለም ሰላም ዘይተረኽበ ስለምንታይ እዩ፧

ሰባት ዜደንቕ ነገራት እኳ እንተ ገበሩ፡ ስጕምቶም ኬቕንዑ ኽእለት የብሎምን። (ኤር. 10:23) ሰይጣን ንዓለም ስለ ዚቈጻጸራ፡ ደቂ ሰብ ሰላም ኬምጽኡ ኣይክእሉን እዮም። (1 ዮሃ. 5:19)—1/6፡ ገጽ 16።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ