ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/6 ገጽ 3-5
  • ስነ ፍልጠት ንህይወትካ ብኸመይ ይጸልዎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስነ ፍልጠት ንህይወትካ ብኸመይ ይጸልዎ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድሩትነት ዘመናዊ ስነ ፍልጠት
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ስነ ፍልጠት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ስነ ፍልጠት ናይ ገዛእ ርእሱ ድሩትነት ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ፍጥረት
    ንቕሑ!—2014
  • ስነ ፍልጠተኛታት ኪነግሩና ዘይክእሉ ነገራት
    ንቕሑ!—2021
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/6 ገጽ 3-5
ማካይንን ጂ.ፒ.ኤስ.ን መርበብ ሳተላይትን ነፈርትን ሓንጐል ዜርኢ መሳርሕን ዜጠቓልል ኣብ ስነ ፍልጠት እተራእየ ምዕባለታት

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ ብስነ ፍልጠት ተተኪኡ ድዩ፧

ስነ ፍልጠት ንህይወትካ ብኸመይ ይጸልዎ፧

ብመሰረት ሓደ መዝገበ ቓላት፡ ስነ ፍልጠት፡ “ኣብ ትዕዝብትን ምከራን ምልካዕን ተመርኲሱ ብዛዕባ ተፈጥሮን ጠባይን ግኡዝ ዩኒቨርስ ዜጽንዕ ዓውዲ እዩ።” ነዚ ዅሉ ንምግባር ሓያል ጻዕሪ ዚሓትትን መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ተስፋ ዜቝርጽን እዩ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ትዕዝብትን ምከራን ንምግባር ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ፡ አረ ዓመታት እውን ከይተረፈ ይወስደሎም እዩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ዚገብርዎ ጻዕሪ ዚፈሽል እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት ግና ንደቂ ሰብ ዚጠቅም ነገራት የቕርቡ እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ኩባንያ፡ ተሪር ፕላስቲክ ምስ ምዕቡል መጻረዪ ብምልጋብ፡ ብሰንኪ እተበከለ ማይ ካብ ዚመጽእ ሕማማት ንምክልኻል ዚጠቅም መጻረዪ መሃዘ። ከምዚ ዓይነት መጻረይታት፡ ከምቲ ብ2010 ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ባህርያዊ ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ፡ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ጸኒሑ እዩ።

ብሓገዝ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚርከብ መርበብ ሳተላይት፡ ግሎባል ፖዚሽኒንግ ሲስተም (ጂ.ፒ.ኤስ.) ተባሂሉ ዚፍለጥ መሳርሒ ኺዳሎ ተኻኢሉ እዩ። እዚ ፈለማ ንወተሃደራዊ ዕላማ ተባሂሉ እኳ እንተ ተዳለወ፡ ንመራሕቲ ማካይንን መራሕቲ ነፈርትን መርከበኛታትን ዋላ እውን ንሃዳኖን ኣኽራን ንዚሓዅሩን ከይተረፈ ኣንፈቶም ንምፍላጥ ይሕግዞም እዩ። ሳላ እቶም ነዚ መሳርሒ እዚ ዝመሃዙ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ሎሚ ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ንምብጻሕ ቀሊል እዩ ዀይኑ ዘሎ።

ሞባይል፡ ኮምፕዩተር ወይ ከኣ ኢንተርነት ትጥቀም ዲኻ፧ ሳላ ምዕቡል ሕክምና፡ ጥዕናኻ ኺመሓየሽ ወይ ድማ ናብ ንቡር ኪምለስ ክኢሉዶ፧ ብነፋሪትከ ተጓዒዝካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብቲ ስነ ፍልጠት ንደቂ ሰብ ጠቓሚ ዝዀነሉ ገለ መገድታት ኢኻ እትጥቀም ዘለኻ። ስለዚ እምበኣር፡ ስነ ፍልጠት ብብዙሕ ኣወንታዊ ዝዀነ መገድታት ንህይወትካ ይጸልዎ እዩ።

ድሩትነት ዘመናዊ ስነ ፍልጠት

ዘመናውያን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፍልጠቶም ብዝያዳ ንምስፋሕ፡ ብዛዕባ ተፈጥሮ ኣዕሚቖም ይምርምሩ ኣለዉ። ተመራመርቲ ኑክልየስ፡ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ኣቶም ኣብ ምጽናዕ ኣተኲሮም ኪዓዩ ኸለዉ፡ ተመራመርቲ ስነ ጠፈር ከኣ ኣጀማምራ ዩኒቨርስ ንምርዳእ፡ ብዛዕባ ቕድሚ ቢልዮናት ዓመታት ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ነገራት የጽንዑ ኣለዉ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ነቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዚርከብ ኪርአን ኪጭበጥን ዘይከኣል ነገራት ኣዕሚቖም ስለ ዝመርመርዎ፡ ገለ ኻባታቶም፡ ‘እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ኣምላኽ ብሓቂ እንተ ዚህሉስ ምተረኽበ ነይሩ’ ዚብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም።

ሕሉፍ ሓሊፎም ገሊኦም ፍሉጣት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ፈላስፋታትን ነቲ “ኣንጻር ህልውና ኣምላኽ ዝዀነ ስነ ፍልጠታዊ መርትዖ” ዚብል ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ዚጽሕፍ ደራሲ ኣሚር ኣክዘል ዘቕረቦ ሓሳብ ይድግፍዎ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ዓለም ውሩይ ዝዀነ ናይ ፊዚክስ ሊቅ፡ “ኣብ ዩኒቨርስ ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ከም ዘሎ ዜርኢ መረጋገጺ ኺርከብ ዘይምኽኣሉ፡ ኣምላኽ ከም ዘየሎ ዜርኢ መርትዖ እዩ” በለ። ካልኦት ድማ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ግብርታት ኣምላኽ “ሽሕር” ወይ እውን “ልዕለ ባህርያዊ ሽጣራ” ኸም ዝዀነ እዮም ዚእምቱ።a

ይኹን እምበር፡ ‘ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ ኣምላኽ ዘየወላውል መደምደምታ ኺህቡ ዚኽእሉስ፡ ብዛዕባ ተፈጥሮ ዚኣክልዶ ፈሊጦም እዮም፧’ ዚብል ሕቶ ኪለዓል ናይ ግድን እዩ። እቲ መልሲ ኸኣ ኣይፋሎምን ዚብል እዩ። ኣብ ስነ ፍልጠት ዜደንቕ ዕቤት እኳ እንተ ተራእየ፡ ሓያሎ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ገና ዘይተፈልጠን ምናልባት እውን ኪፍለጥ ዘይከኣልን ብዙሕ ነገራት ከም ዘሎ ይእመኑሉ እዮም። ተሸላሚ ኖቤል ዝዀነ ናይ ፊዚክስ ሊቅ ስቲቨን ወይንበር፡ “[ንተፈጥሮ] ፈጺምና ኽንርድኦ ኣይንኽእል ኢና” በለ። ኣባል ሮያል ኦቭ ግሬት ብሪተይን ዝዀነ ተመራማሪ ስነ ኰዀብ ፕሮፌሰር ማርቲን ሪስ፡ “ደቂ ሰብ ኣብ መጻኢ እውን ፈጺሞም ኪርድእዎ ዘይክእሉ ነገራት ኪህሉ ይኽእል እዩ” ብምባል ጸሓፈ። እቲ ሓቂ እምበኣር፡ ዘመናዊ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ ተፈጥሮ ኻብቲ ዝደቐቐ ዋህዮ ኽሳብ እቲ ግዙፍ ዩኒቨርስ፡ ገና ኺበጽሖ ዘይከኣለ ነገራት ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እሞ ኣስተብህለሉ፦

  • ዲ.ኤን.ኤ.

    ተመራመርቲ ስነ ህይወት፡ ነቲ ኣብ ህያዋን ዋህዮታት ዚካየድ መስርሕ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን እዮም። ንኣብነት፡ ዋህዮታት ብኸመይ ጽዓት ከም ዜህልኹ፡ ብኸመይ ፕሮቲን ከም ዜፍርዩ፡ ብኸመይ ከም ዚመቓቐሉ፡ ዚልዓል ሕቶታት ክሳዕ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ኣይተመለሰን።

  • ሓደ ቘልዓ ዅዕሶ ኺድርቢ ኸሎ

    ስሕበት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ይጸልወና እዩ። እዚ ግና ንተመራመርቲ ፊዚክስ ዛጊት ምስጢር እዩ ዀይኑዎም ዘሎ። ካብ መሬት ምስ እንዘልል ስሕበት ብኸመይ ናብ መሬት ከም ዚመልሰና ወይ ድማ ወርሒ ኣብ ዙርያ ምድሪ ንኽትዘውር፡ ስሕበት ብኸመይ ኣጽኒዑ ኸም ዚሕዛ ምሉእ ብምሉእ ኪፈልጥዎ ኣይከኣሉን።

  • ዩኒቨርስ

    ተመራመርቲ ስነ ቆዝሞስ፡ 95 ሚእታዊት እቲ ዩኒቨርስ ዝቘመሉ ነገራት ስዉር ከም ዝዀነን ብናይ ስነ ፍልጠት መሳርሒታት ጌርካ ኺርአ ኸም ዘይከኣልን እዮም ዚገልጹ። ነዚ ኺርአ ዘይከኣል ክፋል እዚ ድማ ምስጢራዊ ነገርን ምስጢራዊ ጸዓትን ኢሎም ኣብ ክልተ ይምድብዎ። እንታይ ዓይነት ኣካል ምዃኑ ግና፡ ገና ኺፍለጥ ኣይተኻእለን።

ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዜስደምሞም ካልእ ኪፍለጥ ዘይከኣል ነገራት እውን ኣሎ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ዚጽሕፍ ሓደ ህቡብ ጸሓፊ፡ “ካብቲ እንፈልጦ እቲ ዘይንፈልጦ ነገራት ኣዝዩ ይበዝሕ። ስነ ፍልጠት፡ ኣብ ክንዲ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዚህልወካ፡ ንነገራት ከም እተድንቕን ዝያዳ ኽትፈልጥ ከም እትደልን ኪገብረካ ኣለዎ” በለ።

ስለዚ እምበኣር፡ ስነ ፍልጠት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪትክኦን ኣብ ኣምላኽ ምእማን ድማ ከም እትሓድጎ ኪገብረካን ዚኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ሕሰበሉ፦ በላሕቲ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት በቲ ምዕቡል መሳርሒታቶም እናተሓገዙ እኳ ብዛዕባ ተፈጥሮ ዘለዎም ምርዳእ ድሩት ካብ ኰነ፡ ነቲ ብስነ ፍልጠታዊ ምርምር ኪብጻሕ ዘይከኣል ነገራት ፈጺሙ ኸም ዘየለ ጌርካ ኽትነጽጎስ ርትዓዊ ድዩ፧ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኣብ መዛዘሚ እቲ ብዛዕባ ታሪኽን ምዕባለ ምርምር ስነ ኰዀብን ዝጸሓፎ ነዊሕ ዓንቀጽ፡ “ድሕሪ እቲ ንኸባቢ 4,000 ዓመት ዝቐጸለ ምርምር ስነ ኰዀብ፡ እዚ ዩኒቨርስ እዚ ልክዕ ከምቲ ንባቢሎናውያን ምስጢር ዝነበረ ሕጂ እውን ገና ምስጢር እዩ ዀይኑ ዘሎ” ብምባል ደምደመ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ኺገብር ንዘለዎ መሰል የኽብሩሉ እዮም። ነቲ “ልዙባት ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ዚብል መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ክንስዕብ ኢና እንጽዕር። (ፊልጲ 4:5) ምስ እዚ ሓሳብ እዚ ብምስምማዕ፡ ስነ ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን ንሓድሕዱ ብኸመይ ከም ዚሰማማዕን ከም ዚደጋገፍን ክትምርምር ንዕድመካ።

a ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝነበረን ሕጂ ዘሎን ትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ይነጽግዎ እዮም። ገለ ኻብዚ፡ ምድሪ ማእከል ናይ ዩኒቨርስ ከም ዝዀነት ወይ ድማ ኣምላኽ ንምድርና ኣብ ነናይ 24 ሰዓት ንውሓት ዘለወን ሽዱሽተ መዓልትታት ከም ዝፈጠራ ዚገልጽ ትምህርትታት እዩ።—“መጽሓፍ ቅዱስን እተረጋገጸ ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታትን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስን እተረጋገጸ ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታትን

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ስነ ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ ከም ዝዀነ ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብ ዜገድሶም ጕዳያት፡ ልክዕ ዝዀነ ሓሳባት እዮም ጽሒፎም። ገለ ኣብነታት እንሆ፦

  • ዩኒቨርስ

    ዕድመ ምድርን ዩኒቨርስን

    ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ዕድመ ምድሪ 4 ቢልዮን ዓመት፡ ዕድመ ዩኒቨርስ ድማ ካብ 13 ኽሳዕ 14 ቢልዮን ዓመት ከም ዝዀነ እዮም ዚግምቱ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዩኒቨርስ ካብ ዚፍጠር ክንደይ ዓመት ከም ዝገበረ ኣይነግርን እዩ። ኣብ ዝዀነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ምድሪ ኻብ እትፍጠር ሒደት ኣሽሓት ዓመታት ጥራይ ከም ዝገበረት ዚገልጽ የለን። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መጀመርታ ፍቕዲ፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ትብል። (ዘፍጥረት 1:1) እዚ ሓፈሻዊ መግለጺ እዚ፡ ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኣብ ዜተኣማምን ስነ ፍልጠታዊ ሕግታት ተመርኲሶም፡ ዕድመ እዚ ግኡዝ ዓለም እዚ ኽንደይ ከም ዝዀነ ንኺውስኑ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ።

  • ጎቦታትን ኣትክልትን ማይን

    ምድሪ መንበሪት ሰብ ክትከውን ንምድላው ዝወሰደ ግዜ

    እቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ዚርከብ ጸብጻብ፡ ነቲ ምድሪ መንበሪት እተፈላለየ ህይወት ዘለዎም ፍጥረታት ንኽትከውን ኣብ ምድላዋ ዝሓለፈ ደረጃታት ንምግላጽ “መዓልቲ” እትብል ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። ኣብ ምዝዛም እቲ ናይ ፍጥረት ግዜ ድማ ሰባት ተፈጥሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንውሓት እተን ሽዱሽተ ናይ ፍጥረት “መዓልትታት” ኣይሕብርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንዘመናውያን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ነዘን “መዓልትታት” ንኼጽንዕወንን ርትዓዊ ዝዀነ ናይ ግዜ ንውሓት ንኺውስኑለንን ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። እተን ናይ ፍጥረት “መዓልትታት፡” ካብ ነናይ 24 ሰዓት ዝሓዛ መዓልትታት ንላዕሊ ኸም ዚነውሓ ንፈልጥ ኢና።

  • ምድሪ

    ምድሪ ኣብ ምንታይ ከም እተጠንጠለት

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ‘ኣብ ገለ ዜብሉ ተንጠልጢላ’ ኸም ዘላ እዩ ዚገልጽ። (እዮብ 26:7) ከምቲ ጥንቲ ብሰፊሑ ዚእመነሉ ዝነበረ ገሊኡ ጽውጽዋያት ዚብሎ፡ ምድርና ኣብ እንግድዓ ዓርሞሸሽ ዝዀነ እንስሳ ወይ ድማ ኣብ ዝባን እቶም ኣብ ልዕሊ ጐብየ ደው ዝበሉ ሓራምዝ ቈይማ ኸም ዘላ መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ኣይጠቅስን እዩ። መሕልፎ እኳ ደኣስ መጽሓፍ ቅዱስ ንርኽበታት ስነ ፍልጠት መገዲ ዚኸፍት እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ ኒኮላያስ ኮፐርኒከስን ዮሃንስ ከፕለርን፡ ፕላነታት ብዓይኒ ብዘይርአ ሓይሊ እናተመርሓ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ብኸመይ ከም ዚዞራ ገለጹ። ጸኒሑ እውን ኣይዛክ ኒውተን፡ ስሕበት ንምንቅስቓስ ኵሉ ኣብ ጠፈር ዚርከብ ነገራት ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ኣርአየ።

  • ቅርጺ ዘንጊ ዘለዎ ባክተርያ

    ንጽሬትን ንምቍጽጻር ሕማምን ዚምልከት መምርሒታት

    እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን፡ እስራኤላውያን ንለብዒ ተመሓላላፊ ሕማማት ብኸመይ ኪከላኸልዎ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ መምርሒታት ዝሓዘት እያ፣ ሓደ ኻብዚ ድማ ንሕሙማት ምውሻብ ወይ ንበይኖም ምፍላይ እዩ ነይሩ። ንጽሬት ብዚምልከት ከኣ እቲ ኣብ ዘዳግም 23:12, 13 ተመዝጊቡ ዚርከብ ሕጊ፡ እስራኤላውያን ካብቲ ሰፈር ወጻኢ ቐልቀል ዚወጽሉ ቦታ ንኺህልዎም ዚእዝዝ እዩ ነይሩ። ‘ነቲ ውጽኣቶም ድማ ኪኸድንዎ’ ነበሮም። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ሓካይምን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት ምውጻእ ዘለዎ ጥቕሚ እተረድእዎ ኣብዚ ዝሓለፈ 200 ዓመት ጥራይ እዩ።

እዚ ሕጂ ኸተንብቦ ዝጸናሕካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓበሬታ ቕድሚ ኣሽሓት ዓመታት እተጻሕፈ እዩ። እዞም ጸሓፍቲ እዚኦም፡ ኣብ ግዜኦም ዝነበሩ ምሁራት ሰባት እውን ነዚ ነገራት ኣብ ዘይፈልጡሉ ዝነበሩ እዋን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ልክዕ ዝዀነ ሓበሬታ ኺህቡ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ” ብምባል ይምልስ።—ኢሳይያስ 55:9።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ