ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp16 ቍ. 4 ገጽ 14-15
  • ክትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ምንጽጻር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ምንጽጻር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ እንኣምኖ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እነነጻጽሮ
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • መን ኢዮም ናብ ሰማይ ዝኸዱ: ስለምንታይከ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
wp16 ቍ. 4 ገጽ 14-15

ክትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ምንጽጻር

ንርእስኻ ኸም ክርስትያን ዲኻ እትቘጽራ፧ ከምኡ ጌርካ ትቘጽራ እንተ ዄንካ፡ ሓደ ኻብቶም ‘ሰዓብቲ የሱስ ኢና’ ዚብሉ ኽልተ ቢልዮን ሰባት ኢኻ፣ እዚ ኸኣ ብገምጋም 1 ኻብ 3 ሰባት ማለት እዩ። ሎሚ፡ ንሓድሕዱ ብዚጋጮ ሰረተ እምነታትን ብእተፈላለየ ኣመለኻኽታን እተኸፋፈላ፡ ክርስትያናት ተባሂለን ዚጽውዓ ብኣሽሓት ዚቝጸራ ጕጅለታት ኣለዋ። ስለዚ፡ እምነትካ ኻብ እምነት እቶም ንርእሶም ከም ክርስትያን ዚቘጽርዋ ሰባት ኣዝዩ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እንታይ ከም እትኣምን ብሓቂዶ የገድስ እዩ፧ እወ፣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ መገዲ ክርስትና ኸተተግብሮ ትደሊ እንተ ዄንካ የገድስ እዩ።

እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ፡ “ክርስትያናት” ተባሂሎም ይፍለጡ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:26) እምነት ክርስትና ሓንቲ ጥራይ ስለ ዝነበረት፡ ብኻልእ ኣስማት ኪልለዩ ኣየድልዮምን እዩ ነይሩ። ክርስትያናት ንትምህርትታትን መምርሒታትን እቲ መስራቲ ክርስትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብሓድነት ስዒቦምዎ እዮም። ቤተ ክርስትያንካኸ፧ ነቲ ክርስቶስ ዝመሃሮ ትምህርትታትን ነቲ እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዚኣምንዎ ዝነበሩ ነገራትን ድያ እትምህር፧ ነዚ ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል፧ ሓደ መገዲ ጥራይ እዩ ዘሎ፣ ንሱ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መዐቀኒ ምጥቃም እዩ።

ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ የሱስ ክርስቶስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ዓሚቝ ኣኽብሮት እዩ ነይርዎ። ነቶም ንስርዓታት ሰብ ቀዳምነት ብምሃብ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘቃለሉ ሰባት ኣይደገፎምን። (ማርቆስ 7:9-13) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንዚኣምንዎ ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምስርትዎ ኸም ዚግባእ ክንድምድም ንኽእል ኢና። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ ‘ትምህርትታት ቤተ ክርስትያነይ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ድዩ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትታ እምበኣር ግቡእ እዩ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ነቲ ቤተ ክርስትያንካ እትምህሮ ትምህርቲ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚብሎ ንምንታይ ዘይተነጻጽሮ፧

የሱስ፡ እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣምልኾ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ እተመስረተ ኪኸውን ከም ዘለዎ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 4:24፣ 17:17) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ድሕነትና፡ “ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ” ኣብ ምምጻእና ኸም ዚምርኰስ ሓበረ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ስለዚ እምበኣር፡ እቲ እንኣምኖ ነገራት ኣብ ልክዕ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኪኸውን ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ ድሕነትና ኣብኡ እተመርኰሰ እዩ።

ነቲ እንኣምኖ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እነነጻጽሮ

ነዘን ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘለዋ ሽዱሽተ ሕቶን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልስታትን ከተንብቦ ንዕድመካ። ነቲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦ፣ ነቲ መልስታት ድማ ኣስተንትነሉ። ድሕሪኡ፡ ‘ትምህርትታት ቤተ ክርስትያነይ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኺነጻጸር ከሎ ኸመይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

እዚ ሓጺር መርመራ እዚ፡ ዝበለጸ ምንጽጻር ክትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኻልእ ትምህርትታት ቤተ ክርስትያንካ እውን ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኸተነጻጽሮ ትደሊዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንጹር ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኺመርሓልካ ንምንታይ ዘይትሓትቶ፧ ወይ ከኣ ናብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ።

1 ሕቶ፦ ኣምላኽ መን እዩ፧

መልሲ፦ እቲ ኣቦ የሱስ ዝዀነ የሆዋ፡ ዘለኣለማዊ ኣምላኽን ኵሉ ዚኽእል ፈጣሪ ዅሉ ነገራትን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ምእንታኹም ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ነመስግኖ ኢና።”—ቈሎሴ 1:3።

“ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”—ራእይ 4:11።

ሮሜ 10:13፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:17 እውን ርአ።

2 ሕቶ፦ የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

መልሲ፦ የሱስ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ስለ እተፈጥረ ድማ መጀመርታ ኣለዎ። ንሱ ንኣምላኽ ይግዛእን ይእዘዝን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ካባይ ኣቦ ይዓቢ እዩ።”—ዮሃንስ 14:28።

“[የሱስ] ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት እዩ።”—ቈሎሴ 1:15።

ማቴዎስ 26:39፣ 1 ቈረንቶስ 15:28 እውን ርአ።

3 ሕቶ፦ መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

መልሲ፦ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ዚጥቀመሉ ሓይሊ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣካል ኣይኰነን። ሰባት ብእኡ ኺምልኡን ካብኡ ሓይሊ ኺረኽቡን ይኽእሉ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኤልሳቤጥ ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት ድማ፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ፣ ኤልሳቤጥ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ።”—ሉቃስ 1:41።

‘መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም።’—ግብሪ ሃዋርያት 1:8።

ዘፍጥረት 1:2፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4፣ 10:38 እውን ርአ።

4 ሕቶ፦ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መልሲ፦ መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊት ምምሕዳር እያ። ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ የሱስ እዩ። ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ መላእ ምድሪ ኸም ዚኸውን ክትገብር እያ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“እቲ ሻውዓይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ኣብ ሰማይ ከኣ፡ ‘መንግስቲ ዓለም ናይ ጐይታናን ናይቲ ክርስቶሱን ኰይና እያ፣ ንዘለኣለመ ኣለም እውን ኪነግስ እዩ’ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።”—ራእይ 11:15።

ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10 እውን ርአ።

5 ሕቶ፦ ኵሎም ጻድቃን ድዮም ናብ ሰማይ ዚኸዱ፧

መልሲ፦ ኣይኰኑን። ኣምላኽ ዝሓረዮም፡ “ሒደት መጓሰ” ተባሂሎም ዚጽውዑ እተወሰነ ቝጽሪ ዘለዎም እሙናት ሰባት ጥራይ እዮም ናብ ሰማይ ዚኸዱ። ነገስታት ብምዃን ድማ ምስ የሱስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ኪገዝኡ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣታ ሒደት መጓሰ፡ መንግስቲ ኺህበኩም ኣቦኹም ሰሚርዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ።”—ሉቃስ 12:32።

‘ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡ እውን ኪነግሱ እዮም።’—ራእይ 20:6።

ራእይ 14:1, 3 እውን ርአ።

6 ሕቶ፦ ንምድርን ንደቂ ሰብን ብዚምልከት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

መልሲ፦ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እያ፣ እሙናት ደቂ ሰብ ድማ ፍጹም ጥዕናን ነባሪ ሰላምን ዘለዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኬስተማቕሩ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:10, 11።

“ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:3, 4።

መዝሙር 37:29፣ 2 ጴጥሮስ 3:13 እውን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ