ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/7 ገጽ 32
  • “ኣየ ስእሊ!”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣየ ስእሊ!”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ —መራሒ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ትምህርታዊ ንጥፈታት የተባብዕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ነቲ ህዝባዊ ምስክርነት ናይ ተስፋኻ ብዘይ ምንቕናቕ ኣጽኒዕካ ሓዞ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/7 ገጽ 32

“ኣየ ስእሊ!”

ሓድሽ ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ኺወጽእ ከሎ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢልካ ንርእስኻ ወይ ንኻልእ ሰብ እተዛረብካሉ እዋናት ክንደይ እዩ፧ እቲ ብብዙሕ ጻዕሪ ዚዳሎ ስእልታት፡ ዕላማ ኣለዎ። ንሓሳብናን ንስምዒትናን ዚትንክፍ መምሃሪ እዩ። ብፍላይ ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኽንዳሎ ኸለናን ኣብ ጉባኤ ኽንምልስ ከለናን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ፡ ኣብ ልዕሊ ቐንዲ ጥቕሲ እታ ዓንቀጽ ዚወጽእ ስእልታት ስለምንታይ ከም እተመርጸ ሕሰብ። ኣብቲ ስእሊ እንታይ እዩ ዚርአ ዘሎ፧ ምስቲ ኣርእስቲ ወይ ምስታ ቐንዲ ጥቕሲ ብኸመይ እዩ ዚተሓሓዝ፧ ነቲ ምስ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ተተሓሒዙ ዚወጽእ ስእልታት ክትርእዮ ኸለኻ፡ ምስቲ ሓፈሻዊ ትምህርትን ምስ ህይወትካን ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ሕሰብ።

እቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ሓው፡ ሰማዕቲ ንነፍሲ ወከፍ ስእሊ ሓሳብ ምእንቲ ኺህቡሉ፡ ማለት ምስቲ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ወይ ከኣ እንታይ ስምዒት ከም ዘሕደረሎም ምእንቲ ኺገልጹ፡ ኣጋጣሚ ኺህቦም ኣለዎ። ሓድሓደ እዋን፡ እቲ ስእሊ ምስ ኣየናይ ሕጡብ ጽሑፍ ከም ዚተሓሓዝ ዚገልጽ ሓበሬታ ይውሃብ እዩ። ኣብ ካልእ እዋናት ግና፡ እቲ ዚመርሕ ሓው፡ ኣየናይ ሕጡብ ጽሑፍ ምስ ኣየናይ ስእሊ ምይይጥ ኪግበረሉ ኸም ዘለዎ ኺውስን ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም ሰማዕቲ፡ ካብቲ ንትምህርቲ ቓል ኣምላኽ ብኣእምሮኦም ንኺስእልዎ ተባሂሉ እተዳለወ ስእልታት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ሓው፡ “እቲ ምስታ ብዜደንቕ መገዲ እተጻሕፈት ዓንቀጽ ዚርአ ስእሊ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ምቁር ሕብስቲ ዚንስነስ ሽኮር እዩ” በለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ