ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/7 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምቕራብ
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/7 ገጽ 16
ሓደ ኣረጋዊ ኺጽሊ ኸሎ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ ኣምላኽ፡ ከይተሰከፍና ኣዘውቲርና ብዛዕባ ዜሻቕለና ነገራት ክንነግሮ ይደልየና እዩ። (ሉቃስ 18:1-7) ስለ ዚግደሰልና ድማ ይሰምዓና እዩ። ሰማያዊ ኣቦና ንኽንጽሊ ብለውሃት ካብ ዓደመና፡ ንዕድሚኡ ንምንታይ ዘይንቕበሎ፧—ፊልጲ 4:6 ኣንብብ።

ጸሎት፡ ሓገዝ ንኺህበና ኢልና ንኣምላኽ እንሓትተሉ መገዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኽንቀርቦ ዚሕግዘና መገዲ እውን እዩ። (መዝሙር 8:3, 4) ንኣምላኽ ስምዒታትና ኣዘውቲርና ምስ እንገልጸሉ፡ ምስኡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምስርት ኢና።—ያእቆብ 4:8 ኣንብብ።

ብኸመይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧

ክንጽሊ ኸለና፡ ኣምላኽ ናይ ርኣዩለይ ቃላት ክንጥቀም ወይ ዝሸምደድናዮ ጸሎት ክንደጋግም ኣይደልየናን እዩ። ፍሉይ ኣቃውማ ሰብነት ከነዘውትር እውን ኣይሓትተናን እዩ። ካብ ልቢ ኽንጽሊ እዩ ዚዕድመና። (ማቴዎስ 6:7) ንኣብነት፡ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ሃና ኣብ ስድራ ቤታ ብዛዕባ ዘጋጠማ ዜጕሂ ነገር ጸልያ እያ። ጓሂኣ ናብ ሓጐስ ምስ ተቐየረ ግና፡ ልባዊ ጸሎት ብምቕራብ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ።—1 ሳሙኤል 1:10, 12, 13, 26, 27፣ 2:1 ኣንብብ።

ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ መሰል ኰን እዩ ተዋሂቡና ዘሎ! ንፈጣሪ ሻቕሎትና ኽንገልጸሉ ንኽእል ኢና። ብዝገበሮ ነገራት ከኣ ክንውድሶን ከነመስግኖን ንኽእል ኢና። ነዚ ኽቡር መሰል እዚ ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። —መዝሙር 145:14-16 ኣንብብ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

መልሲ ተወሳኺ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ኢንተርነት ርአ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 17 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ