ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/11 ገጽ 5
  • ንኣምላኽ ምስጢር ዚገብሮ ሓሶት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ምስጢር ዚገብሮ ሓሶት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስላሴ ብኸመይ ኢዩ ዝግለጽ፧
    ስላሴ
  • ክትኣምኖ ይግብኣካዶ ኢዩ፧
    ስላሴ
  • ብሓቂ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ፧
    ስላሴ
  • ኣብ ስላሴ ኽትኣምን ይግብኣካዶ፧
    ንቕሑ!—2013
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/11 ገጽ 5

ገበር | ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየፍቅርዎ ዚገብሮም ሓሶታት

ንኣምላኽ ምስጢር ዚገብሮ ሓሶት

ብዙሓት ዚኣምኑሉ፦

“እተን ዓበይቲ ኣብያተ ክርስትያን” ሃይማኖት ክርስትና፡ ማለት “ናይ ሮማ ካቶሊክን ምዕራባዊት ኦርቶዶክስን ፕሮተስታንትን፡ ‘ሓደ ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ኣካላት’ ብዚብል እየን ዚኣምና፣ እዚ ኸኣ፡ ብኣቦን ብወድን ብመንፈስ ቅዱስን ዝቘመ ማለት እዩ። ብመሰረት ትምህርቲ ክርስትና፡ እቲ እምነት፡ ሰለስተ ኣምላኽ ከም ዘለዉ ዘይኰነስ፡ እቶም ሰለስተ ኣካላት ሓደ ምዃኖም እዩ ዚሕብር።”—ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ፦

እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ምስ ኣቦኡ ሓደ ኣካል ከም ዝዀኑ ወይ ከኣ ማዕረ ኣቦኡ ኸም ዝዀነ ኣይተዛረበን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ካባይ ኣቦ ይዓቢ’ በለ። (ዮሃንስ 14:28) ንሓንቲ ኻብ ሰዓብቱ እውን፡ “ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን፡ ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እዓርግ ኣለኹ” ኢልዋ ነይሩ እዩ።—ዮሃንስ 20:17።

መንፈስ ቅዱስ ኣካል ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም እዮም፣’ የሆዋ ድማ፡ “ካብ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ሰብ ከፍስስ እየ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4, 17) ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኽፋል ስላሴ ዘይኰነስ፡ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።

ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፦

ካርል ራነን ሀርበርት ፎርግሪምለን ዝስሞም ናይ ካቶሊክ ምሁራት ከም ዝገለጽዎ፡ ስላሴ “ብዘይ ራእይ ክትፈልጦ ኣይከኣልን እዩ፣ ራእይ ድሕሪ ምርኣይካ እውን እንተ ዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦ ኣይከኣልን እዩ” በሉ። ንኽትፈልጦ ወይ ንኽትርድኦ ኣጸጋሚ ንዝዀነ ኣካል ከተፍቅሮ ትኽእልዶ፧ ስለዚ፡ ሰረተ እምነት ስላሴ፡ ንኣምላኽ ንኸይንፈልጦን ንኸይነፍቅሮን ዚዓግት እዩ።

ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ማርኮ፡ ንስላሴ ኸም ዕንቅፋት ገይሩ እዩ ዚርእዮ። “ኣምላኽ ንመንነቱ ኻባይ ዚሓብኦ ዝነበረ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ኪቕረብ ዘይከኣልን ምስጢርን ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ” በለ። ይኹን እምበር፡ ‘ኣምላኽ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ እዩ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) ንመንነቱ ኻባና ኣይሓብኦን እዩ። የግዳስ፡ ክንፈልጦ እዩ ዚደልየና። የሱስ፡ “ንእንፈልጦ ኢና እነምልኽ” ኢሉ ነበረ።—ዮሃንስ 4:22።

ማርኮ፡ “ኣምላኽ ሓደ ኽፋል ስላሴ ኸም ዘይኰነ ምስ ፈለጥኩ፡ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክምስርት ከኣልኩ” በለ። ንየሆዋ፡ ክንፈልጦ ኸም ዘይንኽእል ምስጢራዊ ኣካል ጌርና ዘይኰነስ፡ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ እንኽእል ኣካል ከም ዝዀነ ጌርና እንተ ርኢናዮ፡ ብቐሊሉ ኸነፍቅሮ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ይብል።—1 ዮሃንስ 4:8።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ