ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/6 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥ ኣምላኽ ኣተስፍዩ
    ንቕሑ!—2023
  • ካብ ፈጣሪ እተዋህበትና ዘለኣለማዊት ህያብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣብዛ ሕታም ንቕሑ!
    ንቕሑ!—2023
  • ደቂ ሰብ ንምድሪ፡ ከም ዘይትዕረ ገይሮም ኬጥፍእዋ ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/6 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ምድርና ንምንታይ ዕላማ እያ ተፈጢራ፧

ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ እተፈላለየ ነገራት ኬስተንትን ከሎ

ምድሪ ባህ እተብል መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን እያ ተፈጢራ

ምድርና ንህይወት እትምሽእ መንበሪት እያ። ንህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ብዙሕ ማይ ኣለዋ። ብዘይካዚ፡ ቅንን ዝበለት ምዃናን እትገብሮ ዙረትን፡ ውቅያኖሳት ናብ በረድ ንኸይቅየር ወይ ሃፊፉ ንኸይውዳእ ዚሕግዝ እዩ። ሃዋህውን ማግነታዊ ዓውድን ምድሪ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ኣዝዩ ሓደገኛ ነገራት የዕቍበና እዩ። እቲ ኣብ ምድሪ ዚርአ፡ ኣብ መንጎ ኣትክልትን እንስሳታትን ዘሎ ርክብ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ብዙሓት ሰባት፡ ምድርና ብዕላማ ኸም እተነድፈት ዚኣምኑ።—ኢሳይያስ 45:18 ኣንብብ።

ኰይኑ ግና፡ ‘መከራን ግፍዕንከ ኽፍሊ እቲ ዕላማ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።—ዘዳግም 32:4, 5 ኣንብብ።

እቲ ምድርና እተፈጥረትሉ ዕላማ ኺፍጸም ድዩ፧

ምድሪ ነቶም ንሓድሕዶም ዚከባበሩን ንፈጣሪ ዜፍቅርዎን ሰባት ክትከውን ተባሂላ እተነድፈት ባህ እተብል መንበሪት እያ። ስለዚ፡ ሰብኣዊ ህይወት ካብ ህይወት ኣትክልትን እንስሳታትን ዚበልጽ ዕላማ ኣለዎ። ፈጣሪና መን ምዃኑ ኽንርዳእ፡ ንፍቕሩን ንፍትሑን ካብ ዘሎና ኣድንቖት ተበጊስና ድማ ንዕኡ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና።—መክብብ 12:13፣ ሚክያስ 6:8 ኣንብብ።

እቲ ንዓና ዝገበረና ፈጣሪ፡ ንዅሉ ዕላማኡ ኺፍጽሞ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንመከራን ንግፍዕን ኣወጊዱ፡ ንምድርና እንደገና ንደቂ ሰብ እትምሽእ ፍጽምቲ መንበሪት ከም ዚገብራ፡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 37:11, 29፣ ኢሳይያስ 55:11 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ