ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/8 ገጽ 3-4
  • ድሕሪ ሞት እንታይ እዩ ዜጋጥም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድሕሪ ሞት እንታይ እዩ ዜጋጥም፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧
  • ብሓቂ ግን ሲኦል እንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ትንሳኤ ኪኸውን እዩ!
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ትንሳኤ—ንመንን ኣበይን፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ሲኦልን ገሃነምን ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/8 ገጽ 3-4

ገበር | ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ድዩ፧

ድሕሪ ሞት እንታይ እዩ ዜጋጥም፧

ዓበይትን ንኣሽቱን ኣብ መቓብር፡ ኣብ ዙርያ ሳንዱቕ ሬሳ ደው ኢሎም ከለዉ

“ሓደ ሰብ ድሕሪ ሞቱ ኪኸዶ ዚኽእል ሰለስተ ቦታ ኸም ዘሎ ገይረ እየ ዝሓስብ ነይረ፣ እዚ ኸኣ ሰማይ፡ ገሃነም፡ ወይ ቦታ ንስሓ እዩ። ናብ ሰማይ ዜእቱ ጽድቂ ወይ ናብ ገሃነም ዜእቱ ኽፍኣት ከም ዘይብለይ እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ቦታ ንስሓ ብልክዕ እንታይ ከም ዘሎ ግና ንዓይ ንጹር ኣይነበረን። ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ ኣይፈልጥን እየ። እዚ ሰባት ዚብልዎ ጥራይ እዩ ነይሩ።”—ላዮነል።

“ኵሎም ሰባት ምስ ሞቱ ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ እኳ እንተ ተመሃርኩ፡ ኣነ ግና ኣይኣምነሉን እየ ነይረ። ሞት መወዳእታ ዅሉ ኸም ዝዀነ፡ ማለት ምዉታት መጻኢ ኸም ዘይብሎም ገይረ እየ ዝሓስብ ነይረ።”—ፈርናንዶ።

‘ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና ኣብ ካልእ ቦታ ይሳቐዩ ድዮም ዘለዉ፧ እንደገና ንርእዮም ደዀን ንኸውን፧ ብኸመይ ርግጸኛታት ንኸውን፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር እስከ ርአ። ብቐዳምነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ብኸመይ ከም ዚገልጾ ንመርምር። ብድሕሪዚ ኸኣ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ኽንርኢ ኢና።

ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን። ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [“መቓብርሲ፡” NW] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።”a—መክብብ 9:5, 10።

ብሓጺሩ፡ ሲኦል ወይ መቓብር፡ ሰባት ምስ ሞቱ ዚኸድዎ ቦታ እዩ፣ ዝዀነ ንጥፈትን ሃለዋትን ዘይብሉ ምሳልያዊ ቦታ ወይ ኵነት እዩ። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ንሲኦል ብኸመይ እዩ ዚርእዮ ነይሩ፧ ንሱ ዅሉ ንብረቱን ኵሎም ደቁን ብሓንቲ መዓልቲ ስኢኑ እዩ፣ ብድሕርዚ እውን፡ መላእ ኣካላቱ ብዜቐንዙ ቝስሊ ተወቒዑ ነበረ። ንሱ፡ “ኣየ፡ ቍጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲ፡ እንተ ትስውረኒ፡ ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብአኒ” ብምባል ንኣምላኽ ለመኖ። (እዮብ 1:13-19፣ 2:7፣ 14:13) ብንጹር እምበኣር፡ እዮብ ንሲኦል፡ ስቅያቱ መሊሱ ኸም ዚጋደድ ዚገብር ገሃነም እሳት ከም ዝዀነ ገይሩ ኣይኰነን ዚርድኦ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ዕረፍቲ ዚረኽበሉ ቦታ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።

ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ክንመሃረሉ እንኽእል ካልእ መገዲ እውን ኣሎ። ነቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብዛዕባ እቶም ካብ ሞት ዝተንስኡ ሸሞንተ ሰባት ዚገልጽ ጸብጻባት ክንምርምር ንኽእል ኢና።—“ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ሸሞንተ ትንሳኤ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ካብዞም ሸሞንተ ሰባት ሓደ እውን ይኹን ሓጐስ ኣብ ዝሰፈኖ ዀነ ኣብ መሳቐዪ ቦታ ኸም ዝነበረ ኣይተዛረበን። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ምስ ሞቱ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት ከይዶም ነይሮም እንተ ዝዀኑስ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ሰባት ኣይምነገሩንዶ፧ እዚኸ ዅሉ ሰብ ምእንቲ ኼንብቦ ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይምተመዝገበንዶ፧ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ኣይተመዝገበን። እዞም ሸሞንተ ሰባት፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዚዛረቡሉ ነገራት ከም ዘይነበሮም ንጹር እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ልክዕ ከምቲ ዓሚቝ ድቃስ ዝደቀሰ ሰብ ሃለዋቱ ዘይፈልጥ፡ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፈልጡሉ ዅነታት እዮም ነይሮም። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ንሞት ምስ ድቃስ ብምምስሳል እዩ ዚገልጾ። ንኣብነት፡ ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ የሱስ “ኣልኣዛር ዓርክና ደቂሱ ኣሎ” በለ።—ዮሃንስ 11:11-14።

እሞ ደኣ እቶም ዝሞቱ፡ እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ ካብ ከምዚ ዝበለ ድቃስከ ኺበራበሩ ይኽእሉ ድዮም፧

a እታ “ሲኦል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓልን እታ “ሃደስ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃልን ን“መቓብር” እየን ዜመልክታ። እቲ ምዉታት ብሓዊ ዚሳቐይሉ ቦታ ኸም ዝዀነ ዚገልጽ ሓሳብ ግና፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ሸሞንተ ትንሳኤb

ወዲ ሓንቲ መበለት ነብዪ ኤልያስ ነቲ ንእሽቶ ወዲ እታ ኣብ ሰራጵታ፡ ሰሜናዊ ኽፋል እስራኤል እትነብር ዝነበረት መበለት ኣተንስኦ።—1 ነገስት 17:17-24።

ሹናማዊ ወዲ እቲ ንኤልያስ ዝተክኦ ነብዪ ኤልሳእ ነቲ ኣብ ከተማ ሹኔም ዚነብር ዝነበረ ወዲ ኣተንስኦ፣ ናብ ወለዱ ድማ መለሶ።—2 ነገስት 4:32-37።

ናብ መቓብር እተደርበየ ሰብኣይ ሬሳ ሓደ ዝሞተ ሰብኣይ ብሃወኽ ኣብቲ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ዝነበሮ መቓብር ተሓድገ። ኣካላት እቲ ሰብኣይ ንኣዕጽምቲ እቲ ነብዪ ምስ ተንከየ ኸኣ እቲ ሰብኣይ ተንስአ።—2 ነገስት 13:20, 21።

ወዲ እታ ኣብ ናይን ዝነበረት መበለት የሱስ ነቲ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ናይን ዚግበር ዝነበረ ስነ ስርዓት ቀብሪ ደው ኣቢሉ ንሓደ ዝሞተ መንእሰይ ኣተንስኦ፣ ነታ ሓዚና ዝነበረት ኣዲኡ ኸኣ ሃባ።—ሉቃስ 7:11-15።

ጓል ያኢሮስ እቲ መራሕ ምኵራብ ዝነበረ ያኢሮስ፡ ነታ ዝሓመመት ጓሉ ኼሕውየሉ ንየሱስ ለመኖ። የሱስ፡ ድሕሪ ሙማታ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣተንስኣ።—ሉቃስ 8:41, 42, 49-56።

ናይ ቀረባ ዓርኪ የሱስ ዝነበረ ኣልኣዛር የሱስ ንኣልኣዛር ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ተዓዘብቲ ኼተንስኦ ኸሎ፡ ኣልኣዛር ካብ ዝመውት ድሮ ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ።—ዮሃንስ 11:38-44።

ዶርቃስ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ነዛ በቲ ብዙሕ ናይ ሕያውነት ተግባራታ እትፍለጥ ዝነበረት ፍቕርቲ ሰበይቲ ኣተንስኣ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:36-42።

ኣውጢኮስ እቲ መንእሰይ ዝነበረ ኣውጢኮስ ካብ ላዕለዋይ መስኰት ወዲቑ ምስ ሞተ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣተንስኦ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:7-12።

b ከምቲ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እንርእዮ፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ፡ ካብዚ ሸሞንተ ትንሳኤ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ