ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/10 ገጽ 15
  • ብናጻ ይቕረ በል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብናጻ ይቕረ በል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንሓድሕድኩም ይቕረ ተባሃሃሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ይቕረታ እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ስለምንታይ ይቕረ እንብል?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/10 ገጽ 15

ንግዜና ዚኸውን ጥንታዊ ጥበብ

ብናጻ ይቕረ በል

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተ ኣለዎ፡ ንሓድሕድኩም . . . ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉ። ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።”—ቈሎሴ 3:13።

ሓንቲ ሰበይቲ ብኢዳ እናኣመልከተት ካብ ካልእ ሰበይቲ ኽትርሕቕ ከላ

እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓጢኣት ምስ ዕዳ፡ ይቕረ ምባል ከኣ ምስ ዕዳ ምስራዝ ተመሳሲሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 18:21-35) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ “ይቕረ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ካብ ዕዳ ናጻ ምግባር፡ ደጊምካ ድማ ዘይምሕታት” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዋ ገለጸ። ስለዚ፡ ንዝበደለና ሰብ ይቕረ ኽንብለሉ ኸሎና፡ ካብኡ ዝዀነ ነገር ከይተጸበና ኽንሓድገሉ ኣሎና። ይቕረ ኽንብል ፍቓደኛታት ምዃንና፡ ነቲ ሕማቕ ባህርይ ሰሚርናዮ ወይ ድማ ነቲ ዘስዓበልና ጕድኣት ኣቕሊልና ርኢናዮ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዋላ እኳ ቕቡል ዝዀነ ‘ኽሲ እንተ ኣሎና፡’ ቂም ኣይንሕዝን ኢና።

ኣብዚ ግዜና ይዓዪ ድዩ፧ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ኵላትና ንሓጥእ ኢና። (ሮሜ 3:23) ስለዚ፡ ውዒልና ሓዲርና ኻልኦት ይቕረ ኺብሉልና ኸም ዜድልየና ምፍላጥና ንኻልኦት ይቕረ ንኽንብለሎም ኪድርኸና ኣለዎ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንኻልኦት ይቕረ ኽንብል ከሎና፡ ንገዛእ ርእስና እውን ንጥቀም ኢና። ብኸመይ፧

ክልተ ኣንስቲ ኺተሓቛቘፋ ኸለዋ

ሰባት ኬቘጥዑና ኸለዉ ንቕየምን ይቕረ ዘይንብልን እንተ ዄንና ንርእስና ኢና እንጐድእ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ሓጐስና ኺሰርቀና፡ ጕሁያትን ርእስና ኸም እንፈልን ድማ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ከቢድ ጸገም ጥዕና እውን ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ብዶክተር ዮቺ ቺዳን ፕሮፈሰር ስነ ኣእምሮ ኣንድሪው ስተፕቶን፡ ኣብ ጆርናል ኦቭ ዘ ኣመሪካን ኮሌጅ ኦቭ ካርዲዮሎጂ ዝወጸ ጸብጻብ፡ “እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ርኽበታት፡ ሕርቃን ወይ ጽልኢ ንሕማም ልቢ ኸም ዜቃልዕ እዩ ዜርኢ” ብምባል ይድምድም።

ይቕረ ምባል ዘለዎ ጥቕምታት ከኣ ርአ። ንኻልኦት ብናጻ ይቕረ ምስ እንብል፡ ሰላምን ሓድነትን ንዕቅብ፣ ምስ ካልኦት ድማ ጽቡቕ ርክብ ይህልወና። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ነቲ ንእተናስሑ ሓጥኣን ብናጻ ይቕረ ዚብልን ንዓና እውን ከምኡ ኽንገብር ዚጽበየና ኣምላኽ ንመስሎ።—ማርቆስ 11:25፣ ኤፌሶን 4:32፣ 5:1።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ