ሓጐስ ካብ ኣምላኽ እነጥርያ ባህርይ
ሰባት ብባህርዮም ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ኪመርሑ እዮም ዚደልዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ግና፡ ኵሉ ሰብ ንኽትዋጽኣሉ “ጽንኩር” ዝዀነ ፈተናታት የጋጥሞ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ዘይፍትሓውነት፡ ስእነት ጥዕና፡ ስእነት ስራሕ፡ ሓዘን፡ ወይ ካልእ ዜጨንቕን ዜጕህን ነገራት ንገሊኣቶም ሓጐሶም በብቝሩብ ከም ዜጥፍኡ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከይተረፉ ተስፋ ኪቘርጹን ሓጐሶም እናጠፍአ ኪኸይድን ይኽእል እዩ። ንዓኻ ኸምዚ ኣጋጢሙካ እንተ ዀይኑ፡ መሊስካ ሕጉስ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ፈለማ ናይ ሓቂ ሓጐስ እንታይ ምዃኑን ካልኦት ፈተናታት እናኣጋጠሞም ክነሱ ብኸመይ ሕጉሳት ኰይኖም ኪቕጽሉ ኸም ዝኸኣሉን ክንርዳእ የድልየና። ብድሕርዚ፡ ሓጐስና ኽንዕቅብን ከነዛይድን እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንምሃር ኢና።
ሓጐስ እንታይ እዩ፧
ሕጉስ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ወኻዕኻዕ ዚብል ወይ ሰሓቒ ምዃን ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ንመረዳእታ፡ ሓደ ሰኽራም ሰብ መስተ ምስ ኣብዝሐ፡ ሰሓቓይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስኽራኑ ምስ ነፈሰሉ ግና ኣይስሕቕን እዩ፣ ጓህን ጭንቀትን ናብ ዝመልኦ ህይወት እውን ይምለስ ይኸውን። ግዝያዊ ደስታኡ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣይነበረን።—ምሳ. 14:13።
ብኣንጻሩ ግና፡ ሓጐስ ውሽጣዊ ዅነታት ልቢ እዩ። “ብእትረኽቦ ወይ ብእትጽበዮ ዘለኻ ጽቡቕ ነገራት ዚለዓዓል ስምዒት” ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ኵነታት ንሃሉ ብዘየገድስ ዚስምዓና ናይ ደስታ ስምዒት እዩ። (1 ተሰ. 1:6) ከም ሓቂ፡ ብገለ ነገር ተረቢሹ ዘሎ ሰብ እውን ከይተረፈ፡ ውሽጣዊ ሓጐስ ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያት ብዛዕባ ክርስቶስ ብምዝራቦም ተገሪፎም ነይሮም እዮም። ንሳቶም ግና፡ “ምእንቲ ስሙ ኺሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እናተሓጐሱ ኸዱ።” (ግብ. 5:41) ርግጽ እዩ፡ ስለ እተገርፉ ኣይኰኑን ተሓጒሶም። ግናኸ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን፡ ኣብ ቅድሚኡ ዘለዎም ንጽህና ብምሕላዎም እዮም ናይ ሓቂ ሓጐስ ረኺቦም።
ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ሒዝና ኣይንውለድን ኢና፣ ባዕሉ ዚምዕብል እውን ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክፋል ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እዩ። ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ኢና ንሓጐስ እውን ዜጠቓልል “ሓድሽ ስብእና” ኸነማዕብል እንኽእል። (ኤፌ. 4:24፣ ገላ. 5:22) ሓጐስ እንተ ኣማዕቢልና ኸኣ፡ ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ውጥረት ብዝሓሸ መገዲ ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና።
ክንመስሎም እንደሊ ኣብነታት
የሆዋ፡ ኣብ ምድሪ ጽቡቕ ነገራት እናማዕበለ ኪኸይድ ደኣ እምበር፡ እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ሕማቕ ነገራት ኪህሉ ሓሳቡ ኣይነበረን። እንተዀነ ግና፡ እኩይ ተግባራት ካልኦት ንሓጐሱ ኣይሰረቖን። ቃል ኣምላኽ፡ “ብርታዐን ሓጐስን ኣብ መንበሪኡ እዩ” ይብል። (1 ዜና 16:27) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ኣገልገልቱ ዚፍጽምዎ ጽቡቕ ነገራት፡ ‘ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ’ እዩ።—ምሳ. 27:11።
ነገራት ከምቲ እተጸበናዮ ከይኰነልና ምስ ዚተርፍ፡ እምብዛ ብዘይ ምጭናቕ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። ሓጐስና ኣብ ክንዲ እነጥፍእ፡ ኣብቲ ሕጂ ረኺብናዮ ዘሎና ጽቡቕ ነገራት ከነተኵርን ነቲ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ ዝሓሸ ነገራት ብዓቕሊ ኽንጽበዮን ንኽእል ኢና።a
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት እናኣጋጠሞም ክነሱ ሓጐሶም ዓቂቦም ብምምልላሶም ኣብነት ዝዀኑና ሰባት እውን ተጠቒሶም ንረክብ ኢና። ኣብርሃም ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ዅነታትን ካልኦት ዘስዓብሉ ጸገማትን እተጻወረ ሰብ እዩ። (ዘፍ. 12:10-20፣ 14:8-16፣ 16:4, 5፣ 20:1-18፣ 21:8, 9) ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጥታት እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ኣብርሃም ውሽጣዊ ሓጐሱ ዓቂቡ እዩ። ብኸመይ፧ ነቲ ኣብ ትሕቲ መሲሓዊ ገዛኢ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኪነብር ዝነበሮ ተስፋ ኣብ ኣእምሮኡ ህያው ገይርዎ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 22:15-18፣ እብ. 11:10) የሱስ፡ “ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተስፋ . . . ገበረ” በለ። (ዮሃ. 8:56) ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ ብዙሕ ሓጐስ ብምስትንታን ንኣብርሃም ክንመስሎ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 8:21።
ሃዋርያ ጳውሎስን እቲ ብጻዩ ዝነበረ ሲላስን እውን ከም ኣብርሃም ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ እዮም ዜተኵሩ ነይሮም። እምነቶም ድልድልቲ እያ ነይራ፣ ሕማቕ ነገራት እናኣጋጠሞም ክነሱ ኸኣ ሓጐሶም ዓቂቦም እዮም። ንኣብነት፡ ከቢድ መውቃዕቲ ምስ ተጻወሩን ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተደርበዩን፡ “ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ምስ ኰነ . . . ይጽልዩን ብመዝሙር ንኣምላኽ ይውድሱን ነበሩ።” (ግብ. 16:23-25) ጳውሎስን ሲላስን ካብ ተስፋኦም ሓይሊ ኣብ ርእሲ ምርካቦም፡ ስለ ስም ክርስቶስ መከራ ይጸግቡ ብምንባሮም ሕጉሳት እዮም ነይሮም። ንኣምላኽ ብተኣማንነት ምግልጋል ዜምጽኦ ረብሓ ብምዝካር፡ ንጳውሎስን ንሲላስን ክንመስሎም ንኽእል ኢና።—ፊል. 1:12-14።
ሎሚ ኣብ ክርስትያናዊ ሕውነትና፡ ፈተናታት እናኣጋጠሞም ክነሱ ሓጐሶም ብምዕቃቦም ሰናይ ኣብነት ዚዀኑና ብዙሓት ውልቀ ሰባት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣብ ሕዳር 2013፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ፊሊፒንስ ዘጋጠመ ሃያን ዚብሃል ብርቱዕ ህቦብላ ንልዕሊ 1,000 ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዕንዩ እዩ። ኣብ ከተማ ታክሎባን ዝነበረት ቤቱ ዝዓነወቶ ጆርጅ፡ “ዕንወት እኳ እንተ ኣጋጠመ፡ እቶም ኣሕዋት ሕጉሳት እዮም። ነቲ ዚስምዓና ሓጐስ ክገልጾ የጸግመኒ እዩ” በለ። ከቢድ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ንዝገበረልና ነገራት ብሞሳ ምስ እነስተንትነሉ፡ ሕጉሳት ኴንና ኽንቅጽል ንኽእል ኢና። ክንሕጐስ ምኽንያት ዚዀነና ኻልእ የሆዋ ዝሃበና ነገራት እንታይ እዩ፧
እንሕጐሰሉ ምኽንያታት
ካብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንላዕሊ ዜሐጕሰና ኻልእ እንታይ ምኽንያት ኪህልወና ይኽእል፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ነቲ ልዑላዊ ገዛኢ ንፈልጦ ኢና፣ ኣቦናን ኣምላኽናን ፈታዊናን ድማ እዩ።—መዝ. 71:17, 18።
ንውህበት ህይወትን ነቲ ብህይወትና ኽንሕጐስ እተዋህበና ኽእለትን እውን ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። (መክ. 3:12, 13) የሆዋ ዝሰሓበና መስተውዓልቲ ፍጡራት ከም ምዃንና መጠን፡ ነቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቓድ ንርድኦ ኢና። (ቈሎ. 1:9, 10) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ትርጉምን መሪሕነት ኣምላኽን ዘለዎ ህይወት ኣሎና። ብኻልእ ሸነኽ ግና መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ንጹር ምርዳእ የብሎምን። ጳውሎስ ነዚ ምንጽጻር እዚ ኼጕልሕ ከሎ፡ “‘እቲ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ዘዳለወሎም፡ ዓይኒ ኣይረኣየቶን፡ እዝኒ ኸኣ ኣይሰምዓቶን፡ ኣብ ልቢ ሰብ እውን ኣይተሓስበን’ . . . ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ንዓና እዩ ገሊጹልና” በለ። (1 ቈረ. 2:9, 10) ፍቓድን ዕላማን የሆዋ ኽንርዳእ ምኽኣልናስ ኣየሐጕሰናንዶ፧
የሆዋ ንህዝቡ ዝገበረሎም ካልእ ነገራት እስከ ርአ። ሓጢኣትና ኺሕደገልና ዚኽእል ብምዃኑ ኣይንሕጐስንዶ፧ (1 ዮሃ. 2:12) ሳላ ምሕረት ኣምላኽ፡ ድሕሪ ቐረባ እዋን ሓዳስ ዓለም ከም እትመጽእ ህያው ተስፋ ኣሎና። (ሮሜ 12:12) ኣብዚ ግዜ እዚ እውን፡ የሆዋ ንዕኡ ዜምልኹ ጥዑያት ኣዕሩኽ ሂቡና እዩ። (መዝ. 133:1) ኣብ ርእሲ እዚ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ከም ዜዕቅቦም ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና እዩ። (መዝ. 91:11) ንዅሉ እዚ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ በረኸት ምስ እነስተንትነሉ፡ ሓጐስና እናዓሞቐን እናዓበየን ኪኸይድ እዩ።—ፊል. 4:4።
ከመይ ጌርካ ሓጐስካ ኸም እተዛይድ
ሓደ ድሮ ሕጉስ ዝዀነ ክርስትያን ሓጐሱ ኼዛይድ ይኽእልዶ፧ የሱስ፡ “ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸውን፡ ሓጐስኩም እውን ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝበልኩኹም” በለ። (ዮሃ. 15:11) እዝስ ሓጐስና ኸነዕቢ ኸም እንኽእል ዚሕብርዶ ኣይኰነን፧ ሓጐስካ ኸተዛይድ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ሓዊ ምስ ምንኻስ ከተነጻጽሮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ሓዊ ኸተጐሃህሮ እንተ ደሊኻ፡ ዚነድድ ነገር ክትውስኸሉ ኣሎካ። ብተመሳሳሊ፡ ሓጐስካ ኸተዛይድ፡ ንመንፈሳውነትካ ኽትውስኸሉ ኣሎካ። ሓጐስ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም ዚጐሃሃር ኣይትረስዕ። ኣዘውቲርካ መንፈስ የሆዋ ኺሕግዘካ ምስ እትልምንን ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓሉ ብጸሎት ምስ እተስተንትነሉን፡ ሓጐስካ ኸተዕቢ ኢኻ።—መዝ. 1:1, 2፣ ሉቃ. 11:13።
ንየሆዋ ኣብ ዜሐጕስ ተግባራት ንጡፍ ብምዃን እውን ሓጐስካ ኸተዛይድ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 35:27፣ 112:1) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ‘ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክንፈርሆ፡ ንትእዛዛቱ እውን ክንሕልዎ’ ኢና ተፈጢርና፣ እዚ፡ “ብዘሎ ግዴታ ሰብ” እዩ። (መክ. 12:13) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ኢና ተነዲፍና። ስለዚ፡ ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኸለና፡ ንህይወትና ብዝያዳ ኢና እንሕጐሰላ።b
ሓጐስ ዜምጽኦ ጥቕሚ
ኣምላኻዊ ሓጐስ ምስ እነማዕብል፡ ክንየው እቲ ኣብ ውሽጥና ዚስምዓና ስምዒት ዚኸይድ ጥቕሚ ኢና እንረክብ። ንኣብነት፡ እንታይ ዓይነት ጸገማት የጋጥመና ኣሎ ብዘየገድስ ንየሆዋ ብታሕጓስ ከነገልግሎ ኸለና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ብዝያዳ ኢና ባህ እነብሎ። (ዘዳ. 16:15፣ 1 ተሰ. 5:16-18) ብዘይካዚ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዘሎና ኸም ምዃንና መጠን፡ ንፍቕረ ንዋያዊ ኣነባብራ ንነጽጎን ንመንግስቲ ኣምላኽ ኢልና ብዙሕ መስዋእትታት ክንገብር ንጽዕርን ኢና። (ማቴ. 13:44) እቲ እዚ ዚዓምሞ ጽቡቕ ነገር ምስ እንርኢ ኸኣ፡ ሓጐስና ይዛይድን ዕግበት ይስምዓናን ካልኦት ዝያዳ ኸም ዚሕጐሱ ንገብርን ኢና።—ግብ. 20:35፣ ፊል. 1:3-5።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ነብራሳካ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚዓዪ ተመራማሪ፡ ብዛዕባ ጥዕና ንእተገብረ ሓያሎ መጽናዕትታት ድሕሪ ምምርማሩ፡ “ሎሚ ኣብ ህይወትካ ሕጉስን ዕጉብን እንተ ዄንካ፡ ኣብ መጻኢ ጽቡቕ ጥዕና ኺህልወካ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ። እዚ ምስቲ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት ዚሰማማዕ እዩ። (ምሳ. 17:22) እወ፡ ሓጐስካ ምስ እተዛይድ፡ ዝሓሸ ኣካላዊ ጥዕና ኺህልወካ ይኽእል እዩ።
ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ኣጨናቒ እዋን ንነብር እኳ እንተ ኣለና፡ ብጸሎትን ብመጽናዕትን ንቓል ኣምላኽ ብምስትንታንን ኣቢልና መንፈስ ቅዱስ ምስ እንረክብ፡ ናይ ሓቅን ነባርን ሓጐስ ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ነዚ ሕጂ ረኺብናዮ ዘለና በረኸት ምስ እነስተንትነሉ፡ ንእምነት ካልኦት ምስ እንቐድሖ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ድማ ምስ እንጽዕር፡ ንሓጐስና ነዛይዶ ኢና። ከምዚ ምስ እንገብር፡ ተኻፈልቲ እቲ ኣብ መዝሙር 64:10 ዚርከብ፡ “ጻድቕ ብየሆዋ ኺሕጐስ፡ ኣብኡ እውን ኪምዕቈብ እዩ” ዚብል ሓቂ ኢና እንኸውን።
a ኣብ መጻኢ፡ ኣብዘን ብዛዕባ “ፍረ መንፈስ” ዚምርምራ ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ ብዛዕባ ዓቕሊ እትገልጽ ዓንቀጽ ክትወጽእ እያ።
b ሓጐስካ ኸተዛይደሉ እትኽእል ተወሳኺ መገድታት ንምርካብ፡ ነታ “ሓጐስካ እተዛይደሉ ኻልእ መገድታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።