ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/8 ገጽ 3
  • ኣምላኽ የቕልበልካ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ የቕልበልካ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ኣዚና ነቕልብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ከመይ ገይረ እየ ዓርኪ ኣምላኽ ክኸውን ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ሰባት ንኣምላኽ ምፍቃር ዓቐብ ኰይኑዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ኣምላኽ ይቐርበካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/8 ገጽ 3

ገበር | ኣምላኽ ይግደሰልካ ድዩ፧

ኣምላኽ የቕልበልካ ድዩ፧

“ኣነ ግና ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ፣ የሆዋ ደኣ የቕልበለይ።”a—ዳዊት፡ ኣብ መበል 11 ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ እስራኤላዊ።

ካብ መገለል እትነጥብ ዘላ ነጥቢ ማይ

“ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ [“ኻብ መገለል፡” NW] . . . ይቝጸሩ።” —ኢሳያይስ 40:15

ዳዊት፡ ኣምላኽ ኬቕልበሉ ምጽባዩ ርትዓዊ ድዩ ነይሩ፧ ንዓኻኸ ኣምላኽ የቕልበልካ ድዩ፧ ሓያሎ ሰባት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብኣታቶም ከም ዚግደስ ንኺኣምኑ የጸግሞም እዩ። ስለምንታይ፧

ሓደ ኻብቲ ምኽንያት፡ ኣምላኽ ካብ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ዝለዓለ ኣካል ስለ ዝዀነ እዩ። ኣህዛብ ብምሉኦም፡ ካብቲ ልዑል ቦታኡ ኺርኣዩ ኸለዉ፡ “ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ [“ኻብ መገለል፡” NW]፡ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቝጸሩ።” (ኢሳ. 40:15) አረ ሓደ ኢዘሀራዊ ዝዀነ ጸሓፍስ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ “ብዛዕባ ተግባራትካ ብብሕትን ብቐጥታን ዚግደስ ኣምላኽ ከም ዘሎ ምእማንሲ ድርቅና እዩ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ ጠባያቶም፡ ቈላሕታ ኣምላኽ ኪረኽቡ ኸም ዘይበቕዑ ዀይኑ ይስምዖም። ንኣብነት፡ ጂም ዝስሙ ሰብኣይ ከምዚ በለ፦ “ሰላምን ርእሰ ግትኣትን ንኺህልወኒ ኣዘውቲረ እጽሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ውዒለ ሓዲረ፡ ወትሩ እቝጣዕ ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ኣዝየ እኩይ ከም ዝዀንኩን ኣምላኽ ኪሕግዘኒ ኸም ዘይክእልን ኰይኑ ተሰምዓኒ።”

እሞኸ፡ ኣምላኽ ካብ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ዝረሓቐ ብምዃኑ ኼስተብህለልና ኣይክእልን ማለት ድዩ፧ ብዛዕባ እቶም ዘይፍጹማት ፍጡራቱ እንታይ እዩ ዚስምዖ፧ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣምላኽ እንተ ዘይገሊጹሉ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኺምልሶ ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ንደቂ ሰብ እተጻሕፈ መልእኽቲ፡ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። (ግብ. 17:27) ኣብዘን ዚስዕባ ኣርባዕተ ዓንቀጻት፡ ኣምላኽ ኣብ ሰባት ብዛዕባ ዘለዎ ተገዳስነት እንታይ ከም ዚብል፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተገዳስነት ከኣ ኣብ ከማኻ ዝኣመሰሉ ሰባት ብኸመይ ከም ዘርኣዮ ኽንምርምር ኢና።

a መዝሙር 40:17፡ NW፣ የሆዋ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ