ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w18 ለካቲት ገጽ 13-17
  • ብየሆዋ ዅሉ ይከኣል እዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብየሆዋ ዅሉ ይከኣል እዩ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ወጋሕታ ኽሳዕ ዕራርቦ ምዕያይ
  • ተሓይሮም ዝነበሩ ናብ ኪርጊዝስታን ሓቂ ኣእተዉ
  • ሓቂ ናብ ዓድና ቐረበት
  • ብዓልቲ ቤተይ ንሓቂ ቀልጢፋ ኣለለየታ
  • ኣብ ትሕቲ እገዳ ዄንካ ኣኼባታትን ጥምቀትን ምክያድ
  • ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ተጠቒምናሉ
  • ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ስድራ ቤትን ትሑዛት ኴንና
  • ዜደንቕ ለውጥታት
  • ብንእስነቱ ዝገበሮ ውሳነ ኣየጣዓሶን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2016
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
w18 ለካቲት ገጽ 13-17
ባሸንባይ በዲባይፍ

ታሪኽ ህይወት

ብየሆዋ ዅሉ ይከኣል እዩ

ባሸንባይ በዲባይፍ ዘዘንተዎ

“ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን እዩ፣ ምዉታት እኳ ከይተረፉ ኺትንስኡ እዮም።” ብዓልቲ ቤተይ ማይራንቡቡ፡ ብኣውቶቡስ እናተጓዕዘት ከላ እያ ነዘን ቃላት እዚአን ሰሚዓተን። ዝያዳ ኽትፈልጥ ድማ ተሃንጠየት። እታ ኣውቶቡስ ደው ኢላ፡ ተጓዓዝቲ ምስ ወረዱ ኸኣ ነታ ነዘን ቓላት እዚአን እተዛረበት ሰበይቲ ሰዓበታ። እታ ሰበይቲ፡ ኣፑን ማምበትስዳይኮቫ ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር እያ ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዝርራብ ሓደገኛ እዩ ነይሩ፣ እቲ ጸኒሕና ኻብ ኣፑን እተምሃርናዮ ግና ንህይወትና ቐይርዋ እዩ።

ካብ ወጋሕታ ኽሳዕ ዕራርቦ ምዕያይ

ብ1937 ኣብ ጥቓ ታክማክ፡ ኪርጊዝስታን ኣብ ዚርከብ ካልኮስ ዚብሃል ኮማዊ ሕርሻ እየ ተወሊደ። ስድራ ቤተይ ካብ ዓሌት ኪርጊዝ እዮም፣ ኪርጊዝኛ ድማ ኢና እንዛረብ። እቶም ኣብቲ ካልኮስ ዚብሃል ቦታ ሕርሻ ዚዓይዩ ዝነበሩ ወለደይ ካብ ወጋሕታ ኽሳዕ ዕራርቦ እዮም ዚሰርሑ ነይሮም። ገባሮ ብስሩዕ ምግቢ ይውሃቦም እኳ እንተ ነበረ፡ ደሞዞም ግና ሓንሳእ ኣብ ዓመት ጥራይ እዩ ብጥረ ገንዘብ ዚኽፈሎም ነይሩ። ኣደይ ንዓይን ንምንኣሰይ ሓብተይን ክትኣሊ ትቃለስ ነይራ። ኣነ ድማ ክሳዕ ሓምሻይ ክፍሊ ጥራይ ምስ ተምሃርኩ፡ ኣብ ካልኮስ ምሉእ መዓልቲ ኽዓዪ ጀሚረ።

ካርታ ኪርጊዝስታን
ሰንሰለት ኣኽራን ተስኪ ኣላ-ቱ

ሰንሰለት ኣኽራን ተስኪ ኣላ-ቱ

ኣብቲ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ኸባቢ፡ ድኽነት ኣስፋሕፊሑ እዩ ነይሩ። ድራር ዕለት ንምርካብ ዚዕየ ዝነበረ ዕዮ ድማ ኣዝዩ ኣድካሚ እዩ ነይሩ። መንእሰይ ከለኹ፡ ብዛዕባ ዕላማ ህይወትን ብዛዕባ መጻእን ኣይሓስብን እየ ነይረ። እቲ ንየሆዋ ኣምላኽን ንዕላማኡን ዚምልከት ዜደንቕ ሓቅታት ንህይወተይ ከም ዚቕይራ እውን ኣይፈልጥን እየ ነይረ። እዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ኪርጊዝስታን ዝበጽሓሉን ዘስፋሕፍሓሉን መገዲ ብሓቂ ባህ ዜብል ታሪኽ እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ኪርጊዝስታን ዚርከብ ኣነ ዝነብረሉ ኸባቢ እዩ ጀሚሩ።

ተሓይሮም ዝነበሩ ናብ ኪርጊዝስታን ሓቂ ኣእተዉ

እቲ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ፡ ብ1950ታት እዩ ኣብ ኪርጊዝስታን ሱር ኪሰድድ ጀሚሩ። ከምኡ ኺገብር ግና ንሓያል ስነ ሓሳብ ኪሰግር የድልዮ ነይሩ። ስለምንታይ፧ እዛ ሎሚ ዘላ ኪርጊዝስታን፡ ሽዑ ኽፋል ሕብረት ሶቭየት እያ ነይራ። ኣብ መላእ ሕብረት ሶቭየት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት እዮም ነይሮም። (ዮሃ. 18:36) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ከም ጸላእቲ እታ ብስርዓት ኮምዩኒስት እትመሓደር ሃገር ተቘጺሮም ተሰጕጉ። ግናኸ፡ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልቢ ቕኑዓት ሰባት ካብ ምብጻሕ ኪዓግቶ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ስነ ሓሳብ የልቦን። እወ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ነዊሕ ዕድመይ እተምሃርክዎ ብሉጽ ነገራት፡ ብየሆዋ “ዅሉ ይከኣል” ምዃኑ እዩ።—ማር. 10:27።

ኤሚል ያንትዘን

ኤሚል ያንትዘን

እቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘጋጠሞም መስጐጕቲ፡ ናብ ኪርጊዝስታን ከም ዜስፋሕፍሑ እዩ ገይርዎም። ስለምንታይ፧ ሕብረት ሶቭየት ነቲ ጸላእቲ እታ ሃገር ዚሕየሩሉ ዝነበሩ ዞባ ሳይበርያ እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። እቶም ተሓይሮም ዝነበሩ ምስ ተፈትሑ፡ ብዙሓት ካባታቶም ናብ ኪርጊዝስታን መጹ፣ ገሊኣቶም ድማ ሓቂ ሒዞም እዮም መጺኦም። ሓደ ኻብዚኣቶም እቲ ብ1919 ኣብ ኪርጊዝስታን እተወልደ ኤሚል ያንትዘን እዩ። ኤሚል ናብ ደምበ ሸቕሊ ምስ ተሰድደ፡ ኣብኡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ። ሓቂ ተቐቢሉ ድማ ብ1956 ናብ ዓዱ ተመልሰ። ኤሚል ኣብቲ ኣነ ዝነብረሉ ዞባ፡ ኣብ ጥቓ ዞኩሉክ ተቐመጠ። ዞኩሉክ እታ ብ1958 ንፈለማ እዋን ኣብ ኪርጊዝስታን ጉባኤ እተመስረተትላ ቦታ እያ።

ቪክቶር ቪንተር

ቪክቶር ቪንተር

ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ፡ ቪክቶር ቪንተር ናብ ዞኩሉክ ገዓዘ። እዚ እሙን ሓው እዚ ተደጋጋሚ ሽግር ኣሕሊፉ እዩ። ገለልትነቱ ስለ ዝሓለወ፡ ክልተ ሳዕ ንሰለስተ ዓመት ኪእሰር ተፈሪዱ እዩ፣ ብዘይካዚ ንተወሳኺ ዓሰርተ ዓመት ድሕሪ ምእሳሩ፡ ንኻልእ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ደምበ ሸቕሊ ተሓይሩ እዩ። መስጐጕቲ ግና ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኸየስፋሕፍሕ ኪዓግቶ ኣይከኣለን።

ሓቂ ናብ ዓድና ቐረበት

ኤድዋርት ቫርተር

ኤድዋርት ቫርተር

ብ1963 ኣብ ኪርጊዝስታን 160 ኣቢሎም ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ፣ መብዛሕትኦም ድማ ካብ ጀርመንን ዩክረይንን ሩስያን ዝመጹ እዮም ነይሮም። ሓደ ኻብዚኣቶም እቲ ብ1924 ኣብ ጀርመን እተጠምቀን ተሓይሩ ዝነበረን ኤድዋርት ቫርተር እዩ። ብ1940ታት ሰበ ስልጣን ናዚ ናብ ደምበ ሸቕሊ ሰደድዎ፣ ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ዝነበሩ ኮምዩኒስት ሓየርዎ። ብ1961 እዚ እሙን ሓው እዚ ኣብ ጥቓ ዓድና ናብ እትርከብ ከተማ ካንት ገዓዘ።

ኤሊዛቤት ፎት፣ ኣክሳማ ሱልታናሌዋ

ኤሊዛቤት ፎት፣ ኣክሳማ ሱልታናሌዋ

እታ እምንቲ ኣገልጋሊት የሆዋ ዝነበረት ኤሊዛቤት ፎት እውን ኣብ ካንት እያ እትነብር ነይራ። ሰፋይት ክዳን ኰይና ድማ እያ እትናበር ነይራ። ኣብ ዕዮኣ ኽኢላ ስለ ዝነበረት፡ ከም ሓካይምን መምህራንን ዝኣመሰሉ ሰብ ሞያ ኻብኣ ኽዳውንቲ ይእዝዙ ነበሩ። ሓንቲ ኻብ ዓማዊላ ድማ እታ ኣክሳማ ሱልታናሌዋ ዝስማ ብዓልቲ ቤት ሓደ ኣኽባር ሕጊ እያ ነይራ። ኣክሳማ ናብ ኤሊዛቤት ክዳን ደልያ እኳ እንተ መጸት፡ ብዛዕባ ዕላማ ህይወትን ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ሓያሎ ሕቶታት ሓተተታ። ኤሊዛቤት ድማ ንሕቶታታ ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሰትላ። ብድሕርዚ፡ ኣክሳማ ቕንኣት ዘለዋ ሰባኺት እቲ ብስራት ኰነት።

ኒኮላይ ቺምፖሽ

ኒኮላይ ቺምፖሽ

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ካብ ሞልዶቫ ዝመጸ ኒኮላይ ቺምፖሽ፡ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ተሸመ፣ ንኣስታት 30 ዓመት ከኣ በዚ መዝነት እዚ ኣገልጊሉ እዩ። ኒኮላይ ንጉባኤታት ይበጽሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጽሑፋት ኣባዚሕካ ንምዝርጋሕ ዚግበር ንዝነበረ ዕዮ እውን ይውድብ ነይሩ እዩ። ሰበ ስልጣን ግና ንንጥፈታቱ ኸየስተብሃሉሉ ኣይተረፉን። ይኹን እምበር፡ ኤድዋርት ቫርተር ንኒኮላይ፦ “ሰበ ስልጣን እንተ ሓቲቶምኻ፡ ጽሑፋትና ኻብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ኸም እንረኽቦ ብግልጺ ንገሮም። ነቲ ኣባል ከይ.ጂ.ቢ. ዓይኒ ዓይኑ ጠምቶ። ዜፍርህ የብልካን” ብምባል ዜተባባዕ ምኽሪ ሃቦ።—ማቴ. 10:19።

ድሕሪ እዚ ዝርርብ እዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኒኮላይ ናብቲ ኣብ ካንት ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ከይ.ጂ.ቢ. ተጸውዐ። እንታይ ከም ዘጋጠሞ ድማ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “እቲ ኣባል ከይ.ጂ.ቢ. ጽሑፋትና ኻበይ ከም እንረኽቦ ሓቲቱኒ። ኣነ ኸኣ ካብ ብሩክሊን ከም እንረኽቦ ነጊረዮ። ብድሕርዚ፡ እንታይ ከም ዚብል ኣይፈለጠን። ክኸይድ ሓዲጉኒ፡ መሊሱ ድማ ኣይጸውዓንን።” ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተባዓት ኣሕዋት ነቲ ብስራት ኣብቲ ኣነ ዝነብረሉ ኣብ ሰሜናዊ ኪርጊዝስታን ዚርከብ ዞባ ብጥንቃቐ ዘርግሕዎ። ብ1981 እቲ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ክቡር ሓቂ ኣብ ስድራ ቤተይ ምስ በጽሐ፡ ብዓልቲ ቤተይ ማይራንቡቡ እያ ፈለማ ሰሚዓቶ።

ብዓልቲ ቤተይ ንሓቂ ቀልጢፋ ኣለለየታ

ማይራንቡቡ ኻብቲ ናሪን ዚብሃል ዞባ ኪርጊዝስታን እያ መጺኣ። ኣብ ነሓሰ 1974 ሓደ መዓልቲ፡ ንሓብተይ ክትበጽሓ ናብ ቤታ ምስ መጸት፡ ኣብኡ ንፈለማ እዋን ተራኺብና። ንማይራንቡቡ ሽዑሽዑ እየ ፈትየያ። ኣብታ እተፋለጥናላ መዓልቲ ኸኣ ተመርዓና።

ኣፑን ማምበትስዳይኮቫ

ኣፑን ማምበትስዳይኮቫ

ኣብ ጥሪ 1981፡ ማይራንቡቡ ኣውቶቡስ ተሰቒላ ናብ ዕዳጋ እናኸደት ከላ፡ ነቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ዘረባ ሰምዓቶ። ብዓልቲ ቤተይ ዝያዳ ኽትፈልጥ ስለ ዝደለየት ነታ ሰበይቲ ስማን ኣድራሻኣን ሓተተታ። እታ ሰበይቲ፡ ስማ ኣፑን ምዃኑ ነገረታ፣ ኣብ 1980ታት ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገና ተኣጊዱ ስለ ዝነበረ ግና ጥንቅቕቲ እያ ነይራ። ኣፑን ንብዓልቲ ቤተይ ኣድራሻኣ ኣብ ክንዲ እትህባ፡ ኣድራሻና ወሰደት። ብዓልቲ ቤተይ ከኣ ተሓጒሳ ናብ ቤትና ተመልሰት።

ማይራንቡቡ፡ “ዜደንቕ ነገራት ሰሚዐ። ሓንቲ ሰበይቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሰባት ደጊም ከም ዘይሞቱ ነጊራትኒ። ኣራዊት ከይተረፈ ኺግርሑ እዮም” በለትኒ። እዚ ንዓይ ጽውጽዋይ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። “ብዝርዝር ክትገልጸልና ኽሳዕ እትመጽእ እስከ ንጸበ” ኢለ ድማ መሊሰላ።

ኣፑን ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ በጽሓትና። እቲ ምብጻሕ ብዝቐጸለ መጠን ምስ ገለ ኻብተን ደቂ ኪርጊዝ ዝዀና ቐዳሞት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብና። እዘን ኣሓት እዚአን ምስቲ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማን ዚገልጽ ዜደንቕ ሓቅታት ኣላለያና። በታ ፍሮም ፓራዳይዝ ሎስት ቱ ፓራዳይዝ ሪገይንድa ዘርእስታ መጽሓፍ ገይረን እየን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምሂረናና። ኣብ ታክማክ ሓንቲ ቕዳሕ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ጥራይ ስለ ዝነበረት ከኣ ብኢድና ቐዳሕናያ።

ሓደ ኻብቲ ፈለማ እተምሃርናዮ፡ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዚርከብ ትንቢት እዩ። እዚ ትንቢት እዚ በቲ ብኣምላኽ እተሸመ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ኪፍጸም እዩ። እዚ፡ ኵሉ ሰብ ኪሰምዖ ዘለዎ ኣገዳሲ መልእኽቲ እዩ። ኣብቲ ኣዋጅ እቲ ኽንሳተፍ ዝገበረና ቐንዲ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። (ማቴ. 24:14) ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትና ክቕይራ ጀመረ።

ኣብ ትሕቲ እገዳ ዄንካ ኣኼባታትን ጥምቀትን ምክያድ

ኣብ ታክማክ ዚነብር ሓደ ሓው ናብ መርዓ ምስ ዓደመና፡ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፈልየ ጠባይ ከም ዘለዎም ከነስተብህል ከኣልና። ኣብቲ መርዓ ኣልኮላዊ መስተ ኣይነበረን፣ እቲ ውራይ ከኣ ስርዓቱ ዝሓለወ እዩ ነይሩ። እዚ ኻብቲ ቕድሚኡ ዝኸድናዮ መርዓታት ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ኣብቲ መርዓታት እቶም ዕዱማት መብዛሕትኡ ግዜ ይሰኽሩን ሕማቕ ጠባይ የርእዩን ብዕሉግ ዘረባ ይዛረቡን እዮም።

ኣብታ ኣብ ታክማክ ዝነበረት ጉባኤ ኣብ እተወሰነ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ተኣኪብና ኢና። ኵነታት ከም ዝፈቐዶ፡ ኣብ ዱር ኢና እንእከብ ኔርና። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ፖሊስ ብቐረባ ይከታተሉና ኸም ዝነበሩ ስለ ዝፈለጡ፡ ሓላዊ ገበሩ። ኣብ ግዜ ኽረምቲ ኸኣ ኣብ ቤት ንእከብ ኔርና። ኣብ እተፈላለየ እዋናት፡ ፖሊስ ናብቲ ቤት መጺኦም እንታይ ንገብር ከም ዘለና ኺፈልጡ ይሓትቱ ነበሩ። ኣነን ማይራንቡቡን ኣብ ሓምለ 1982 ኣብ ፈለግ ጹይ ክንጥመቕ ከለና ጥንቁቓት ኢና ኔርና። (ማቴ. 10:16) ኣሕዋት በብሒደት ኰይኖም ብምምጻእ ኣብቲ ዱር ተኣከቡ። መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ዘመርና ኸኣ መደረ ጥምቀት ሰማዕና።

ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ተጠቒምናሉ

ብ1987 ሓደ ሓው ኣብ ከተማ ባልክሺ ንዚነብር ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ክበጽሖ ሓተተኒ። ካብ ቤትና ናብኡ ንምብጻሕ ብባቡር ኣርባዕተ ሰዓት እዩ ዚወስድ ነይሩ። ንእተወሰነ እዋን ናብ ባልክሺ ምስ ተመላለስና፡ ተገዳስነት ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉ ፈለጥና። እዚ ኸኣ ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ ንጹር ኰነልና።

ኣነን ማይራንቡቡን ብዙሕ ግዜ ናብ ባልክሺ ንኸይድ ነበርና። ንመብዛሕትኡ ቐዳመ ሰናብቲ ኣብኡ ነሕልፎ፡ ናብ ኣገልግሎት ንኸይድ፡ ኣኼባታት ድማ ንገብር ኔርና። ጠለብ ጽሑፋትና ብዜደንቕ መገዲ ወሰኸ። ነቲ ጽሑፋት ሚሾክ ኣብ ዚብሃል ድንሽ ንምምልላስ ዜገልግል ከረጺት ኣእቲና ኻብ ታክማክ ተሰኪምናዮ ንኸይድ ኔርና። ኣብ ወወርሒ እንወስዶ ዝነበርና ጽሑፋት ዝመልአ ኽልተ ኸረጺት እኳ ነቲ ጠለብ ዜማልእ ኣይነበረን። ብባቡር ናብ ባልክሺ ኽንመላለስ ከለና እውን ንተጐዓዝቲ ኽንምስክረሎም ክኢልና ኢና።

ናብታ ኸተማ ኽንበጽሕ ካብ ዝጀመርናሉ እዋን ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት፡ ብ1995 ኣብ ባልክሺ ጉባኤ ተመስረተት። እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ኻብ ታክማክ ናብ ባልክሺ እንገብሮ ዝነበርና ጕዕዞ ብዙሕ ናይ ገንዘብ ወጻኢታት ዚሓትት እዩ ነይሩ። ብዙሕ ገንዘብ ዘይነበረና ኽነሱ፡ ነዚ ዝኸኣልናዮ ግና ብኸመይ ኢና፧ ሓደ ክርስትያን ሓው ንዅሉ ወጻኢታትና ዚሽፍን ገንዘብ ብስሩዕ ይህበና ነይሩ እዩ። የሆዋ ነቲ ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ ዘሎና ባህጊ ርእዩ፡ “መሳዅቲ ሰማያት” ከፊቱልና እዩ። (ሚል. 3:10) እወ፡ ብየሆዋ ዅሉ ይከኣል እዩ።

ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ስድራ ቤትን ትሑዛት ኴንና

ብ1992 ሽማግለ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ። ኣብታ ሃገር ወዲ ኪርጊዝ ዝዀነ ናይ ፈለማ ሽማግለ እየ ነይረ። ኣብታ ኣብ ታክማክ ዝነበረት ጉባኤና ኸኣ፡ ሓድሽ መዳይ ኣገልግሎት ተኸፍተ። ኣብ ትምህርታዊ ትካላት፡ ደቂ ኪርጊዝ ምስ ዝዀኑ መንእሰያት ተምሃሮ ሓያሎ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ጀመርና። ሓደ ኻብዚኣቶም ሕጂ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ የገልግል ኣሎ፣ ካልኦት ክልተ ኸኣ ፍሉያት ፈለምቲ እዮም። ኣብ ኣኼባታትና ንዚመጹ ዝነበሩ ኻልኦት እውን ክንሕግዞም ንጽዕር ኔርና ኢና። ኣብ መጀመርታ 1990ታት፡ ጽሑፋትና ዀነ ኣኼባታትና ብሩስያኛ እዩ ነይሩ። ኣብታ ጉባኤ ግና ቋንቋ ኣዲኦም ኪርጊዝ ዝዀነ ተኣከብቲ እናወሰኹ ይኸዱ ነይሮም። ስለዚ፡ ኣነ እትርጉመሎም ነይረ፣ እዚ ድማ ንሓቂ ብቐሊሉ ኺርድእዋ ሓጊዝዎም እዩ።

ባሸንባይ በዲባይፍን ሰበይቱን ምስ ሸሞንተ ደቆምን

ብ1989 ምስ ብዓልቲ ቤተይን ሸሞንተ ደቅናን

ኣነን ማይራንቡቡን ነታ እናዓበየት እትኸይድ ዝነበረት ስድራ ቤትና ኣብ ምእላይ እውን ትሑዛት ኢና ኔርና። ንደቅና ናብ ዕዮ ስብከትን ናብ ኣኼባታት ጉባኤን ንወስዶም ኔርና። እታ ሽዑ ጓል 12 ዓመት ጥራይ ዝነበረት ጉልሳይራ ዝስማ ጓልና፡ ንሓለፍቲ መገዲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምንጋር ባህ እዩ ዚብላ ነይሩ። ደቅና ኸኣ ጥቕስታት ምሽምዳድ ይፈትዉ ነይሮም እዮም። በዚ መገዲ እዚ፡ ደቅና ጸኒሖም ድማ ደቂ ደቅና ብንጥፈታት ጉባኤ ትሑዛት ኰኑ። ካብቶም ብህይወት ዘለዉ 9 ደቅናን 11 ደቂ ደቅናን፡ እቶም 16 ንየሆዋ የገልግሉ ወይ ምስ ወለዶም ኣኼባታት ይእከቡ እዮም።

ዜደንቕ ለውጥታት

እቶም ብ1950ታት ንዕዮ የሆዋ ኣብ ከባቢና ዝፈለምዎ ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ለውጥታት እንተ ዚርእይዎ ምተደነቑ ነይሮም። ንኣብነት፡ ካብ 1990ታት ንነጀው ብስራት ክንሰብኽን ብብዝሒ ኽንእከብን ዝያዳ ሓርነት ረኺብና ኢና።

ባሸንባይ በዲባይፍን ሰበይቱን ንሓደ ብዓል ድኳን ይምስክሩሉ

ምስ ብዓልቲ ቤተይ ኣብ ኣገልግሎት

ብ1991 ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ኣብ ኣልማ-ኣታ፡ ሕጂ ኣልማቲ፡ ካዛክስታን ንፈለማ እዋን ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ተኣከብና። ብ1993 ከኣ ኣብ ኪርጊዝስታን ዚነብሩ ኣሕዋት፡ ኣብቲ ኣብ ቢሽኬክ ዚርከብ ስታድዩም ስፓርታክ ንፈለማ እዋን ዓብዪ ኣኼባ ኣዳለዉ። እቶም ኣስፋሕቲ ቕድሚ እቲ ኣኼባ ነቲ ስታድዩም ሰሙን ምሉእ ኣጽረይዎ። ዳይረክተር እቲ ስታድዩም በዚ ኣዝዩ ስለ እተመሰጠ፡ ነቲ ቦታ ብናጻ ኽንጥቀመሉ ፈቐደልና።

ብ1994 ጽሑፋትና ንፈለማ እዋን ብኪርጊዝኛ ምውጻኡ ኻልእ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ሕጂ ጽሑፋትና በቶም ኣብ ቢሽኬክ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚዓይዩ ጕጅለ ትርጉም ብስሩዕ ይትርጐም እዩ። ብ1998 ከኣ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኪርጊዝስታን ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸበ። ብሓቂ፡ ውድብና ዓብያ እያ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ኪርጊዝስታን ልዕሊ 5,000 ኣስፋሕቲ ኣለና። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ብሩስያኛ፡ ቋንቋ ምልክት ሩስያ፡ ቱርክኛ፡ ቻይንኛ፡ ኡዝበክኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ኪርጊዝኛ፡ ከምኡ ድማ ዊጉርኛ ብድምር 83 ጉባኤታትን 25 ጕጅለታትን ኣለዋና። ኵሎም እዞም ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንየሆዋ ብሓድነት እዮም ዜገልግልዎ። የሆዋ ዅሉ እዚ ዜደንቕ ለውጥታት እዚ ኺህሉ ኣኽኢሉ እዩ።

የሆዋ ንህይወተይ እውን ቀይርዋ እዩ። ኣዝዩ ትሑት መነባብሮ ኣብ ዝነበራ ስድራ ቤት እየ ዓብየ፣ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ትምህርቲ ጥራይ ከኣ እዩ ነይሩኒ። የሆዋ ግና ሽማግለ ዀይነ ኸገልግልን ብትምህርቲ ንዚበልጹኒ ሰባት ክቡር ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክምህሮምን ተጠቒሙለይ እዩ። ብሓቂ፡ የሆዋ ፍሉይ ነገራት ከም ዚፍጸም ይገብር እዩ። ብሕታዊ ተመክሮይ፡ ብዛዕባ እቲ ብእኡ ‘ዅሉ ዚከኣል’ የሆዋ ብተኣማንነት ምምስካር ኪቕጽል እዩ ዚድርኸኒ።—ማቴ. 19:26።

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፣ ሕጂ ግና ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ