ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp17 ቍ. 4 ገጽ 3
  • እተደናግር ሕቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እተደናግር ሕቶ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ህይወት ድሕሪ ሞት—ሰባት እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ ኢዩ፧
    ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
  • ንነፍሲ ዝኸውን ዝሓሸ ተስፋ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ነፍሲ
    ንቕሑ!—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
wp17 ቍ. 4 ገጽ 3
ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ዚበርህ ሽምዓታት ኰይና ብመቝጸርያ ትጽሊ

ሰዓብቲ መብዛሕትአን ዓበይቲ ሃይማኖታት፡ ነፍሲ ሰብ ከም ዘይትመውት ይኣምኑ

ገበር | ህይወትን ሞትን—መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እንታይ ይብል፧

እተደናግር ሕቶ

ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ብዙሕን እተፈላለየን ኣረኣእያ ኣሎ። ገሊኦም ድሕሪ ሞት ካልእ ኣካል ለቢሶም ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ዀይኖም ብህይወት ምንባር ከም ዚቕጽሉ ይኣምኑ። ገሊኦም ድማ ካልእ ህይወት ምእንቲ ኺነብሩ፡ እንደገና ኸም ዚውለዱ ይኣምኑ። ገሊኦም ከኣ ሞት መወዳእታ ዅሉ ነገር ከም ዝዀነ ይሓስቡ።

ብምኽንያት ኣተዓባብያኻ ወይ ባህልኻ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ናትካ እምነት ይህልወካ ይኸውን። ‘ድሕሪ ሞት እንታይ እዩ ዜጋጥም፧’ ብዛዕባ እትብል ሕቶ ኣዝዩ እተፈላለየ ኣረኣእያ ስለ ዘሎ፡ ነዛ እተደናግር ሕቶ እዚኣ ዜተኣማምንን ቅኑዕን መልሲ ምእንቲ ኽንረኽበላ መን ኪሕግዘና ይኽእል፧ እቲ መልሲኸ ኻበይ ክንረኽቦ ንኽእል፧

መራሕቲ ሃይማኖት፡ ነፍሲ ሰብ ከም ዘይትመውት ዚገልጽ ሰረተ እምነት ንዘመናት ምሂሮም እዮም። ሰዓብቲ መብዛሕትአን ዓበይቲ ሃይማኖታት፡ ማለት ክርስትያናትን ሂንዱነትን ኣይሁድን እስላምን ካልኦትን፡ ድሕሪ ሞት ካብ ሰብነት ተፈልያ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እትነብር ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላ ይኣምኑ እዮም። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣመንቲ ቡድህና፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰብ ዘሎ ሓይሊ ማእለያ ብዘይብሉ ዳግመ ውልደት ኣቢሉ ኒርቫና ናብ ዚብሃል ፍስሃ ዝመልኦ ዅነት ኪበጽሕ ከም ዚኽእል ይኣምኑ።

ሰባት ንዝሞቱ ሰቦም ምግቢ የቐምጡ

ብምኽንያት እዚ ትምህርትታት እዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ሞት ኣብ ካልእ ዓለም ብህይወት ንምንባር መገዲ ኸም ዚኸፍት ኪኣምኑ ኽኢሎም እዮም። ብዙሓት ሰባት እምበኣር፡ ሞት ኣብ ዑደት ህይወት ኣገዳሲ ስጕምቲ ኸም ዝዀነ፡ ዕላማ ኣምላኽ እውን ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ይብል፧ በጃኻ፡ ነዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ኣንብባ። እቲ መልሲ ኼገርመካ ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ