ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp16 ቍ. 2 ገጽ 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድያብሎስ መን ወይ እንታይ እዩ፧
  • ድያብሎስ ንሰባት ኪቈጻጸሮም ይኽእልዶ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ከምቲ የሱስ እተጻረሮ ‘ንድያብሎስ ተጻረሮ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ድያብሎስ ማሪታዊ እምነት ጥራይ ኣይኰነን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንሰይጣን ተጻረሮ እሞ: ንሱ ኺሃድም እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
wp16 ቍ. 2 ገጽ 16
የሱስ ንፈተናታት ሰይጣን ተቓወሞ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ድያብሎስ መን ወይ እንታይ እዩ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • መንፈሳዊ ኣካል

  • ኣብ ውሽጢ ሰብ ዚርከብ እኩይ ባህሪ

  • ብሓሳብ እተፈጥረ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ድያብሎስ ንየሱስ ተዛሪብዎን ‘ፈቲንዎን’ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 4:1-4) ስለዚ፡ ድያብሎስ ብሓሳብ እተፈጥረ ወይ ኣብ ውሽጢ ሰባት ዚርከብ እኩይ ባህሪ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ እኩይ መንፈሳዊ ኣካል እዩ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ድያብሎስ፡ ኣብ ፈለማ ቕዱስ መልኣኽ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን።” (ዮሃንስ 8:44) ሓሳዊ ዀነ፣ ካብ ኣምላኽ ድማ ዓለወ።

  • ካልኦት መላእኽቲ ኸኣ ንዕልወት ሰይጣን ሓበርዎ። —ራእይ 12:9።

  • ድያብሎስ፡ ሰባት ብዛዕባ ህልውናኡ ምእንቲ ኸይፈልጡ ንኣእምሮ ብዙሓት ኣዕዊርዎ ኣሎ።—2 ቈረንቶስ 4:4።

ድያብሎስ ንሰባት ኪቈጻጸሮም ይኽእልዶ፧

ገሊኦም ሰባት እንታይ ይብሉ፧ ድያብሎስ ንሰባት ከም ዚቈጻጸሮም ዚገልጽ ሓሳብ ንገሊኦም ሰባት ምትላል ኰይኑ እዩ ዚስምዖም፣ ካልኦት ግና እኩያት መናፍስቲ ኸይሓድርዎም ይፈርሁ እዮም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ” እያ ዘላ። (1 ዮሃንስ 5:19) ድያብሎስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ሓያል ጽልዋ የሕድር እኳ እንተ ዀነ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይቈጻጸሮ እዩ ማለት ግና ኣይኰነን።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ድያብሎስ ጽልዋኡ ንምሕያል ምትላል እዩ ዚጥቀም።—2 ቈረንቶስ 11:14።

  • ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት እኩያት መናፍስቲ ንሰባት ኪቈጻጸርዎም ይኽእሉ እዮም።—ማቴዎስ 12:22።

  • ብሓገዝ ኣምላኽ፡ “ንድያብሎስ ክትጻረሮ” ትኽእል ኢኻ።—ያእቆብ 4:7።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብ ምዕራፍ 10 ርአነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ በጃኹም ስደዱለይ

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ