ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp17 ቍ. 5 ገጽ 4-5
  • ብዛዕባ መላእኽቲ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ መላእኽቲ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መላእኽቲ መን ወይ እንታይ እዮም፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መላእኽቲ —“መናፍስቲ ኣገልግሎት”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መላእኽቲ ብኸመይ ይጸልዉና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • መላእኽቲ
    ንቕሑ!—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
wp17 ቍ. 5 ገጽ 4-5
ሊቀ መላእኽትን ካልኦት ኣእላፋት መላእኽትን

ገበር | መላእኽቲ ብሓቂዶ ኣለዉ እዮም፧ ስለምንታይከ የገድሰና፧

ብዛዕባ መላእኽቲ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ መላእኽቲ እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ፡ ማለት እንታዎት ምዃኖምን ናብ ህልውና ብኸመይ ከም ዝመጹን ዕዮኦም እንታይ ከም ዝዀነን ክትፈልጥ ምደለኻዶ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚኸውን ዜተኣማምን መልሲ ኺርከብ ዚኽእል ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚነግረና፧

  • ከምቲ ኣምላኽ መንፈስ ዝዀነ፡ መላእኽቲ እውን ‘ስጋን ዓጽምን ዘይብሎም’ ብዓይኒ ዘይረኣዩ መንፈስ እዮም። እሙናት መላእኽቲ ኣብ ሰማያት እዮም ዚነብሩ፣ ምስቲ ኣብ ሰማያት ዚነብር ኣምላኽ ድማ ብቐጥታ ይራኸቡ እዮም።—ሉቃስ 24:39፣ ማቴዎስ 18:10፣ ዮሃንስ 4:24።

  • መላእኽቲ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዝሃቦም ዕዮ ምእንቲ ኺፍጽሙ፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ስጋ ሰብ ለቢሶም ወይ ሰብ መሲሎም ተራእዮም እዮም። ዕዮኦም ምስ ዛዘሙ ኸኣ ስጋኦም ቀንጢጦም እዮም።—መሳፍንቲ 6:11-23፣ 13:15-20።

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መላእኽቲ ኸም ተባዕትዮ ተገሊጾም እኳ እንተ ኣለዉ፡ ስጋ ሰብ ኪለብሱ ኸለዉ ድማ ወትሩ ተባዕትዮ ዀይኖም ይረኣዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ መንጎኦም ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ዚብሃል ፍልልይ የብሎምን። ኣይምርዓዉን ወይ ኣይወልዱን እዮም። ብዘይካዚ፡ መላእኽቲ ቕድሚ ሕጂ ሕጻናት፡ ወይ ቈልዑ፡ ወይ በጽሕታት ኰይኖም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ እሞ፡ ምስ ሞቱ መላእኽቲ ዀይኖም ናብ ሰማይ ዝኸዱ ደቂ ሰብ ኣይኰኑን። መላእኽቲ ብየሆዋ እዮም ተፈጢሮም፣ ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ኢሉ ዚጽውዖም።—እዮብ 1:6፣ መዝሙር 148:2, 5።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ቛንቋታት ሰብን መላእኽትን” ይዛረብ እዩ፣ እዚ ኸኣ መንፈሳውያን ፍጡራት ቋንቋ ኸም ዘለዎምን ከም ዚዛረቡን ይሕብር። ኣምላኽ ምስ ሰባት ንምዝርራብ መላእኽቲ እኳ እንተ ተጠቕመ፡ ንመላእኽቲ ኸነምልኾም ኰነ ናባታቶም ክንጽሊ ግና ኣይፈቐደልናን።—1 ቈረንቶስ 13:1፣ ራእይ 22:8, 9።

  • ቍጽሪ መላእኽቲ ኣእላፋት ግዜ ኣእላፋት እዩ። ቢልዮናት እውን ኪበጽሕ ይኽእል እዩ።a—ዳንኤል 7:10፣ ራእይ 5:11።

  • መላእኽቲ ‘ብርቱዕ ዝሓይሎም’ እዮም። ካብ ደቂ ሰብ ኣጸቢቖም ዚሕይሉን ልዕለ ሰብኣዊ ምስትውዓል ዘለዎምን እዮም። ደቂ ሰብ ኪግምትዎ ኻብ ዚኽእሉ ንላዕሊ ብኣዝዩ ልዑል ፍጥነት ኪጐዓዙ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 103:20፣ ዳንኤል 9:20-23።

  • መላእኽቲ ኣዝዮም ሓያላትን ኣስተውዓልትን እኳ እንተ ዀኑ፡ ዓቕሞም ደረት ኣለዎ፣ ዘይፈልጥዎ ነገራት እውን ኣሎ።—ማቴዎስ 24:36፣ 1 ጴጥሮስ 1:12።

  • መላእኽቲ ባህርያት ኣምላኽ የንጸባርቑ እዮም፣ ናይ ምምራጽ ናጽነት እውን ኣለዎም። ስለዚ፡ ከም ደቂ ሰብ፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዜሕዝን፡ ገሊኦም መላእኽቲ ኻብ ኣምላኽ ኪዓልዉ መሪጾም እዮም።—ይሁዳ 6።

a እልፊ፡ 10,000 እዩ። እልፊ ግዜ እልፊ፡ 100 ሚልዮን እዩ። መጽሓፍ ራእይ ከኣ ብዛዕባ “ኣእላፋት ግዜ ኣእላፋት” መላእኽቲ ትዛረብ እያ። ስለዚ፡ ኣማእታት ሚልዮናት፡ ምናልባት እውን ቢልዮናት መንፈሳውያን ፍጡራት ኣለዉ ማለት እዩ።

መላእኽቲ ኣምላኽ ብኸመይ ተወዲቦም፧

እቲ ሊቀ መላእኽቲ ዝዀነ ሚካኤል ካብ ካልኦት ዝለዓለ ሓይልን ስልጣንን ዘለዎ ሓለቓ መላእኽቲ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሚካኤል ካልእ ስም የሱስ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ብንጹር ይሕብር እዩ።—1 ተሰሎንቄ 4:16፣ ይሁዳ 9።

ሱራፌል ኣብ መንጎ መላእኽቲ ኣዝዩ ልዑል መዓርግ ዘለዎም እዮም፣ ኣብ ዙርያ ዝፋን የሆዋ ድማ ይቘሙ።—ኢሳይያስ 6:1-3።

ኪሩቤል እውን ልዑል ዝመዓርጎም እዮም፣ ምስቲ ኽብሪ ዝመልኦ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብቐጥታ ዚተሓሓዝ ፍሉይ ሓላፍነታት ድማ ኣለዎም። ወትሩ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ከኣ የገልግልዎ።—ዘፍጥረት 3:24፣ ህዝቅኤል 9:3፣ 11:22።

ልኡኻት ዝዀኑ ኻልኦት ኣእላፋት መላእኽቲ ወኪላት እቲ ልዑል ኣምላኽ ኰይኖም ብምግልጋል ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ።b—እብራውያን 1:7, 14።

b ብዛዕባ መላእኽቲ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 10ን ኣብቲ “ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧” ዚብል መመላእታ ጽሑፍን ርአ። ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ