ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp18 ቍ. 2 ገጽ 6-7
  • እተፈጸመ ትንቢታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እተፈጸመ ትንቢታት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሎሚ ዚፍጸም ዘሎ ትንቢታት
  • ቂሮስ እቲ ዓብዪ
    ንቕሑ!—2013
  • ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባቢሎን ወጹ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ነቶም ናይ ሓቂ ልኡኻት ምልላዮም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ ኪኸውን፧ የሱስከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኢሉ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
wp18 ቍ. 2 ገጽ 6-7
ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ

እተፈጸመ ትንቢታት

ኣቐዲምና፡ እታ ኣብ ደልፊ እትነብር ዝነበረት ኦራክል ንክሮይሶስ ዝነገረቶ ሓበሬታ ግጉይ ከም ዝነበረን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ብንጉስ ፋርስ ከም እተሳዕረን ዚገልጽ ዛንታ ርኢና ኔርና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንጉስ ፋርስ ዚገልጽ ትንቢት ኣሎ፣ እቲ ትንቢት እቲ ግና ብልክዕ እዩ ተፈጺሙ።

እቲ ንጉስ ከይተወልደ 200 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ኢሳይያስ ዚብሃል እብራዊ ነብዪ፡ ቂሮስ ዚብሃል ሰብ ነታ ሓያል ከተማ ዝነበረት ባቢሎን ብኸመይ ከም ዚስዕራ ተነብዩ ነይሩ እዩ።

ኢሳይያስ 44:24, 27, 28፦ “የሆዋ . . . ኸምዚ ይብል፦ . . . ‘ብዛዕባ መዓሙቕ ማያት፡ “ህፈፍ፡ ኵሉ ኣፍላግካ ድማ ከንቅጽ እየ” ዝብል ብዛዕባ ቂሮስ፡ “ንሱ ጓሳይ እዩ፡ ፍቓደይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም እዩ” ዝብል፡ ብዛዕባ የሩሳሌም፡ “ዳግም ክትህነጽ እያ” ዝብል፡ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ድማ፡ “ክትስረት እያ” ዝብል ኣነ እየ።’”

ሄሮዶተስ ዚብሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ሰራዊት ቂሮስ ንማያት እቲ ብኸተማ ባቢሎን ዚውሕዝ ዝነበረ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣንፈቱ ኸም ዘቐየሮ ጽሒፉ ኣሎ። እዚ ቂሮስ ዝሓንጸጾ ስልቲ ድማ ወተሃደራቱ ብባይታ እቲ ፈለግ ኣቢሎም ናብታ ኸተማ ኺኣትዉ ኣኽኢልዎም እዩ። ቂሮስ ነታ ኸተማ ድሕሪ ምሓዙ፡ ንኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ኣውጺእዎምን ናብታ ቕድሚ 70 ዓመት ዝዓነወት የሩሳሌም ተመሊሶም ዳግም ኪሃንጽዋ ፈቒዱሎምን እዩ።

ኢሳይያስ 45:1፦ “የሆዋ ንቕቡኡ፡ ንቂሮስ፡ ነቲ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኺግዝኡ ኢለ፡ ንነገስታት ዕጥቆም ከፍትሖም ኢለ፡ እቲ ኣፍ ደገታት ከይዕጾስ ክልተ ዝኽፋሉ መዓጹ ክኸፍተሉ ኢለ፡ ብየማነይቲ ኢዱ ዝሓዝክዎ ኸምዚ ይብሎ።”

ፋርሳውያን በቲ ብሸለልትነት ከይተዓጽወ ዝጸንሖም ክልተ ዝኽፋሉ ዓበይቲ መዓጹ ኣቢሎም እዮም ናብታ ኸተማ ኣትዮም። ባቢሎናውያን፡ ቂሮስ እንታይ ከም ዝወጠነ እንተ ዚፈልጡ ነይሮም፡ ነቲ ብሸነኽ እቲ ፈለግ ዝነበረ ኣፍ ደገታት ምዓጸውዎ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ እታ ኸተማ መከላኸሊ ኣልቦ እያ ዀይና ነይራ።

እዚ ዜደንቕ ትንቢት እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምሉእ ብምሉእ እተፈጸመ ሓያሎ ትንቢታት እዩ።a መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ንትንቢቶም ካብ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኸም ዝረኸብዎ እዮም ዚዛረቡ። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ካብቲ ብዛዕባ ርእሱ፡ “ካብ መጀመርታ፡ መወዳእታኡ፡ ካብ ቀደም ከኣ፡ ገና ዘይተገብረ እነግር እየ” ዝበለ ኣምላኽ እዩ ዚርከብ።—ኢሳይያስ 46:10።

እቲ የሆዋ ዝስሙ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኸምዚ ኺብል ዚኽእል። ስሙ ኸኣ፡ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ እዩ ዚእመነሉ። እዚ ድማ ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ኸም ዚኽእልን ንዅነታት ምስ ፍቓዱ ኸም ዚሰማማዕ ገይሩ ኪቕይሮ ኸም ዚኽእልን የርኢ። ንዅሉ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጽሞ ድማ የረጋግጸልና እዩ።

ሎሚ ዚፍጸም ዘሎ ትንቢታት

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግዜና እንታይ ከም ዚብል ክትፈልጥዶ ትደሊ፧ ቅድሚ 2,000 ዓመት ኣቢሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡” “ጽንኩር ግዜ” ኸም ዚመጽእ ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዚ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተባሂሉ ዘሎ፡ መወዳእታ ምድሪ ወይ መወዳእታ ደቂ ሰብ ኣይኰነን። የግዳስ፡ መወዳእታ እቲ ንደቂ ሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ዜሳቕዮም ዘሎ ግጭትን ጭቈናን ስቓይን እዩ። ገለ ኻብቲ ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” እተነግረ ትንቢታት እስከ ንመርምር።

2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፦ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ጠላማት፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ፡ ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ዚመስሉ፡ ንሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ኪዀኑ እዮም።”

ሎሚ ዘለዉ ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኸምዚ ዓይነት ባህርያት ከም ዘለዎምሲ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ዕቡያት ምዃኖምሲ ኣስተብሂልካዶ፧ ሰባት ንስምምዕ ፍቓደኛታት ካብ ዚዀኑ፡ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ከም ዜቐድሙስ ተዓዚብካዶ፧ ብዙሓት ውሉዳት ንወለዶም ከም ዘይእዘዙ፡ ብሓፈሻኡ ድማ ሰባት ካብ ንኣምላኽሲ፡ ተድላ ዚፈትዉ ኸም ዝዀኑ ተዓዚብካ ትኸውን ኢኻ። እወ፡ ኵነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ እዩ ዚኸይድ ዘሎ።

ማቴዎስ 24:6, 7፦ “ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፣ . . . ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ።”

ብመሰረት ገሊኡ ግምታት፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ ብሰንኪ ውግእን ብረታዊ ግጭታትን ብድምር ካብ 100 ሚልዮን ኣጸቢቖም ዚዛይዱ ሰባት ሞይቶም እዮም፣ እዚ ድማ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ሓያሎ ሃገራት ይዛይድ እዩ። እዚ ዘስዓቦ ንብዓትን ሓዘንን መከራን እሞ ሕስብ ኣብሎ። እሞ ደኣ ሃገራት ካብዚ ተማሂረን ንውግእ ደው ኣቢለናኦዶ፧

ማቴዎስ 24:7፦ “ጥሜት . . . ኪኸውን እዩ።”

ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ “ንዅሉ ሰብ ዚኣክል ምግቢ ኣብ ዚፈርየላ ዓለምና፡ 815 ሚልዮን ሰባት፡—ሓደ ኻብ ትሽዓተ፡—ጾሞም እዮም ዚሓድሩ። ካብዚኣቶም ዚበዝሑ ድማ፡—ሓደ ኻብ ሰለስተ፡—ብሰንኪ ጕድለት ምግቢ ይሳቐዩ እዮም” ይብል። ኣብ ዓዓመት ዳርጋ ሰለስተ ሚልዮን ዚዀኑ ቘልዑ ብጥሜት ኸም ዚሞቱ ይግመት።

ሉቃስ 21:11፦ “ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን . . . እዩ።”

ኣብ ዓዓመት፡ ኣስታት 50,000 ዚኣክል ብሰባት ኪልለ ዚከኣል ምንቅጥቃጥ ምድሪ የጋጥም እዩ። ካብኡ ኣስታት 100 ዚኸውን ኣብ ህንጻታት ከቢድ ጕድኣት የውርድ እዩ፣ ኣብ ዓዓመት ድማ፡ ሓደ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ የጋጥም እዩ። ብመሰረት ሓደ ግምት፡ ካብ 1975 ክሳዕ 2000 ኣብ ዘሎ ዓመታት 471,000 ዚዀኑ ሰባት ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሞይቶም እዮም።

ማቴዎስ 24:14፦ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።”

ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ መላእ ምድሪ ኣብ ዚርከባ 240 ሃገራት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩን ይምስክሩን እዮም። ነዚ ብስራት እዚ ድማ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታትን ኣብ ኣቝሻትን ኣብ ጫካታትን ኣብ ኣኽራንን ይእውጅዎ እዮም። እዚ ዕዮ እዚ ንኣምላኽ ብዜዕግቦ መጠን ምስ ተወድአ፡ እቲ ትንቢት ከም ዚብሎ፡ “መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።” እዚ ግና እንታይ ማለት እዩ፧ መወዳእታ ግዝኣት ሰባት ኪመጽእ፡ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኪጅምር ማለት እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ተስፋታት እያ ኽትፍጽም፧ ብዛዕባ እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከተንብብ ንዕድመካ።

a ነታ “ንልክዕነት ትንቢት ዚምስክር ድምጺ ኣልቦ ምስክር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ