ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w17 መስከረም ገጽ 13-17
  • ምስ መንፈሳውያን ሰብኡት ብምዕያየይ ተባሪኸ እየ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ መንፈሳውያን ሰብኡት ብምዕያየይ ተባሪኸ እየ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቤት-ኤል ምግልጋል
  • እምንቲ ብጸይቲ ረኸብኩ
  • ምስ ኣሕዋት ክርስቶስ ብሓድነት ምዕያይ
  • ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት፡ ናበይ ከም ዝመርሓኒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ በረኸት ዝመልኦ ህይወት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
w17 መስከረም ገጽ 13-17

ታሪኽ ህይወት

ምስ መንፈሳውያን ሰብኡት ብምዕያየይ ተባሪኸ እየ

ዴቪድ ሲንክለር ዘዘንተዎ

ዴቪድ ሲንክለር መንእሰይ ቤት-ኤላዊ ኸሎ

ኣብ መፋርቕ 1930ታት፡ እቲ ጄምስ ሲንክለር ዝስሙ ኣቦይን እታ ጀሲ ሲንክለር ዝስማ ኣደይን ናብ ብሮንክስ፡ ኒው ዮርክ ሲቲ ገዓዙ። ሓደ ኻብቶም ወለደይ እተላለይዎም ሓደስቲ ሰባት፡ እቲ ኸማታቶም ካብ ስኮትላንድ ዝመጸ ዊሊ ስነዶን እዩ ነይሩ። ኣብ ናይ ፈለማ ሌላኦም ከኣ፡ ብኡብኡ ብዛዕባ ቤተ ሰቦም ኬዕልሉ ጀመሩ። እዚ፡ ኣነ ኸይተወለድኩ ኸለኹ ሒደት ዓመታት ኣቐዲሙ ዘጋጠመ እዩ።

ኣደይ ንዊሊ፡ ቀቅድሚ ቐዳማይ ውግእ ዓለም፡ ኣቦኣን ምዕባይ ሓዋን ነታ ዓሳ ዚገፍፉላ ጃልባኦም ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝጸንሐ ነታጒ ስለ ዝሃረማ ኸም ዝጠሓሉ ነገረቶ። ዊሊ ድማ፡ “ኣቦኺ ኣብ ሲኦል እዩ ዘሎ” በላ። ዊሊ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ ነይሩ፣ በዚ ዜሰንብድ መእተዊ ገይሩ ኸኣ ንኣደይ ምስ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኣላለያ።

ዊሊ ስነዶን ሊዝ ስነዶን

ዊሊ ስነዶን ሊዝ ስነዶን

ኣደይ፡ ኣቦኣ ሕያዋይ ሰብኣይ ከም ዝነበረ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት፡ እቲ ዊሊ ዝበሎ ኣጕሃያ። ዊሊ ግና ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “የሱስ ናብ ሲኦል ኣትዩ ኸም ዝነበረ እንተ ዝነግረኪኸ ኸመይ ምተሰምዓኪ፧” በላ። ሽዑ ኣደይ ነቲ የሱስ ናብ ሲኦል ከም ዝወረደ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ከም ዝተንስአ ዚገልጽ ዝነበረ ሰረተ እምነት ቤተ ክርስትያን ዘከረት። ስለዚ፡ ‘ሲኦል፡ እኩያት ሰባት ብሓዊ ዚሳቐይሉ ቦታ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ የሱስ ናብኡ ኸይዱ፧’ ኢላ ሓሰበት። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣደይ ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ከተሕድር ጀመረት። ኣብ ጉባኤ ብሮንክስ እውን ክትእከብ ጀመረት፣ ብ1940 ድማ ተጠምቀት።

ዴቪድ ሲንክለር ምስ ኣዴኡን ኣቦኡን

ምስ ኣደይ፡ ድሕሪ ግዜ ኸኣ ምስ ኣቦይ

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ክርስትያን ወለዲ ምስ ደቆም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ፍሉይ ምትብባዕ ኣይውሃቦምን እዩ ነይሩ። እግሪ ተኽሊ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣደይ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ኣኼባታት ክትእከብን ኣብ ዕዮ ስብከት ክትሳተፍን ከላ፡ ኣቦይ ይከናኸነኒ ነበረ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ከኣ፡ ኣነን ኣቦይን እውን ምስ ኣደይ ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ጀመርና። ኣደይ፡ ብስራት ኣብ ምስባኽ ኣዝያ ንጥፍቲ እያ ነይራ፣ ተገዳስነት ንዝነበሮም ብዙሓት ሰባት ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓሎም ነበረት። ተምሃሮኣ ጥቓ ንጥቓ ይነብሩ ስለ ዝነበሩ፡ ንገሊኦም ተምሃሮኣ ብጕጅለ ገይራ መጽናዕቲ እትመርሓትሉ ግዜ እውን ነይሩ እዩ። ትምህርቲ ኣብ ዚዕጸወሉ እዋናት፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ አሰንያ ነይረ እየ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ተምሃርኩ፡ ከመይ ገይረ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ንኻልኦት ሰባት ኪምህሮም ከም ዚኽእል እውን ፈለጥኩ።

ንእሽቶ ኸለኹ ንሓቂ ብዙሕ ኣየማስወሉን እየ ነይረ። ኣቕሊለ እየ ዝርእዮ ነይረ። ወዲ 12 ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ ግና ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኰንኩ፣ ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣዘውቲረ ኽሳተፍ ጀመርኩ። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ፡ ህይወተይ ንየሆዋ ብምውፋይ፡ ብ24 ሓምለ 1954 ኣብቲ ኣብ ቶሮንቶ፡ ካናዳ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተጠመቕኩ።

ኣብ ቤት-ኤል ምግልጋል

ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ገሊኦም ኣሕዋት፡ ቀደም ወይ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ዝነበሩ እዮም ነይሮም። ንዓይ ከኣ ብዙሕ ጽቡቕ ጽልዋ ገይሮምለይ እዮም። ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምዝራብን ምግላጽን ክእለቶም ይምስጠኒ ነበረ። መምህራነይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኽኣቱ ይደልዩኒ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሸቶይ ግና ናብ ቤት-ኤል ክኣቱ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣብ ቶሮንቶ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ናብ ቤት-ኤል ክኣቱ ኣመልከትኩ። ብ1955 እውን ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ስታድዩም ያንኪ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ዳግማይ ኣመልከትኩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ወዲ 17 ዓመት ከለኹ፡ ብ19 መስከረም 1955 ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ከገልግል ዕድመ ቐረበለይ። ቤት-ኤል ምስ ኣተኹ ድማ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልተይ፡ ኣብቲ ኣብ 117 ኣዳምስ ስትሪት ዝነበረ መጠረዚ መጻሕፍቲ ኽዓዪ ጀመርኩ። ኣብኡ ድማ፡ ነታ መጻሕፍቲ እትሰፊ ማኪና ዚኸውን በብ32 ገጽ እተጠርነፈ ኽፋላት መጻሕፍቲ ኣብ እተዳሉ ማሽን እሰርሕ ነበርኩ።

ዴቪድ ሲንክለር ወዲ 17 ዓመት ከሎ

ኣብ 17 ዓመት ዕድመይ፡ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤት-ኤል ከገልግል ጀመርኩ

ሓደ ወርሒ ዚኸውን ኣብ መጠረዚ መጻሕፍቲ ምስ ዓየኹ፡ ብናይ ጽሕፈት ማኪና ጌርካ ምጽሓፍ እኽእል ስለ ዝነበርኩ ናብ ክፍሊ መጽሔት ተሰደድኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንኣድራሻ ሓደስቲ ጠለብቲ ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ብሓጺን ኣብ እተሰርሐ ንእሽቶ ስተንስል ይጽሕፍዎ ነበሩ። ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሐ ኸኣ፡ ኣብ ክፍሊ ምልኣኽ ክዓዪ ጀመርኩ። ሽዑ፡ ሓላው እቲ ኽፍሊ ዝነበረ ክላውስ ጀንሰን፡ ንመራሕ እታ ካርቶናት ጽሑፋት ጽዒና ናብ መዐሸጊ መራኽብ እትወስዶ ዝነበረት ማኪና ጽዕነት ከሰንዮ ፍቓደኛ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ዚርከባ ጉባኤታት ምእንቲ ኺልኣኽ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ጶስጣ ዚውሰድ መጽሔታት ዝመልአ ኸረጺታት እውን ነበረ። ሓውና ጀንሰን፡ ናይ ጕልበት ዕዮ ኺጠቕመኒ ኸም ዚኽእል እዩ ሓሲቡ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ 57 ኪ.ግ. ኣቢለ ጥራይ ዝምዘን ኣዝየ ቐጢን እየ ነይረ። እቲ ናብ መዐሸጊ መራኽብን ናብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ጶስጣን ዝገብሮ ዝነበረኩ ጕዕዞ ብኣካላዊ መዳይ ክድልድል ሓጊዙኒ እዩ። ሓውና ጀንሰን፡ ዚጠቕመኒ እንታይ ምዃኑ ብርግጽ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ክፍሊ መጽሔት ንናይ ጉባኤታት ጠለብ መጽሔታት እውን ይቕበል ነይሩ እዩ። በዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ቛንቋታት እቲ ኣብ ብሩክሊን ተሓቲሙ ናብ ካልእ ክፋላት ዓለም ዚለኣኽ መጽሔታትና ፈለጥኩ። ብዙሕ ካብዚ ቛንቋታት እዚ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር መጽሔታት ናብ ርሑቕ ቦታታት ከም ዚለኣኽ ምፍላጠይ የሐጕሰኒ ነበረ። ዋላ እኳ ኣብቲ ግዜ እቲ እንተ ዘይፈለጥክዎ፡ ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት ንብዙሕ ካብዚ ቦታታት እዚ ናይ ምብጻሕ መሰል ረኺበ እየ።

ዴቪድ ሲንክለር ምስ ሮበርት ዋለንን ቻርለስ ሞለሃንን ዶን ኣዳምስን

ምስ ሮበርት ዋለንን ቻርለስ ሞለሃንን ዶን ኣዳምስን

ብ1961 ኣብ ቤት ጽሕፈት ተሓዝ ገንዘብ ክዓዪ ተመደብኩ፣ ነቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ሓውና ግራንት ሱተር እዩ ዚመርሖ ነይሩ። ኣብኡ እተወሰነ ዓመታት ምስ ገበርኩ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ሽዑ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮና ዚመርሖ ዝነበረ ናታን ኖር ተጸዋዕኩ። ሓውና ኖር፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዚዓይዩ ኣሕዋት ናብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ብምእታው ንሓደ ወርሒ ኸም ዚስልጥን፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ከም ዚምደብ ገለጸለይ። ስለዚ፡ ንቦታኡ ተኪአ ምስ ዶን ኣዳምስ ሓቢረ ኽዓዪ ተመደብኩ። ኣጋጣሚ ዀይኑ፡ ዶን እቲ ኣብቲ ብ1955 እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ናብ ቤት-ኤል ምእንቲ ኽኣቱ ንዝመላእክዎ ፎርም እተቐበለ ሓው እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ድሮ ዚዓይዩ ዝነበሩ ኻልኦት ክልተ ኣሕዋት ከኣ ሮበርት ዋለንን ቻርለስ ሞለሃንን እዮም ነይሮም። ኣርባዕቴና ንልዕሊ 50 ዓመት ብሓባር ዓዪና ኢና። ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እሙናትን መንፈሳውያንን ሰብኡት ሓቢርካ ምግልጋልሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!—መዝሙር 133:1።

ዴቪድ ሲንክለር ብ1970 ኣብ ቨነዝወላ ዝገበሮ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ዞባ

ብ1970 ኣብ ቨነዝወላ ዝገበርክዎ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ዞባ

ካብ 1970 ጀሚረ፡ ኣብ ዓዓመት ወይ ኣብ ከክልተ ዓመት ንሒደት ሰሙናት እናገሽኩ ንእተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኽበጽሕ ተመደብኩ። ሽዑ፡ እዚ ምብጻሕ እዚ፡ ምብጻሕ ዞባ ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ። ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤልን ሚስዮናውያንን ምብጻሕ፡ መንፈሳዊ ምትብባዕ ምሃብ፡ ከምኡ ድማ መዝገባት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምምርማር ዜጠቓልል ከኣ እዩ ነይሩ። ካብተን ቀዳሞት ክፍልታት ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመሪቖም ገና ኣብ ወጻኢ ሃገር ብተኣማንነት ምስ ዜገልግሉ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ምርኻብ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ምስዚ ዕዮ እዚ ብእተተሓሓዘ ንልዕሊ 90 ሃገራት ምብጻሕ ባህ ዜብልን ፍሉይ መሰልን እዩ ነይሩ።

ዴቪድ ሲንክለር ዝበጽሓን ሃገራት ዜርኢ ካርታ

ኣብ ልዕሊ 90 ሃገራት ንዚነብሩ ኣሕዋት ምብጻሕ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ

እምንቲ ብጸይቲ ረኸብኩ

ኣብ ብሩክሊን ዝነበሩ ዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ናብተን ኣብ ከባቢ ኒው ዮርክ ሲቲ ዚርከባ ጉባኤታት ተመዲቦም ነበሩ። ኣነ ኸኣ ኣብ ብሮንክስ ናብ እትርከብ ጉባኤ እየ ተመዲበ ነይረ። እታ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረት ናይ መጀመርታ ጉባኤ ዓብያን ተመቒላን ነይራ እያ። እታ ቐዳመይቲ ጉባኤ ኸኣ ጉባኤ ኣፐር ብሮንክስ ተባሂላ ትጽዋዕ ነይራ፣ ኣነ ድማ ኣብኣ እእከብ ነይረ።

ኣብ መፋርቕ 1960ታት፡ ኣብ ደቡብ ብሮንክስ ሓቂ ዝፈለጠት ላትቭያዊት ስድራ ቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ክሊ እታ ጉባኤ ገዓዘት። እታ ሊቭያ ዝስማ በዅሪ ጓሎም፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስ ዛዘመት፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰነት። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ንምግልጋል ናብ ማሳቹሰትስ ገዓዘት። ኣነ ኸኣ ደሃይ ጉባኤና ምእንቲ ኽነግራ ደብዳበታት ክጽሕፈላ ጀመርኩ፣ ንሳ ድማ ነቲ ኣብ ከባቢ ቦስተን ከተገልግል ከላ ዝረኸበቶ ኣሳልጦ ኽትነግረኒ ትጽሕፈለይ ነበረት።

ዴቪድ ሲንክለርን ሊቭያ ሲንክለርን

ምስ ሊቭያ

ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ሊቭያ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ተመደበት። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣላ ኽትገብር ትደሊ ስለ ዝነበረት ከኣ፡ ናብ ቤት-ኤል ክትኣቱ ኣመልከተት፣ ብ1971 ድማ ክትኣቱ ተዓደመት። የሆዋ ገለ ኣፋፍኖት ዚህበኒ ዝነበረ እዩ ዚመስል ነይሩ። ብ27 ጥቅምቲ 1973 ከኣ ተመርዓና። መደረ መርዓና ዘቕረበልና ሓውና ኖር ብምዃኑ ድማ ፍሉይ መሰል ረኺብና ኢና። ምሳሌ 18:22፡ “ሕያወይቲ ሰበይቲ ዚረክብ፡ ጽቡቕ ይረክብ፣ ሞገስ የሆዋ ኸኣ ይረክብ” ትብል። ኣነን ሊቭያን ኣብ ቤት-ኤል ንልዕሊ 40 ዓመት ሓቢርና ኸነገልግል ብምኽኣልና ሞገስ የሆዋ ረኺብና ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ከባቢ ብሮንክስ ንእትርከብ ጉባኤ እውን ንድግፍ ኣለና።

ምስ ኣሕዋት ክርስቶስ ብሓድነት ምዕያይ

ምስ ሓውና ኖር ምዕያይ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ። ደኺመ ኸይበለ ምእንቲ ሓቂ ዚዓዪን ኣብ መላእ ዓለም ንዜገልግሉ ሚስዮናውያን ዓሚቝ ሞሳ ዝነበሮን ሰብ እዩ ነይሩ። እዞም ሚስዮናውያን እዚኦም፡ ኣብተን እተመደቡለን ሃገራት እቶም ናይ ፈለማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። ሓውና ኖር ብ1976 ብሕማም መንሽሮ ኺሳቐ ኸሎ ምርኣይ ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ ነይሩ። ካብ ዓራት ኪትንስእ ዘይክእል ምስ ኰነ፡ ሓደ መዓልቲ ንዓይ ጸዊዑ ንገለ ኻብቲ ንሕትመት ዚዳሎ ዝነበረ ጽሑፋት ከንብበሉ ሓተተኒ። ድሕሪኡ፡ ፍረደሪክ ፍራንዝ እውን ነቲ ንባብ ምእንቲ ኺሰምዖ፡ ክጽውዖ ነገረኒ። ሓውና ፍራንዝ ኣዒንቱ ደኺመን ስለ ዝነበራ፡ ሓውና ኖር ግዜ መዲቡ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ንሓውና ፍራንዝ የንብበሉ ኸም ዝነበረ ጸኒሐ እየ ፈሊጠ።

ዴቪድ ሲንክለርን ሊቭያ ሲንክለርን ብ1977 ምስ ዳንየል ሲድሊክን ማሪና ሲድሊክን

ብ1977 ምስ ዳንየል ሲድሊክን ማሪና ሲድሊክን ዝገበርናዮ ምብጻሕ ዞባ

ሓውና ኖር ብ1977 ሞተ፣ ምድራዊ ህይወቱ ብተኣማንነት ስለ ዝወድአ ግና እቶም እንፈልጦን እነፍቅሮን ዝነበርና በዚ ተጸናኒዕና ኢና። (ራእ. 2:10) ብድሕርዚ፡ ሓውና ፍራንዝ ንዕዮና መርሖ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጸሓፊ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ምስ ሓውና ኖር ዝዓየየ ሚልተን ሄንሸል ኰይነ እየ ዝዓዪ ነይረ። ሓውና ሄንሸል፡ ሕጂ ኣብ ቤት-ኤል ዚህልወኒ ቐንዲ ሓላፍነት፡ ብዜድሊ ዘበለ መገዲ ንሓውና ፍራንዝ ምሕጋዝ ምዃኑ ሓበረኒ። ኣዘውቲረ ኸኣ ሓደ ጽሑፍ ቅድሚ ምሕታሙ የንብበሉ ነበርኩ። ሓውና ፍራንዝ፡ ናይ ምዝካርን ኣብቲ ዚንበብ ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምትኳርን ዜደንቕ ክእለት ነይርዎ እዩ። ምድራዊ ህይወቱ ኣብ ታሕሳስ 1992 ክሳዕ ዚውድእ በዚ መገዲ እዚ ንዕኡ ምሕጋዝ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ።

124 ኮሎምብያ ሀይትስ

እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘገልገልኩሉ 124 ኮሎምብያ ሀይትስ

እተን ኣብ ቤት-ኤል ዘሕለፍክወን 61 ዓመት ቀልጢፈን እየን ሓሊፈን። ወለደይ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም እዮም ሞይቶም፣ ኣብ ዝሓሸት ዓለም ሓንጐፋይ ኢለ ክቕበሎም ከኣ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበ። (ዮሃ. 5:28, 29) እዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ዚህቦ ነገራት ምስቲ ኣብ ጐድኒ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኴንካ ምእንቲ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ ንምግልጋል እትረኽቦ ዜደንቕ መሰል ዚወዳደር ኣይኰነን። ኣነን ሊቭያን፡ ኣብቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍናዮ ዓመታት፡ ‘ሓጐስ የሆዋ ዕርድና’ ኸም ዝነበረ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና።—ነህ. 8:10።

ዕዮ ውድብ የሆዋ፡ ኪትክኡ ብዘይክእሉ ሰባት ዚዕየ ስለ ዘይኰነ፡ ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዝርጋሕ ዕዮ ምቕጻሉ ዘይተርፎ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ጽኑዓትን እሙናትን ምስ ዝዀኑ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ክዓዪ ምኽኣለይ ባህ ዜብልን ፍሉይ መሰልን እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም እቶም መዓይይቶም ዝነበርኩ ቕቡኣት ሎሚ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ የለዉን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብጻይ እቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እሙናትን መንፈሳውያንን ሰባት ክኸውን ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ዘመስግን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ