ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp17 ቍ. 1 ገጽ 5-6
  • ሰሓቢ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰሓቢ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምዕራፋትን ፍቕድታትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተኣታተወ ብኸመይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ምኽሪ መጽናዕቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ከመይ ጌርካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
wp17 ቍ. 1 ገጽ 5-6
ሓንቲ ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከላ፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ናውቲ ትጥቀም

ገበር | ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ተጠቐም

ሰሓቢ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ዜሰልኪ ድዩ ዝዀነካ ወይስ ባህ ዜብል፧ እዚ ዝያዳ ኣብቲ እተንብበሉ መገዲ እዩ ዚምርኰስ። ሰሓብን ዜሐጕስን ምእንቲ ኪኸውን፡ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል እስከ ንርአ።

ዜተኣማምንን ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወን ትርጉም ምረጽ። እቲ እተንብቦ ጽሑፍ፡ ትርጉሙ ዘይትፈልጦ ኸቢድ ወይ ግዜኡ ዝሓለፎ ብዙሕ ቃላት ዘለዎ እንተ ዀይኑ፡ ባህ ኢሉካ ኸተንብቦ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ፡ ብቐሊሉ ዚርዳእን ልብኻ ዚትንክፍን ቋንቋ ዚጥቀም መጽሓፍ ቅዱስ ድለ። ምስናይዚ ግና፡ ብጥንቃቐን ብልክዕን እተተርጐመ ኪኸውን ኣለዎ።a

ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቐም። ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተሓትመ ጥራዛት ጥራይ ዘይኰነስ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ እውን ይርከብ እዩ። ገሊኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ኣቲኻ ኸተንብቦ ወይ ድማ ኣብ ኮምፕዩተርካ፡ ታብለትካ ወይ ቴሌፎንካ ኣራጊፍካ ኸተንብቦ ይከኣል እዩ። ገሊኡ ሕታማት፡ ብዛዕባ እቲ እተንብቦ ዘለኻ ርእሰ ነገር ዚገልጽ ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቕልጡፍ ክትረክብ ወይ ምስ ካልእ ትርጉማት ከተነጻጽር ዚሕግዘካ ተወሳኺ ንዋት ኣለዎ። ካብ ምንባብ፡ ምስማዕ ትመርጽ እንተ ዄንካ ድማ፡ ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ብመጐዓዝያ ኺጐዓዙ፡ ክዳን ኪሓጽቡ፡ ወይ ከኣ ኪሰምዑ ኣብ ዜፍቅደሎም ካልእ ንጥፈታት ኪጽመዱ ኸለዉ፡ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ምስማዕ ባህ ይብሎም እዩ። ንምንታይ ንዓኻ ዚጥዕመካ ሜላ ኽትጥቀም ዘይትፍትን፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ንዋት ተጠቐም። እዚ ንዋት እዚ፡ ካብ ንባብካ ዝያዳ ጥቕሚ ኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ንእተጠቕሱ ቦታታት ክትረኽቦምን ንፍጻመታት ከተተኣሳስርን ኪሕግዘካ እተዳለወ ካርታታት ኣሎ። ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ዀነ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ዚወጽእ ዓንቀጻት፡ ንትርጉም ብዙሕ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ክትርዳእ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

እተፈላለየ ሜላ ተጠቐም። ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ንጫፍ ምንባቡ ኸቢድ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንምንታይ በቲ ዚስሕበካ ኽፋል ከተንብብ ብምጅማር ተገዳስነትካ ዘይተለዓዕል፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ብዛዕባ ዚርከቡ ፍሉጣት ሰባት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ እተወሰኑ ገጸ ባህርያት መሪጽካ ብዛዕባኦም ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ኸተንብብ እትኽእለሉ ንመርኣዪ ዚኸውን መገዲ፡ ኣብታ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብኡ እተጠቕሱ ሰባት ብምፍላጥ መርምሮ” ዘርእስታ ሳጹን ይርከብ እዩ። ወይ ከኣ ምናልባት ንመጽሓፍ ቅዱስ በብርእሰ ነገር ወይ ብመስርዕ ፍጻመታት ከተንብቦ ትደሊ ትኸውን። ንምንታይ ንሓዲኡ ዘይትፍትኖ፧

a ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕነቱ ዝሓለወን ዜተኣማምንን ንምንባቡ ቐሊልን ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። እዚ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብልዕሊ 130 ቋንቋ ይርከብ እዩ። ካብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ሓደ ቕዳሕ ከተራግፍ ወይ ነቲ JW Library ዚብሃል ኣፕሊኬሽን ከተራግፎ ትኽእል ኢኻ። እንተ ደሊኻ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ቕዳሕ ናብ ቤትካ ኼምጽኡልካ ይኽእሉ እዮም።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብኡ እተጠቕሱ ሰባት ብምፍላጥ መርምሮ

ገሊአን እሙናት ኣንስቲ

ሃና

1 ሳሙኤል ምዕራፍ 1-2

ማርያም

(ኣደ የሱስ) ማቴዎስ ምዕራፍ 1-2፣ ሉቃስ ምዕራፍ 1-2፣ ኣብ ዮሃንስ 2:1-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:12-14፣ 2:1-4 እውን ርአ

ረሃብ

እያሱ ምዕራፍ 2, 6፣ ኣብ እብራውያን 11:30, 31፣ ያእቆብ 2:24-26 እውን ርአ

ርብቃ

ዘፍጥረት ምዕራፍ 24-27

ሳራ

ዘፍጥረት ምዕራፍ 17-18, 20-21, 23፣ ኣብ እብራውያን 11:11፣ 1 ጴጥሮስ 3:1-6 እውን ርአ

ኣስቴር

ኣስቴር ምዕራፍ 2-5, 7-9

ኣቢጋይል

1 ሳሙኤል ምዕራፍ 25

ገሊኦም ሓለፍ ዝበሉ ሰብኡት

ሙሴ

ዘጸኣት ምዕራፍ 2-20, 24, 32-34፣ ዘሁልቍ ምዕራፍ 11-17, 20, 21, 27, 31፣ ዘዳግም ምዕራፍ 34

ኣብርሃም

ዘፍጥረት ምዕራፍ 11-24፣ ኣብ 25:1-11 እውን ርአ

ኖህ

ዘፍጥረት ምዕራፍ 5-9

የሱስ

ወንጌል ማቴዎስ፡ ወንጌል ማርቆስ፡ ወንጌል ሉቃስ፡ ወንጌል ዮሃንስ

ዳዊት

1 ሳሙኤል ምዕራፍ 16-30፣ 2 ሳሙኤል ምዕራፍ 1-24፣ 1 ነገስት ምዕራፍ 1-2

ጳውሎስ

ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 7-9, 13-28

ጴጥሮስ

ማቴዎስ ምዕራፍ 4, 10, 14, 16-17, 26፣ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 1-5, 8-12

ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ናውቲ

  • JW.ORG—እዚ ወብ ሳይት እዚ፡ ከም “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዝኣመሰለ ኽፋላት መጽናዕቲ የጠቓልል። JW Library ንዚብሃል ኣፕሊኬሽን እተራግፈሉ መምርሒታት እውን ይርከቦ እዩ

  • “ሲ ዘ ጉድ ላንድ”—እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ካርታታትን ስእልታትን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ቦታታት ኣለዋ

  • ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ—እዚ ኽልተ ጥራዝ ዘለዎ መዝገበ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ፡ መግለጺታት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ሰባትን ቦታታትን ቃላትን ዘጠቓለለ እዩ

  • “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቅነቱ እተረጋገጸን ጠቓምን እዩ—እዘን ብሮሹራት እዚአን፡ ኵሉ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ መዓስን ኣበይን ስለምንታይን ከም እተጻሕፈት ይገልጻ፣ ትሕዝቶ ዅሉ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ የቕርባ

  • ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧—እዛ ንእሽቶን ብጥንቃቐ ምርምር እተገብረላን መጽሓፍ፡ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዚሕብር መርትዖ ተቕርብ

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧ —እዛ 32 ገጽ ዘለዋ ብሮሹር ንፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕጽር ኣቢላ ትገልጾ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ