ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/8 ገጽ 9-11
  • የሆዋ ኻብቲ ዚግብኣኒ ንላዕሊ እዩ ሂቡኒ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ኻብቲ ዚግብኣኒ ንላዕሊ እዩ ሂቡኒ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንህይወተይ ዝቐየረ ሓደጋ
  • ስንክልና እናሃለወኒ ኽነሱ ዕቤት ገበርኩ
  • ቀጻሊ ቓልሲ
  • ኣብ ዜድልየኒ እዋን፡ ተስፋ ረኺበ
    ንቕሑ!—2014
  • ካብ ድኻመይ በርታዕኩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ሕጂ ንኻልኦት ክሕግዝ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/8 ገጽ 9-11

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ኻብቲ ዚግብኣኒ ንላዕሊ እዩ ሂቡኒ

ፌሊክስ ኣሌርኮን ዘዘንተዎ

ፌሊክስ ኣሌርኮን

ወዲ 17 ዓመት እየ ነይረ፣ ከም መብዛሕትኦም መንእሰያት ከኣ ዜተሓሳስበንን ዝብህጎን ነገራት ነበረኒ። ምስ ኣዕሩኸይ ግዜ ምሕላፍን ምሕምባስን ኩዕሶ ምጽዋትን እፈቱ ነበርኩ። ሓደ ምሸት ግና ኵነታተይ ብሃንደበት ተቐየረ። ብብሽክለታ ሞተር እናተጓዓዝኩ ኸሎኹ ብሰንኪ ዝወረደኒ ሓደጋ ኻብ ክሳደይ ንታሕቲ ለመስኩ። እዚ ቕድሚ 30 ዓመት እተፈጸመ እዩ፣ ሕጂ ዓዲ ውዕል ካብ ዝኸውን ነዊሕ እዋን ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ስጳኛ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሊካንቲ እየ ዓብየ። ኣብ ዘይጥዑይ ስድራ ቤት ስለ ዝዓበኹ፡ መንእሰይ ከለኹ ንመብዛሕትኡ ግዜይ ኣብ ጐደናታት እየ ኣሕሊፈዮ። ኣብ ጥቓ ቤተይ፡ ጎማታት ዚዕረየሉ ድኳን ነበረ። ኣብኡ ድማ ምስ ሓደ ኻብቶም ሰራሕተኛታት ዝዀነ ሆሴ ማሪያ ተዓራረኽኩ። ንሱ ነቲ ኣብ ስድራ ቤተይ ክረኽቦ ዘይከኣልኩ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘርኣየኒ፡ ተቐራቢ ሰብ እዩ ነይሩ። ካባይ ብ20 ዓመት ዚዓቢ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ግዜ ጭንቂ፡ ልክዕ ከም ናይ ሓቂ ሓወይን ዓርከይን እዩ ነይሩ።

ሆሴ ማሪያ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀሚሩ ነበረ። ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚፈቱ ኣስተብሃልኩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንዓይ እውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት የካፍለኒ ነበረ። ብኣኽብሮት እሰምዖ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ተገዳስነት ዚብሃል ኣይነበረንን። እዚ ድማ ከም ኰተቴ መጠን ብኻልእ ጕዳይ ኣዝየ ትሑዝ ስለ ዝነበርኩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ጸኒሑ ኣረኣእያይ ተቐየረ።

ንህይወተይ ዝቐየረ ሓደጋ

ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኒ ሓደጋ ብዙሕ ክዛረበሉ ኣይደልን እየ። ዓሻን ግዲ ዘይብሉን ምንባረይ ጥራይ እየ ኽጠቅስ ዝኽእል። ብሓንቲ መዓልቲ ግና ኵሉ ነገር ተቐየረ። ካብ ሓደ ምስ ምሉእ ሓይሉ ዘሎ መንእሰይ፡ ብሃንደበት ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሰ ልሙስ ኰንኩ። ነዚ ሓድሽ ኵነታተይ ምቕባሉ ኣሸጊሩኒ ነበረ። ‘ብህይወት ምንባር እንታይ እዩ ትርጉሙ፧’ ብምባል ንገዛእ ርእሰይ ብቐጻሊ እሓታ ነበርኩ።

ሆሴ ማሪያ ኺበጽሓኒ ኢሉ መጸ፣ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ኺበጽሑኒ ድማ ቀልጢፉ ምድላዋት ገበረ። በቲ ዝገበሩለይ ስሩዕ ዝዀነ ምብጻሕ ልበይ ተተንከፍኩ። ካብቲ ጽዑቕ ሕክምና ዚግበረሉ ቦታ ኻብ ዝወጽእ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ። ሰባት ስለምንታይ ከም ዚሳቐዩን ከም ዚሞቱን ከምኡ እውን ኣምላኽ ስለምንታይ እከይ ነገራት ኬጋጥም ከም ዝፈቐደ ፈለጥኩ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንመጻኢ ኣተስፍዩና ዘሎ ተስፋ፡ ማለት ምልእቲ ምድሪ ብፍጹማት ሰባት ከም እትመልእ፡ ኣብኣ ድማ ዋላ ሓደ “ሕሙም እየ” ዚብል ሰብ ከም ዘይህሉ ተማሂረ እየ። (ኢሳይያስ 33:24፡ ትርጉም 1990) ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ዜደንቕ ተስፋ ረኸብኩ።

ካብ ሆስፒታል ምስ ወጻእኩ፡ ኣብቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅልጡፍ ዕቤት ገበርኩ። ብፍሉይ መገዲ እተሰርሐት ብሽክለታ ስንኩላን ተጠቒመ፡ ኣብ ገሊኡ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብን ኣብቲ ዝገብርዎ ዕዮ ስብከት ክካፈልን ጀመርኩ። ኣብ መበል 20 ዓመተይ፡ ብ5 ሕዳር 1988 ብፍሉይ ኣገባብ ኣብ እተዳለወት ባስካ ምሉእ ኣካለይ ኣብ ማይ ብምጥሓል ተጠመቕኩ። የሆዋ ኣምላኽ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወኒ ሓጊዙኒ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሞሳይ ንምግላጽ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ስንክልና እናሃለወኒ ኽነሱ ዕቤት ገበርኩ

ብዅነታተይ ከይተዓንቀፍኩ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣለኒ ኺገብር ቈረጽኩ። ዕቤት ክገብር እየ ዝደሊ ነይረ። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) ስድራይ ነዚ ሓድሽ እምነተይ ይጻረርዎ ስለ ነበሩ፡ እዚ ኣብ ፈለማ ቐሊል ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝዀኑ ኣመንቲ ብጾት ነበሩኒ። ኣብ ኣኼባታት ከየብኰርኩ ኽእከብን ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት ክካፈልን ድማ ይሕግዙኒ ነበሩ።

ድሕሪ ግዜ ግና ቀጻሊ ዝዀነ ፍሉይ ክንክን ከም ዜድልየኒ ፈለጥኩ። ንስንኩላን ዚኸውን ምሹእ ቦታ ንነዊሕ ግዜ ድሕሪ ምንዳየይ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኣብታ ኻብ ኣሊካንቲ ንሸነኽ ሰሜን 160 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ቫለንስያ ሓንቲ ማእከል ክንክን ረኸብኩ። እዛ ማእከል ክንክን እዚኣ፡ ቀዋሚት መንበሪተይ ኰነት።

ካብ ዓራት ክትንስእ ዘይክእል እኳ እንተ ዀንኩ፡ እምነተይ ንኻልኦት ከካፍል ቈሪጸ እየ

ካብ ዓራት ክትንስእ ዘይክእል እኳ እንተ ዀንኩ፡ ንየሆዋ ኸገልግሎ ቘሪጸ ነበርኩ። ካብቲ ንስንኩላን ዚውሃብ መልዕሎን ካብ ካልኦት ዝረኸብክዎ ገንዘባዊ ሓገዝን ተጠቒመ፡ ኮምፕዩተር ዓደግኩ፣ ኣብ ጥቓ ዓራተይ ድማ ተኸልክዋ። ሞባይል ቴሌፎን እውን ዓደግኩ። ሕጂ ነዘን ዝዓደግክወን ኮምፕዩተርን ሞባይልን፡ ኣላዪ ሕሙማት እዩ ንግሆ ንግሆ ብምምጻእ ዚውልዓለይ። ነታ ኮምፕዩተር ምእንቲ ኽሰርሓላ ኸኣ ብመንከሰይ ገይረ ዘንቀሳቕሳ መሳርሒ እየ ዝጥቀም። ብኣፈይ ቀርቂረ ዝሕዛ ፍልይቲ በትሪ እውን ኣላትኒ። በዛ በትሪ እዚኣ ገይረ ድማ ነቲ ኣብ ናይ ኮምፕዩተር ኪቦርድ ዘሎ ፊደላት ክጥውቕን ናብቲ ኣብ ሞባይለይ ዘሎ ቝጽርታት ክድውልን እኽእል እየ።

ፌሊክስ ኣሌርኮን ኣብ ኣፉ ንእሽቶ በትሪ ሒዙ ኣብ ሞባይሉ ናብ ዘሎ ቝጽርታት እናደወለ ኸሎ

ንእሽቶ በትሪ ተጠቒመ ኣብ ሞባይል ተሌፎነይ ኣብ ዘሎ ቝጽርታት ክድውል እኽእል እየ

እዚ ቴክኖሎጂ እዚ ዝሓገዘኒ ብኸመይ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ነቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትን ንቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛን ክጥቀመሉ ኣኽኢሉኒ እዩ። እዚ ድማ ንዓይ ዓብዪ ሓገዝ እዩ ዀይኑኒ። ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያቱን ዝያዳ ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ንኽምርምሮን ንኸጽንዖን መብዛሕትኡ ግዜ ነዊሕ ሰዓታት እየ ዘሕልፍ። ጽምዋ ኽስምዓኒ ወይ ቀጨውጨው ክብለኒ ኸሎ፡ ካብዚ ወብ ሳይት እዚ ዜተባብዓኒ ሓሳባት እረክብ እየ።

ኮምፕዩተረይ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽሳተፍን ነቲ ኣብኡ ዚውሃብ ሓሳብ ክሰምዕን ትሕግዘኒ እያ። ሳላ እዛ ኮምፕዩተር ሓሳባት ክህብን ጸሎት ከቕርብን መደረ ኽህብን ኣብቲ እተመደበለይ ግዜ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸንብብን ክኢለ እየ። ኣብ ኣኼባታት ብኣካል ክእከብ ዘይክእል እኳ እንተ ዀንኩ፡ ምስታ ጉባኤ ዘለኹ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ።

ሳላ እዘን ኮምፕዩተርን ተሌፎንን፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ተሳትፎ ኺህልወኒ ኽኢሉ እዩ። ከምቲ መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኻብ ቤት ናብ ቤት ከገልግል እኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ካብ ምስባኽ ግና ዓዲ ኣይወዓልኩን። በዘን መሳርሒታት እዚአን ተጠቒመ፡ እምነተይ ንኻልኦት ከካፍል ክኢለ እየ። ሽማግለታት እታ ጉባኤ ብተሌፎን ንዚግበር ዝርርብ ኣዝየ ከም ዝፈትዎ ስለ ዘስተብሃሉ፡ ነቲ ብተሌፎን ዚግበር ወፈራ ስብከት ከወሃህድ ሓቲቶምኒ እዮም። እዚ ወፈራታት እዚ፡ ብፍላይ ነቶም ካብ ቤት ኪወጹ ዘይክእሉ ኣባላት እታ ጉባኤ ሓጊዙ እዩ።

ፌሊክስ ኣሌርኮን ነቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ተጠቒሙ ንሓደ ሰብኣይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓሉ ኸሎ

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናመራሕኩ

ይኹን እምበር፡ ህይወተይ ኣብ ቴክኖሎጂ ጥራይ እተሓጽረት ኣይኰነትን። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ፈተውተይ ኪበጽሑኒ ይመጹ እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ንዘለዎም ኣዝማዶምን ዚፈልጥዎም ሰባትን ሒዞም ድማ ይመጹ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ነቶም ሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከመያይጦም ይሓትቱኒ እዮም። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት፡ ስድራ ቤታት ይበጽሑንን ኣብ መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም ክካፈል ይዕድሙንን እዮም። ብፍላይ እቶም ንኣሽቱ ቘልዑ ኣብ ደንደስ ዓራተይ ኮፍ ኢሎም፡ ንየሆዋ ስለምንታይ ከም ዜፍቅርዎ ኺነግሩኒ ኸለዉ ባህ እዩ ዚብለኒ።

ሓንቲ ስድራ ቤት ንፌሊክስ ኣሌርኮን ክትበጽሖ ኸላ፡ ቈልዑ ኸኣ ስእልታት ኬርእይዎ ኸለዉ

ምስ ፈተውተይ ኰይነ ኣምልኾ ስድራ ቤት ክገብር ከለኹ

እቲ ብዙሓት ሰባት ዚገብሩለይ ምብጻሕ ኣዝየ እየ ዘማስወሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ኽፍለይ በቶም ኪበጽሑኒ ኢሎም ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ፈተውተይ ምስ መልአት እያ። እቲ ዝረኽቦ ፍቕራዊ ሓልዮት ነቶም ኣለይቲ ሕሙማት ክሳዕ ክንደይ ከም ዜገርሞም ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም። የሆዋ ኣባል እዚ ዜደንቕ ዓለምለኻዊ ሕውነት ክኸውን ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተለይ፡ በብመዓልቱ እየ ዘመስግኖ።

ቀጻሊ ቓልሲ

ዝዀነ ይኹን ሰብ ከመይ ከም ዘለኹ ምስ ዝሓተኒ፡ “እነኹልካ፡ ገና እቃለስ እየ ዘለኹ!” እየ ዝብሎ። ርግጽ እዩ፡ ኣብዚ ቓልሲ እዚ በይነይ ከም ዘይኰንኩ እፈልጥ እየ። ኵነታትና ወይ ዜጋጥመና ዕንቅፋታት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኵልና ክርስትያናት ኣብ ቃልሲ ኢና ዘለና፣ እዚ “ጽቡቕ ገድሊ እምነት” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:12) ንብዙሕ ዓመታት ብቐጻሊ ኽቃለስ ዝሓገዘኒ እንታይ እዩ፧ ናብ የሆዋ መዓልታዊ እጽሊ፡ ህይወተይ ዕላማ ኸም ዚህልዋ ስለ ዝገበራ ኸኣ አመስግኖ እየ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ተስፋ ብምትኳር፡ ንገዛእ ርእሰይ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሕዝቲ እገብራ እየ።

ቀንዲ ዓርኪ ፌሊክስ ኣሌርኮን ዝዀነ ሆሴ ማሪያ

ሆሴ ማሪያ

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብዛዕባ ሓዳስ ዓለምን ኣብኡ እንደገና ኽትጐዪን ክትነጥርን ምኽኣል ከመይ ከም ዚመስል ብኣእምሮይ ክስእሎ እፍትን እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ሕማም ፖልዮ ዘለዎ ናይ ቀረባ ፈታውየይ ሆሴ ማሪያ፡ ሓቢርና ኣብ ውድድር ማራቶን ብዛዕባ ምቅድዳም እዋዘዮ እየ። “መንና እዩ ኺዕወት፧” ብምባል እሓትቶ እሞ፡ ንሱ ድማ “መንና ኸም ዚዕወት ዜገድስ ኣይኰነን፣ እቲ ቐንዲ ዜገድስ ነገር ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣቲና ኽንቀዳደም ምኽኣልና እዩ” ኢሉ ይምልሰለይ።

ንስንክልናይ ናተይ ኢለ ክቕበሎ ቐሊል ኣይነበረን። ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ብሰንኪ እቲ ብዕሽነተይ ዝፈጸምክዎ ተግባር ከም እተጐዳእኩ እፈልጥ እየ። የሆዋ ስለ ዘይሓደገኒ ግና ሕጉስ እየ። የሆዋ ብዙሕ ነገራት ሂቡኒ እዩ፣ ገለ ኻብኡ፡ ዓብዪ መንፈሳዊ ስድራ ቤትን ብህይወት ናይ ምንባር ድሌትን ንኻልኦት ብምሕጋዝ ዚርከብ ሓጐስን ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ዜደንቕ ተስፋን እዩ። ነቲ ዚስምዓኒ ስምዒታት ብሕጽር ዝበለ ኽገልጾ እንተ ዀይነ፡ የሆዋ ኻብቲ ዚግብኣኒ ንላዕሊ እዩ ሂቡኒ ጥራይ እየ ኽብል ዝኽእል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ